የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595516
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1877
2526
7003
4567652
33481
77308
4595516

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:59

ወዝ ትግርኛ

here we go
selam new

ራብዓይ ክፋል

ንበዓል ቤቱ ብቤቱ ምግላፅ

ነቲ በዓል ቤት በቲ ቤት ወኪልካ ምግላፅ ሓደ ባእታ ስነ ፅሑፍ እዩ። ነዚ ብቐሊሉ ንምፍላጥ  ብናይ ድምፃዊ ኣብርሃም ገብረመድህን ኣገላልፃ ክንጅምር።

“ሞናሊዛ….. ብሩሽ ሊዮናርዶ ዝመሃዛ…..” እትብል ተለላ ኣብታ ካልኣይቲ “ካሴቱ” ሓንቲ ደርፊ ኣላ። ኣብዛ ኣገላልፃ ዘላ “ብሩሽ” እትብል ቃል ቤት እያ። ብመሰረቱ ስእሊ ሞናሊዛ፤ ሓንጎል እምበር ብሩሽ ክምህዛ ከምዘይክአለ እዩ ዝፍለጥ።  ስለዝኾነ  ንሓንጎል ሊዮናርዶ ንምውካል “ብሩሽ” ዝብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። እዚ ማለት ነቲ በዓል ቤት (ሓንጎል ሊዮናርዶ) ብብሩሽ ተተኪኡ (ቤት) ተገሊፁ ማለት እዩ።

እዚ ኣገላልፃ ሰማዒ ወይ ኣንባቢ ኣብ እንዛረቦ ነገር ቀልቡ ክስሓብ ዝገብር ጥበብ እዩ። ንኣብነት ፈረንጂ “ዋይት ሃውስ” ከም ዝበሎ….. ይብሉ።  በዚ ኣገላልፃ ብቀጥታ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ተዛሪቡ ማለቱ ኣይኮነን። ነቲ በዓል ቤት (መንግስቲ ኣሜሪካ) በቲ ቤት ገይርካ እዚ በለ ኢልካ ንምግላፅ ዝተጠቐምሉን ዝጥቀምሉን ሜላ ጥበብ ኣፀሓሕፋ እዩ። እዚ ኣብ ትግርኛ እውን ልሙድ ኣገላልፃ እዩ።  ንኣብነት፦ “ኣያይ ነዛ ጎራደኻ ኣስትያ ደምየ” ይብሃል። ኣብዚ ኣበሃህላ  “ጎራደ ደም ትሰቲ እያ” ንምባል ዘይኮነስ “ንፀላኢኻ ኣይተናሕሲ” ዝብል መልእኽቲ ብውክልና ጉራደ ንምምሕልላፍ እዩ። ንነገሩ እኮ፦

“ስረኻ ኣርእዮም፣

ስረይ ስረኻ ክንርአአ ኢና፣

ቀምሸይ ንዓቐብ ከም ዝኾነት ትቆፀር----”

እውን ይብሃል እዩ።  ኣብዚ ንምግላፅ ዝተደለየ ኒሕን ሓቦን ወይ ዕላማን መትከልን እንትኸውን ንሱ ብበዓል ቤቱ (ብስረ) ኣቢልካ ዝተቐመጠ ፅኑዕ መልእኽቲ እዩ። ኣብዚ ኣገላልፃ ብስምዒ ዝተላዕጠጠ ወርቂ ግን እቲ ጅግንነት እዩ። “ቀምሸይ ንዓቐብ ከም ዝኾነት ትቆፀር” ኣብ ዝብል ኣበሃህላ እውን እንተኾነ  “እዚኣ እንተዘይገይረ ዳርጋ ዝሞትኩ” ንምባል እዩ እቲ ሓሳብ።

ነብስሄር ድምፃዊ ኪሮስ ኣለማዮ  “ሓውዜን”

 ኣብ እትብል  ደርፉ፦

“ዘይተነግረ እምበር ታይ ከ ዘይተገብረ

ታሪክ ሰሪሑ ኣሕፂሩ ስረ።”………… ይብል።

ኣብዚ ዝተጠቐመላ ስረ፣ ንዕላማን ፅንዓትን ተጋዳላይ ወኪላ ንምግላፅ እምበር ስረ ስለዝሓፀረ ዓወት መፂኡ  ንምባል ኣይኮነን። ነዙይ መሰል ከምዚ ዓይነት ስነ ቃል ትግራኛ ዘስተብሃለ ኩሉ ብቐሊሉ ክርድኦ ዝኽእል ሓቂ እዩ።

ሕዚ እውን ኣብታ “እታ መሬት” እትብል ሙዚቃዊ ድራማ ገድሊ ነዚ ጉዳይ ዝገልፅ ብጣዕሚ ፅኑዕ ኣበሃህላ ንመልከት።

“ኣታ እዘን ብፅሒተይ ዶ ገበራ ጋዶ

እዘን ምሸላይ ዶ ገበራ ጋዶ

ወዮ ዘን ጣፈይ ዶ ገበራ ጋዶ

በሲለን ኣይመፅእን ዶ ኢለን እዝጊ እስቲ ይፍረዶ……….» ዝብል ግጥሚ ኣሎ።

በዚ ግጥሚ እዚ ክሓልፍ ዝተደለየ መልእኽቲ ምሸላ ኣይበስልን፣ ጣፍ ኣይጠሓንን ኢሉ ንምባል ዘይኮነስ፤ ደም ርሃፅ ኣፍሲሰ ሓሪሰ ኣንደፋሪሰ ዘኻዕበትክዎ እቶተይ፣ ነጣቒ ነጢቕወን፣ ተዓሚፀ፤ ስርዓት ዘርዩኒ፣ ናተይ ጥሪት ንባዕለይ ክኸውን ኣይከኣለን እዩ እቲ መልእኽቲ።

ኣብታ ሙዚቃዊት ድራማ ዝተቐመጠ ሓደ ረዚን መደምደምታ ድማ  “ንማሕረሻ ፀቐጠታ ብርዒ” ክብል ትግራዋይ ከማርር ይስማዕ።

ኣብዚ ሕልናና እክብ ኣቢልና ንርአ። “ንማሕረሻ ፀቐጠታ ብርዒ” እዩ ኢሉ ትግራዋይ!  ከም ንቡር ንማሕረሻ  ድንኩል ይፀቕጦ እምበር ቢሮ (ብርዒ) ኣይፀቕጦን። ንሱ ዝበሎ ግና ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፍርዲ ንመስፍን እምበር ነቲ ደፋኢ ድንኩል (ሓረስታይ) ዘይውግን ዘምባዕ ምንባሩ ንምግላፅ እዩ። እምብኣርከስ ዘይርና ዘይርና ትግርኛ ኣዝዩ ዓሙቕ፤ ካብ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ዝፍልፍል ዘይዛሪ መንጫዕጫዕታ ዘለዎ ቋንቋ  እዩ እንብሎ ዘለና ነዚ እዩ።

ሰባዊ ምስሊ ሂብካ ምዝራብ

 

ንግኡዝ ነገር ወይ እንስሳ ፀጋታት ሰብ  ሂብካ ወይ ምስኡ ትዛረብ ወይ ንዕኡ ክተዛርቦ እንተለኻ ብብርኪ ኣመዳድባ ስነ ቃል ሰባዊ ይብሃል። ነዚ ፈረንጂ እንትገልፅዎ “The mountains are in a sorrow, the oceans are in a deep salience” ይብሉ። እዚ ናብ ትግርኛ እንትንምልሶ “እቶም እምባታት ሓዚኖም። ውቅያኖሳት ድማ ኣብ ዓሙዩቕ ዓዘቕቲ ፀጥታ ጥሒሎም” ከም ማለት እዩ።

ብመሰረቱ እምባታት ፀጋ ሰብ ሃልይዎም ከም ሰብ ኣይሓዝኑን። ቃላያት እውን ብሓዘን ኣብ ፀጥታ ዝጥሕልሉ ኩነታት የብሎምን። እቲ ፀሓፊ ግና ኣብቶም ዘሕዘኖም እምባታትን ሱቕ ዘበሎም ቃላያትን ዝተፈፀመ መስተንክራዊ ትርኢት ንምግላፅ ብብርዑ ከዛርቦም ዝፈተነሉ ሜላ (ውሕልና) እዩ ተጠቒሙ።

ሕዚ ብቐጥታ ናብ ትግርኛ ኣቲና ሰባዊ ኣገላልፃ ንድለ። መሊኡ! ከም ሓመድ ስለዝኾነ ቁንጣር ከልዕል። ኣብታ መሬተይ ትብል ሙዚቃዊ ድራማ ኣቲና ሰባዊ ኣገላልፃ እንትንርኢ ብድምፃዊ (ከያኒ) ብብርሃነ ጋኖ ክንጅምር።

“ዋሪየ ዋሪ እንታይ ትድረሪ (ንዋሪ ከም ሰብ ይሓታ

 ኣሎ)

ፃዕዳ ምሸላ (ዋሪ ከም ሰብ መልሲ ሂባ)

መን ዝሓረሶ (ሓቲትዋ)

ሓረስታይ ቆላ (መሊሳትሉ ዋሪ)…. እናበለ

 ይኸይድ። ኣብ መወዳእታ፤

ዋይ ኣነ ጉዳም ተካል ዕድለይ

ቆሎ መሲሐ ሓምሊ ድራረይ»

(ኣብዚ ነታ ዋሪ ንሱ እንታይ ከምዝበልዕ፣ ክሳብ ክንደየናይ ድኽነትን ወፅዓን ከምዝደረዖ ንዋሪ ሰብኣዊ ምስሊ ኣላቢሱ፤ ውሽጣዊ ስምዒቱ ገሊፁ ኣሎ ማለት እዩ። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010