እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5193332
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
785
3331
20695
5145598
97390
128136
5193332

Your IP: 54.158.219.248
2018-05-25 05:24

ያታና መምህረ ምሁራን!

here we go
selam new

“ቅድም እንትብል ሓደ ተምሃሪ ቅኔ ትምህርቱ ዛዚሙ ቅድሚ መዓርግ መምህርነት ምርካቡ ካብ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይንእስ ጊዜ ናብ ትግራይ ከይዱ ቤተ ክርስትያን እናገልገለ ስነ ቃል ህዝቢ ከፅንዕ ይግበር ነይሩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት እውን ቋንቋ ትግርኛ ጥንታውያን ምስ ቋንቋ ግእዝ ተመሳሳልነት ዘለዎን ከምኡ ድማ ብዙሓት ምስጢራት ዝሓዙ ስነ ቃላት ስለዘለዎ ንዚኦም ንክቐስም ተባሂሉ እዩ” ይብለና ብካሕሳይ ገ/ሔር ተደሪሱ ኣብ 2008 ዓ/ም ዝተሓተመ ባህልና ክርስትናዊ ትውፊት ዝተበሃለ መፅሓፍ ኣብ ገፅ  56፡፡

ቋንቋ ትግርኛ ብስነ ቃላት ዝሃፍተመ ምዃኑ ኣጉሊሆም ዘርእዩና እቶም ያታና ዝኾኑ ህዝባዊ በዓላት እዮም። በዓል ኣሸንዳ /ከከም ከባቢኡ ወዕምበብ፣ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ ወዘተ ዝብሉ ስያመታት ኣለውዎ/ ካብቶም ያታታት ወለድና ዘጉልሁ ህዝባዊ በዓላትና ሓደ እዩ። ኣብዚ ህዝባዊ በዓል ኣሸንዳ ሕብረተሰብና ብግጥምን ዜማን ገይሩ ዘይድህስሶ ዛዕባታት ማሕበራዊ ቁጠባውን ፖለቲካውን ኩነታት የለን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል እዩ፡፡

ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ከም ዘገንዝቡና ህዝብና ካብ ቀደም ኣትሒዙ ንመንግስቲ ክፈልጦ ዝደለዮ ሕቶ እንተሊኡ ብስነ ቃል ኣቢሉ እዩ ዝገልፅ ነይሩ። ንሓጎሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ንወፅዕኡ ክገልፀሉ ዝኽእል ብልሓት ይፈጥር ምንባሩ ሰነዳት ታሪኹ የረጋግፁ፡፡ንኣብነት እውን “እታ መሬት” እትብል ብባህሊ ህወሓት ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተደረሰት ሙዚቃዊ ድራማ እኽልቲ ኣብነት ክትኸውን ትኽእል እያ። ብመምህር ገ/ኪዳን ደስታ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ ይኹን ካልኦት ታሪኻዊ ሰነዳት እውን ነገስታት ስምዒት ህዝቦም ንምፍላጥ “ጓሰት” እንታይበሉ እናበሉ ዝሓትሉ እዋን ከምዝነበሩ እዮም ዝሕብሩ፡፡

ኣብ ማሕበራዊ እውን እንተኾነ ዝኾነ ይኹን ኣካል ካብቲ ልማዳዊ ሕብረተሰብ ውፅእ ዝበለ ተግባር እንተፈፂሙ ብስነ ቃል ገይሩ ክወቕሶ ኢና እንዕዘብ። እዚ ጥንታዊ ሓደ መግለፂ መንነትና ዝኾነ ጥበብ ኣገላልፃ ሓሳባት ሕዚ እውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ነዚ ግልፂ ንምግባር ናብታ ዝነውሐ በዓል ኣሸንዳ እተካይድን በቢግዚኡ ሓደሽቲ ደርፍታት እትምህዝን ከባቢ ተምቤን ብሓሳብ ክንወስደኩም ሰዓቡና።

ህዝቢ ተምቤን ካብ ማሕበራዊ መስተጋብር እቲ ህዝቢ ወፃኢ ዝኾነ ተግባር ክትፍፅም ንዝተዓዘባ ሓንቲ ጎርዞ ከምዚ ክብል ደሪፉላ እዩ፡፡

“ቀያሕ እያ ሕፅርፅር ዝበለት

ኣብያ እያ ንኮሌጅ እናበለት” ይብል፡፡

እዚ ኣገላልፃ ብቐጥታዊ ትርጉሙ እንትረአ እታ ቆልዓ ንኮሌጅ እናበለት ትኣቢ ዘላ ንትምህርቲ ደልያ የምስል ይኾን። ኮይኑ ግን እቲ ረዚን መልእኽቱ ካብቲ ባህላዊ ስርዓተ መውስቦ ወፃኢ ዝኾነ ዕርክነት ብመሓዛ ብቤተሰብ ካብ ሕጊ እንዳባ ወፂኺ ኣይትኺዲ እናተብሃለት እንተተምዓደት እናኣበየት ናብቲ ኣብ ኮሌጅ ዝሰርሕ ዘፍቀረቶ መንእሰይ እናኸደት ኣሸጊራ ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘለዎ፡፡

ሕብረተሰብና ንባህሉ ልዑል ክብሪ ኣለዎ። ከምኡ ስለዝኾነ እውን እዩ ካብ ባህሉ ወፃኢ ዝኾነ ተግባር እንትርኢ ዝፅየፎ ምዃኑ ብስነ ቃሉ ዝገልፅ።ከም ባህሊ ሕብረተሰብና ዝኾነ ሓደ ሰብ ንዓቕሚ ኣዳምን ሂዋንን እንትበፅሕ በቲ ሕጊ እንዳባ ክምርዖ ይግባእ ይብል። እቲ ምንታይ ሓደ ሰብ ዝዋሰብ ሰለስተ ረብሓታት ንኽጥቀም እዩ ኢሉ ይኣምን። ንሳቶም እውን እቲ ሓደ ንክተሓጋገዝ፣ እቲ ካልኣይ ዘርኢ ንኽትክእ እንትኾን እቲ ካልእ ድማ ካብ ዝሙት ንኽዕቀብ እዩ። ስለዝኾነ ካብዚ ወፃኢ ዝግበር ርክብ ኣፀያፊ ኢሉ ከም ዝኣምን እቶም ዝገልፆም ስነ ቃላት መመላኸትቲ እዮም።ምስ እዚ ዝተሓሓዙ ካብ ስነ ቃላት ሓንቲ ክነቕርብ፡፡

“ከይትሓምቕ ስና ተወቂጣ

ከይትወልድ ክኒና ውሒጣ” ይብል፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ከምዚ ሎሚ ዘበናዊ መመላዃዕቲ /ኮስሞቲክስ/ እንተይተፈጠሩ ከም ፀሓይ ደሚቐን ንኽረኣያ ይገብርኦ ካብ ዝነበራ መመላኽዒ ሓደ ውቃጦ ስኒ እዩ። ውቃጦ ስኒ ጉራማይለ፣ ድፉን ወዘተ ዝብሉ ስያመታት ኣለውዎ። ብፍላይ ጉራማይለ ዝተወቀጠት ቆልዓ ክምስ እንትትብል ደጉሒ ስና ልቢ ተባዕታይ ስለዝሕንዝፍ ብፅባቐ እታ ጎርዞ ዝተማረኸ ወዲ ካልኦት ከይቕድምዎ ተጓይዪ ማእኸላይ እዩ ዝስደድ፡፡

ስለዝኾነ ነዚ ልማዳዊ ስራሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣማሊኣ ስና ዝተወቀጠት ጎርዞ በቲ እምነት ማሕበረሰብ ዘይሕጋዊ መውስቦ ስለዝፈፀመት እቲ ተግባር ኣፀያፊ ምዃኑ ንምግላፅ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ከይትሓምቂ ስንኺ ተወቂጥኪ፣ ከይትወልዲ ግን መከላኸሊ ጥንሲ ስለ ትጥቀሚ ኢኺ እምበር ሰብኣይ ኣእቲኺ ኢኺ ክብል ብስነ ቃሉ ገሊፁላ እዩ። ነዚ እውን እዩ በዓላትና ነቲ በዓል ዝምልከት ዜማታት ጥራሕ ዝቐርብሎም ዘይኮኑስ ከምቶም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ዛዕባታት ዝግለፀሎም እዮም ንብል ዘለና፡፡

ባህልና ክሳብ ክንድዚ ዓሞቕቲ ስነ ቃላት ዝውገዐሉ ስለዝኾነ እውን እዩ ዝኾነ ይኹን ምሁር ቅኔ ነቲ “ካብ ረቂቕ ኣእምሮ ዝምንጩ ረቂቕ ምስጢር ዝዝርበሉ፤ ሓደ ሰብ ሰፊሕ ኣረኣእያ፣ ጥበብን ብስለትን ክህልዎ ዝገብር” እናተብሃለ ዝግለፅ ትምህርቲ ቅኔ ምስ ዛዘመ ምስክር መረጋገፂ ብቕዓት /መዓርግ መምህርነት ቅኔ/ ንክወሃብ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ግልጋሎት ይህብ ነይሩ ዝብል ሓበሬታ ኣብ መእተዊ እዚ ፅሑፍ ዝገለፅና፡፡

እዚ ብምዃኑ እውን እዩ እቲ ብስነ ቃላት ዝሃፍተመ ባህልና¿ ዘለዎ ረብሓታት ዕዙዝ ብምዃኑ ካብ ሃገር ሓሊፉ ብብርኪ ዓለም /ብዩኔስኮ/ ብቅርስነት ዝምዝገበሉ ኩነታት እናተፈጠረ ዘሎ። ከም ሓበሬታ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልልና እቲ ቅድሚ ክርስትና ኣብ ኣክሱም ይፅወት ከምዝነበረ ዝንገረሉን መግለፂ ባህሊ ሕድሕድ ቁሸታት ክልልና ዝኾነ በዓል ኣሸንዳ ብብርኪ ዓለም ብቅርስነት ንክምዝገብ ያታዊ ትሕዝትኡ፣ ታሪኻዊ ኣመፃፅእኡ፣ ኣገባብ ኣፈፃፅመኡ ወዘተ ብሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ተፀኒዑ እዩ። እዚ ብብርኪ ዓለም ተፈላጥነት ዝረክብ ዘሎ ባህልና እቲ ሓዱሽ ወለዶ ካብ ወደሳን መኣከቢ ገንዘብን ዝኾነ ተግባር እናረሓቐ ካብቲ ናይ ቀደም ትሕዝትኡ ኣጠቓቕማ ስነ ቃላት እንተይኣውፅአ ንክፃወቶ እናሓበርና ያታና ንዜጋታት ዓለም ከዘናግዕን ከምህርን ዝሕረ ዘሎ ብምዃኑ ያታና መምሃሪ ምሁራት ንብሎ ዘለና። 


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010