የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595478
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1839
2526
6965
4567652
33443
77308
4595478

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:53

ኣዒንቲ ዓለም ዝሰረቐ ሓምለዋይ መስሕብ!

here we go
selam new

ኣይተ ገ/ሚካኤል ግደይ ንዑደተኛታት መብርሂ እንትህቡ

 

ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል

“ምሳርን ፋስን ኣብ ልዕሊ ኣግራብ እንተበሊሖም ማሕረሻ ዝቅበል መሬት ክቅበፅ እዩ” መሪሕ ጭርሖ ነበርቲ ኣብርሃ ወኣፅብሃ።

ድርቂ ዝፃወር ሓምለዋይ ቁጠባ ሃገራት ብለውጢ ኣየር እንከይተፀለወ ቁጠባዊ ዕብየት ንምጥንኻር፣ ”ካብ ካርቦን ልቀት” ነፃ  ዝኾነ ከባቢ ንምህናፅ ዝጥቀማሉ መስመር እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ስግኣታት እቲ ለውጢ ትርጉም ብዘለዎ ኩነታት ንምቕናስ ከባብያዊ ተቐባልነት ዘለዎም ስራሕቲ ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘጋፍሕ ኣንፈት እዩ። ኣብ ውሽጢ ከባቢ ኣየር  ዝርከቡ ሙቐት ቋፀርቲ ጋዛት ውህላለኦም ዘረጋግኡ መማረፂታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ ብምህላዎም ድማ ናይ ምርግጋፅ ስራሕቲ ምስራሕ እውን የጠቓልል። 

ብመሰረት እዚ ብመተሓባበራይነት ዩንቨርስቲ መቐለ ዝተሳለጠ ዓለም ለኸ ዋዕላ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ኣብ ክሊ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ሃገርና ዝተትሓዘ ትልሚ ህንፀት ሓምለዋይ ልምዓት ንኽዕወት ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን ሃገርና ዝነበረ ኣፈፃፅማ ብርኪ መፍረያይነትን ምርግጋፅ ውሕስነት ምግብን ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ዓብዪ ዕድል ይፈጥር። ብብርኪ ሃገር ክሳብ 2025 ዓ/ም ምሉእ ብምሉእ ካብ ብኽለት ጋዛት ነፃ ዝኾነት ሃገር ንምዃን ዝተሓንፀፀ ነዊሕ ራእይ ጋህዲ ይገብር። ምስ መፍረያይነት ተተሓሒዙ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ንዝህልዎ ፅልዋ መፍትሒ ንምትእልላሽ ሓጋዛይ ይኸውን።

ብተመሳሳሊ ሓረስቶት ክልልና ዘለዎም ሕርሻዊ ተመክሮታት ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ምስ ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምውህሃድ ውሽጣዊ ዓቕሙ ንምንጥንኻር ይሕግዝ። ነቲ ዝተሓላለኸ ፀገም ኣብቲ ምሁር ዘሎ ሳይንሳዊ ዓቕምን ኣብቲ ሓረስታይ ዘሎ ናይ ነዊሕ ዘመናት ልምድን ናብ ሓደ ብምምፃእ ንምፍታሕ ዘኽእል እዩ። ነዚ ንምጥንኻር እውን እዞም ተመክሮታት ብምስናድ በቢእዋኑ ንዝግበሩ ለውጢ ከባቢ ኣየር መሰረት ዝገብሩ ምርምራት ሃፍቲ ተፈጥሮ ከም ፍልፍል መረዳእታ ከገልግሉ ትፅቢት ይግበር። ኩሎም እቶም ዝቐረቡ መፅናዕቲታት ነቲ ዓለምና እትብህጐ ዘላ ለውጢ ቁልፊ መሳርሕታት ኣብ ምዃን ዘየጠራጥር ፋይዳ ከም ዘለዎም ነቲ ዋዕላ ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ረቂቕ ፅሑፍ የረድእ።

ዶክተር ኣማኒኤል ዘመነ ዳይሬክተር ፋካሊቲ ለውጢ ኣየር ንብረትን ጉዳይ ማሕበረሰብን ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብ  ኮሌጅ ሕርሻ ትግራይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ምሁር እዮም። ከም ኣገላልፃ እቶም ምሁር ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ቁፅሮም ናብ 88 ዝፅግዑ መፅናዕትታት ኣብ ኣርባዕተ ርእሰ ጉዳያት ኣትኲሮም ቀሪቦም ኣለው። ካብቶም መፅናዕትታት ዝተረኸበ ጥሙር ውፅኢት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ውሕስነት ምግቢ ዝፈጥሮ ዘሎ ፅዕንቶ ንምርዳእ፤ ምግፋሕ ሰነ ህይወታዊ ምህዳርን ብዘሃ ህይወትን ንምግቢ ውሕስነት ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ንምንፃር ዝዓለመ እዩ። እቲ ዋዕላ ብፍላይ ብሉፃት ተሞክሮታት ሃገርናን ካልኦትን ብምንፅፃር ኣብ ምድንፋዕ እቶት ብዘለዎም ረብሓ ተወሲዶም ኣብ ፖሊስን ስትራተጅን ሃገራት ከመይ ከም ዝካተቱ ሳይንሳዊ ዘተ ዝተኻየደሉ ዋዕላ ምንባሩ የረድኡ።

ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝፍጠር ምቁርራፅ ዝናብን ድርቅን ኣብ መፍረያይነት ሃገራት ኣፍሪካ ዝተትሓዘ ሸቶ ባይታ ንኽዘብጥ ምኽንያት እናኾነ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ በቢ ዓመቱ ዝህሉ መጠን ዝናብ ዋላ እኳ ብዙሕ ኣፈላላይ እንተዘይብሉ ኣብ ምጅማርን ምውፃእን ኣዝመራን ግን ምዝባዕ ይረኣ ኣሎ። ነዚ ዓብዪ ፀገም መፍረያይነት ንምፍታሕ እቲ ኣዝርእቲ መዓዝ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘርእዩ መፍትሒ ሓሳባት ቀሪቦም እዮም። ግን ከዓ እዚ መፍትሒ ሓሳብ ምሉእ ክኸውን ምእንቲ ንቐፃሊ ምስ ህልው ኩነታት ሓደ ከባቢ ሰፊሕ ምርምር ዝካየደሉ ዛዕባ ምዃኑ ዶክተር ኣማኒኤል ወሲኾም ይገልፁ።

ዶክተር እያሱ ገብረመድህን ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ተመራማሪ ሃፍቲ ተፈጥሮ እዮም። ነቲ ዋዕላ ኣመልኪቶም እንትገልፁ “ እዚ ዋዕላ ‘ምምሕያሽ ውሕስነት ምግቢ ኣብ ትሕቲ ለውጢ ኣየር ኣብ ኣፍሪካ’ ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኣከቡ ምሁራት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣፍሪካ፣ ኤስያን ኣውሮፓን ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ ተመኩሮ ዝለዋወጥሉ መድረኽ እዩ። ስነ-ሂወታዊ ምህዳር ከባቢ ኣጠናኺርካ ብሰንኪ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ መፍረያይነት ዘንፀላሉ ሓደጋ ድርቂ ንምቕናስ ዘኽእሉ ሳይንሳዊ መማረፂታት ዳህሲሱ ኣሎ። ነዚ እውን ሕፅረት ዝናብ ክፃወሩ ዝኽእሉ ዓሌታት ዝራእቲ ብምግፋሕን ሓደሽቲ ስርዓት ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሕግዙ ኣሰራርሓታት ኣብዚ ዋዕላ ቀሪቦም ኣለዉ። እዞም ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ምስ ነባራዊ ኩነታት ክልልና ኣተኣሳሲርና ዳግም ምርምር ብምክያድ ናብ ተግባር ንምእታው ዘኽእለና ልምዲ እዩ።” ይብሉ።

ሃገርና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሃገር ደረጃ ብምግቢ ዓርሳ ዝኸኣለት ሃገር ተባሂላ ተቐሚጣ ኣላ። እዚ ተነፃፃሪ ግን ድማ ዘተባብዕ ውፅኢት ኣብ ህንፀት ሓምለዋይ ቁጠባ ብዝተሰርሑ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ዝመፀ እዩ። ብፍላይ ክልል ትግራይ በዚ መዳይ ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ኣመዝጊባ እያ። ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ እትርከብ ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅበሃ  ኣብ ሃገረ ብራዚል ካብ ዝረኸበቶ ሽልማት ብተወሳኺ ማእኸል ስሕበት ተመክሮ ምሁራት ዓለምና ምዃና ናይዚ መርኣያ እዩ። ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ እውን ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ እቲ ዋዕለኦም ናብዛ ጣብያ እዮም ኣምሪሖም።  ሓምለዋይ ከባቢ ብምፍጣራ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበት ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅበሃ ድሕረ ባይታኣ ኣቦ ወንበር እታ ጣብያ ኣይተ ገብረሚካኤል ጊደይ ንዑደተኛታት ዝሃብዎ መብርሂ ክነስዕብ።

ነበርቲ ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅበሃ ምስ ተፈጥሮ ሓዝ ክሕዝ ገጢሞም ዝሰዓሩ፤ ድኽነት ናብ ዘሸንፍሉ ተሪር ዕርዲ ቁጢጥ ዝበሉ ህዝብታት እዮም። ቅድሚ 1990 ዓ/ም ናብራ ከቢድዎም ዓዶም ራሕሪሖም ዓይኒ ዕሙተይ ስደት ንምኻድ ዝወሰንሉ ሕሱም እዋን ነይሩ። ምኽንያቱ ብተደጋጋሚ ንላዕሊ ቆላሕ ኢለን ደበና ኣልቦ ሰማይ ኣቋሚተን ዝምለሳ ኣዒንቲ ሓረስታይ እታ ጣብያ፣ ተፈጥሮ ልግሳ ዝተለገመት እናመሰሎ ድራር ፅብሑ ከይስእን ይፈርሕ። ፅቡቕ ዝናብ እንተዘነበ እውን ገፀ መሬት እታ ጣብያ ኣፃድፍ ዝበዝሖ ብምዃኑ እናተገላበጠ ንዝውሕጅ ማይ ዓጋቲ ከይረኸበ ዝርካቡ ልሙዕ ሓመድ ፀራሪጉ ንክኸይድ ሰፊሕ ዕድል ዝህብ እዩ ነይሩ። ብምኽንያት እዚ ማይ ወቕዐ ኣይወቕዐ ነቲ ከባቢ ትርጉም ኣይነበሮን። ኩሉ ግዜ ደረቕ መሬት ምዃኑ ዘተሓሳሰቦም ሓረስቶት ዝበረሰ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዳግም ንምሕዋይ ቆራፅ ኣማራፂ ወሲዶም ዘላቒ ከባቢያዊ ለውጢ ብምምፃእ ውሕስነት ምግቦም ንኸረጋግፁ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም። ከባቢኦም ዳግም ብምሕዋይ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ዝዓነወ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናብ ንቡር ንምምላስ ድማ ብሓደ ልቢ ወፍሪ ጀሚሮም።

ካብዚ ንደሓር ነበርቲ ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ኣብ ጐቦታት ሓኲሮም ናብ ዝሰርሕሉ ኩነታት ምስተሰጋገሩ ተፈጥሮ ከባቢኦም ክሓዊ ጀሚሩ። ብመንግስቲ ካብ ዝተሓንፀፁ ፖሊሲታትን ስትራተጂን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብተወሳኺ ከባቢያዊ ምህዞታት ክበራኸቱ ጀሚሮም። ኣብ ዙርያ ዝሓወዩ መፋስሳት ዘለዉ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ልምዓት መስኖ ንምግባር ድማ ሰፊሕ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ወፍሪ ተኻይዱ። ከም ውፅኢቱ እውን ኣብዘሓ ህዝቢ ሽጉርትን ኮሚደረን ካብ ምፍራይ ሰጊሩ ቀወምቲ ተኽልታት ክተክል ጀሚሩ። ብመንግስትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝተሰርሑ  370 ዝኾኑ ሆረየታትን ዘሯቒ ማይ ጉድጓድን ከም መርኣያ ብምውሳድ ብከባብያዊ ምህዞ ኣጠናኺሮም ቀፂሎምሉ። ድሕሪ እዚ ልዕሊ 65 ዒላታት ምስ ተኹዓተ ተስፋ ህዝቢ ልምላመ ክርአ ጀሚሩ። ብዝተፈጠረ ቆራፅ ልምዓታዊ ኣተሓሳስባ፣ ብወገን መንግስቲ ዘሎ ንፁር ኣንፈትን ዝወሃብ ደገፍን ነቲ ለውጢ ኣጎሃሂርዎ። በዚ ኣቢሉ ብዝተፈጠረ ህዝባዊ ምልዕዓል ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅበሃ ንካልኦት ከባቢታት ዓለም መርኣያ ናብ እትኾነሉ ብርኪ ከም ዝበቕዐት ኣይተ ገብረሚካኤል ግደይ /ኣባሓዊ/ ንዑደተኛታት ይገልፁ።

ከም ኣገላልፃ ኣይተ ገብረሚካኤል ፃናን መቓይሕን ዝበሃላ ክልተ ቁሸታት ሰንጢቑ ዝሓልፍ “መፋስስ ወይኒ”  ካብ ዝሓወዩ ሰፋሕቲ ሩባታት ሓደ እዩ። ቅድሚ ምሕዋዩ ጥልቀቱ ልዕሊ ሽዱሽተ ሜትሮ ጐድኑ ድማ ብማእኸላይ ክሳብ 25 ሜትሮ ይበፅሕ ነይሩ። መፋስስ ወይኒ፣ ካብ ጎቦታት እቲ መፋስስ እናዓንደረ ዝኸይድ ዝነበረ ውሑጅ ናብ ውሽጢ መሬት ክኣትወሉ ዝኽእል ከትርታት ብጉልበት ህዝቢ ተሰሪሕሉ። ህዝቢ እታ ጣብያ ብሓደ ልቢ ከቲቱ ንምስርሑ እውን ነቲ ተኣምራዊ ዝመስል ሩባ ረብሓ ዝህበሉ መልክዕ ዝሓዘ መፋስስ እዩ። ብተወሳኺ ህዝቢ ኣብርሃ ወኣፅበሃ ዝፍለጠሉ  “ዘራቚ ማይ ከትሪ ሳንዱች” ዝበሃል ፈጠራ ተጠቒሙ ነቲ ከባቢ ንምሕዋይ ብዝገበሮ ርብርብ ነቲ ሐዚ ዘሎ ምችው ኩነታት ክፈጥር ክኢሉ እዩ። ብፍላይ ብከባብያዊ ምህዞ ነበርቲ እታ ጣብያ ዝኾነ “ከትሪ ሳንዱች” ማይ ናብ ከርሰ ምድሪ ክዘሩቕ ወይ ክሰርፅ እናተገበረ እዩ።

ህዝቢ እታ ጣብያ ብዝገበሮ ዝተዋደደ ፃዕሪ ካብ ላዕለዋይ ክፋል እቲ መፋስስ ክሳብ  ኣስታት ሸውዓተ ኪሎ ሜትር  ንታሕቲ ዘሎ ክፋል እቲ መፋስስ ብምግዳብ ከርሰ መሬት እቲ ከባቢ ማይ ነቲዑ ፍርያት ዝሕፈሰሉ ሜዳ ልምዓት መስኖ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ትማሊ ገደል ዝነበረ ሩባ ሎሚ ፍልፍል ሓሸዋ ክኸውን ብምኽኣሉ ብማሕበር ዝተወደቡ መናእሰይ ፍልፍል ኣታዊ ክገብርዎ ክኢሎም ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ስድራ ስውኣት ዝኾኑ መናእሰይ ልዕሊ 700 ቀወምቲ ተኽልታት ዝፈርይሉ ልሙዕ ከባቢ ንምዃን በቒዑ ኣሎ። ላዕለዋይ መፋስስ እቲ ከባቢ ብምሕዋዩ፣ ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ተፈጥሮኣዊ ኣግራባት ናብ ንቡር እንትምለሱ ይረኣዩ። ካብዚ ለውጢ ዝፍልፍል እውን ነበርቲ እቲ ከባቢ ተጠቀምቲ ፍርያት ልምዓት መስኖ እናኾኑ ይርከቡ። ኣብ ታሕተዋይ ኣካል እቲ መፋስስ ልዕሊ 10 ዓበይቲ ዘይነፅፉ ቃላያት ብምፍጣሮም ብሃፍቲ ዓሳ እውን ክጥቀሙ ራእይ ኣለዎም። ካብ ቅድሚ ሐዚ ብዝተፈለየ መልክዑ እንስሳ ዘገዳም ብበዝሒ ዝረኣይሉ ሰነ ሂወታዊ ምህዳሩ ዝጎልበተ ከባቢ ኮይኑ ከም ዘሎ ኣይተ ገብረሚካኤል ንዑደተኛታት ዝሃብዎ መብርሂ የረድእ።

ብድምር ኣብ ክሊ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኮይንካ ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ከም ዝከኣል ካብታ ጣብያ እኹል ተመኩሮ ምርካብ ይከኣል። መደምደምታ እቶም ምሁራት እውን ንሱ እዩ ነይሩ። ኣብ ትግራይ ከም ኣብርሃ ወኣፅበሃ ዝለምዓ ከባብታት ንምብርኻት ሰፋሕቲ ፃዕርታት ይካየድ ኣሎ።  ዩንቨርስቲ መቐለ ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ዘተግበሮም ኣብ ምርምር ዝተደገፉ ቴክኒካዊ ስራሕቲ ብተወሳኺ ነዞም ተመክሮታት ንምስፋሕ ሰፊሕ ትልሚ ኣለዎ። ዓብዪ ረብሓ እቲ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ እውን ነዚ ንምግባር ዘኽእሉ ተመክሮ ካልኦት ዩንቨርስቲታትን ሃገራትን ትለዋወጠሉ ዕድል ምርካባ እዩ። ዛዕባ እዚ ፅሑፍ ንምጥቕላል ኣብ ኣፍደገ በሪ መንበሪ ኣቦወንበር እታ ጣብያ /ኣባ ሓዊ/ ኣብ ዝተለጠፈት ቅንጣብ ወረቐት ግን ድማ ረዚን መልእኽቲ ብዘለዋ ፅሕፍቲ ክንክንብት። “ምሳርን ፋስን ኣብ ልዕሊ ኣግራብ እንተበሊሖም ማሕረሻ ዝቕበል መሬት ክቕበፅ እዩ። ሰለዚ…?”።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010