የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4534406
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1858
2471
4329
4511961
49679
165145
4534406

Your IP: 54.224.164.166
2017-11-20 17:20

ስርዓተ-ፆታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ

here we go
selam new

                          ክኢላ ስርዓተ ፆታ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣበበ ንርአ

ዘመናዊ ትምህርቲ ናብ ሃገርና ካብ ዝተኣታቶ ልዕሊ ምኢቲ ዓመት ኣሕሊፉ ኣሎ። ይኹን እምበር ፍርቂ ክፋል ሕብረተሰብ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ዘግለለ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ብሰንኪ ኣድሎኣዊ ስርዓትን ባህላዊ ማሕለኻታትን ተቋደስቲ ዘፈር ትምህርቲ እንተይኮና ፀኒሐን እየን። በዚ ምኽንያት እቶም ኣብ ፖለቲካ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ዘፈራት ክረኽበኦም ዝግበአን ረብሓታት እንከይረኸባ ከምዝፀንሓ ተዘክሮ ቀረባ እዋን እዩ። ስለዝኾነ ንባዕልተን ተረቢሐን እቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ልምዓት እዛ ሃገር ከበርክተኦ ዝግበአን ግደ ትሑት ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እናበፅሐ ካብ ዝመፀ ተደራራቢ ወፅዓ ብምብጋስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ንደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዝሕገዛሉ መንገዲ ብምትዕርራይ እናተንቀሳቐሳ ይርከባ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ኮይነን ትምህርተን ከይከታተላ ማሕለኻ ዝኾኑወን ፀገማት ብምፍታሕ ዓቕመን ንከዕብያ እናተገበረ ይርከብ።በዚ ድማ  ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ሓሙሽተ ዓመት 30 ምኢታዊ መምህራንን ኣመራርሓን እቲ ዩኒቨርሲቲ ደቂ ኣንስትዮ ንክኾና ትኹረት ብምግባር እናሰርሐ ይርከብ። ኣይተ ኣበበ ንርአ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ በዓል ሙያ ስርዓተ-ፆታ እንትኾኑ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ዙርያ ስርዓተ ፆታ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦምና ኣለዉ።እቶም ባዓል ሞያ፣ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ጉዳይ ስርዓተ-ፆታ ትኹረት ብምሃብ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣብ 2025 ዓ/ም ፈረንጂ ካብተን ኣብ ኣፍሪካ ዝርከባ ብሉፃት 25 ዩኒቨርሲቲ ሓደ ንምዃን ራእይ ሒዙ እናተረባረበ ከምዝርከብ ይዛረቡ።ነዚ ራእይ ዕውት ንምግባር ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ቤት ፅሕፈት ስርዓተ ፆታ ብምጥያሽ እናሰርሐ መፂኡ እዩ።

ቤት ፅሕፈት ስርዓተ-ፆታ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ እንትንርኢ፣ ፈለማ ሓደሽቲ ተምሃሮ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ  እንትኣትዉ  ምስ ዳይሬክተር ኣገልግሎት ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብምትሕብባር ስነ- ስርዓት ኣቀባብላ የካይድ።ቅድሚ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር  ምጅማሩ ድማ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት እቲ ዩኒቨርሲቲ፣ ስርዓተ ፆታ፣ ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ስነ- ተወልዶን፣ ሕገ ደንቢ እቲ ዩኒቨርሲቲ፣ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከጋጥምዎም ብዛዕባ ዝኽእሉ ፀገማትን ኣፈታትሕኦምን ዝምልከት ስልጠናታት ክወሃቡ ይገብር። ሓደሽቲ ተምሃሮ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት እዛ ሃገር  ዝተፈላለዩ ባህሊ ሒዞም ስለዝመፁ ኣብ ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ተግባራት ግንዛበ ንኽህልዎም በብዓመቱ ይመርሕ፣ ግንዛበ የጨብጥ። ብዘይካ እዚ ብስነ-ምግባርን ብትምህርትን ዝተሃነፀ ተምሃራይ ንኽፈሪ ተኸታታሊ ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ። ብፍላይ ሓደሽቲ ተምሃሮ ተሞክሮ ስለዝሓፅሮም ደንገርገር ከይብሉ ዘኽእሎም ስራሕቲ ምፍላጥ ይካይዱ። ሕገ ደንቢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንክፈልጡ ብምግባር ስነ ምግባሮም ሕልው ዝኾኑ ተምሃሮ ንክፈርዩ እቲ ቤት ፅሕፈት በብዓመቱ እናሰርሐ ይርከብ። ሕጊ መንበሪ ክፍሊ ተምሃሮ (ዶርሚቶሪ) እንታይ ከምዝኾነ፣ ሃዋኺ ድምፂ ምስማዕ ከምዘይፍቀድ፣ ጫት፣ ሽጋራን ካልኦት መዐወንቲ ዕፃትን መስተ ኣልኮልን ሒዝካ ናብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምእታው ከምዘይፍቀድ ግንዛበ ዝፈጥር ስልጠና ይወሃቡ። ብተወሳኺ ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ኣብ ትምህርተን ፅዕንቶ ዝፈጥር ፆታዊ ምትንካው ምግባር ክሳብ ካብ ትምህርቲ ምብራር ዘብፅሕ ስጉምቲ ከምዘውስድ ደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮ ኣቐዲሞም ንክፈልጡ እቲ ቤት ፅሕፈት መልእኽቲ የመሓላልፍ።

ቀንዲ ስራሕ እቲ ቤት ፅሕፈት ግና ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን  ዓቕመን ንከዕብያ ዘኽእለን ሓገዝ ምግባር እዩ። ንኣብነት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከባ ሰራሕተኛታት ካብ ዲፕሎማ ናብ ቀዳማይ ዲግሪ፣ ካብ ቀዳማይ ዲግሪ ናብ ካልኣይ ዲግሪ ከምኡ እውን ካብ ካልኣይ ዲግሪ ናብ ዶክትሬት ዲግሪ ንክዓብያ ሓገዝ ይግበረለን። ስለዚ እተን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ትምህርቲ ካልኣይ ዲግሪን ‘’ፒ ኤች ዲ’’ን ክመሃራ እንተደልየን ብከመይ ‘’ፕሮፖዛል’’ መወዳደሪ ትምህርቲ ከዳልዋ ከምዝኽእላ ብተደጋጋሚ ስልጠና ክረኽባ ይግበር። ብፍላይ ሓደሽቲ ንዝቑፀራ ደቂ ኣንስትዮ መምህራን ምእንታን ኣብ ምርምር ክነጥፋን ዓቕመን ከዕብያን በብዓመቱ በጀት ብምምዳብ እናተሓገዛ ይርከባ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ስራሕ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣብ ምርምራትን መፅናዕቲታትን ክሳተፋ ዘኽእለን ስልጠና ንክረኽባ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ጉዳይ ስርዓተ ፆታ ምስ ዝነጥፉ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ብምትሕብባር ምዕሩይ ኩነታት እናመቻቸወ ይርከብ።

ብተመሳሳሊ ሓደሽቲ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብ ገዝአንን ስድረአንን ምውፃእ ንመጀመርያ እዋን ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ምእንታን ከይፈርሓን ከይደናገራን ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማረን እኹል ስልጠና ይወሃበን እዩ። እዘን ተምሃሮ ኣብ ክሊ ዕድመ ንእስነት ስለዝርከባ ዘየድሊ ጥንሲ፣ ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስን ካልኦት ሕማማትን ብምቅላዕ መፃኢ ህይወተን ከይበላሾ ምእንታን ስልጠና ይወሃበን። ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ፎቖዶ ኣብያተ መስተ ከይኣትዋ፣ ወልፍታት ከይለማመዳ ኢሉ ድማ ጥዕናዊ ፀገማት ከየጋጥምወን ተኸታታሊ ምኽሪ ይወሃበን።ቤት ፅሕፈት ስርዓተ ፆታ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ማሕበር እኖታት ንእኖታት፣ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምክልኻል ምስፍሕፋሕ መዐወንቲ ዕፃት ምስ ዝሰርሕ “መቋሚያ” ዝተብሃለ ትካል፣ ምስ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን ብምትሕብባር ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ካብ ዘየድልዩ ተግባራት ንክርሕቓ ተዋዲዶም እናሰርሑ ይርከቡ፡፡

ብተወሳኺ ቤት ፅሕፈት ስርዓተ-ፆታ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ፍሉይ ሓገዝ ትምህርቲ  ኣመዓራርዩለን እናተምሃራ ይርከባ። ብፍላይ ካብ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ስድራ ቤታት ዝመፃን ብትምህርተን ድኽም ዝብላን ተምሃሮ ተጠቀምቲ እዚ ሓገዝ ክኾና ይግበር። ብመሰረት እዚ እቲ ዩኒቨርሲቲ ነዘን ተምሃሮ ዝኸብደን ክልተ ዓይነት ትምህርቲ ንክመርፃ ይገብር። እዚ ድማ ካብ ቀዳማይ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ትምህርተን ወዲአን ዝምረቓ እቲ ደገፍ ዝቕፅል እንትኾን መምህራነን ድማ በብዘፈር ትምህርቱ ብምሕራይ እናምሃሩ ይርከቡ። ቀንዲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ስርዓተ-ፆታ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ዋላ እኳ እንተኾነ ጎድና ጎድኒ እዚ ድማ ኢኮኖምያዊ ዓቕመን ትሑት ዝኾና ተምሃሮ ሓገዝ ገንዘብን ናውተን ይገብር እዩ። ብመሰረት እዚ ስኣን ዝሕግዘን ትምህርተን ከየቋርፃ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምውዳድ ገንዘባውን ንዋታውን ደገፍ ዝረኽባሉ መንገዲ ብምምችቻው እናተሓገዛ ይርከባ።

ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝርከብ ብመንግስቲ ኖርወይ ዝሕገዝ “ፕሮጀክት ኖራድ” ን1000  ፅጉማት ተምሃሮ ደቂ ኣንስትዮ በብዓመቱ 700 ብር ደገፍ ይገብረለን። እዚ ደገፍ እዚ ትምህርተን ዛዚመን ክሳብ ዝምረቓ ዝፀንሕ እዩ። ስለዝኾነ እዚ ፕሮጀክት ብኢኮኖምያዊ ዓቕመን ትሑት ምዃነን በቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተፃረያ ደቂ ኣንስትዮ በብወርሑ ኣብ ዓመት 700 ሽሕ ብር ብምምዳብ ይሕግዘን። ብተወሳኺ ዋንነቱ ናይ ሓደ ቱርካዊ ዝኾነ ፋብሪካ ጨርቃ መርቂ ‘’ኡዝማን’’ እውን ንክልተ ሚኢቲ ተምሃሮ በብወርሑ ንሕድሕደን 200 ብር እናሓገዘን ይርከብ። እዚ ትካል ብድምር 40 ሽሕ ብር  ኣብ ዓመት ድማ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ብር ብምምዳብ እናሓገዘ ይርከብ። ከምኡ እውን “ኢትዮ ቴሌኮም” ንሓምሳ ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ  ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ (ኤም ኣይ ቲ) ንሕድሕደን በብወርሑ ሰለስተ ሚኢቲ ብር ብድምር 15 ሽሕ ብር ብምምዳብ  ንክሕገዛ እናተገበረ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2009 ዓ/ም 36 ንዝኾና ተምሃሮ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ 36 “ላፕቶፕ ኮምፒዩተር” ሓጊዙወን እዩ።ከምኡ እውን “ፓዝፋይንደር” ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ን50 ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ኣብ ዓመት ሕድሕደን 700 ብር ብድምር 35 ሽሕ ብር እናሓገዘን  ይርከብ፡፡

ብሓፈሻ ቤት ፅሕፈት ስርዓተ-ፆታ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ልዕሊ 1,350 ዝኾና ቁጠባዊ ፀገም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ንክረኽባ እናገበረ ይርከብ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ብቤት ፅሕፈት ስርዓተ ፆታ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝርከብ ማሕበር ደቂ ኣንስተዮን ፅጉማት ምዃንን ምስተፃረየ እዩ ሓገዝ ዝግበረለን። ብፍላይ ድማ ካብ ዝነብራሉ ጣብያ ፅጉማት ምዃነን መረዳእታ ወረቐት ሒዘን ንዝመፃን  ወለደን ስኢነን ሓብሓቢ ዘይብለን እንተድኣ ኮይነን ቅድሚት ተጠቀምቲ ናይቲ ሓገዝ ንክኾና ይግበር። ጉዱኣት ኣካል ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ድማ በቲ ቤት ፅሕፈት ብዘይ ቅድመ ኩነት ሓገዝ ናውትን ገንዘብን ይግበረለን።

እቲ ካልእ ዓቕሚ መዕበዪ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንንፉዓት ተምሃሮ ዝወሃብ ሽልማት መተባብዒ  እዩ። ቀንዲ ዕላማ እዚ ሽልማት እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ተባዕትዮን ዘሎ ኣካዳሚያዊ ኣፈላላይ ብምፅባብ ሞራልን ዓቕምን ደቂ ኣንስትዮ ንምጉልባት እዩ። እዚ ስነ-ስርዓት ሽልማት ዋላ እኳ ቅድሚ 2007 ዓ/ም  እናተውሃበ ዝመፀ እንተኾነ ነዚ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂቡዎ እናተሰርሐሉ መፂኡ እዩ።ስለዝኾነ እቲ ዩኒቨርሲቲ ማእኸላይ ውፅኢተን ሰለስተ ነጥቢ 25ን ልዕሊኡን ዘመዝገባ ተምሃሮ በብዓመቱ እናሸለመ መፂኡ እዩ።ቁፅሪ እተን ዝሽለማ ተምሃሮ በብዓመቱ ዝፈላለ እንትኸውን ንኣብነት ኣብ 2009 ዓ/ም ልዑል ውፅኢት ብምምፃእ ዝተሸለማ ደቂ ኣንስትዮ 1,375 እንትኾና ዩኒቨርሲቲ መቐለ 687 ሽሕ ብር ብምምዳብ ንሕድሕደን 3,000 ብር ሽልማት መተባብዒ ሂቡወን ኣሎ። ከምኡ እውን በብኮሌጁ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገባ 45 ተምሃሮ ብፕሮጀክት ኖራድ ሕድሕደን 3,000 ብር ክሽለማ ክኢለን እየን። ብተወሳኺ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣርባዕተ ነጥቢ ንዘምፀኣ 20 ተምሃሮ ሕድሕደን 2000 ብር ብምሽላም ኣተባቢዓ እያ።

ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ቁፅሪ ናብ ኣመራርሓ ዝወፃ ደቂ ኣንስትዮ አዝዩ ውሑድ ምዃ ይፍለጥ። እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኩለ መዳያዊ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ብምዕባይ ናብ ኣመራርሓ ንክድይባ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ይርከብ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ እውን ልዑል ፃዕሪ እናገበረ መፂኡ እዩ።ብመሰረት እዚ ኣብ ዘመልክትኦ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታን ኣብ ዝሰርሓሉን ክተባብዓ እናገበረ ይርከብ። ኣብዚ መዳይ ብዝተገበረ ምንቅስቓስ ምክትል ፕሬዚዳንት ማሕበራዊ ኣገልግሎት እቲ ዩኒቨርሲቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝኾናሉ ኩነታት ምፍጣር ተኻኢሉ ኣሎ።ብተወሳኺ ናብ ብርኪ ዳይሬክተርነት፣ መሪሕነት ኢንስቲትዩት፣ ላዕለዋይ መምህርነትን ካልኦት ዝለዓሉ ስራሕትን ዝድይባ ደቂ ኣንስትዮ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተበራኸታ ይኸዳ ኣለዋ።ንኣብነት ብሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ መምህር ዝጀመረ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክሳብ 2007 ዓ.ም ኣብ 23 ዓመቱ 168 ደቂ ኣንስትዮ መምህራንን ኣመራርሓን ጥራሕ ነይረን። ነዚ ዝለዓለ ትኹረት ሂቡ ብምስርሑ ድማ ካብ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት 578 ደቂ ኣንስትዮ ካብ መምህርነት ጀሚረን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣመራርሓ ተመዲበን እናሰርሓ ይርከባ። እዚ ለውጢ ድማ ዝበለፀ ክቕፅል ኣለዎ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብዝህቦም ስልጠናታትን መተባብዒታትን ደቂ ኣንስትዮ ዘይደፍርኦ ዘፈር ትምህርቲ ከምዘየለ ኣይተ ኣበበ ይገልፁ። ናይዚ መርአያ ድማ ካብተን ልዕሊ ሰለስተ ነጥቢ 25 ብምምፃእ ዝተሸለማ ተምሃሮ እተን 50 ምኢታዊ  ሕክምናን ምህንድስናን እየን። ካብተን ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ  ኣርባዕተ ነጥቢ ብምምፃእ  ንሽልማት ዝበቕዓ 20 ተምሃሮ ድማ እተን 19 ተምሃሮ ሕክምና ዓይደር ከምዝኾና ኣይተ ኣበበ ኣረዲኦም።

ብድምር ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዝወነነ፣ ግቡእን መሰሉን ዝፈልጥ ከምኡ እውን ብማዕርነት ደቂ ሰባት ዝኣምንን ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጠር ግደ ትምህርቲ ዝለዓለ እዩ። ደቂ ሰባት ብትምህርቲ እናተሃነፁ እንትኸዱ መሰሎምን መሰል ካልኦት ሰባትን ንክኽበር በርቲዖም ይቃለሱ። ደረት ሕጊ ሓሊፎም ረብሓ ካልኦት ሰባት ኣይደፍሩን። ስለዚ ትምህርቲ መፍቱሕ ኩለመዳያዊ ኣተሓሳስባን ምዕባለን እዩ። ትምህርታዊ ዓቕሚ ዘኻዕበታ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከይዲ ዘጋጥመን ፀገም ብቐሊሉ ንኽፈትሓ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ አለዎ። እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ዝገብሮ ዘሎ ርብርብ ዝተባባዕ እዩ። ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዓቕመን ንኸጎልብታ ፈለማ ትምህርታዊ ዓቕመን ንኸዕብያ በቲ ዩኒቨርሲቲ ዝግበር ዘሎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ። ስሙይ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዝበሎ እውን እዚ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኩለ መዳይ መሰለን ክረጋገፅ እንተኾይኑ ቅድሚ ኩሉ ፍልጠት ወኒነን ቁጠባዊ ዓቕመን ክዓቢ ኣለዎ፡፡


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010