የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4534312
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1764
2471
4235
4511961
49585
165145
4534312

Your IP: 54.224.164.166
2017-11-20 17:09

ምርግጋፅ ብዙሕነት….. መሰረት ዘላቒ ሰላም

here we go
selam new

መምህር ምኪአለ ክሕሸን  ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ዜጋን ስነ-ምግባርን

ኣብቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ረቂቕ ብዝኾነ መንገዲ ባህሎምን መንነቶምን ንኽርስዑ እናተሰርሐ መፂኡ እዩ። እዚ ዝወለዶ ህዝብታት ኢትዮጵያ ምስ ዝፈትዉዎ ባህሎም እንተይፈተዉ ንዘበናት ክፍትሑ ተገይሩ። ባህሎም ብካልኦት እናተዓብለለ ስለዝመፀ    ድማ ነናይ ባዕሎም እናረስዑ ባህሊ ካልእ ዘማዕብልሉ ኩነታት ተፈጠሩ እዩ። በዚ ድማ ኣብ መገዛ ዓዶምን መረበቶምን ዳርጋ ኩሉ ረብሓታቶም ብውሑዳት ተመንጢሉ ፀኒሑ።  ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ታሪኽ፣ መንነትን ካልኦትን ዘተኣናግድ ስርዓት ስለዘይነበረ እዞም መግለፅታት ብዝሃነት እዚኦም ቀስ ብቐስ እናተዳኸሙ ዝኸድሉ ኩነታት ተፈጢሩ። ኣብ ክንድኡ ብዛዕባ ሓደ መንነትን ባህልን ወግሐ ፀብሐ ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሕ ኣሃዳዊ ስርዓት ንኽዓቢ እናተገበረ መፂኡ።

እቲ ኣሃዳዊ ስርዓት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 130 ዓመታት ሱር ሰዲዱ ፀኒሑ። ነዊሕ እዋን ስለዝፀንሐ ድማ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ምስኦም ንኣሻሓት ዓመታት ካብ ውልድ ወለዶ ብምስግጋር እናተጠቐምሉ ዝመፁ ባህሎም እናገደፉን እናረስዑን  ዘይናቶም ንኽሕዙን ንኽጥቀሙን ከቢድ ፅዕንቶ ሓዲርዎም ፀኒሑ እዩ። ናይዙይ  መረአያ ክኾነና ዝኽእል ድማ ክሳብ እዚ ቐረባ እዋን እናተሓተሙ ዝመፁ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መፃሕፍቲ ዳርጋ ኩሎም ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተፅሓፉ እዮም። ደርፍታትን እውን እንተርኢና ዓብላላይነት ሓደ ቋንቋ ምንባሩ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ እዩ። እቲ ዝገርም ነገር ድማ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ባዕሎም ባህልን ቋንቋን ገዲፎም ብኻልእ ቋንቋ መፃሕፍቲ ንኽደርሱን ደርፍታት ንኽዝይሙን ምኽንያት ኮይኑ። ብቋንቆኦምን ባህሎምን ንኽጥቀሙ ዘኽእል ባይታ ኣይነበረን። ታሪኾምን ባህሎምን  ብስነ-ፅሑፍን ሙዚቃን  እንድሕር ዘይዓብዩ ድማ ቀስ ብቐስ እናጠፈአ ምኻዱ ኣይተርፍን።

ድሕሪ 1983 ዓ/ም ኩሎም ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን  እዛ ሃገር መንነቶምን ባህሎምን ሕገ መንግስታዊ ኣፍልጦ ረኺቡ እዩ። ቀስ ብቐስ እናጠፈአ ዝኸይድ ዝነበረ ባህሎም ኣብ ጥቕሚ እናወዓለ ደረጃ ብደረጃ ክዓቢ ጀሚሩ። ታሪኽ ከምዘይብሎም ተገሊሎም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኣካል ታሪኽ እዛ ሃገር ንኽኾኑ ዕድል ረኺቦም። እዞም ኩሎም ረብሓታት ምርግጋፅ ዝጀመሩ ከዓ ብዙሕነት ባህሊ፣ መንነትን ታሪኽን ዘተኣናግድ ዘኽብርን  ስርዓት ፌደራሊዝም ኣብዛ ሃገር ምትእትታው ካብ ዝጅምር ንነዘ እዩ።

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ዜጋን ስነ-ምግባርን ኣብ ብዝሃነት ባህልን ከይዲ ህንፀት ሰላምን ዝጠመተ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣዳልዩ ነይሩ። ቀንዲ ዕላማ እቲ ሃገራዊ ዋዕላ ድሕሪ 1983 ዓ.ም ኣብዛ ሃገር ስርዓት ፌደራዝም ካብዝተኣታቶ ንነዘ ኣብ ኣከባብራ ባህልታትን መንነት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ዓወታትን ኣብዚ ጉዳይ ንቕድሚት ትኹረት ዘድልዮም ዛዕባታትን ዝጥምት እዩ። ከምኡ እውን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ባህሎምን መንነቶምን እነተተኸቢሩ ኣብ ምርግጋፅ ዘላቕነት ዘለዎ ሰላምን ልምዓትን ዝህልዎ ረባሓ ዝምልከት ግንዛበ ንምዕባይ ዝተዳለወ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ከምዝኾነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ዜጋን ስነ-ምግባርን መምህር ምኪአለ ክሕሸን ይገልፁ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ካብ ዝተፈላለለያ ኣብያተ ዕዮ ክልል ትግራይን ተሳቲፎም። ኣብ ብዙሕነት ባህልን ከይዲ ምርግጋፅ ሰላምን ዝጠመቱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ድማ ብሙሁራን እቲ ዓውደ ትምህርቲ  ቀሪቦም።

እቶም ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከምዘመልከትዎ ባህልን መንነትን ዝተፈላለዩ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን  እንተተኸበሩ ዘላቒ ሰላም ምርግጋፁ ኣይተርፍን። እዙይ እንተዘይኮይኑ ግና ሰላም ክዓስል ከምዘይኽእል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መፅናዕቲ ፌደራሊዝም ዶክተር ኣሰፋ ፍሰሃ ኣብዘቕረብዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣረዲኦም። ‘’ብዝሃነት ባህልን መንነትን እንተዘይተኸቢሩ ሰላም ዝበሃል ነገር ክህሉ ከምዘይኽእል ኣብቶም ሕሉፋት ስርዓታት ዝንበሩ ጎንፅታት እኹላት መረዳእታታት እዮም’’ ድማ ይብሉ። ነዙይ እምበኣር እዮም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ባህሎም፣ ታሪኾምን መንነቶምን ንምዕቃብን ናብ ንቡር ንምምላስን ከቢድ ቃልሲ ዘካየዱ። ኣብዛ ሃገር ብዙሕነት-ባህሊ (multi-culturalism) ምኽባር ማለት ዝተፈላለዩ ፈፂሞም ዘይራኸቡ ተመዓዳደውቲ ባህልታት ምፍጣር ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ኩሎም ባህልታት ማዕረ ተኸቢሮም ክተኣሳሰሩን ሓቢሮም ክዓብዩን ዘግብር እዩ። ስለዚ እዛ ሃገር ክሳብ ምድምሳስ ውልቀ መላኺ ስርዓት ደርጊ ሰላም ስኢና ኣብ ኵናት ሕድሕድ ፀኒሓ። ሰላም እንድሕር ዘየለ ድማ ልምዓት ክረጋገፅ ፈፂሙ ኣይሕሰብን። ኣሸንኳይ ዶ ልምዓት ክረጋገፅስ ‘’ሁሉም ነገር ወደ ጦር ግንባር’’ ብዝብል ጭርሖ እቲ ዝተጠረየ ሃፍትን መልመዓይ መንእሰይን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ኲናት ክውዕል እናተገበረ ብምምፅኡ ሃገርና ካብተን ኣብ ዓለምና ብድኽነት ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ክትኸውን ክኢላ እያ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቶም ሕሉፋት ስርዓታት ንብዙሕሃነት ፀማም እዝኒ ብምሃቦምን ኣብ ኵናት ሕድሕድ ጥሒላ ብምፅናሓን ምዃኑ እቶም ምሁራን የረድኡ። ከምኡ እውን ብደረጃ ዓለም ዓብላላይነት ሓደ ባህልን መንነትን እናተረፈ ብዙሓት ባህልታት ከም ፀጋ ዝቑፀርሉን ዝኽበሩሉን ግዘ ምዃኑ ዶክተር ኣሰፋ የረድኡ።

 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተምሃራይ ‘’ፒኤችዲ’’ ኣይተ ፍሰሃ ተስፋፅዮን ኣብዘቕረብዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ድማ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ምዃኑ ኣረዲኡ። ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ኣብ ሕገ-መንግስቲ  ዘለዎ ግንዛበ  ትሑት ስለዝኾነ ፀረ- ሰላም ሓይልታት ብዘናፍስዎ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ በቐሊሉ ዝደናገረሉ ኩነታት ከምዘሎ ኣረዲኦም። ስለዚ እቲ ጥንኩር ዝኾነ ምክብባር ባህሊ፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር፣ ሓድነት፣ ቀፃልነት ዘለዎ ሰላም፣ ልምዓት፣ ሓባራዊ ዕብየት፣ ሓድነትን ካልኦት ሓባራዊ ረብሓታትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ንክጉልብት ዝገብር ሕገ መንግስቲ ትኹረት ተወሂቡዎ ህዝቢ ክፈልጦ ክግበር ይግባእ። ኣብዛ ሃገር ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ካብ ትጅምር ሓፂር እዋን እዩ። ብምዃ እውን ዴሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ናይቲ ሕብረተሰብ ጋና ኣይማዕበለን። ካብ እዋን ናብ እዋን እናጎልበቱ ዝኸዱ ምዕባለታት ዋላ እንተሃለው ኣብ ማዕርነት ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘሎ ግንዛበ ትሑት እዩ። ልዕለ-ትሕትነት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሱር ሰዲዱ ስለዝፀንሐ ነዚ ድሑር ኣተሓሳስባ ቦቂስካ ንምድርባይ ዝሓቶ እዋን ቀሊል ኣይኸውንን። ምኽንያቱ ነዘበናት ናተይ ታሪኽ፣ ባህሊን መንነትን ካብቶም ካለኦት ዝብለፀ እዩ ኢሉ ርእሱ ኣእሚንዎ ዝፀንሐ ኣካል ነቲ ስዕረት ብቐሊሉ ስለዘይቕበሎ ነዚ ኣተሓሳስባ ንምልዋጥ ነዊሕ እዋን ዝወስድ ቃልሲ ይሓትት። ስለዚ ኣብቲ ህዝቢ ብዝሃነት ዘተኣናግድ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ብዝግባእ ስለዘይሰረፀ ዕንቅፋታት እንትፍጠሩ ይረኣዩ።

እቲ ኻሊእ ፀገም ድማ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ስርዓት ፌደራሊዝም ዘለዎም ግንዛበ ተሑት ምዃኑ እዩ። ከም ዝፍለጥ እዛ ሃገር ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ኣሃዳዊ ስርዓት ስለዝፀንሐት ዘይምእኹል ምምሕዳር /ፌደራሊዝም/ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ እንትትኣታቶ ዝተፈላለዩ ኣካላት በቲ ትክክለኛ ትረጉሙ እንከይኮኑስ ፖለቲካዊ ድሌቶም ንምዕዋት ዘኽእሎም ዘይኮነ ትርጉም  እናሃብዎ መፂኦም እዮም። ብፍላይ ኣብቲ ሕሉፍ ኣሃዳዊ ስርዓት ተጠቀምቲ ዝነበሩ ወገናት ጥቕሞም ስለዝጎደሎም ነቲ ስርዓት ዘይኮነ ትርጉም እናሃብካ ህዝቢ ትክክለኛ ትርጉሙ ንኸይፈልጥ ዝገበርዎ ምንቅስቓስ ቅድሚት ዝስራዕ ፀገም እዩ። እዞም ወገናት ኣብቶም ዝሓለፉ 26 ዓመታት ሕብረተሰብ ኣብ ፅንስ- ሓሳብ ስርዓት ፌደራሊዝም ዘለዎ ግንዛበ ንኸይዓቢ ብዝገበርዎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ቁፅሩ ዘይነዓቕ ሕብረተሰብ ከደናግሩ ከምዝኽእሉ ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝቐረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ የመልክት።

እቲ ሃገርና ትኽተሎ ዘላ ስርዓት ፌደራሊዝም 40 ምኢታዊ ህዝቢ ዓለም እናተጠቐመሉ ዋላ እኳ እንተኾነ ፀረ- ሰላም ሓይሊታት ግና “ሃገር ዘፍርስ ዘርኣዊ ናይ ወያነ ስርዓት” ብምባል እናደናገሩ መፂኦም። ብምዃኑ እውን ስርዓት ፌደራሊዝም ሓደ ብደረጃ ዓለም ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ምሕደራ እንተይኮነስ “ወያነ” ንሓደ ብሄር ንኽጠቅም ዝመሃዞ ብምምሳል መሰረት ዘይብሉ ፅዑቕ ዘርኣዊ ፕሮፓጋንዳ ብምስርጫው ህዝቢ ነቲ ጥረ ሓቂ ከይፈልጦ ዝከኣሎም እናሰርሑ መፂኦም እዮም። ስለዚ እዚ ፀገም ብዝሃነት ዘተኣናግድ ስርዓት ፌደራሊዝም በቲ ዝድለ ቅልጣፈ ከይትግበር ናይ ባዕሉ ፅዕንቶ ኣሕዲሩ እዩ።

እቲ ኻልእ ፀገም ድማ ኣብ ኣፈፃፅማ ብዙሃነት ዝረኣዩ ጎዶሎታት እዮም። ሜላታት ኣተኣላልያ ጎንፂ ብሄር ብሄረሰባትን ባዕሎም ዝኸኣሉ ክኾኑ ኣለዎም። ይኹን እምበር እቶም ትኽክለኛ መትከላት ስርዓት ፌደራሊዝም ኣብ ምፍፃም ግንዛበ ዝውሕዶም ኣካላት ኣመራርሓ እውን እቲ ስርዓት በቲ ዝድለ ቅልጣፈ ተቐባልነት ከይረክብ ኣሉታዊ ፅልዋ ምሕዳሩ ኣብቲ ዓውደ መፅናቲ ተገሊፁ እዩ።

ስለዚ መንግስቲ ይኹን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብዝሃነት ዘተኣናግድ ስርዓት ፌደራሊዝም ከይዓቢ ዕንቅፋት ዝኾኑ ዘለው ነገራት ብምፍላይ መፍትሒ ክገብርሎም ከምዝግባእ እቶም ምሁራት ይዛረቡ። ባህልን ታሪኽን ብሄር ብሄረሰባን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ብምእታው እ ሓዱሽ ወለዶ ብዛዕባ ብዝሕነት ዘለዎ ፍልጠት ከዐቢ ይግባእ። በዚ እውን ፀረ ሰላም ሓይሊታት ዝነዝሑዎ በለካ ለኸዐካ ንምምካት ፅዑቕ ቃልሲ ብምግባር ሕብረተሰብ ትክክለኛ ትርጉም ብዝሃነት ንክፈልጥ ክፅዕር ይግባእ። ሕብረተሰብ ኣብ ስርዓት ፌደራሊዝም ዘለዎ ግንዛበ እናጎልበተ ብዝኸደ ቁፅሪ ድማ እቶም መደናገርቲ ኣካላት ኣብ ከይዲ እናቐሃሙ ክኸዱ እዮም።

ብተወሳኺ ብዝሃነት ዘተኣናግድ ስርዓት ፌደራሊዝም ብኢህወዴግ ዝተምሃዘ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ዘይኮነስ ንልዕሊ ሓደ ምኢቲ ዓመት ብደረጃ ዓለም ኣብ ጥቕሚ እናወዓለ ዝመፀ ምዃኑ ህዝቢ ክፈልጥ ኣለዎ። ከምኡ እውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ በይና እንከይኮነትስ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዝኾን ህዝቢ ዓለም በዚ ስርዓት እናተመሓደረ ከምዝርከብ ክንገር ክኽእል ኣለዎ። ከምኡ እውን ሕብረተሰብ ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ግቡኡ እውን ንኽፈልጥ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክግበር ይግባእ።

ቀንዲ ትኹረት መንግስትን ህዝብን ምርግጋፅ ሰላም፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ኮይኑ ከምዚኦም ዝበሉ ፀረ- ብዝሃነት ዝኾኑ ኣከያይዳታት እንተጓንፉ ብኣግኡ ኣብ ምጥፋእ ትኹረት ክወሃበሉ ይግባእ። ፀረ ብዝሃነት ወገናት ዘናፍስዎ ወረ ትክክል ከምዘይኮነ ፖለቲከኛታት፣ ምሁራት ይኹኑ ጋዜጠኛታት ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክቃለሱ ይግባእ። ስለዚ ምሁራን ካብ ካልእ ክፋላት ሕብረተሰብ ብዝበለፀ  ረብሓታት ብዝሃነት ዝምልከት  ግንዛበ ዘዕትሩ ተሞክሮታት ኣብ ምሕላፍ ኣብነታዊ ግደ ክፍፅሙ ከምዝግባእ እቶም ምሁራት ይምዕዱ። ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ትሑት ግንዛበ ሕብረተሰብ ሓልሓሊፎም ዘጋጥሙ ጎንፅታት ኣብ ምፍታሕ ምሁራት ዝዓዘዘ ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ ስርዓት ፌደራሊዝም  ዝሐሸ ፍልጠት ዘለዎም ምሁራት ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣቢሎም  ረብሓታን ኣተገባብራን ብዝሃነት ከስርፁ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ሃገርና ብዝሃነት ዘተኣናግድ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ተግባራዊ ምዃን ካብ ዝጅምር 25 ዓመታት ተቖፂሮም። ዘይነዓቑ ለውጥታት ድማ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ይኹን እምበር ክንድትዝደለ ኣይኮነን።  ምኽንያቱ ድማ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባን ባህልን ኣብ ከይዲ እናጎልበተ ስለዝኸይድ እዩ።  እተን ዝለዓለ ዲሞክራሲ ኣረጋጊፀን ዝበሃላ ሃገራት ምዕራብ እውን እንተኾና ናብቲ ሐዚ በፂሐንኦ ዘለዋ ብርኪ ዕብየት ንምብፃሕ ኣማኢት ዓመታት ወሲዱለን እዩ። ስለዚ እዛ ሃገር በቲ ተታሓሒዛቶ  ዘላ ሰለጤን ልምዓትን ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን እንተቐፂላ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ናብተን ዴሞክራሲያውያን ዝበሃላ ሃገራት ንምፅንባር ነዊሕ ግዘ ኣይወስደላን። እዚ ሸቶ እዚ ንምዕዋት ድማ ብዝሃነት ዘተኣናግድ ፌደራላዊ ስርዓት ምኽታል መማረፂ የብሉን።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010