የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4296296
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
2683
3246
16567
4258204
65026
89268
4296296

Your IP: 54.162.10.211
2017-09-22 08:10

ሌላ ምርምር ህዋ ሳይንስ ኢትዮጵያ

here we go
selam new

ኣብ ላሊበላ ይሳለጡ ካብዘለው ስራሕቲ ፈተነ ምርምር ህዋ ሳይንስ

 

ምርምር  ህዋ ሳይንስ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ብዝለዓለ ብርኪ እናተሰርሐሉ ዝርከብ ዝረቐቐ ቴክኖሎጂ እዩ። ስለዝኾነ እውን ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን ብኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን ሳይንስ ህዋ “ሳትላይት”ን ዝማዕበለት ሃገር ምፍጣር መግለፂ ምዕባለ    ጥራሕ ከይኮነስ ጉዳይ ህልውና ናብ ዝኾነሉ ብርኪ ከም ዝበፅሐ መርበብ ሓበሬታ “ናሳ”ዓለም ለኸ ምርምር ህዋ ሳይንስ ኣሜሪካ የረድእ።ህዋ ሳይንስ ካብ ሕርሻ ክሳብ ማዕድን ዕደና፣ ካብ ሓለዋ ድሕንነት ሃገር ክሳብ ኩነታት ኣየር ከባቢ፣ ካብ ድሕንነት ህይወታውያን ክሳብ ቀፃሊ ዕፃ ምድሪ ዝትንብዩ ቁልፊ ተግባራት ንምፍፃም ሓጋዚ ዝኾነ ሳይንስ እዩ።

ምርምር ህዋ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝህልዎ ምዕባለ ግድን ምስ ኢኮኖምያዊ ዓቕሚ እታ ሃገር ጥራሕ ዝተኣሳሰር ከም ዘይኮነ ምሁራት እቲ ዘፈር የረድኡ። ንኣብነት 70 ምኢታዊ ህዝባ ኣብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ዝርከብ  ናይጀርያን 40 ምኢታዊ ህዝባ ዝተሓተ ኣታዊ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪካን እንተርእይና ድኽነተን ንምርምር ህዋ ዓጋታይ እንትኸውን ኣይተርኣየን።ስለዝኾነ እተን ሃገራት ኣብ ዓመት ክሳብ ዓሰርተ ዝበፅሓ ምርምራዊ ልኡኽ ዝሓዛ ሳትላይት ናብ ህዋ ይልእኻ። ብተወሳኺ ኣብ ተነፃፃሪ ምዕባለ እትርከብ ግን ድማ 30 ምኢታዊ ብሓለንጊ ድኽነት ዝግረፍ ህዝቢ ዝሓቖፈት ሃገረ ህንዲ ድማ ኣብ 2009 ዓ/ም 37 ዝበፅሑ ሳትላይታት ኣወንጪፋ እያ። ብድምር ነባራዊ ኩነታት እዘን ሃገራት እንትንርእይ ምርምር ሳይንስ ህዋ ንምክያድ ዘተኣማምን ዕብየት ምፅባይ ከምዘየድልን ምስ ዕብየት ሓንቲ ሃገር ሓቢሩ ክኸይድ ዝግበኦ እስትንፋስ ዕብየት ቴክኖሎጂ ምዃኑን የርእየና። /ፍልፍል፡- /ድረ ገፅ ማሕበር ህዋ ሳይንስ ኢትዮጵያ/

ኣብዚ መዳይ ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ እውን ኣሎ።“ደይሊ ሳይንስ ኦን ላይን” ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኣብ ዓለምና ኣብ ናይ ባዕልተን ቦታን ብገዛ ዓርሰን ዓቕምን ሳትላይት ዘወንጭፋ ሃገራት 10 እንትኾና ልዕሊ 50 ሃገራት ድማ ነዘን ሃገራት ተጠቒመን ሳትላይት የወንጭፋ።ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ውሽጢ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኣልጀርያን ናይጀርያን ብመራኸቢ ጥበባት፣ ብዳህሳስ መሬትን ሓለዋ ድሕንነትን ዓርሰን ዝኽእላ እንትኾና፣ ዝተረፋ ሃገራት ኣፍሪካ ግና ዝኾነ ዓይነት ሳትላይት ዝመርሖ ኣገልግሎት ዝረኽባ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝካረይኦ ሳትላይት ኣቢለን እየን።

ሃገረ ናይጀርያ ናይ መጀመርያ ሳይትላይት ብ13 ሚልዮን ዶላር፣ ካልአይቲ ድማ ብ40 ሚልዮን ዶላር ብምውንጫፍ ሓደጋ ተፈጥሮ ዘጋጥመሎም ከባብታት፣ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝሕረስ መሬትን ናይ ማዕድን ቦታን ኣብ ሓደ ምርምር ማእኸል ውሽጢ ብምዃን ብሳትላይት ብዝተልኣኸ ምስሊ ምፍላጥን ምቁፅፃርን ክኢላ እያ።ኢትዮጵያ ድማ ብመንፅር እትኽተሎ ቅኑዕ ፖሊሲ ልምዓትን እተመዝግቦ ዘላ ቀፃልነት ዘለዎ ዕብየትን ኣብዚ ዘፈር ዝግበር ምርምር ኣገዳሲ ምዃኑ ግልፂ እዩ።ብመሰረቱ ድማ ኣብዘን ሃገራት ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ጣብያ ምርምር ሳይንስ ህዋ ዘማኽሩ ዓበይቲ ሰብ ሙያን ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝሰርሑ ክኢላታትን ዘለውዋ ሃገር እያ።እዚ እውን ማእኸል ምርምር ህዋ ሳይንስ ንምምስራት ዘኽእል እኹል ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ምዃና መርኣይ ክኸውን ዝኽእል እዩ።

እዚ ዓሙቕ ሃፍቲ ሃገር መሰረት ብምግባር፣ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ቀሪፁ ዓበይቲ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።ካብቶም ዓበይቲ ምንቅስቓሳት ምጥያሽ “ማሕበር ምርምር ህዋ ሳይንስ ኢትዮጵያ” ሓደ ተጠቃሲ እዩ።እዚ ማሕበር ኣብ 1996 ዓ/ም ዝተጣየሸ ኮይኑ ዕማማቱ እናዓበየ ብምኻዱ ክልተ ጥሪ 2006 ዓ/ም ብምትሕብባር ሚኒስተር ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ ሚኒስተር ትምህርቲ፣ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ማሕበር ስፔስ ሳይንስ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ሕብረት ስነ ፈለግ (International Astronomical union /IAU)ን ብብርኪ ኣፍሪካ ዝዓበየ ማእኸል ንክኸውን ዝኸኣለ ዘፈር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኢትዮጵያ ማእኸል ምርምር 14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን  ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሳይንስ ህዋ ኣህጉር ኣፍሪካን ንኽትከውን ዓለምለኸ ምትሕብባር ዝፈጠረ ማሕበር ምዃኑ ኣባል ማሕበር ህዋ ሳይንስ ኢትዮጵያን ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ምሁር ህዋ ሳይንስን ዶክተር ገብረገርግስ ኣብርሃ ገሊፆምልና እዮም።

ማሕበር ምርምር ህዋ ሳይንስ ኢትዮጵያ ኣብ 1996 ዓ/ም ብፍቓደኛታት ኣባላት ዝተጣየሸ ኮይኑ ክሳብ ሐዚ 1,500 ኣብቲ ዘፈር ምርምር ዘካይዱን ነቲ ዘፈር ደገፍ ዝህቡን ኣባላት ዘካተተ ማሕበር እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንጠጦ ኣብ ዝተብሃለ በሪኽ እምባ ካብ ዝተመስረተ ጣብያ ብተወሳኺ ካብ ከተማ ላሊበላ ብኣንፈት ስሜን ኣብ ዝርከባ 4,200 ሜትር ብራኸ ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ ዘሎ ጫፍ እምባ እውን ተኸፊቱ ኣሎ። እቶም ክልተ ጣብያታት ድማ ዩኒቨርስታት መቐለን ባህዳርን ምርምር ህዋ ሳይንስ ዘካይድሎምን ብላዕለዋይነት ዘመሓድርዎምን ጣብያታት ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ደቓይቕ ኣፈላላይ ካብ ፀሓይ ክሳብ ምድሪ ዘለው ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓሳትን ሓበሬታታትን ተቐቢሎም ንምትንታን ዘኽእል ዓቕሚ እናፈጠሩ ይርከቡ።

መምህር መረሳ ኣብርሃ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ መተሓባበሪ ስራሕቲ ምርምርን ግልጋሎት ማሕበረሰብን እዮም።እቶም ምሁር ውፅኢት ዓለምለኸ መፅናዕትታት ኣጣቒሶም ከምዝሕብርዎ ኢትዮጵያ ንምርምር ህዋ ተመራፂት ማእኸል እያ።ብፍላይ ካብ ልዕሊ ፀፊሕ ባሕሪ 200 ሜትር ንላዕሊ እትርከብ ብምዃናን መብዛሕቲኡ ኣዋርሕ ሰማያ ብደበና ዝተሸፈነ ዘይምዃኑን ንምርምር ህዋ ሳይንስ ተመራፂት ይገብራ።እዚ ኩለን ሃገራት ዘይረኸበኦ ዓብዪ ዕድል ኮይኑ እናሃለወ ዘለዋ ዝተመዓራረየ ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣን ተደላይነታን ክሳብ ሐዚ ከይተጠቐመትሉ ፀኒሓ እያ።ስለዚ ዩንቨርሲቲ መቐለ እቲ ንምርምር ህዋ ሳይንስ ዝጥዕም ዘሎ ፀጋ ኣብ ግልጋሎት ውዒሉ ኣብ ጉዕዞ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዓብዩ ትርጉም ንኽህልዎ እናሰርሐ ይርከብ።

ሓበሬታ ሚኒስተር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ ከም ዘረድኦ ክሳብ ሐዚ ኢትዮጵያ ንመራኸቢ፣ መጓዓዝያን ዳህሳስ መሬትን ንምክያድ ግልጋሎት ሳትላይታት ንምርካብ ኣብ ዓመት ብሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ወፃእ ንምግባር ተገዲዳ እያ።ሐዚ እውን እንተኾነ መጠን ዋጋ ግልጋሎት እቲ ዘፈር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናናሃረ ስለዘሎ ንዝለዓለ ብኽነት ሸርፊ ወፃኢ እናቃልዓ ይርከብ።እዚ ኩነታት ከምዚ እንተቐፂሉ ድሩት ዝኾነ ግልጋሎት ካብ ምርካብ ሓሊፉ ኣብ ቀፃሊ ኢኮኖምያዊ ዕብየት ቀሊል ዘይበሃል ፅልዋ ከሕድር እዩ።ስለዝኾነ እውን ዩንቨርሲቲ መቐለ እዚ ፀገም ንምቕራፍ ሃገርና ነቲ ዘፈር ዘለዋ ምችውነት ከም ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ካብ ውሽጣዊ ድሌታ ሓሊፉ ንካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ክሳብ ምክራይ ዘብፅሕ ዓቕሚ ንኽትፈጥር እናሰርሐ ከም ዝርከብ ዶክተር መረሳ የረድኡ።

“ምርምር ህዋ ሳይንስ ኢትዮጵያ ንፈለማ ግዘ ካብ ሃገረ ፈረንሳይ ብዝመፅአ ዓለም ለኻዊ ደረጅኡ ዝሓለወ መሳርሒ “ቴሌስኮፕ” ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንጠጦ ኣብ ዝተብሃለ በሪኽ ቦታ እዩ ተጀሚሩ” ዝብሉ ዶክተር መረሳ  እቲ ማእኸል ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ምሁራት ተፈቲኑ ተግባራዊ ስራሑ ምጅማሩ የረድኡ።ብተወሳኺ ነቲ ዘፈር ምችው ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ እውን ብሰፊሑ ንኽስረሐሉ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣባል እቲ ማሕበርን ኣመራርሓ ቦርድን ዝኾኑ ምሁራት ዩንቨርሲቲ መቐለ ብዘቕረብዎ ሓሳብ፣ ዩንቨርሲቲ መቐለ ካብቶም ዓበይቲ ማእኸላት ሓደ ብዋናነት ወሲዱ ዕዉት ፈተነን ምርምርን እናካየደ ይርከብ።ነቲ ማእኸል ብምሁር ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ንምዕባይ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣሳታፊ ብዝኾነ መልክዑ ብምውዳብ ማእኸል ምርምር ዝኾነሉ ዕድል ንምፍጣር ብሰፊሑ እናተሰርሐሉ ይርከብ።

ብመሰረት እዚ ኣብ 2006 ዓ/ም ዩንቨርሲትታት መቐለ፣ ጎንደርን ባህርዳርን “ኣቡነ ዮሴፍ ጋራ”ን “ቡሄ ጋራ”ን ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ጎንደር መሳርሒታት ምርምር ህዋ ሳይንስ ብምትካል ምችውነት ከባቢ ዘፅናዓሉ ሓላፍነት ወሲደን እናተንቀሳቐሳ ይርከባ።እቲ ምርምር ካብ ዓለም ለኸ ማእኸል ምርምር ህዋ ኣሜሪካ /ናሳ/፣ ካብ ሃገራት ራሻን ጃፓንን ዝተውፃእፅኡ ምሁራት ዝተሳትፍሉ እንትኾኑ ካብ ዩንቨርስቲ መቐለ በብእዋኑ እናተቐያየሩ ዝኸዱ ኣርባዕተ ምሁራት ድማ ነቲ ስራሕቲ ምርምር ኣብ ምምራሕን በቲ ዘፈር ዝመሃሩ ተምሃሮ ተግባራዊ ልምዲ ኣብ ምክፋልን ዝለዓለ ብፅሒት እናበርከቱ እዮም።እቲ ማእከል ብዓለም ለኸ ምሁራትን ትካላት ምርምር ስነ ህዋን ፈተነኡ ዝተወድአ ኮይኑ እቶም ከባቢታት ነቲ ዘፈር ብዘለዎም ምችውነት ዘድልዩ ቴክኖሎጅታትን ሓይሊ ሰብን ተማሊእሉ ማእኸል ምርምርን መፅናዕትን፣ መስሕብ ቱሪዝምን ንካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ተረባሕቲ ክገብርን ብዘኽእል ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘድሊ ናውቲ ከም ዝማልአሉ ዶክተር ገብረገርግስ ሓቢሮምልና እዮም።

ካብዚ ሓሊፉ ዩንቨርስቲ መቐለ ነቲ ዘፈር ብዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይን ንቐፃሊ ማእኸል ምርምር ንምግባርን ስርዓተ ትምህርቲ ቀሪፁ ምሁር ሓይሊ ምፍራይ ካብ ዝጅምር ክልተ ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ።ንኣብነት ኣብ 2008 ዓ/ም 30 ተምሃሮ ብህዋ ሳይንስ ብካልኣይ ዲግሪ ዘመረቐ እንትኸውን ልዕሊ 40 ተምሃሮ ብደረጃ ካልኣይ ዲግሪ ኣብ ምምሃር ከም ዝርከቡ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ዲን ኮሌጅ ቀመር ተፈጥሮ ሳይንስን ቀመርን ዶክተር ሃፍቱ ኣለማዮ ይገልፁ።

ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ ብምርምር ህዋ ሳይንስ ዝምረቑ ዘለዉ ተምሃሮን ምሁራትን ዘለዎም ግንዛበን ዓቕምን ንምዕባይ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ብምትሕብብባር ዓበይቲ ዋዕላታት እናካየደ ይርከብ።ንኣብነት ካብ 12 ክሳብ 16 ለካቲት 2009 ዓ/ም ዓለም ለኸ ዋዕላ ኣካይዱ ነይሩ።እቲ ዋዕላ ካብ ሃገራት ስዊዘርላንድ፣ ህንዲ፣ ማለዥያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሩዋንዳ፣ ኬንያን ግብፅን ዝተወከሉ ተመራመርቲ ህዋ ሳይንስ ዝተሳተፍሉ እዩ።ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ባእታታት ህዋ ኣብ ቴክኖሎጅታት ዘብፅሕዎ ሳዕቤናትን ካብ ፀሓይ ዝወፁ “ራድዮብሬስስ” ዝበሃሉ ሓደገኛ ጨረራት ኣብ ህይወታውያንን ቴክኖሎጂ መራኸብን ዘብፅሕዎ ጉድኣት ንምፅናዕን ዝከኣለሉ ኣገባብን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣልዒሎም ንሓሙሽተ መዓልቲ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ወሲዶም እዮም።እቲ ስልጠና ብዩንቨርሲቲ መቐለ፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድን “ስኮስት ኤፍ” ዝበሃል ፕሮግራምን ብዝተረኸበ ሓገዝ ዝተሳለጠ ኮይኑ ብዛዕባ ሬድዮብሬስስ ንምፅናዕ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ተደጊፉ ሓበሬታ ዝእከበሉ፣ ንዝተኣከበ ሓበሬታ ድማ ብሳይንሳዊ መንገዲ  ትርጉምን ትንታነን ዝወሃበሉ ኣገባብ ግንዛበን ዓቕምን ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ነቲ ስልጠና እናተሓባበሩ ዝረኸብናዮም ዶክተር ገብረኪዳን ሓቢሮምልና እዮም።

ዶክተር ሚያድ ኮፕ ካብ ዓለም ለኸ ማእኸል ምርምር ህዋ ሳይንስ ኣሜሪካ ዝመፁን ነቲ ስልጠና ዝመርሑን ምሁር እዮም።ንሶም ከም ዝብልዎ፣ ቀርኒ ኣፍሪካ ብመልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጥኣን ተፈጥራኣዊ ፀጋ ብርሃን ፀሓይን ንምርምር ህዋ ሳይንስ ምችውቲ እያ።ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ልዕሊ 400 ሜትሮ ብራኸ ካብ ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ ዘለዎም ከባቢታት ንምርምር ህዋ ተደለይቲ ብምዃኖም ብዛዕባ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ፣ ኩነታት ለውጢ ኣየር፣ መራኸቢ ሓፋሽን ልምዓት ሕርሻን ንምፅናዕ ምቹዋትን እዮም።እዚ ብምዃኑ እውን ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላትን መንግስታትን ዓለም ነዚ ዘፈር ኣብ ኢትዮጵያ ንምዕባይ እናሰርሑ ይርከቡ።ዓለም ለኸ ትካል ምርምር ስነ ህዋ ኣሜሪካ (NASA) ምስ ዩንቨርስቲ መቐለ ብምትሕብባር ዘካይዶ ዘሎ ስልጠና እውን ኣካል እዚ ምትሕብብር ገይርካ ይውሰድ።“እቲ ምርምር ውፅኢታዊ ክኸውን እንተኾይኑ ግቡእ ኣመራርሓን ኣጠቓቕማን እቲ ቴክኖሎጂ ምፍላጥ ስለዘድሊ ነዚ ንምግባር ዘኽእል ተግባራዊ ስልጠና ኣብ ምሃብ  ንርከብ” ይብሉ።

ብድምር  ልምዓት ሕርሻ፣ ርክብ መርበብ ሓበሬታ፣ ወታደራዊ ምንቅስቓስ፣ ሲቪል ኣቭየሽን ምስ ምርምር ህዋ ሳይንስን ሳትላይትን ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎም።ነዚ ዘፈር ንምዕባይ ኣብ ዛዕዛዕታ ዝጎስዕ ከባቢ ኣቡነ ዮሴፍ ብሓያል ቀዝሒ ኣዕንቶም ናብ ሰማይ ኣፍጢጦም ምስ መላፍንቶም ብምውዳድ ብዘይ ዕረፍቲ ዝሰርሑ ምሁራት ዩንቨርሲቲ መቐለ ማእኸል ምርምር ኮይኑ ከቐፅል ዘኽእል ውፅኢት ረኺበምሉ ኣለዉ።እቲ ማእኸል ምርምር ብቐፃልነት ብሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ንምጥንኻር ምድላዉ ተዛዚሙ ስለዘሎ ዝምልከቶም ኣካላት ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂብዎ ናብ ተግባር ክኣቱ እዩ።ዩኒቨርሲቲ መቐለ እውን ኣብ ምርምር ህዋ ሳይንስ ዝረኸቦ ዝነኣድ ውፅኢት ብምዕቃብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ተጠቃምነት ከሰጋግሮ ይግባእ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 959
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ግንቦት 2009