እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5052297
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
2394
2909
31411
4998067
84491
110388
5052297

Your IP: 54.198.134.104
2018-04-20 14:30

ንስራሕ ናብ ወፃኢ ዝኸዱ ክፈልጥዎም ዝግባእ መስርሓት

here we go
selam new

ዘይሕጋዊ ስደት መወዳእትኡ ዝኸፍአ እዩ

ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓረብ ዝኸዱ ዜጋታት ብሰንኪ መሰሎምን ግቡኦምን ዘይምፍላጥን ከማልእዎም ዝግባእ ቅድመ ድልውነት ዘይምምላእን ዝተፈላለዩ ፀገማት ይበፅሕዎም እዮም። ፀገማት ንኸይበፅሕዎም ክገብርዎ ዝግበኦም ቅድመ ኩነት ከፍልጦም ዘለዎ ድማ መንግስቲ እዩ። እዚ ዝምልከት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብመልክዕ ስልጠናን መብርህን ዝቐርብ እኳ እንተኾነ እኹል ግና ኣይኮነን። ስለዚ ናብ ወፃኢ ሃገራት ብስራሕ ዝኸዱ ሰባት ክፈልጥዎም ዝግብኡ ወሰንቲ ነገራት ኣብዚ ፅሑፍ ብዝርዝር ቀሪቦም ኣለዉ።

ብስራሕ ናብ ወፃኢ ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ሻምናይ ክፍሊ ትምህርቲ ዝዛዘሙ ክኾኑ ኣለዎም። ከምኡ ድማ ዝቑፀሩሉ ዓውደ ስራሕ ኣገባብ ካብ ዘለዎ ማእኸል ምዘና መረጋገፂ ብቕዓት ምስክር ወረቐት ክሕዙ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ኣብ ዝመረፆ ቦታ ጥዕናዊ ምርመራ ክገብሩ ይግባእ። ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕን ሰራሕተኛን ነቲ ክቑፀር ዝተደለየ ሰራሕተኛ ናብ ምርመራ ጥዕና ክልእኾ ዝኽእል እቲ ሰራሕተኛ ከማልኦም ዝግብእዎ ረቛሕታት ምስ ኣማልአ እዩ።

እቲ ካሊእ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ኣሸፋፍና ወፃኢታት ገንዘብ ዝምልከት እዩ። እቶም ዝበዝሑ ወፃኢታት ብኤጀንስታት ምርኻብ ስራሕን ሰራሕተኛን ዝሽፈኑ ኮይኖም ባዕልቶም እቶም ሰራሕተኛታት ዝኸፍልዎ እውን ኣሎ። ንኣብነት ናብታ ዝኸዱላ ሃገር መእተዊ ቪዛ፣ ትኬት በፂሕኻ መልሲ፣ ክፍሊት ፍቓድ ስራሕ፣ ክፍሊት ፍቓድ መንበርን ክፍሊት መድሕን ውሕስናን እቶም ኤጀንስታት ዝፍፅምዎም ክፍሊታት እዮም። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ናይ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ኤምባሲ እታ እትቕበል ሃገር ዝኸፍል ምስ ምርግጋፅ ሰነድ ቪዛ ዝተተሓሓዘ ዝኾነ ይኹን ወፃኢ፣ መፅደቒ ኣገልግሎት ውዕሊ ስራሕ ከምኡ ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ልዕሊ ሓደ ግዘ ምርመራ ሕክምና ክገብሩ እንድሕር ተሓቲቶም ናይዚኣቶም ወፃኢታት ብኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕን ሰራሕተኛን ይሽፈኑ።

ባዕልቶም እቶም ሰራሕተኛታት ዝፍፅምዎም ክፍሊታት ድማ መውፅኢ “ፓስፖርት”፣ ንምርመራ ሕክምና፣ ንኽታበት፣ ንመውፅኢ ምስክር ወረቐት ልደት፣ ንመረጋገፂ ብቕዓት ሞያን ካብ ወፃኢ ሃገር ንዝልኣኽ ውዕሊ ሰነድን ካብ ገበን ነፃ ከም ዝኾኑ ዝሕብር መርትዖን ወፃኢታቶም በቶም ስራሕተኛታት ይኽፈል።

ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ከይዶም ክሰርሑ ዝደልዩ ሰራሕተኛታት “ንምኻድ ሙሉእ ምድላው ገይርና ኢና” ክብሉ እንድሕር ኮይኖም እዞም ዝስዕቡ ቅድመ ምድላዋት ከም ዝወገኑ ከረጋግፁ ኣለዎም። ከም ፓስፖርት፣ “ቪዛ”፣ ውዕሊ ሰነድ ስምምዕነት፣ ምስክር ወረቐት ጥዕና፣ ብኣውሮፕላን ዝሳፈርሉ ትኬት ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ሰነዳት ክሕዙ ኣለዎም። ዝሓዝዎም ሰነዳት ስራሕን ጉዕዞን ትኽክለኛ ከምዝኾኑ ብምርግጋፅ በዝሒ ፎቶ ኮፒ ብምግባር እቶም ቕዳሓት ምስ ቤተሰብ ወይ ምስ ዝእመን መሓዛ ብሓደራ ምቕማጥ የድሊ። ዋና ቅዳሕ (ኦርጅናል) እቶም ሰነዳት ባዕልኻ ሒዝካ ቅዳሕ (ፎቶ ኮፒ) ነቶም መስራሕቲ ናይ ምሃብ መሰል ሰራሕተኛታት ዘሎ እንተኾነ እውን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት እቲ ዋና ሰነድ ንመስራሕቲ ናይ ምሃብ ግዴታ ክህሉ ከም ዝኽእል ፈሊጥካ ብኡ ልክዕ ምድላው እውን የድሊ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሰነዳት ጉዕዞ ሃንደበት እንተጠፊኦም ቀልጢፍካ ናብ ፖሊስን ዋና መምርሒ ጉዳይ ዜግነት ኤመግሬሽንን ቀልጢፍካ ምምልካት ግድን ይኸውን። እቲ ሰነድ ንስራሕ ኣብ ዝተዋፈርካሉ ወፃኢ ሃገር እንድሕር ጠፊኡ ድማ ኣብኡ ናብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ኤምባሲ ወይ ቆንስላ ብምኻድ ንእለቱ ምሕባር መፍትሒ ይኸውን። ሰነዳት ጉዕዞ ምጥፋእ ወይ ድማ ምስኣን ማለት ንዝተወሰነ ግዘ እውን እንተኾነ መንነት (ሕጋውነት) ምስኣን ማለት እዩ።

ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተተሓሒዞም ክፍለጡ ዝግበኦም ኣገደስቲ ቁም ነገራት ድማ ቅድሚ ምእኻል ስዓት በረራ ሰለስተ ሰዓት ኣቐዲምካ ምርካብ ግድን እዩ። ኣብ መንገዲ ኣየር ብዝካየድ ተፍትሽ ንዘይምድንጓይ ሸኽሚ ክበዝሕ የብሉን። ሒዝካዮም እትኸይድ ክዳውንቲ ምስ ፀባይ ኣየር እቲ እትኸዶ ሃገር ዝስማዕምዑ ምዃኖም ምርግጋፅ እውን የድሊ። ናይ ሰባት ዘይተፈተሹ ሻንጣታት ዘይምቕባል፣ መሳርሕታት ኲናት ዝኣመሰሉ ነገራት ዘይምሓዝ ካብቶም ክግበሩ ዝግበኦም ጥንቃቐታት ገሊኦም እዮም። ከም ብሩሽ ስኒ፣ መሰንተሪ ፀጉሪ፣ ቅብኣት፣ ከምመሐለዊ ፅሬት ወርሓዊ ፅገ፣ ጫማታት ዝበሉ መሰረታዊ መገልገልቲ ፅርየት ከም ዝተትሓዙ ክረጋገፁ ኣለዎም። ሰራሕተኛታት ናብ ወፃኢ ሃገር እንትኸዱ (እንትወፁ) ሒዘሙዎ ክኸዱ ዝግበኦም 200 ብርን ንጉምሩክ ከፍልጥዎ ዘይግደዱሉ ትሕቲ ሓደ ሽሕ ዶላር ኣሜሪካን ጥራሕ ከም ዝኾነ ክፈልጡ ኣለዎም።

ኣብ መንገዲ ኣየር ዝግበሩ ፈተሻታትን ሕገ ደንብታትን እውን ምርዳእ የድሊ። ሰብ ሞያ ፈተሻ፣ ትኬት ኣውሮፕላንን ፓስፖርትን ንኽርእይዎ ድልው ምግባር እቲ ሓደ እዩ። ተሳፈርቲ ሰራሕተኛታት ናብ ውሽጢ እንትኣትዉ ሻንጠኦም፣ ጫመኦም፣ ተንቀሳቓሲ ስልኮም (ሞባይሎም)፣ ሓፂን ተንከፍ ዝኾኑ ኩሎም ብውሽጢ ናውቲ መፈተሺ መሳርሕታት ድሕንነት ንክሓልፉን ክፍተሹን ምግባር እውን ናይ ግድን እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ ናብ ወፃኢ ብስራሕ ዝኸዱ ወገናት ብኣውሮፕላን ኣብ ዝጓዓዝሉ እዋን ደንብታት ደሕንነትን ከይድታት ኣሰራርሓን ህዋ (ኣየር) ክፈልጡ ኣለዎም። ንኣብነት ተሳፈርቲ ኮፍ ዝብልሉ ቁፅሪ ወንበር ክፈልጡ ይግባእ፤ እንድሕር ጠፊእዎም ድማ ኣብቲ ኣውሮፕላን ንዘለዋ መተኣናገድቲ ክሓቱ ኣለዎም። መናፅሂ ክፍልታት፣ ፈኮስቲ ምግብታትን መስተታትን እውን ኣለዉ እዮም። ኣብ እዋን በረራ እተን መተኣናገድቲ ዘሕልፍኦ መልእኽቲ ብፅሞና ምድማፅ ዘይሕለፍ ቁም ነገር እዩ። ኣውሮፕላን በረራ ምስ ጀመረት ድማ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ምጥፋእ የድሊ።

ሰራሕተኛታት ኣብቶም ዝሰርሑሎም ሃገራት ምስበፅሑ ፈተሻ ፓስፖርትን ጉምሩክን ስለዝግበረሎም ነዚ ድልዋት ክኾኑ ይግባእ። ፈለማ ኣብቲ ዝበፅሕሉ ቦታ ምስ ኣተዉ ንስዓታት ክፀንሑ ስለ ዝኽእሉ ዓቕሊ ምግባር የድሊ። ብዝተረጋግአ መንፈስ ንቐፀልቲ ንጥፈታት ክዳለዉ ይግባእ። ኣብቲ ዝኸድሉ ሃገር ዘለዉ ሰራሕተኛታት (ኤሜግሬሽን) ዝርከብሉ ቦታ ፈሊጦም ፓስፖርት፣ ውዕሊ ስምምዕነት ቁፃርን ካልኦት ኣገደስቲ ሰነዳትን ከቕርቡሎም ኣለዎም። ኣብቲ ሰራሕተኛታት ዝበፅሕሉ ሃገር ኣብ ዘሎ ዝዓረፍሉ መዕርፎ ነፈርቲ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ዝሓትዎም ሕቶ ብፅሞና ኣዳሚፆም ግቡእ መልሲ ምሃብ፣ ንብረት ዝሓዙ ሻንጣታቶም ካብቲ መረከቢ ቦታ ምውሳድን ናብ መዕረፊ ክፍሊ ከይዶም ንመስራሕቲ ወይ ንኤጀንስታት ምሕታትን ግድን ክገብርዎም ዝግበኦም ንጥፈታት እዮም።

ምስ ምቑፃር ስራሕ ተተሓሒዙ ሰነዳት ዘይምምላእ ወይ ድማ ብኻልኦት ምኽንያታት ምስ ኣስራሕቲ ንምርኻብ ዘይከኣለሉ ኩነታት እንተተፈጢሩ ድማ ብቕልጡፍ ኣብ ቀረባ ምስ ዝርከብ ልኡኽ (ሚሰዮን) ኢትዮጵያ ብምርኻብ ኣድላዪ ሓገዝን ምትሕብባርን ክግበረሎም ይኽእል እዩ። ነዚ ድማ ኣብቲ ሃገር ናይ ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝርከበሉ ኣድራሻን ቁፅሪ ስልክን ሒዝካ ምፅናሕ ኣገዳሲ ይኸውን።

ሰራሕተኛታት ኣብቲ ዝሰርሕሉ ቤተሰብ ወይ ትካል ክረኽብዎ ዝግበኦም መሰልን ክፍፅምዎ ዘለዎም ግቡእን ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ተቖፂሮም ዝሰርሕሉ ስድራ ወይ ትካል ሓቲቶም ናይ ምፍላጥ መሰል ኣለዎም። ስሩዕ ሰዓት ስርሖም ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ሰዓት ወይ ኣብ ሓደ ሰሙን ካብ 48 ሰዓት ዘይበለፀ ይኸውን። ካብ ውዕሊ ወፃኢ ኣብ ካሊእ ስድራ ክሰርሑ ዝተሓተቱ ሰራሕተኛታት ክፍሊት ሕልፊ ሰዓት ክሓቱ ኣለዎም። ኣስራሒ ኣብ ትሕቲኡ ንዘለዉ ሰራሕተኛታት መሃየኦም በብወርሑ ዝኸፍሎም ኮይኑ ሰሙናዊ፣ ዓመታዊ ናይ ሕክምናን በዓላትን ዕረፍቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ እዩ።

ብተወሳኺ ዕለታዊ እኹልን ተመጣጣንን ምግቢ ኮነ ምችው መዕረፊ ቦታ ምርካብ፣ ክንክን ጥዕናን ግልጋሎት ሕክምናን ምርካብ፣ ንበዓል ሞያ ሕክምና ምምኻር መሰል ሰራሕተኛታት እዩ። ንዘጋጥም ጉድኣት ኣካልን ምጥፋእ ህይወትን መሰል ውሕስንኦም ሕልው እዩ። ምስ ቤተሰቦምን ዘመድ ኣዝማድን ብዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸቢ ናይ ምርኻብ መሰሎም ሕልው እዩ። እቶም ዘስርሑ (ዝቖፅሩ ሰባት) ብመሰረት ውዕሊ መሰል ሰራሕተኛ ዘየኽብሩ፣ ኣብ ክፍሊት ኮነ ሰዓት ስራሕ ኮታስ ካብቶም ኣብቲ ውዕል ዝተዘርዘሩ ኣሰራርሓታት ወፃኢ እንተኸይዶም ዝተረፈ ውዕሊ ስራሕ ምቁራፅ ይከኣል። ኣብታ ሃገር ናብ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ኤምባሲ ወይ ቆንስላ ብምኻድ ዘጋጠሙ ፀገማት ብምሕባር ምኽርን ደገፍን ምርካብ እውን ይከኣል። “ፀገማት በፂሖሙኒ” ኢልካ ካብ ዝተቖፀርካሉ ስድራ ብወገንካ ምጥፋእ ኣይምከርን። ምኽንያቱ ንዝገደዱ ፀገማት ምቅላዕ ከጋጥም ስለ ዝኽእል። ብመሰረት ውዕሊ መሰሎም ተሓልይሎም ግቡኦም ዝፍፅሙ ሰራሕተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተበገስሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ኣብቲ ዝኣተውሉ ሃገር ከይዶም ስርሖም ዝዛዝሙሉ ውዕሊ ስራሕ ክፀንሕ ዝኽእል ንኽልተ ዓመትን 45 መዓልትን ጥራሕ እዩ።

ሰራሕተኛታት ክፍፅምዎም ዝግበኦም ግቡኣት ድማ ኣለዉ። ኣብ ውዕል ዝተስማዕምዕሎም ተልእኾታት ብትኽክል ከተግብርዎም ይግባእ። ንኣብነት ምስቲ ቆፃሪ ኣካል ፅቡቕ ስድራ ቤታዊ ዝምድና ምፍጣር፣ ካብ ስራሕ ብዘይመእመኒ ምኽንያት ዘይምትራፍ፣ ትእዛዝ መስርሒ እንተይተፀበኻ ምስራሕ (ሓላፍነትካ ብተኣማንነት ምውፃእ) ግድን ይኸውን። ኣብ ዝሰርሕሉ ሃገር ዘሎ ሕግን ባህልን ድማ ምኽባር የድሊ። ንኣብነት ኣብቲ ዝቖፀረ ስድራ ደቂ ተባዕትዮ እንተሃልዮም ተቖፀርቲ ደቂ ኣንስትዮ ፀቢብ ክዳን፣ ቁምጣ፣ ሰውነት ዘርእይ ቀሚሽን ሸሚዝን ዘይምኻዳን፣ ሰላም ምብህሃል ንተባዕትዮ ጥራሕ ዝተፈቐደ ምዃኑ ምርዳእ ግድን እዩ። ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ዓረብ ኣብ ቅድሚ መስራሕቲ ምብካይ ከም ሕማቕ ፋል ስለ ዝሕሰብ ምጥንቃቕ የድሊ። ናብ ሰባት ኣፃብዕቲ ኢድ ምምልካት እውን ከም ትሕትና ዝጎደሎ ስድነት ተገይሩ እዩ ዝውሰድ። ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ሰሓቕ እውን ብተመሳሳሊ ከም ጉድለት ስነ-ምግባር ስለ ዝርአ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣለኣእኻን ኣጠቓቕማን ገንዘብ ብዝምልከት

ገንዘብ ብስርዓት እንተዘይተታሒዙ ጠፋኢ እዩ። ዝሰራሕኻዮ ገንዘብ ቁም ነገር እንድሕር ዘይትሰርሓሉ ዓዲ ጓና ከይድካ ምሽቃልካ ዋጋ የብሉን። ስለዚ ብስራሕ ናብ ወፃኢ ዝኸዱ ዜጋታት ስለ ቀፃሊ ህይወቶም ክሓስቡን ትልሚ ከውፅኡን ኣለዎም። እቲ ዝረኽብዎ ገንዘብ እንታይ ከም ዝሰርሕሉ ኣቐዲሞም ክትልሙ ይግባእ። ኣብ ወፃኢ ኾይኖም ናብ ዓዶም ገንዘብ ክልእኹ ዝደልዩ ዜጋታት ዘተኣማምኑ ሜላታት መልአኺ ኣለዉ። ንሳቶም እውን ኣገልግሎት ሓዋላ፣ ቤት ፖስታ፣ ዌስተርን ዩኔን፣ መኒግራምን ዝኣመሰሉ ወኪላት ባንኪ መልኣኺ ገንዘብ እዮም። ዘየተኣማምኑ ድማ ብደላሎ ምልኣኽ፣ ቤት ፖስታ እንተይፈለጠ ኣብ ዝኾነ ፖስታ ገይርካ ገንዘብ ምልኣኽ፣ ብዝፈልጥዎም ውልቀ ሰባት ምልኣኽ ወዘተ እዮም።

ኩነታት ባህልን ሃይማኖትን ሃገራት ዓረብ

ባህልን ሃይማኖትን እትሰርሓሉ ሃገር ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሃገራት ዓረብ ድማ ናይ ባዕልቶም መፍለዪ ባህሊ ኣለዎም። ምስ ፀሎትን ቅዱሳት ስፍራታትን ዝተትሓሓዘ ፀሎት ዝግበረሉ መንፀፍ ምርጋፅ፣ ብቕድሚት ፀሎት ዝገብር ሰብ ሓሊፍካ ምኻድን ትኽ ኢልካ ምጥማትን ኣይፍቀድን። ፀሎት ናብ ዝግበረሉ ስፍራ እንትትኣቱ ጫማኻ ምውፃእን ፍቓድ ሓቲትካ ምእታውን ልሙድ ባህሊ እዩ። ከምኡ እውን ስነ ምግባር ኣከዳድና ምሕላው የድሊ። ቅርፂ ሰውነትካ ዘርኢ ዝኾነ ዓይነት ክዳንን ስምዒት ወሲብ ዝቕስቕስ ኣከዳድናን ብፍፁም ኣይፍቀድን።

እቲ ካሊእ ሰራሕተኛታት ክፈልጥዎ ዝግበኦም ጉዳይ ኣብ መብዛሕቲአን ሃገራት ዓረብ ኣብ “ካፍተርያ”፣ ቤት ምግቢ፣ ትካላት መጓዓዓዚ ወዘተ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓደ ኮፍ ኣይብሉን። ኣብ ገላፃ ቦታ (ኣደባባይ) ኣካላዊ ምንኽኻእ ኣይገብሩን። ሰላም ምብህሃል እውን ኣይፍቀድን። ካሊእ ድማ ኣብ ሃገራት ዓረብ ብስራሕ ዝተዋፈረት ጓል ኣንስተይቲ እንተጠኒሳ ኣብቲ ሃገር ብሰራሕተኛነት ክትቅፅል ዘይትኽእል ኣብ ርእሲ ምዃና ሽዑንሽዑ ብግዴታ ናብ ሃገራ ክትምለስ ዝግበር ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን።

ምስ ኣጠቓቕማ ኢድን እግርን ተተሓሒዙ ሰራሕተኛታት ክፈልጥዎ ዝግበኦም ጉዳይ እውን አሎ። “ፀጋማይ ኢድ ንመናፅሂ ዝውዕል ብምዃኑ ንፁህ ኣይኮነን” ተባሂሉ ስለ ዝሕሰብ ኣብ ዝኾነ እዋን ንምስታይ ወይ ንምምጋብ ክውዕል ኣይኽእልን። ብየማናይ ኢድ ጥራሕ ይስተን ይብላዕን። ከብዲ እግርኻ ወይ “ሶል” ጫማኻ ንሰብ ምርኣይ ድማ ነቲ ሰብ “ረሳሕ” ኢልካ ከም ምፅራፍ ስለ ዝቑፀር ጥንቃቐ የድሊ።

እዞም ኩሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ጉዳያት ኣብ ወፃኢ ብፍላይ ድማ ሃገራት ዓረብ ከይዶም ክሰርሑ ዝደልዩ ሰባት ክፈልጥዎም ዝግብኡ ቅድመ ኩነት እዮም። እዚኣቶም እንድሕር ደኣ ፈሊጠሙዎም ዘደናግሮም ነገር ኣይህሉን፤ መሰሎም ንምሕታት ኣይፅገሙን፤ ግቡኦም እውን ኣይጠፍኦምን። ዝበፅሖም ሓደጋ ኣይህሉን እንተሃለወ ድማ ኣዐርዩ ንክንክይ ይሕግዝ። ስለዚ ነዚኦም ባህልታትን ደምብታትን ሰራሕተኛታት ገና ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ንምኻድ እንትሓስቡ ኣትሒዞም ክሳብ ናብቲ ዝሰርሕሉ ሃገር ከይዶም ዝምለሱ ብዝግባእ ፈሊጦም ከተግብርዎም ይግባእ።


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 971
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010