እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4812462
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1722
3314
11508
4777565
44723
108196
4812462

Your IP: 107.20.94.6
2018-02-18 05:17

ሓንቲ እኽሊ ምስ ፀላኢ ክትሓድር ኣይብላን!

here we go
selam new

ብርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ዝተዳለወ እዋናዊ ፅሑፍ

ፅልዋ ዓለም ለኸ ዘይንቡር ዋዒ ኣየር ንዓለምና ብዝተፈላለዩ ሓደጋታት ምንፅልላው ካብ ዝጅምር ብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ። እዚ ዋዒ ብምኽንያት ካብ ዝተፈላለዩ ፋብሪካታትን ኢንዳስትሪታትን ብዘይ መጠን ዝፍነው ዝተቓፀለ ኣየርን ካብ መሬት ዝተኑ ዓፈንቲ ሙቐት ጋዛትን      ዝፍጠር እዩ። ጋዛት ዓፈንቲ ሙቐት  እንብሎም ድማ “ካርበን ዳይኦክሳይድ፣ ሚቴን፣ ናይትሬት ኦክሳይድ፣ ሃይድሮ ክሎሮ ካርበን፣ ካርበን ሞኖ ኦክሳይድ” ወዘተ እንትኾኑ በዚኦም ኣቢሉ ኣብ ከባቢ ኣየር ዘይምምጥጣን እንትፍጠር ላዕለዋይ ንፃፍ/ኦዞን/ ከባቢ ኣየር እናረቐቐ ይመፅእ። በዚ ኣቢሉ ካብ ፀሓይ ብቐጥታ ዝመፅእ ጨረር /ኣልትራቫዮሌት/ ናብ መሬት ምስ ዓረፈ እቶም ጋዛት ዓፈንቲ ሙቐት ነቲ ካብ ፀሓይ ብቐጥታ ዝፍኖ ጨረር ናብ ህዋ ከይምለስ ዓፊኖም ብምሓዞም መሬት ዋዒኣ እናወሰኸ ክኸይድ ይገብሩ። ብኸምዚ ኣቢሉ ዝፍጠር ሙቐት፣ ነባራዊ ፀባይ ከባቢ ኣየር ዓለምና ክቀያየር ይገብሮ። በዚ ኣቢሉ ኩነታት ኣየር ዓለምና ናብ ዘይእመት ብርኪ እናበፅሐ ሃንደበታዊ ዝናብ፣ ምዕልቕላቕ ውሑጅ፣ ኣውሎ ንፋስ፣ ሰደድ ሓዊ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ደኒ፣ ምግጣም ተደጋጋሚ ድርቂ፣ ንምፍጣር ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ወራር ባልዓት እኽልን ፃህያያትን እውን ምኽንያት ይኸውን። 

ስለዝኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ምልውዋጥ ከባቢ ኣየር ኣብ ዓለምና ብርክት ዝበሉ ንደቂ ሰባት ጎዳእቲ ዝኾኑ ፃህያያትን ባልዓትን እናተፈጠሩ እዮም። ብምኽንያት እዚ እውን እዚ ዘመን ብዝተፈላለዩ ፀሓፍትን ተመራመርቲ ኩነታት ኣየርን፣ ዘመነ ምፍጣር ሓደሽቲ ባልዓት ኣብ ዓለም (the era of new pest up search in the world) እናተብሃለ ይፅዋዕ ኣሎ። ምፍጣር ባልዓት እኽሊ ማዕረ ማዕረ እቲ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዘብፅሖ ዕንወት ብኣውርኡ ኣብ ዓውደ ሕርሻ ዘብፅሖ ሓደጋ ልዑል እዩ። ዘለናዮ ወቕቲ ድማ ምድላው ምዕራፍ ክረምታዊ መፍረይነት እዩ።

ኣብዚ እዋን ዘራእቲ ክጉድኡ ብምግባር እቶት ከይስስን ካብኡ ሓሊፉ ክባድም ካብ ዝገብሩ ሓደሽቲ ባልዓትን ነባራት ባልዓትን ኣብ ሃገርና ከምኡ ከዓ ክልልና እናተበራኸቱ እዮም። ንኣብነት ኣብ ክልል ትግራይ እንተወሲድና ኣብዚ ቀረባ እዋን ብርክት ዝበሉ ሓሳኹ ተራእዮም። ካብ’ቶም ዝተርኣዩ ሓሳኹ “ሚሊ በግ”፣ ቆፅሊ ኮመደረ ሰርሳሪ፣  ቫይረስ ቀታሊ ዕፉን፣ ፃዕዳ ስኬል ማንጎ፣ ፃዕዳ ሃመማ ኣራንሽን ቅንጨን ሕዚ ድማ ብኣውርኡ ሓድሽ ወራር ባርኖስ ኣሜሪካ (Fall Army worm) ተጠቀስቲ እዮም። ትኹረት ፅሑፍና እውን ካብቶም ዝተጠቐሱ ሓደ፣ ምምፃእ ሓድሽ ወራር ባርኖስ ኣሜሪካ ስዒቡ ብዛዕባ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጠቓላሊ ሓደጋ ዝድህስስን መፍትሒ ዘነፅርን እዩ ክኸውን።

ከይኮነ ንለብም!

ዘለናሉ ወቕቲ እዋን ምድላው ምዕራፍ ክረምታዊ መፍረይነት ኮይኑ ዛጊድ ሰፊሕ መሬት ክልልና ብናይ ኣዝመራ ዝራእቲ ዝተሸፈነሉ እዩ። ሓረስታይ “መሬት ንቐላቢኣ ትቕልብ” ዝብል ፈሊጥ ሒዙ መሬቱ ኣሚኑ ኣብ ዝዘርኦ ዝራእቲ ሓያሎ ፃዕርታት ብምዕራፍ ዝሓሸ እቶት ንምርካብ ዓሊሙ ዓቕሙ ፀንቂቑ እናሰርሐ ይርከብ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ግጥም ሓዝ ክሕዝ እናሃለወ ሓድሽ ወራር ባርኖስ፣ ባሕሪ ተሳጊሩ ኣብ ሃገርና ኣትዩ ኣሎ። ሽም እቲ ሓሰኻ ድማ “ፎል ኣርሚ ዎርም” ወይ እውን ባርኖስ ኣሜሪካ ይበሃል። እዚ ሓድሽ ወራር ባርኖስ መንቀሊኡ ካብ ደቡብ ኣሜሪካ እንትኸውን ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ ብ2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን (ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ 2008 ዓ.ም ምዃኑ እዩ) ንመጀመርያ ግዘ ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ኣፍሪካ ሃገረ ናይጀርያ ተራእዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ጋና፣ ሴራልዮን፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ዙምባብዌ፣ ማላዊ፣ ናሚብያ፣ ሞዛምቢክ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያን ኬንያን ተስፋሕፊሑ። 25 ለካቲት 2009 ዓ.ም ድማ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ባርኖስ ኣመሪካ ኣብ ሃገርና ንመጀመርያ ግዘ ዝተርኣየ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ሸካ  እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ድማ ናብ ሰለስተ ዞባታት እቲ ክልል ተስፋሕፊሑ። ክሳብ ሕዚ ብዘሎ መረዳእታ ኣብ ክልላት ደቡብ፣ ኦሮምያ፣ ጋምቤላ፣ ቤንሻንጉልን ኣምሓራን እቲ ወራር ብስፍሓት ስለዝተልዓለ ምክልኻል እናተገበረሉ እዩ። ወራር ባርኖስ ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ሃገርና ምስተርኣየ ኣብ ክልልና ነዚ ኣቐዲሙ ዝከላኸል ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ እዩ። ድሕሪ እዚ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ወራር ዝህልዎ ባህርያት፣ ብኸመይ ኣገባብ ምክልኻል ከምዝከኣል ወዘተ ዝምልከት ስልጠና መዕበዪ ግንዛበ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ንዘለዉ ሰብ ሞያን ሰራሕተኛታትን ልምዓት ሕርሻ ከምኡ እውን ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት ብስፍሓት እናተወሃበ መፂኡ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ወራር ኣብ ዝኾነ ከባቢ እንትርአ እቲ ሓረስታይ ብቕልጡፍ ናብ ቀረብኡ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሓበሬታ ክህብ ከምዘለዎ ተደጋጋሚ ሓበሬታታት ተዋሂቡ። ከም ክልል እውን ብማዕኸናት ሚድያ በብእዋኑ መግለፅታት እናተውሃቡ ብምምፅኦም ነቲ ሓደጋ ንምምካት ዘኽእል ድልውነት እናተረጋገፀ መፂኡ።

ብመሰረት እዚ እውን ባርኖስ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ዝተርኣየሉ ኣብ ወረዳ ዓድዋ እንትኸውን ነዚ ምፍጣር ወራር ባልዕ ንፈለማ እዋን ሓበሬታ ዝሃበ ድማ ሓረስታይ ዓድዋ እዩ። እቲ ሓረስታይ ነቲ ባርኖስ ምህላዉ ክፈሊ ዝኸኣለ ድማ ኣብ እዋን ስልጠና ብ”ፓወር ፖይንት” ብዝረኣዮ ናይቲ ሓሰኻ መፍለዪ ሕብርን ቅርፅን እዩ። ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ፈተሸ ክካየድን ክምከትን ዝተገበረ ፃዕሪ ድማ እወንታዊ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ሓሰኻ ኣንፈት ንፋስ ተኸቲሉ ብለይቲ ኣብ ሓደ ውልዶ 483 ኪሎ ሜትሮ ዝበርር ብምዃኑ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢ እዩ ዝባፃሕ። በዚ እውን ካብ ካልኦት ክልላት ሃገርና ናብ ክልል ትግራይ ብምስጋር ኣብ ሓፂር እዋን ናብ 12 ወረዳታት ተስፋሕፊሑ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ዞባ ማእኸል፤ ወረዳታት ታሕታይ ማይጨው፣ ላዕላይ ማይጨው፣ ቆላ ተምቤን፣ ናዕዴር ዓዴት፣ ኣሕፈሮም፣ መረብ ለኸ ኣትዩ። ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳታት ኣስገደ ፅምብላ፣ ላዕላይ ኣድያቦ፣ ታሕታይ ቆራሮ፣ መደባይ ዛናን ፀለምትን እንትስፋሕፋሕ ብድምር ኣብ 71 ጣብያታትን 110 ቁሸታትን ኣትዩ ኣሎ።

ብመንፅር ሽፋን ዝራእቲ እንትርአ ድማ እቲ ባርኖስ ዝኣተዎ ኣብ 877 ሄክታር መሬት ዝሸፈነ ዝራእቲ እንትኸውን ኣብቲ ሽፋን 2,585 ሓረስቶት ግራውቶም ብባርኖስ ተጠቒዑ እዩ። ነዚ ንምክልኻል በብብርኩ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ እናተናበበ ነቲ ዘጋጠመ ወራር ንምክልኻል ዘኽእሉ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናተሰርሑ እዮም። ከም ኣብነት እንተወሲድና ዛጊድ ብደረጃ ክልል 199 ነጥቢ 25 ሄክታር መሬት ዝራእቲ ብ”ኬሚካል” ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ተኻይዱ ኣሎ። ልቢ ክንብለሉ ዝግበአና ጉዳይ ግን ኣሎ፤ ነቲ ወራር ብኬሚካል ንምክልኻል ብርኪ ዕብየት እቲ ባርኖስ ስለዝውስን ኣብ ኩሉ ዝተርኣየሉ ቦታ ኬሚካል ምጥቃም ኣይምከርን። ስለዝኾነ ብባህላዊ መንገዲ ምክልኻል ዝተገበረሉ ዝራእቲ እንትንርእይ ከባቢ 650 ሄክታር ኮይኑ ብድምር ኣብ 848 ሄክታር ዝሽፍን ዝራእቲ ብባህላዊ ኣገባብን ብኬሚካልን ምክልኻል ተኻኢሉ እዩ።

ኣብቲ ናይ ምክልኻል ስራሕ ዝተዋፈረ ሓይሊ ሰብ ድማ 285 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 2,538 ሓይሊ ሰብ እዮም። በዚ ኣገባብ ብባርኖስ ኣመሪካ ካብ ዝተወረረ ገራሁ እቲ 96 ነጥቢ 7 ምኢታዊ ምክልኻል ተኻኢሉ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሓባር ፀላኢና ብሓባር ክነጥፍኦ ስለ ዝግባእ ኩሉ ሕብረተሰብ ተመሳሳሊ ግንዛበ ክህልዎ እናተሰርሐ እዩ። ብመሰረት እዚ ዛጊድ ከም ክልል ን982 ሰራሕተኛታት  ልምዓት ሕርሻ ጣብያ፣ 474 ክኢላታት ሕርሻ ወረዳ፣ 190 ግብረ ሓይሊ ወረዳ፣ 2351 ግብረ ሓይሊ ጣብያ፣ 478 ነፀግቲ ኬሚካል፣ 84 ወረዳ “ሲቪል ሰርቫንት”ን 365 ጣብያ ሲቪል ሰርቫንትን ስልጠና ተዋሂቡ ኣሎ። ብተወሳኺ ኩሉ ህዝቢ ግንዛብኡ ክዓቢ ስለ ዝግባእ ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና ብዛዕባ እቲ ወራር ባልዕ መግለፅታት ብሰብ ሞያ ክወሃብ ተጌሩ እዩ።

መለለዪ ባህሪያት እቲ ባልዕ

ሓሳኹ ባርኖስ ኣመሪካ ኣብ ለይቲ ዝበሩ ናይ ባርኖስ ዓሌት እዮም። ከይዲ ምርበሖም እንትንርኢ ድማ ፈለማ ኣንስተይቲ ግዝዋ (FAW) እንቋቁሖ ኣብ ታሕተዋይ ገፅ ቆፅሊ ሳዕርን ዘራእትን ተውድቕ። ሓንቲ ግዝዋ ካብ 100 ክሳብ 200 እንቋቁሖ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ከረጢት ብምውዳቕ ኣብ ዕድሚኣ ድማ ብማእኸላይ 1,500 ክሳብ 2000 እንቋቑሖ ተውድቕ። እንቋቁሖ እታ ግዝዋ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልቲ ይፍልፈል። እቲ “ላርቫ” ድማ ሽዱሽተ ብርክታት ዕብየት ይሓልፍ። ሓደ ላርቫ ግዝዋ ኣብ ዕድሚኡ 140 ትርብዒት ሴንቲ ሜትሮ ቆፅሊ ዕፉን ይምገብ። ካብ 14 ክሳብ 21 መዓልትታት ድማ ዕድሚኡ ይውድእ። “ፑፓ” ኣብ ሓመድ ካብ ሰለስተ ክሳብ ዓሰርተ ሴንቲ ሜትሮ ዕምቆት ይኣቱ።  ኣብኡ ከዓ ካብ ሸውዓተ ክሳብ 14 መዓልትታት ይወስድ። እቲ ሓመድ ጠንካራ እንተኾይኑ ዝወዳደቑ ቆፅልታት ብምጥቕላል ኩኮን/cocoon/ ይሰርሕ። መፍለዪ ምልክት ባርኖስ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ርእሱ “ Y “ ግልባጥ ቅርፂ ኣለዎ። ንታሕቲ ዝተሰመሩ ሰለስተ ፃዓዱ መስመራትን ፀሊም ነጠብጣብ ብፍላይ ኣብ ርእሱ ከባቢ ደሚቖም ይርአዩ።

ንምርባሕ ዝስማመዖ ፍሉይ ኩነታት እንትንርኢ መጠን ሙቐት ካብ 21 ክሳብ 27 “ዲግሪ ሴልሽየስ” ኮይኑ ዝለዓለ ራሕሲ ኣየርን ዝናብን ዘለዎ እዩ። ካብ ካልኦት ሓሳኹ ባልዓት ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ዝናብ ብዝወሰኸ መጠን ንምርባሕ ይስማመዖ። ናይ ህይወት ዑደቱ ኣብ ክረምቲ 30 ፣ ኣብ ሓጋይ 90 መዓልትታት እዩ። እቲ ሓሰኻ ዝናብ እንተበዚሑን ሙቐት እንተሃልዩን ይባዛሕን ዝራእቲ የጥቅዕን።

መከላኸሊ ሜላ

ወራር ባልዕ ባርኖስ ኣመሪካ ንምክልኻል ቅድመ ምድላው ንምግባር ዝሕግዝ መፃወድያታት ባርኖስ ምክትታልን ብዝምልከቶም ኣካላት ዝወሃብ ሓበሬታ ብዝግባእ ምድማፅን የድሊ። ዝምልከቶም ኣካላት ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ድማ ኩነታት ምትሓዝ መፃወድያታት ብምትንባይ ነቲ ተጠቃሚ ሓረስታይን ንዝምልከቶ ኣካልን ብእዋኑ ብምፍላጥ ኩሉ ሕብረተሰብ ግራቱን ከባቢኡን ንጉሆን ምሸትን ክፍትሽን ክከታተልን ዘኽእሎ ንቅሓተ ሕልና ክፈጥርሉ ይግባእ። እቲ ወራር ብባህላዊ መንገዲ ክጠፍኣሉ ኣብ ዘይኽእል ብርኪ እንትበፅሕ ድማ ዘድሊ መንፀጊ መሳርሕን ኬሚካልን ምድላው ዝብሉ ወሰንቲ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ባልዕ ምስተርኣየ ዝህሉ ኣገባብ ምክልኻል ድማ ብባህላዊ ኣሪኻ ምቕታል፣ ናብ ትኩስ ማይ ምጥቕጣቕ፣ ኣብ ሳዕሪ እንተኾይኑ ብኣሻኽ ኦም ምጭፍጫፍን ብእንስሳት ምርጋፅን ዝብሉ እዮም። ብኬሚካል ንምክልኻል ድማ ሰለስተ ዓይነት ፀረ-ባልዕ (ማላታዮን፣ ዲያዚኖንና፣ ክሎሮ ፓይርፎስ) ተጠቒምካ እቲ ባልዕ ኣብ ዝተርኣየሉ ምጥቃም የድሊ። እቲ ኮሚካል ናይ ምንፃግ ስራሕቲ ድማ ብሰብ ሞያ ክመራሕን ዝለዓለ ጥንቃቐ ክግበረሉን ኣለዎ።

ብድምር ባርኖስ ኣመሪካ ብዝኾነ መልክዕ ኣብ ከባቢና ክርአ፣ ኣብ ሃገርና ክነብር ክንፈቕደሉ የብልናን። ነዚ እውን እዩ ኩሉ ሕብረተሰብ ነቲ ወራር ንምጥፋእ ዓሊሙ ምስ በብብርኩ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ እናተናበበን እናተወደበን ኣብ ምርብራብ ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ሕዚ እውን ከም ክልል ነቲ ወራር ንምምካት ዝካየዱ ዘለው ስራሕቲ ኣዝዮም ዝምስገኑ ዋላ እንተኾኑ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዝርከብ ኣመራርሓን ሓፋሽ ህዝብን ተመሳሳሊ ግንዛበን ተበግሶን ኣሎ ምባል ስለዘይከኣል ፃዕርታትና ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ክነሕይል ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ወራር ጉድኣቱ ንኽራማት መፍረያይነት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ቐለብ እንስሳ  ኣብ ምሓዝ ካብኡ ሓሊፉ ንቐፃሊ መደብ ልምዓት መስኖ እውን ዝህልዎ ሓደጋ ዓብዪ እዩ። ስለዚ ኣብ ምጥፋእ እቲ ባርኖስ ኩሉ ሕብረተሰብ ክነጥፍ እንተኾይኑ ግደ ማዕኸናት መራኸቢ ሓፋሽ ልዑል እዩ። ኣብ ሚድያታት ተደጋጊሞም ዝንገሩ ሓበሬታታት እቲ ህዝቢ ከዳምፆምን ናብ ተግባር ከሽርፎምን ዝለዓለ ስራሕ ይጠልብ። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ኩሉ ግዘ እንገብሮ ነቲ ባርኖሰ ንምጥፋእ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንምርሽን ሓንቲ እኽሊ ምስ ፀላኢ ምስሳን እቶትና ዝኾነ ወራር ባልዕ ባርኖስ ኣመሪካ ከይትሓድር ክንገብርን ይግባእ።


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 970
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010