እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5190424
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1208
3787
17787
5145598
94482
128136
5190424

Your IP: 54.166.172.180
2018-05-24 08:04

ገሊኡ ብገርሁ ገሊኡ ብጉርሑ

here we go
selam new

ካልኣይ  ክፋል                                                                           ካብ ህዳሰ ኢትዮጵያ

ናይ ህዝቢ ውግንና ዘለዎ ኣካልላ

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝበፅሖ ዝነበረ ወፅዓታትን ጭፍጨፋታትን ንምውጋድ ኣብዝገበሮ ቃልሲ ብፍላይ ኣንፃር ደርጊ ኣብ ዝገበሮ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ካብ ጊዘ ናብ ጊዜ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ካብ ደርጊ ብምምንዛዕ ሓራ መሬት እናጣየሸ፤ ናይ እቲ ሓራ ዝወፀ ከባቢ ህዝቢ ባዕሉ ዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ ኣገባብ ብዝመረፆም ናይ ከባቢያዊ ኣማሓደርትን ባይቶታትን እናጣየሸ ባዕሉ ንባዕሉ እናተመሓደረ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ድሕሪ ውድቀት ደርጊ‘ውን ሕገ መንግስቲ ኣፅዲቑ፣ ናይ መረፃ ስርዓት ክተኣታቶ ብምግባር ብናፃ፣ ዴሞክራሲያውን ብህዝቢ ተኣማንነት ዘትረፉን ሓሙሽተ ሃገራውን ክልላውን መረፃታት ብምክያድ ህዝባውን ዴሞክራሲያውን መንግስቲ እናጣየሸ ይመሓደር ኣሎ። እሞ እምባኣር ናይ ህዝቢ ውግንና ዘለዎ ኣካልላ ክበሃል ከሎ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ መሪር ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ እዋን ዝተገበረ ኣካልላን ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተገበረ ኣካልላን ዝምልከት እዩ።

እዞም ክልተ ኣካልላታት እዚኦም ህዝባዊ ውግንና ዘለዎም ኣካልላ እንትንብል እቲ ቀዳማይ ኣካልላ ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ቃልሲ መሰረት ብምግባር ካብ ፀላኢ ሓራ ዝወፁ ቦታታት ህዝባዊ ምሕደራ ንክህልዎም ነቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ መሰረት ዝገበረን ነቲ ናይ ህዝቢ ቃልሲ ንምምራሕን ንምዕዋትን ብዘኽእል መንገዲ ዝተገበረን ብምዃኑ፤ እቲ ካልኣይ ኣካልላ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብቓልሱ ንደርጊ ደምሲሱ፣ ሰላምን ምርግጋዕን ኣንጊሱ፣ ህዝባዊ መንግስቲ ብምምስራት ናብ ውራይ ልምዓት ዝኣተወ እንትኸውን እቲ ዝተጣየሸ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ንልምዓት ብዝጥዕም መንገዲ ዳግም ምትዕርራይ ብምግባር ናይ ወረዳታት ምክላል ገይሩ እዩ። ስለዚ ክልቲኦም ኣካልላታት ማለት እውን ናይ ህዝቢ ቃልሲ ንምምራሕ ብዝጥዕምን ናይ ህዝቢ ፃምእ ልምዓት ንምርግጋፅ ብዘኽእልን ዝተገበሩ ኣካልላታት ብምዃኖም ህዝባዊ ውግንና ዘለዎም ኣካልላ ምባል ትኽክለኛ እዩ።

ኣካልላታት፣ ምምሕዳራት ገፀር ትግራይ ኣብ 70ዓታትን 80ታትን

ደርጊ ናብ ስልጣን እንትመፅእ ንመላእ ትግራይ ይቆፃፀራ ወይ የመሓድራ ኣይነበረን። ደርጊ ነተን ኣብ ዋና መንገድታት ዝነበራ ዓበይቲ ከተማታትን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ገፀራትን ጥራሕ እንተመሓድር እቲ ካሊእ ግን ብፍላይ ርሕቕ ዝበለ ከባብታት አየማሓድሮን ነይሩ። ብሱሩ እውን ደርጊ ረጊፁወን ዘይፈልጣ ብዙሓት ጣብያታት ነይረን እየን። ካብ ለካቲት 1967 ዓ.ም. ናይ ተሓህት/ህወሓት ምስረታ ጋህዲ ካብዝኾን ጀሚሩ፣ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ካብ በረኻ ደደቢት ቀስ ብቐስ ናብ ሙሉእ ትግራይ እንትስፋሕፋሕ ዳርጋ ክሳብ 1970 ዓ.ም.ቀሊል ቁፅሪ ዘይበሃል ገፀራት ትግራይ ወይ መንግስቲ ዘይኣተዎ ወይ ድማ ብሸፋቱ ዝመሓደረሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ድሕሪ 1970 ዓ.ም. ግን ዝነበሩ ሸፋቱ ኢዶም ክህቡን ብረቶም ኣቐሚጦም ናብ ማሕረሶም ክኣትዉን ዝተረደኦም ድማ ብረት ኣልዒሎም ኣንፃር ደርጊ ክቃለሱ ፃውዒት ተገይሩሎም መብዛሕቶም ነዚ ፃውዒት እንትቕበሉ ውሑዳት ዝኣበዩ ብሓይሊ ክድምሰሱ ብምግባር መብዛሕትኡ ናይ ትግራይ ሓራ መሬት ሰላም ዓሲሉዎ ብህወሓት ምምሕዳራት ክጣየሸሉ ብምግባር ህዝቢ ፍትሒ ክረክብ ተኻኢሉ እዩ።

ይኹን እምበር ትግራይ ን17 ዓመት መሪርን ዕረፍቲ ዘይብሉን ፀረ-ብሄራዊ ወፅዓ ቃልሲ ዝተገበረሉ ክልል ብምዃኑ ኣብ ገጠራት ይኹን ኣብ ከተማታት ምምሕዳራት ትግራይ ዝቐሰነ ኣይኮነን ነይሩ። ዝሓለፉ 17 ዓመታት ኣብ ትግራይ ናይ ጥይት ድምፂ ከይተሰምዐትላ ዝሓለፈት መዓልቲ የላን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን። ኣብቶም ዝግበሩ ውግኣት ካብ ደርጊ ሓራ ዝወፁ ከባቢታት ናይ ባዕሎም ምምሕዳር ቁሸታትን ጣብያታትን  እናጣየሹ እንትኸዱ ከምኡ እናበለ ናይ ወረዳ ምምሕዳራት እናፈጠሩ መፂኦም እዮም።

ቀንዲ መበገሲ ምስረታ ምምሕዳር ሓራ መሬት እቲ ህዝቢ ፍትሕን ርትዕን ኣብ መረበቱ ክረክብ፣ ፀጥታዊ ከባቢኡ ተወዲቡ ክሕሉ፣ ክንድዝተኽኣለ ማሕበራዊ ፀገማቱ ክፈትሕ፣ ነቲ ዝተጀመረ ህዝባዊ ብረታዊ ቃልሲ ብዝተወደበ መልክዑ ክድግፍን ዘየቋርፅ ሰብኣውን ንዋታውን ሓገዛት ክገብርን ዕላማታት ዝሓዘ ኣጣይሻን ኣካልላን ነይሩ።

ምሉአ ብሙሉእ ደርጊ ካብ ትግራይ ምስተደፍአ 81 ወረዳታት ተጣይሸን ክሳዕ 1987 ዓ/ም ፀኒሐን እየን። እዙይ ድማ ተጋሩ (ትግርኛ ተዛረብቲ) ዝነብርዎም ከባቢታት ኩሎም እኳ እንተዘይኮይኑ ንመብዛሕቶም ዘካተተ ኣካልላ እዩ ተገይሩ። በዚ መሰረት’ውን ኣብ ዘመነ ሃፀይ ሃይለስላሴ ካብዝነበሩ ወረዳታት፣ ኣብ ትግራይ ዝነበራ ሓሙሽተ ዓፋርኛ ተዛረብቲ ወረዳታት ናብ ዓፋር ክፅምበራ ብምግዳፍ (ዳሉል፣በራሕለ፣ሸኸት፣ዲዲግሳዓለ፣ኦፍዴራ)፣ ሰለስተ ትግርኛ ተዛረብቲ ወረዳታት ካብ ወሎ (ኣላማጣ፣ኮረም፣ኦፍላ) ናብ ትግራይ ክምለሳ ብምግባር፣ ሽዱሽተ ትግርኛ ተዛረብቲ ወረዳታት ካብ ጎንደር (ዲማ፣ማይ ፀብሪ፣ፀገዴ፣ኣውራ፣መዘጋ፣ሑመራ) ናብ ትግራይ ብምምላስ፤ 11 ገፀር ወረዳታት ብምውሳኽ (ባድመ፣ዓዲ ሃገራይ፣ዓዲ ነብሪ ኢድ፣ዓዲ ኣውዓላ፣ጭላ፣ኢሮብ፣ አሰፈሰበያ፣ ቆላ ገራዓልታ፣ ወንበርታ፣ ማይ ማዕዶ፣ነቕሰገ)፤ 11 ከተማታት (እንዳስላሴ፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋ፣ዓዲግራት፣ውቕሮ፣ዓዲኣቡን፣ ኮረም፣ ሰሜን መቐለ፣ ማእኸላይ መቐለ፣ ደቡብ መቐለ፣ ዓዲ ጉዶም) ከም ወረዳ ክውደባ ብምግባር ብጠቕላላ ትግራይ ኣብ 81 ወረዳታትን ኣርባዕተ ዞባታትን ክትካለልን ክትውደብን ተገይሩ እዩ።

ኣብዚ ምትዕርራይ እዙይ መሰረታዊ ለውጢ ዘለዎ እዩ። ንሱ’ውን አሰፋፍራ ህዝብን ስፍሓት ትሕዝቶ መሬትን ዝለወጠ እዩ። ተዛረብቲ ዓፋር ገዲፉ ተወሰኽቲ ተዛረብቲ ትግርኛ ጠሚሩ ኣሎ።  ኣብ ትሕቲ እዘን 81 ወረዳታት ድማ ልዕሊ 1000 ናይ ጣብያ ምምሕዳራት ክጣየሹ ተገይሩ እዩ።

ኣብ ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተገበረ ኣካልላ

ደርጊ ካብ ሃገርና ሙሉእ ብሙሉእ እንትድምሰስ ኣብ ናይ መንግስቲ ካዝና /ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ/ ዝነበረ ገንዘብ ካብ ሰለስተ ሚሊዮን ዶላር ዘይበልፅ ነይሩ። በዚ ድማ ኣብቲ እዋን ሃገርና ብኢኮኖሚ ናይ ዓለምና ጭራ ብምዃን ዝተሰርዐትሉ እዋን እዩ ነይሩ። ምናልባት እውን እቲ ንድሕርሕሪት ኬድካ ናይ ድኽነት መወዳእታ ጫፍ ዝበሃል ምንቁልቋል ኣብ ዝበፅሐትሉ እዋን እዩ ነይሩ ኢህወዴግ ኢትዮጵያ ዝተቖፃፀራ። ድሕሪ ምድምሳስ ደርጊ ዓብዪ ትኹረት ዝተውሃቦ ኣብ ሃገርና ሰላምን ምርግጋዕን ምፍጣር፣ እቲ ናይ ድሕርሕሪት ጉዕዞ ጠጠው ኣቢልካ ደረጃ ብደረጃ ንቕድሚት ከሰጉም ምግባር፣ ሕገ መንግስቲ ኣፅዲቕካ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት እዩ ነይሩ። ብመሰረት እዚ ሓደ ናይ ትኹረት መዳይ ናይ ህዝቢ ናይ ፃምእ ልምዓት ንምምላእ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ምርግጋፅ እዩ። እዚውን ከም አንፈት ዝተቐመጠሉ ዝርካቡ ንዋታውን ገንዘባውን ሃፍቲ ኣዐርዩ ቆጣባይ ብዝኾነ መንገዲ ምጥቃም፣ መሬትን ጉልበትን ህዝቢ ፀንፊፍካ ምጥቃም፣ ክርከብ ዝኽእል ረድኤትን ልቓሕን ፀንቂቕካ ምጥቃም ዝብሉ ነይሮም። ካብቶም ቆጣባይ አጠቓቕማ ዝበሃሉን ኩሉ ዝረዳደአሎምን ሓደ ምምሕዳራዊ ወፃኢታት ክንድዝተኽኣለ ምቕናስ እዩ።

ኣብዙ ጊዘ እዚ ነይሩ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኩነታት ትግራይ ብዝርዝር ገምጊሙ ምትዕርራይ ንምግባር ዝወሰነ። ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 60 ሚእታዊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምሒር ድኽነት ዝርከብ፣ ብዝርገሐ እቶም መሰረታዊ ዝባሃሉ መሰረተ ልምዓታት /ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ መንገዲ፣ ዝስተ ማይ ወዘተ/ ካብ ሃገርና እታ ጭራ ነይራ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብናይ ህዝቢ ጉልበትን ናውትን ህዝቢ ዝመሓድራ ዝነበራ 81 ወረዳታት ሒዝካ ብትሑት ዓቕሚ መንግስቲ ባጀት በጂትካ እቲ መድረኽ ዝጠልቦ /ድኽነት ምጥፋእን ልምዓት ምርግጋፅን/ ውራይ ክዕወት ከምዘይኽእል መንግስቲ ገምጊሙ። ምኽንያቱ እዞም ብርክት ዝበሉ ወረዳታት ሒዝካ ሰላማውን መንግስታውን ስራሕቲ ንምክያድ ዝለዓለ ወፃኢ ዝሓትት  ብምዃኑ ድኽነት ተኮር መደባትን ፕሮጀክትታትን ክትፍፅም ኣዝዩ ኣፀጋሚ ስለዝኾነ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ብዕሊ ስለዝተኣመነሉ ኣብ 1987 ዓ.ም ኣወዳድባ ወረዳታት ከምብሓዱሽ ክተዓራረ ተገይሩ።

ኣብ 1987 መወዳእታ ዝተገበረ ናይ ወረዳታት ምትዕርራይ፤

ኣብ 1987 ንመጀመሪያ ጊዜ ኣካልላ ምምሕዳራት ኣብ ልምዓት ዝተደረኸ ዕላማ ክሕዝ ተገይሩ እዩ። በዚ መሰረት’ውን እቶም ዝተወሰዱ ረቑሓታት ዝስዕቡ እዮም።

i.   በዝሒ ህዝቢ ከም መበገሲ 100 ሽሕ ኮይኑ ብዝተወሰነ ሓፍ ወይ ትሕት ክብል ይኽእል

ii.   ብዝተኽኣለ መጠን ተመሳሳሊ ስነ-ከባቢ ዘለዎ፣

iii.  ምትእስሳር ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን፣

iv.  መራኸቢ መንገዲ /ዘለዎ ወይ ብቕልጡፍ ክዝርገሓሉ ዘለዎ/፣

ዝብሉ እቶም ቀንዲ መዐቀንታት ነይሮም። ካብዚኣቶም ውሽጢ ድማ በዝሒ ህዝብን ስነ-ከባብን ገዛእቲ ኮይኖም ዝተሰርሓሎም እንትኾን ምትእስሳር ህዝብን መራኸቢ መንገድን ድማ ተወሰኽቲ/ደገፍቲ እዮም ነይሮም። እዞም ሮቕሓታት ሒዝካ ናብ ተግባር እንትትኣቱ  ኩሉ ዘማለአ ብዘይምንም ፀገም ይፍፀም ማለት ኣይኮነን። እዞም ሮቕሓታት ከም መበገሲ ብምውሳድ ናብ ተግባር እንትእቶ ግን ኣብ እቶም ሮቕሓታት ኣብ ምምላእ ምጉዳልን ምውሳኽን እንተጋጥም ናይ ኣመራርሓ ናይ ሓባር ውሳነ እናዓለበሎም ይፍፀሙ ከምዝነበሩ ሰነዳት ይሕብሩ። ንኣብነት፣

•    ህዝቢ ኢሮብ ሽዑ 20 ሸሕ እኳ ኣይመልእን ነይሩ። ፍሉይ ብሄረሰብ/ካብትግራይ ስለዝኾነ ግና ንበይኑ ጥራሕ ክውደብ ተገይሩ።

•    ቃፍታ ሑመራ ስፍሓቱ ካብ ምብራቓዊ ዞባ ዝዓቢ እዩ። ዝነበሮ ህዝቢ ግና ውሑድ እዩ። ይኹን’ምበር ንበይኑ ተኸሊሉ እዩ።

•    ኣሕፈሮም በዝሒ ህዝቢ ልዕሊ 100 ሽሕ ነይሩ። ግን በተን ካልኦት ሮቕሓታት ንምፍልላይ መፀገሚ ስለዝነበረ ከም ዘሎ ተኸሊሉ፣

ብሓፈሻ ካብዚ ጊዜ እዙይ ጀሚሩ ወረዳታት ዓበይትን ጥንኩራትን ክኾና ከምዘለወን ኣብ ግምት ዝኣተወ እዩ ነይሩ፤ ዓቕመን እውን ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣውራጃታት ንኽበልፃን ኣብ ምንቅስቓሳት ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ናይ ባዕለን ዝለዓለ እጃም ክፃወታን ይኽእላ እየን ብዝብል መበገሲ እዩ ተኻሊለን።

ኣብዚ ኣካልላ ዝተልዓለ ሓደ መሰረታዊ ሕቶ 81 ወረዳታት እናሃለዋ ህዝቢ ብቐረባኡ ግልጋሎት ፍትሕን ካልኦት መንግስታዊ ግልጋሎታትን ይረክብ ነይሩ። ሐዚ ግን ናብ 34 ወረዳ እንትውደባ ብምኽንያት ራሕቒ ግቡእ ግልጋሎት ከይረኸበ ዝተርፍ ህዝቢ ከይህሉ? ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ዓብዪ ፀገም ዶ ኣይኾንን? ዝብሉ ሕቶታት ተላዒሎም እዮም። ኣብቲ ኣካልላ ነዞም ሕቶታት ፍትሓዊ ምላሽ ክወሃቡ ስለዝነበሮም ህዝቢ ብፍላይ ከዓ ደቂ ኣንስትዮ ብቐረባ ፍትሒ ንምርካብ ኣብተን 81 ወረዳታት ዝነበረ ሐዚ ከም ወረዳ ማእኸል ዘይተወደባ ከም ንኡስ ወረዳ ተሓሲበን ኣብአን ዘሎ ናይ ፍትሒ መሓውር (ቤት ፍርዲ፣ ቤት ፅሕፈት ፍትሕን ፀጥታን፣ ፖሊስ) ከምዘለዎ ናይ ወረዳ ብርኪ ሒዙ ክቕፅል ተገይሩ እዩ። ካልኦት መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ግን ብደረጃ ወረዳ ኣብተን 34 ማእኸል ወረዳታት ተወዲቦም  ግልጋሎት ክህቡ ተገይሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ካብዘን ንኡሳን ወረዳታትን ካልኦት ጣብያታትን ናብ ማእኸል ወረዳታት ናይ መራኸቢ ፀገም ዘለወን ቀዳምነት ብምሃብ ብቕልጡፍ መንገዲ ክስረሐለን ተሓሳቢ ብምግባር እዩ እቲ ናይ ምክላል ስራሕቲ ዝተፈፀመ።

እዚ ናይ ከተማታት ኣወዳድባ ነተን ናይ ክልልና ዓበይቲ ከተማታት ከም ዝኾነ ናይ ገፀር ጣብያ ወይ ቀበሌ ኮይነን ኣብ ትሕቲ እዘን 34 ወረዳታት ስለዝነበራ ምስቲ ዝነበረን በዝሒ ህዝብን ፍሉይ ባህርን ኣብ ከይዲ ምሕደራአን ፀገማት ኣጋጢሞም እዮም። ስለዝኾነውን ኣብ 1994 ዓ.ም. ንበይነን ተፈልየን ከም ባህሪኤን ፍሉይ ናይ ከተማ ምምሕዳር ክህልወን፣ ናይ ባዕለን ቤት ምኽሪ ክህልወን፣ ናይ ኢንዱስትሪን ናይ ግልጋሎትን ማእኸላት ክኾናን ኣወዳድባአን ድማ ዓርሰን ዝኸኣላ ናይ ወረዳ ደረጃ ዝሓዛ ከተማታት ክኾና ተገይሩ እዩ።

በዚ መሰረት ከተማ መቐለ ናይ ዞባ ደረጃ ዝሓዘት ከተማ እንትትኮን እተን ዝተረፋ 11 ከተማታት(ዓዲግራት፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋ፣ ሽረ እንዳስላሰ፣ ሸራሮ፣ ሑመራ፣ ውቕሮ፣ ማይጨው፣ ኣላማጣ፣ ኾረም፣ ዓቢይዓዲ) ከዓ ናይ ወረዳ ደረጃ ሒዘን ከም ከተማ ክውደባ ተገይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ከተማታት እናዓበያ እንትኸዳን ካልኦት ሓደሽቲ እናኸተማ እንትመፃን ንቕድሚት ዕብየተን ብኸመይ ክተኣናገድ፣ ከመይ ክውደባን ክምረሓን ከምዘለወን ዝመርሕ ናይ ከተማታት ዕብየት ደረጃ ዘነፅር መምርሒ ተዳሊዩ ኣሎ።

እዚ ኣወዳድባ ብልምዓት ዓይኒ እንትረአ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተነፀረ ኣንፈት፣ ዘሎ ንዋታውን ፋይናንሳውን ዓቕሚ ቆጢብካ ኣብ መሰረታዊ ፀገማት ህዝቢ ንምውዓልን ልምዓት ንምቅልጣፍን ዝሐሸ ኣወዳድባ ዝነበረ እንተኾነ እውን ክስርሑ ዝግበኦም ሓደ ሓደ ናይ መሰረተ ልምዓት ስራሕቲ ብዘይምስራሖምን ምስ ምንኣስ  ምፍፃም ዓቕሚ መንግስታዊ መሓውራትን ተታሓሒዙ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ሕቶታት ካብ ምልዓል ኣይዓገተን። ልሙዳትን ኣብ ብዙሕ ከባቢ ዝለዓሉን ሕቶታት “ወረዳና ይመለሰልና” ናብ እከለ ወረዳ ክንውደብ ይገበር፣ ዝብሉ እዮም።

መንግስቲ እውን በብእዋኑ እናፅነዐ ብፍላይ ኣብ ጣብያታት ዝለዓሉ ዝነበሩ ሕቶታት ንልምዓት ብዘይሃሲ መዳዩ እናፈትሐ መፂኡ እዩ። ንኣብነት ርሕቐት ዘለወን ጣብያታት ምስ ዝቐርበን ወረዳ ክውደባ ብምግባር፣ በዝሒ ህዝቢ ዘለወን ጣብያታት ካብ ንኡስ ወረዳን ዋና ወረዳን ራሕቒ ዘለወን እናተፀንዓ ኣብ በቢ ጣብያአን ብደረጃ ወረዳ  ሙሉእ ናይ ፍትሕን ፀጥታን፣ ቤት ፍርዲ ክህልወን ምግባር ብሰፊሑ እናተሰርሐሉ ዝመፀ እዩ። ንኣብነት ኣብ ቀረባ ነዚ ግልጋሎት ዝረኸባ ንምጥቃስ ዝኣክል ማይ ካድራ፣ ጅጅቐ፣ ጎሮሮ ይርከበአን።

ናይ ክልልና ልምዓት ንምቅልጣፍ እውን ዘሎ ዕቑር ሃፍቲ ከባቢና ብዝግባእ ኣብ ልምዓት ንምውዓል ክልተ ፍሉይ ዞባ ናይ ልምዓት ኮሪደር (ምዕራብን ደቡብን ልምዓት ኮሪደር) ብምጥያሽ ካብተን ካልኦት ዞባታት ብዝተፈለየ ደረጃ ኣብ ዞባ ናይ መንግስታዊ ቴክኒካል ድጋፋት ዝወሃበሉ ፍሉይ መሓውር ተሰሪሑ ልምዓት ኣብ ምድጋፍ ይርከብ።

እዚ ኣካልላ ኣብ ልምዓት ዘለዎ ፋይዳ

እዚ ኣካልላ እዚ እቲ ኣብ 80 ወረዳታት ክብተን ዝነበረ ምምሕዳራዊ ወፃኢታት ብምትራፍ ወረዳታት ኣብ 34 ክካለላ ብምግባር ናይተን 46 ምምሕዳራዊ ወፃኢ ናብ መሰረተ ልምዓትን መፍትሒ ቀንዲ ፀገማት ህዝቢን ክውዕል ብምግባር ኣብ ልምዓትና ርኡይ ግደ ተፃዊቱ እዩ። እዚ ብመረዳእታ ደጊፍካ ንምርኣይ ናይ ሓንቲ ወረዳ ናይ 2008 ዓ.ም. ጭቡጥ ባጀት ወሲድና ንርአ።

ካብዚ እንግንዘቦ ጠቕላላ ናይ  ወረዳ ባጀት 127,049,180 እንትኾን ካብዚ እቲ 82,143,885 ንኩለን ጣብያታት ዝተመደበ ፕሮጀክትን ኣብ ጣብያታት ንዝወሃቡ ግልጋሎታትን ዝውዕል እዩ። እቲ ዝተረፈ (127,049,180 - 82,143,885) ብር 44,905,295 ከዓ ንወረዳ ናይ ምምሕዳር ወፃኢታትን ብወረዳ ማእኸል ደረጃ ንዝወሃቡ ግልጋሎታትን ዝውዕል ማለት እዩ። እዚ ብምኢታዊ  እንትግለፅ 64 ነጥቢ 7 ምኢታዊ ንፕሮጀክታትን ኣብ ጣብያታት ንዝወሃቡ ግልጋሎትን ዝውዕል እንትኾን ኣብ ወረዳ ማእኸል ንዝውዕል ምምሕዳራዊ ወፃኢን ግልጋሎትን ከዓ 35 ነጥቢ 3 ምኢታዊ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።

ብኻሊእ ኣበሃህላ ምስቲ ሐዚ ዝቐርብ ዘሎ ወረዳታትና ይመለሰልና ሕቶ ኣተሓሒዝና ክንሪኦ ከለና ሓንቲ ወረዳ እንድሕር ነጣይሽ ኮይንና 35 ነጥቢ 3 ምኢታዊ ናይ ጠቕላላ ባጀታ ንምምሕዳራዊ ወፃኢታት ኮይኑ እዚውን ወረዳ ብምዃና ጥራሕ ዝውሰኽ ተወሳኺ ናይ ምምሕዳር ወፃኢታት ማለት እዩ። እዚ ከዓ ካብቲ 64 ነጥቢ 7 ምኢታዊ ወይ ከዓ ካብ ፕሮጀክታትን ኣብ ጣብያ ዝስርሑ ስራሕትን ብምንካይ ዝምደብ ባጀት ማለት እዩ።

ንኣብነት እዛ ብር127,049,180 ባጀት ዝተመደበላ ወረዳ እዚኣ ንበል 20 ጣብያታት ኣለዋኣ፣ እዘን ዒስራ ጣብያታት እዚኤን ከዓ በቲ ናይ ቀደም ወረዳ ዓዓሰርተ ጣብያ ሒዘን ክልተ ወረዳ ዝነበራ እየን ፣ ዘለወን መሰረተ ልምዓትን ትካላት መንግስትን ኣብ ክልተ ብማዕረ ክምቀል ዝኽእል እዩ እንተኢልና፣ ብመሰረት ሕቶ ወረዳና ይመለሰልና‘ውን ንመልሰሎም እሞ ክልተ ወረዳታት ንግበረን እንድሕር ኢልና እንታይ እዩ ሳዕቤኑ?

ኣብዙ ሐዚ እዋን ሓንቲ ወረዳ ከም ወረዳ እግሪ ተኺላ ክትከድ ንምምሕዳራዊ ወፃኢ ጥራሕ ብር 44,905,295 እንድሕር ዘድልያ ኮይኑ፣ እዚ ብክልተ እንትራባሕ (ኣብ 2 ስለ ዝምቀላ ንክልቲኤን ምምሕዳራዊ ወፃኢ ማለት እዩ) ብር 89,810,590 ይኸውን። ሓንቲ ወረዳ ኣብ ክልተ ስለተኸፈለት ዝመፅእ ወይ ዝውሰኽ ባጀት ስለዘየለ እዛ ወረዳ እንድሕር ኣብ ክልተ ተኸፊላ እታ ዝተመደበትላ ባጀት እውን እያ ኣብ ክልተ ትምቀል እምበር ካሊእ ዝውሰኽ ሓዱሽ ገንዘብ የለን። ስለዚ ካብቲ ጠቕላላ ባጀት ብር 127,049,180 ውሽጢ እቲ ንምምሕዳራዊ ወፃኢታት ናይ ወረዳ ማእኸል ብር 89,810,590 እንትጎድሎ ዝተርፍ ብር 37,238,590 ኣብ ጣብያታት ንዝስራሕ ፕሮጀክትን ዝወሃብ ግልጋሎትን ይኸውን ማለት እዩ።

እዚ ኣብ ክልተ ወረዳ እንትምቀል ብር 18,619,295 ንሓንቲ ምቃል ወረዳ ኣብ ጣብያኣ ንዝስራሕ ስራሕ ይምደበላ ማለት እዩ። እዚውን ከምዘሎ እቲ ባጀት ኣብ ክልተ ንምቀሎ እንድሕር ኢልና እዩ። እንድሕር ኣብ ክልተ ዘይተኸፊላ  ግን ብር 41,071,942.50 ይበፅሓ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ማለት ከዓ እታ ተፈሊያ ትኸድ ወረዳ፣ ወረዳ ብምዃና ካብቶም ሰለስተ ናይ ፍትሒ ኣካላት (ቤት ፍርዲ፣ ፍትሕን ፖሊስን ከይተፈለየት እውን ብደረጃ ወረዳ ግልጋሎት ስለትረክብ) ካብኡ ወፃእ ዘለዉ መንግስታዊ ግልጋሎታት ኩሎም ብቐረባ ግልጋሎት ብምርካባ ከም ረብሓ ክቑፀር ይኽእል፣ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ወረዳ ማእኸል ትኾን ዘላ ከተማ /ሓዳሽ ወረዳ/ ካብቲ ዝነበራ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ቁሩብ ክውስኽ ይኽእል ምኽንያቱ ገለ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ንኣኼባ ካብተን 10 ጣብያታት እንትመፁ ዝተፈላለየ ግልጋሎት ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ። ካብዚ ብተወሳኺ ብርክት ዝበለ ናይ ወረዳ ማእኸል ሰራሕተኛ ስለዝቑፀር ናይ ስራሕ ዕድልውን ትኸፍት ትኽእል ማለት እዩ።

ብኻሊእ መዳዩ ከዓ እዛ ሓዳሽ ተጣያሺት ወረዳ ብምፍላያ ጥራሕ ንተን 10 ጣብያታት ብመልክዕ ፕሮጀክትታት ክበፅሐን ዝነበረ 41,071,942.50-18,619,295= ብር 22,452,647.50 ይስእና። ምኽንያቱ ንታ ወረዳ መጣየሺ ምምሕዳራዊ ወፃኢ ስለዝምደብ። እታ ትንፀል ወረዳ፣ ንቲ ወረዳ ማእኸል ዘድሊ መጣየሺ ናይ ቤት ፅሕፈት ህንፃታት፣ ናይ ቢሮ ቆዋሚ ንብረታት ካልኦት መትከሊ እግሪ ስለዘድልያ፣ እቲ ንፕሮጀክትን መሰረተልምዓትን ጣብያታት ዝተብሃለ 18 ነጥቢ 6 ሚልዮን እውን ኣይኣኽላን። ስለዚ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝምደበላ ባጀት ንመሃያን ካልኦት ምምሕዳራዊ ወፃኢታትን እናኸፈለት ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ጥር ትብል ለውጢ ኣብ ህዝቢ እንተይ ኣምፀአት ሓደ ሙሉእ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ደቂሳ ተሕልፎ ማለት እዩ።  እታ ነባር ወረዳ እውን ኣብ ምምሕዳራዊ ወፃኢ ዝውሰኻ ነገር ስለዘየለ፣ ምኽንያቱ ንዑኡ ዝኾን ባጀት ተተኺሉ ዝሓደረ ስለዝኾነ ግን ድማ ንፕሮጀክት ዝምደብ ዝነበረ ባጀት ተቐኒሱ ናብ ምምሕዳራዊ ወፃኢታት ስለዝምደብ፣ ብተዘዋዋሪ ንዓኣ ዝበፅሓ ዝነበረ ካፒታል ባጀት ምጉዳሉ ኣይተርፍን። ስለዚ እዚ ወረዳና ይመለሰልና ዝብል ሕቶ ንተነፃሊት ወረዳ ኣይጠቅም ንነባር ወረዳ ኣይጠቅም ንኩለን ዝጎድእ ካብ ረብሓኡ ሓደገኛነቱ ዝዓዝዝ ሕቶ እዩ።

2. እዚ ብደረጃ ክልል ዘለዎ ፅልዋ እንታይ ይመስል?

ከምቲ ኣብላዕሊ ዝተገለፀ 81 ወረዳታት ነይረን ናብ 35 ወረዳታት እንትውደባ ኣብዚ ዳርጋ መብዛሕተአን ዝተደረባ ንኡሳን ወረዳታት ናይ ወረዳና ይመለሰልና ሕቶ ዝሓተታ እየን። ስለዚ እዚ ወረዳና ይመለሰልና ዝበሃል ሕቶ ንመልሶ እንድሕር ኢልና ዘለዋና ወረዳ ብዕፅፊ ነዕቢ ኣለና ማለት እዩ። ንሓንቲ ወረዳ ማእኸል ንኣብነት ንወረዳ ኣሕፈሮም ንምምሕዳራዊ ወፃኢታት ከምቲ ዝተገለፀ ብር 41,071,942 ነጥቢ 50 እንተኾይኑ ሐዚ ንምድቦ ዘለና ንወረዳ ማእኸል መሓውርና ምምሕዳራዊ ወፃኢታት ብደረጃ ክልል ብ34 ኣራቢሕኻ እንትረአ ብር 1,396,446,045 ወይከዓ 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ብር ይኸውን ኣሎ። እዚ ብዕፅፊ ክዓቢ ከሎ 2 ነጥቢ 8 ቢልዮን ብር ይኸውን። ስለዚ ኣብ ዓመት ንካፒታል ባጀትን ብቀጥታ ኣብ ሕድሕድ ጣብያ ናብ ህዝቢ ዝቐርብ መንግስታዊ ግልጋሎትን ብደረጃ ክልል ብር 1 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ይንኪ። ምኽንያቱ ወረዳ ብምብዛሕና ኣብቲ ናይ ሃገር ለኸ መዐቀኒ ናይ ባጀት ድጎማ ዝፈጥሮ ለውጢ ስለዘየለ እቲ ፃውራ ክልልና በይና ትሽከሞ ማለት እዩ። እሞ ሐዚ ኣብ ድኽነት ኮይንና ንድኽነት መጥፍኢ ፕሮጀክታት ዓፂና ኣብ መሃያን ስራሕ መካየድን ነውዕሎ ማለትስ ከመይ ገይሩ ናይ ፍትሓዊነት ሕቶ ክኾን ይኽእል?

እዚ ብምኢታዊ እንትግለፅ ከዓ 35. ነጥቢ 3 ምኢታዊ ዝነበረ ምምሕዳራዊ ወፃኢ ብዕፅፊ ብምዕባይ 70 ነጥቢ 6 ምኢታዊ ይኸውን ኣሎ። ንመሰረተ ልምዓትን ካፒታል ፕሮጀክታትን 64 ነጥቢ 7 ምኢታዊ ዝነበረ ናብ 29 ነጥቢ 4 ምኢታዊ  ይወርድ ኣሎ። እዚ ማለት ከዓ

•    እቲ ባጀት ንመሃያ ጥራሕ ክውዕል ብምግባር ልምዓትና ተሰናኺሉ ጠጠው ክብል ይገብሮ፣ ስለዚ መጠን ድኽነት ክልልና 23 ነጥቢ ኣርባዕተ ምኢታዊ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ሑሱም ድኽነት እዩ ዝርከብ፣ ነዚ ድማ ኣብ ዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመት ብፍርቂ ንምንካይ ኣብ ልምዓት ተኮር ፕሮጀክታት ኣትኲርና ክንሰርሕ ኣለና እናበለ እናሃለወ ሐዚ ብምንታይ ዓይኒ ክረአ ከሎ እዩ ጠቕላላ ፕሮጀክትታትና ብ55 ምኢታዊ ንቐንሶም ንብል ዘለና፣

•    ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፍት እኳ እንተኾነ፣ ግን ድማ ልዕሊ ዓቐን ሰራሕተኛታት ብምቐፃር ሸሞንተ ሰዓት ዘይሰርሕ ሰራሕተኛ ምብዛሕን ናይ ህዝብን መንግስትን ገንዘብ ምብኻን ማለት እዩ።

•    ሐዚ ዘሎ ናይ ክልልና መንግስቲ ሰራሕተኛ ቁፅሪ እንትረአ ዳርጋ ናብ 100 ሽሕ ዝፅጋዕ እዩ ኮይኑ ዘሎ፣ እዚ ማለት ከዓ ሓደ መንግስቲ ሰራሕተኛ ን52 ሰብ የገልግል ኣሎ ማለት እዩ። ናይ ካልኦት ክልላት እንትረአ ኣብ 70ታት እዩ ዘሎ። ናይ ካልኦት ሃገራት እንትንርኢ ብፍላይ ኣብ ማእኸላይ እቶት ዘለዋ ሃገራት ካብ 65 ክሳብ 70 እየን ዘለዋ። ስለዚ ንሕና ናይ ወረዳታት ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ንምምላስ ኢልና እቲ ኣብ ዓለም ዘየለ ናይ ሰራሕተኛ በዝሒ ናብ ትሕቲ 50 ምውራድ ትኽክል ኣይኮነን።

•    ድምር ኣቢለ እንትሪኦ እዚ ወረዳና ይመለሰልና ዝብል ሕቶ ዴሞክራሲያዊ ሕቶ እዩ ዝብል እምነት እንተሃለወኒ እኳ ፍትሓዊ ግን ኣይኮነን ዝብል መደምደምታ ሒዘ ኣለኹ። ምኽንያቱ ክገልፅ፤

o   እዚ ሕቶ ብምምላሱ ጠቕላላ ናይ ልምዓት ጉዕዞና ንድሕሪት ዝመልስ ብምዃኑ፣

o   ካብታ ኣብ ላዕሊ ዝገለፅኩዋ ኣብነት ካብተን ዝንፀላ 10 ጣብያታት እታ ሓንቲ ጣብያ (ማእኸል ወረዳ ትኾን ከተማ) ጥራሕ ጊዚያዊ ናይ ንግዲ ምንቅስቓስ ጥቕሚ ትረክብ እንተዘይኮይኑ እተን ዝተረፋ ትሽዓተ ጣብያታት ግን ቅድም ክብል ዝረኽበኦ ዝነበራ ጥቕሚ ዘስእን ብምዃኑ ናይ 90 ምኢታዊ ህዝቢ ረብሓ ዝጎድእ እዩ።

o   ገንዘብ ህዝብን መንግስትን  ኣብ ዉሑዳት መሃያ ሰራሕተኛ ክውዕል ብምግባር ዘይፍትሓዊ ባጀት ምደባ ስለዘዕብፍትሓዊ ኣይኮነን።

ኣወዳድባ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘርክቦም ረብሓታት

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ካብቲ ዝነበረ ናይ 81 ወረዳታት ኣወዳድባ ናብ 35 ወረዳታት ክቕነሳ ብምግባር ብርክት ዝበለ ገንዘብ መንግስትን ህዝብን ናብ ልምዓት ክዋፈርን እዚ በፂሕናዮ ዘለና ደረጃ ዕብየት ንክበፅሕን ናይ ባዕሉ እጃም ዘወፈየ እዩ ምባል ይከኣል። ናብዚ መደምደምታ ንምብፃሕ ናይታ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናያ ሓንቲ ወረዳ መበገሲ ባጀት ወሲድና ንርአ። ናይታ ወረዳ ባጀት 35 ነጥቢ 3 ምኢታዊ ንምምሕዳራዊ ወፃኢ እንትኾን 64 ነጥቢ 7 ምኢታዊ ድማ ንፕሮጀክታትን ኣብ ጣብያታት ንዝፍፀሙ ስራሕትን ዝወሃቡ ግልጋሎታትን ከምዝውዕል ርኢና። እዛ ወረዳ ናብቲ ቅድሚ 1987 ዓ.ም. ዝነበረቶ ናብ ክልተ ወረዳ ትመቐል እንድሕር ኢልና እቲ ናይ ምምሕዳር ወፃኢኣ ብዕፅፊ ከምዝውስኽን ናብ 70 ነጥቢ 6 ምኢታዊ ከምዝዓብን ሪኢና።

ካብዚ ምርዳእ ዝከኣል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ 1987 ዓ.ም.ናይ ወረዳታት ዳግመ ውደባን ምክላልን ብምግባሩ ጥራሕ በቢ ዓመቱ ናይ 35 ነጥቢ 3 ምኢታዊ ዓመታዊ ባጀቱ ብምቑጣብ ናብ ድኽነት ተኮር መደባት ከዙር ክኢሉ እዩ። እዚ ማለት ከዓ ካብ 1987 ዓ.ም. ክሳብ ሎሚ 21 ዓመት ብምዃኑ 21-(ዓመት) X 35.3% = 741.3% ወይከዓ ናይ ሸውዓተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ባጀት ክቑጠብ ኪኢሉ እዩ።

ውድብና ህወሓት ሓደ ውሳነ ክትውስን ከላ ብሃበተረኸበ ወይ ብግምት ወይ ስለተሓተተ ዘይኮነስ ብመንፅር ልምዓትናን ንህዝብና ዘለዎ ዘላቒ ረብሓን እዩ። ስለዝኾነ እዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ልምዓት ብዓይኒ ኣወዳድባ ምትዕርራይ ሪኢኻ ኣብ ባጀት መዳዩ እንትግምገም ልምዓትና ብ7 ነጥቢ 4 ዓመት ኣሳሊጥዎ ክበሃል ይከኣል።

በቲ ካሊእ ገፅ ድማ እቲ ሕቶ ወረዳና ይመለሰልና  ብእዋኑ ዴሞክራስያዊ ሕቶ እዩ ኢልካ ፍትሓውነቱ እንተይተረጋገፀ ውሳነ ተዋሂብዎ ናብቲ ዝነበሮ እንተዝምለስ እዚ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ዕብየት ገና ኣይምበፃሕናዮን። ምናልባት ከምቲ ናይ 1997 ዓ.ም. ዝነበረ ዕግርግር ብተደጋጋሚ ኣጋጢሙ ናብ ድሕሪት ናይ ምምላስ ዕድል እውን ከጋጥመና ነይሩ ይኸውን፤ ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ካብ ውድቡን መንግስቱን ዝፅበዮ ስለዘይረክብ። ወይከዓ ሰላማዊ እንተኾይኑ እውን ምናልባት ድሕሪ 7 ነጥቢ 4 ዓመት (ኣብ 2016 ዓ.ም.) ገና ክንበፅሖ ነይርና ንኾን።

እሞ እዚ ዝወሰነት ውድብስ ከመይ ጌርካ እዩ “ፍትሓዊ ውሳነ ዘይወሰነት ውድብ ኣይውድብናን” ዝበሃል?እምበር ከ ናይ ብሓቂ ናይ ህዝቢ ሕቶ ድዩ ክበሃል?

4. ክኾን ዘለዎእንታይ እዩ?

ናይ ወረዳና ይመለሰልና ሕቶ  ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ህዝቢ ስለዝኾነ እዚ ዝሓትት ሰብ መሰሉ ስለዝኾነ መሰሉ ክነኽብረሉ ይግባእ። እዚ ብምሕታቱ እውን ውፅኢት ቃልስና ብምዃኑ ኩላትና እንኾርዐሉ እዩ። ግን ድማ ንዝኾነ ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ግቡእን ፍትሓውን ምላሽ ክወሃቦ ይግባእ። እዚ ዘለናዮ ስርዓት ህዝባዊ፣ ዴሞክራሲያውን ሕገመንግስታዊን ስርዓት እዩ፣ ኣብዚ ስርዓት እዚ ስልጣን ዝተሓዝ ብናፃን ዴሞክራሲያውን መረፃ ጥራሕ እዩ። እዚ እንትበሃል ህዝቢ ብነፃነት ንክመርፅ ኩሉ ኣለኒ ዝብሎ መማረፂ እንተይተሰከፈ ኣማራፂ ፖሊሲታትን ናይ ልምዓት ስትራቴጂታትን ብምቕራብ ህዝቢ ይኾነኒ ንዝበሎ ከዓ ናፃ ኮይኑ ብምምራፅ ስልጣን ዝህበሉ ስርዓት ማለት እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሓምሻይ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ህወሓት/ኢህወዴግ ናይ ህዝቢ ደገ ዝረኸበሉ ቀንዲ ምኽንያት ንዝሓለፉ 13 ተኸታተልቲ ዓመታት ንዓለምና ዘደነቐ ቅልጡፍን ፍትሓውን ዝበሃል በዓል ክልተ ኣሃዝ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ስለዘመዝገበ፣ እቲ ዝተረኸበ ልምዓት እውን ኣብ ሕድሕድ ገዛ ስለዝኣተወ፣ ንቐፃሊ እውን እቲ ውድብ ዝሓዞም መደባት ኣዝዮም ዝህረፍን ንሃገርና ካብ ድኽነት ኣውፂኡ ናብ ማእኸላይ እቶት ዘለዎን ሃገራት ተርታ ዘሰልፍ ብምዃኑ፣ ፍትሓዊ ሃፍቲ ክፍፍል ክህሉ ዝገብር ፖሊሲን ስትራቴጂን ዝኽተል ብምዃኑ፣ ዘጋጥሙ ፀገማት እውን ቀልጢፉ ሰሚዑ ከይወዓለ ከይሓደረ ንውሽጡ ፈቲሹ ዝፈትሕ ብምዃኑ እዩ ተመሪፁ።

ስለዚ ብሽም ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ተላዒሉ ዝብል ነቲ ኣብ ሓምሻይ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ቃል ዝኣተዎ ንድሕሪት ዝመልስ፣ ድኽነት ዘበኣእስ፣ ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል ዘልምስ፣ ንናይ ህዝቢ ረብሓ ዝጎድእ ውሳነ ክውስን የብሉን።

ናይ ወረዳና ይመለሰልና ሕቶ፣ ሕቶ ፃምእ ልምዓት፣ ድሌት መሰረተ ልምዓት ምዃኑ ብምርዳእ ግን ናይ ህዝቢ ናይ ልምዓት ድሌታት ዘማልኡ ቆጠባይን ውፅኢታውን ስራሕ ብዘይወዓል ሕደር ክስራሕ ይግባእ።

ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ካብ ምሕታት ንድሕሪት ኢሉ ኣይፈልጥን። እንትሓትት እውን ውድቡ ህወሓት ከምዝምልሰሉ ይተኣማመን እዩ። ውድብ ዝበለቶ ተረዲኡ፣ ተቐቢሉ ዝኸድ ንውድቡ ዝኣምን ህዝቢ እዩ። ስለዝኾነ እዚ ናይ ወረዳና ይመለሰልና ሕቶ ሐዚ ኣይኮነን ዝሓተተ። ኣብቲ ትኽክለኛ ወቕቲ፣  ሰፊሕ ጉድለት መሰረተ ልምዓት እናሃለወ፣ ኣብቲ ናብ ማእኸል ወረዳ ክትከድ መንገዲ ብዙሕ ሰዓታት ዝወስደሉ እዋን፣ ኣብቲ ገና ትራንስፖርት ዘይኣተወሉ እዋን፣ ኣብቲ ማይ ክትረክብ፣ ትምህርቲ ክትረክብ፣ ግልጋሎት ጥዕና ክትረክብ መንገዲ ሰዓታት ትጓዓዘሉ እዋን፣ ኣብቲ መልእኽቲ ብደብዳቤን ብበቕልን ነዊሕ ሰዓታት ዝወስደሉ እዋን ነይሩ ህዝቢ ትግራይ ናይ ወረዳና ይመለስ ሕቶታት ዝሓተተ። ሽዑ ውድቡ ከምዚ ኣብላዕሊ ተንቲንና ዘቕረብናዮ ንነገራት ተንቲና የማነ ፀጋም ሪኣ ዝጠቕሞን ዘይጠቕሞን ሓቢራ ምላሽ ምስ ሃበቶ፣ እቲ ዝኣመነ ኣሚኑ ተቐቢሉ እንትኸድ እቲ ዘይኣመነውን “ኣነኳ ኣይኣመንኩን ግን ውድብ ኣይትጋገን ካሊእ መንዶ ኣለዋ እዩ ዘይ ነዓና ንህዝቢ ትግራይ ኢላ እያ እዙኹሉ መስዋእቲ ትኸፍሎ ዘላ፤ ስለዚ ዋላ ኣይእመነሉ ቀስ ኢሉ ይርደአኒ ናይ ውድበይ ይሐሸኒ” ኢሉ እዩ ዝኸድ ነይሩ። እቲ ናይ ውድቡ ውሳነ ከዓ ክንደይናይ ፍትሓዊ፣ ህዝባውን ትኽክለኛን ምዃኑ ከይወዓለ ከይሓደረ ይሪኦን የስተማቕሮን ነይሩ። ከምዚ ስለዝኾነ እዩ እቲ ዘመዝገብናዮ ልምዓት ቅልጡፍ፣ ፍትሓውን ቀፃልነት ዘለዎን ንብል። 


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010