እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5193240
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
693
3331
20603
5145598
97298
128136
5193240

Your IP: 54.158.219.248
2018-05-25 05:08

“ካብቲ ዝተፈፀመ ጅግንነት ንላዕሊ ዓብዪ ጅግንነት ኣብ ዝሕተተሉ ኩነታት ኣለና፡፡”

here we go
selam new

ቀዳማይ ክፋል                                       

ክትዛረቦ ወይ ክትፅሕፎ ክንድኡ ዝኣክል ቀሊል መሲሉ ዝረአ፣ ብተግባር ግን ከምኡ ዝበለ መስተንክርን ጀግንነትን ምስርሑ ንምእማኑ ዘወናውን ታሪክ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ፈፂሞምዎ። ኣፍቲ ናይ ዘመናት ባርነትን መግዛእትን ከብቅዕ በብኣንፈቱ ናዕቢ ዝተልዓለሉ ናይ 1960 ታት መፋርቕ ዘበን፣ ፍቕሪ ስድራቤትን መኣዲ ትምህርትን ብቕጥዑ እኳ

ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ

 

ዘይፀገቡ ዕሸላት መናእሰይ ሕሉፍ ኣስተንቲኖም ነቲ መፃኢ ድማ ኣሚቶም ኣንፃር እቲ ናይ ዘመናት ከርፋሕ ናብራን ስቓይን ክቃለሱ ብረት እንተቕንዑ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ እቲ ግስም ዝበለ ፀልማት ኮይኑ ተስፋ ጭላንጭል ብርሃን ኣማዕድዩ ሪኡ። “ቃልስና ነዊሕን መሪርን እዩ፣ ዓወትና ናይ ግድን እዩ!” ኢሉ ድማ ነቲ ጭላንጭል ናብ ምሉእ ብርሃን ክቕይር ኣብ ጐድኒ ውድቡ ህወሓት ኮይኑ ተዃሺሑ። ደቁ ንገድሊ መሪቑ ካብ ምስዳድ ጀሚሩ ኩሉ ነገሩ ነቲ ቓልሲ ሂቡ። እኒሆ ድማ ሳላ ቓልሱ ወያነኡ ተዓዊቱ ናይ ሰላም፣ ዴሞክራሲ፣ ማዕርነታዊ ሓድነትን ልምዓትን ተቋዳሳይ ኮይኑ ንዝሓለፉ 25 ዓመት ምስ ካልኦት ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ ብሓባር ኣብዚ ብርኪ በፂሑ።

ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ፣ ሓደ ካብ መሰረትቲ ማገብትን ህወሓትን ንሕሉፍ መስተንክር ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ “ዓብይ ምዕራፍ ታሪክ ኣብ ቓልሲ ህዝብታት” ኢሉ ዝገለፀሉ ኣንደበት ኣብዚ ትሕዝቶ እንግዶትና  ብሰፊሑ ተዳልዩ ኣሎ። ተጋዳላይ ስብሓት ንሕሉፍ ቅርስታት ገድሊ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን፣ ብዓወት እቲ ህዝባዊ ቓልሲ ንዝበፃሕናሉ ብርክን ርሕቐትን ብዝተንተነሉ ኣንደበት ንቐፃሊ ኣመተና ‘ሓደጋታት’ ዝብሎም ዓበይቲ ጉዳያት ኣመልኪቱ አውን ዘይስገሩ ቁልፊ ነጥብታት ዳህሲሱ እዩ። ኣብ 1968 ዓ/ም ኣመራርሓ ህወሓት ኮይኑ ዝተመረፀ፣ 1971 ዓ/ም ማይ ኣባይ ካብ ዝተሳለጠ ቀዳማይ ጉባኤ ጀሚሩ ክሳብ መጋቢት 1981 ዓ/ም ዝተኻየደ ሳልሳይ ጉባኤ ኣብ መንበር ህወሓት ኮይኑ ብዝለዓለ ብልሕን ውፍይነትን ዝተጋደለ ስብሓት፣ ኣብ ዓሽራይ ውድባዊ ጉባኤ ካብ መሪሕነት ብኽብሪ ተሰናቢቱ ብምሉእ ዕድመ ኣባልነት ሕዚ እውን ልኡኽ ውድቡን ህዝቡን እናፈፀመ ይርከብ። ተጋዳላይ ስብሓት፣ ኣብዚ እዋን ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኢንስቲትዩት ሰላምን ልምዓትን ኢትዮዽያ ኮይኑ ብልዑል ውፍይነትን ፅንዓትን ንህዝቡን ሃገሩን እናገልገለ እዩ። 

ወይን፦ ከም መበገሲ፣ ኣብ ቅድመ ወይ ድሮ ዒስራ ግንቦት ዝነበረ ፖለቲካዊ፣ ወታደራውን ኣጠቓላሊ ውድባዊ ኩነታትን እንታይ ይመስል ነይሩ?

ተጋዳላይ  ስብሓት፦ ከምቲ ንፈልጦ እቲ ፕሮግራም ይዕወት እዩ ዝብል እምነት ነይሩ እዩ። ያው ቀስ ብቐስ እቲ ሓይሊ ሚዛን ኣብ መንጎ ደርግን ህወሓትን ዝነበረ ብፖለቲካዊ ይኹን ወታደራዊ ስርዓት ደርጊ እናተሸርሸረ እዩ መፂኡ። ብፍላይ ብፖለቲካዊ መዳዩ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተነፀለ ብዝበኣሰ ድማ ኣፍቲ ድሮ 20 ግንቦት ብፍጥነት እዩ ተቐይሩ። እቲ ኸይዲ ፍጥነት ነይሩዎ። ውድባዊ፣ ፖለቲካዊ ኩነታት እንትንብል፣ ህወሓት ያው ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተጠናኺሩ ኣሎ። ኣብ ማእኸላይ ኢትዮጵያ እውን ዝነበረ ስራሕቲ ኣብ ህዝቢ እቲ ቓልሲ ተቐባልነት ክረክብ ኣኽኢሉ እዩ። ኣብዚ እቲ ሓደ ብጣዕሚ ወሳኒ ጉዳይ ዝነበረ ኣቤራ ዝተኻየደ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት እዩ። ፖለቲካል እውን ክረኣይ ዘለዎ ናይ ስሙር ግንባር ኣንፈት ዝተነፀረሉ ጉባኤ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ኩሎም ውድባት ክሳተፉ ዘኽእሎም ስሙር ግምባር ክህሉ ኣለዎ። እዚ ስሙር ግምባር ከኣ ናይ ስግግር መንግስቲ መሰሪቱ፣ ሕግን ሕገ መንግስትን ኣርቂቑ ቀፃልነት ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ብሓባር ምንባር ምርግጋፅ ዝብል ብጣዕሚ ጠቓሚ ዝኾነ ፖሊሲ እዩ ወፂኡ። እዚ ፖሊሲ ዋላ በዚ ሕዚ ዝኒሀ ናይ ዓለም ኩነታት እውን ከማና ንዝመሰሉ መፍትሒ ዝኸውን እዩ። እዚ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ካልእ ፖለቲካሊ ክረኣይ ዘለዎ ብውድብ ዓይኒ ህወሓት  ኣብ ምምስራት ኢህወዴግ ከም መጠን ውድብ ዓብይ ተራ እዩ ተፃዊቱ። እዚ እውን ሓደ ዓብዪ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ክረአ ዘለዎ ጉዳይ ነይሩ። ብተወሳኺ ግን ኣካላት ኢህወደግ ጥራሕ እንተይኮነ ህወሓት ናይ ጋምቤላ ውድብ፣ ቤኒሻንጉል እውን ርክባት ተጀሚሩ ኣሎ ኣፍቲ እዋን። ስለዚ ህወሓት እቲ ቓልሲ ናብ መላእ ኢትዮዽያ ኣብ ምስግጋር ወሳናይ ተራ እዩ ነይሩዎ። ናይ ህወሓት ኢህወዴግ ምዃን፣ ናይ ካልኦት ውድባት ምርካብ ፖለቲካሊ ነቲ ሓይሊ ሚዛን እናለወጦ እዩ መፂኡ። ትግራይ ናፃ ምስወፀ ናብ ማእኸል ሃገር ናይ ምእታው ኩነታት እንትረአ ህዝቢ ትግራይ ቁሩብ ስኽፍታ ነይሩዎ። ንደክም ኣለና፤ እቶም ኻልኦት ይቃለሱ፣ እንተዘይኸይድኩም ይሓይሽ፣ ሰራዊትና ካብዚ ንደሓር ይኣኽሎ፣ ክንደክም ኢና- - -” ዝብሉ መንፈሳትን ምይይጣትን ነይሮም እዮም።

ይኹን እምበር ረብሓኻ ኣብ ዴሞክራስያዊት ኢትዮዽያ እዩ፣ ረብሓ ናይ ኩለን ብሄረሰባትን ብሄራትን እውን ሓደ ኮይንካ ዝመፅእ እዩ፣ ዝብል ኣሚኒሉ ሰናይ ትምኒቱ ፈቒዱ እዩ ህዝቢ ትግራይ። ከምኡ እንተዘይገይርና ደርጊ ክጥጥዕ እዩ፣ ዝብል ሓደ ዓብይ መረዳድኢ ነይሩ፣ እዚ እውን ትክክለኛ መረዳድኢ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ ናይ ሶቭየት ሕብረት ሓይሊ እናደኸመ ኣብ ዝመፀሉ እዋን ደርጊ ካልእ መንገዲ ናብ ምድላይ ክመፅእ እዩ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ህዝቢ ኢትዮዽያ ይኹን ብወገንና ዝነበረ ሓራ መሬትን ኣፍቲ ተጋዳላይን ዓብይ ፖለቲካዊ ለውጢ እዩ መፂኡ። ኣብዚ ከም ህወሓት እቲ ስሙር ግንባር ናይ እማን ብፅኑዕ ዝእመነሉ እዩ ነይሩ።

እዚ ናይ ስሙር ግምባር ሕቶ ደርጊ ብስርዓት በፂሕዎ እናሃለወ ኢህኣፓ እውን ብስርዓቱ በፂሕዎም እናሃለወ እዚኦም ነቲ ናይ ስሙር ግንባር፣ ማለት ናይ ሽግግር መንግስቲ ምምስራት ዝብል ኣይተቐበልዎን። ሕዚ እቲ ዝነበረ ፖሊሲ፣ ሰራዊትና (ናይ ክልቲኤና ሰራዊት) ዝሕሉ ሓደ ሓይሊ ገይርካ ክሕሎ፣ ሓበራዊ እዚኦም ግና ስሙር ግምባር ፈጢሮም ስግግር መንግስቲ ክምስረቱ፣ ደርጊ ኮነ ንሕና ድማ ኣብ ሰሰፈርና ኮይንና ብዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ፖሊስ ሞንጐኛ ኮይኑ ክቆፃፀሮ ምግባር ዝብል ሓሳብ እዩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ዝተልዓለ ፖለቲካዊ ሓሳብ መትከላዊ፣ ዘይተጓደለን ኩሉ ክኣምኖ ዝኽእልን ኮይኑ እዩ ተላዒሉ። ብወታደራዊ መዳዩ ብብዙሕ ኣንፈታት ናብ ኩሎም ጫፋት ዝበፃሕናሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ካብኡ ዘይተገመተ ዝነበረ ደርጊ ዋላ ድሕሪ ኣዲስ ኣበባ ምሓዝና ናብዚ ስምምዕነት እንተዘይኣትዩ ከም እንደገና ተወዲቡ ክንቀሳቐስ ይኽእል እዩ፤ ዝብል ግምት ነይሩና።

ካብዚ ብምብጋስ ምድላዋት ተገይሩ እዩ፤ ብኹሉ መዳይ፡፡ ይኹን እምበር ነቲ ልዝባት እውን ኣይተቐበለን፣ ቀልጢፉ ፈሪሱ። ስለዚ ቅድሚ ዕስራ ግንቦት ዝነበረ ወታደራዊ ይኹን ፖለቲካዊ ኩነታት በዚ ሓይሊ ሚዛን ክግለፅ ዝኽእል እዩ። ከምቲ ዝፍለጥ ኣብዚ ዓዲ ዝነበሩ መንግስታት ብጊላ (ጐይታ) እዮም ዝቕመጡ። ደርጊ ጐይትኡ ምስተዳኸመን ምስ ፈረሰን (ሕብረት ሶቭየት) ናብ ኣሜሪካ ናይ ምዝንባል ተበግሶ ነይሩ። እቲ ፖለቲካዊ ይኹን ወታደራዊ ዓቕምና ቀስ ብቐስ እናተጠናኸረ ምስመፀ ኣብ ህዝቢ ዘለና ተቐባልነት እውን እቲ ፕሮግራምን ኣፈፃፅማኡን ምንም ዓይነት ጎደሎ ኣይነበሮን እኳ እንተዘይተብሃለ ብወሳናይነቱ ብቑዕ ስለዝነበረ ብኹሉ መዳይ እቲ ልዕልነት ናብ ወገን ህዝቢ፣ ናብ ወገን ኢህወዴግ እናዘምበለ ዳሕራይ ጠቕሊሉ ንደርጊ ከወግድ  ክኢሉ እዩ።

ብድሕሪ እዚ ከምቲ መጀመርያ እውን ተሓሲቡ ዝነበረ ኩሎም ሓይልታት ናብ ስግግር መንግስቲ ኣትዮም እዮም፤ ብዘይካ ደርግ ኢሰፓ። እቲ መትከል፣ ዝኾነ ይኹን ውድብ ይዕበ ይንኣስ፣ ንሕና ንህዝቢ “እዚ ወንጂሉ” ኢልና ኣይንከስስን። ወንጀልና ዳሕራይ ይርአ፣ ኩሉ ግና ክኣቱ ኣለዎ ኢልና ኣዊጅና። ምኽንያቱ ሕድሕድ ውድብ ሃገራዊ እዩ፣ ፕሮግራሙ ዴሞክራስያዊ ይኹን ኣይኹን፣ ህዝባዊ ይኹን ኣይኹን ህዝቢ እዩ ዝፈልዮ፣ ስለዚ ዝኾነ ይኹን ናፍቲ ስግግር መንግስቲ ይእቶ እዩ ነይሩ እቲ ምድላው ቅድሚ ዕስራ ግንቦት ዝነበረ ማለት እዩ። ኣብዚ መዳይ ናይ ኣቤራ ጉባኤ (ሳልሳይ ጉባኤ ህወሓት) ታሪኻዊ እዩ ነይሩ። እዚ ሕዚ ኣብ ኹሉ ከባብታት ዓለም ዝረአ ዘሎ ህውከት እቲ ፎርሙላ ንሱ በዚ ኣግባብ እዚ ናይ ህዝቢ ልዕልነት ብዘይምርግጋፁ ዝመፅእ ሳዕቤናት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ዝደልዮ ይመርፅ፣ ንሕና ግን ፈረድቲ ኣይኮንናን። እቲ ዳሕራይ ዝትከል ስርዓት እዩ ዝፈርደና ዝብል እዩ ነይሩ መትከልና። እዚ መትከል እዚ ብጣዕሚ ታሪካዊ እዩ ነይሩ።

ካብዚ ብምብጋስ  እቲ ኩነታት ኣሕፂርካ እንትርአ ዲፕሎማቲካሊ ደርጊ ብጎይታ እዩ ዝነብር። ኩሎም ኣብዚ ዓዲ ዝነበሩ መንግስታት እውን ብጐይታ እዮም ዝነብሩ ነይሮም። ጐይትኡ እንተደኺሙ ወይ ቃሕ እንተዘይኢልዎ ካልእ ጐይታ ክቖፅር ምግዳዱ ኣይተርፍን። ደርጊ ሕብረት ሶቭየት ምስደኸመ ጐይታ ክቕይር ፈቲኑ እንተነበረ እኳ ግዘ ኣይረኸበን። ብወታደራዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውያን ጥራሕ ዝባኑ ክወፅእ ክኢሉ እዩ። ብወገንና ድማ እቲ ፕሮግራም ህዝቢ ዝወሓዘሉ፣ ውድባት ዝፈጠረሉ፣ እቲ ወታደራዊ ሓይሊ ከኣ እዚ መሰረት ገይሩ ኣብ ደርጊ ዝነበሮ ልዕልነት ከም ሰማይን መሬትን ዝተረሓሓቐሉ ኩነታት ተፈጢሩ ክትብሎ   ትኽእል፡፡

ወይን፡- ቅድሚ 25 ዓመት ዝነበረ ኩነታት እንትግምገም እቲ ኵናት ደርጊ ክወድቕ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተገመተሉ እዋን ተዛዚሙ ምባልዶ ይከኣል? ኣብ ኣፍ ዕርበት እቲ ስርዓት ዝካየዱ ዝንበሩ እማመታት ሰላም ከ ትርጉሞምን ውፅኢቶምን እንታይ ነይሩ?

ተጋዳላይ ስብሓት፡- ደርጊ ዝወድቀሉ ዓመተ ምሕረት ወይ መዓልቲ ንምግማቱ ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ። እዚ ፕሮግራም እዚ፣ እዚ መስመር እዚ ዝስዕሮ የለን፤ ግዘ ክወስድ ይኸውን እምበር ዝስዕሮ ግና ኣይህልውን፣  ተዓዋታይ እዩ፣ ዝብል ብጣዕሚ ዘየጠራጥር ፅኑዕ እምነት እዩ ነይሩና። ምኽንያቱ ናይ ኩሎም ደርብታት ድልየትን ጥቕምን ዘማልእ ስለዝኾነ ክዕወት ግድን እዩ ኢልና ኢና ተበጊስና። ያው ኩሉ ከምዝፈልጦ “ቃልስና ነዊሕን መሪርን እዩ፣ ዓወትና ናይ ግድን እዩ!” ዝብል ኩሉ ህዝቢ፣ ማለት እቲ እንረኽቦን ዝኣመንናሉን ህዝቢ፤ እቲ ዝቃለስ እውን ካብዚ ህዝቢ እዚ ዝመፀ ስለዝኾነ ናይ ተዓዋታይነት መትከሉ አዐርዩ ፅኑዕ ኮይኑ ወፂኡ።

ተዓዋታይነትና ፅኑዕን ብጣዕሚ ዘየጠራጥርን እንተኾነ እውን ግና ጠቕሊልና ንደርጊ እነውድቐሉ ዕለት ክንፈልጥ ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ብዙሓት ምኽንያታት ስለዝህልው። ገሊኦም ምኽንያታት ድማ ንሕና ዘይንቆፃፀሮም ጉዳያት ብምዃኖም ደርጊ ሪፎርም ገይሩ ክዘናጋዕ ይኽእል ዶ? ዝብል ብርግፅ ኣፍቲ መወዳእታ ፈቲኑ ነይሩ እዩ፣ ግን ብጣዕሚ ደንጉዩ። ዘይሩ ዘይሩ ግና ዋላ እዚ እንተገበረ ግዘ ይወስድ እምበር ነዚ ፕሮግራም እዚ ዝስዕር የለን፤ ዝብል ፅኑዕ እምነት እዩ ነይሩ። ኣብዚ ኩነታት ኣብ ግንቦት 1981 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ ደርጊ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምንባሩ ንዝክር ኢና።ነዚ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ ንዓና ክረኽቡና ይደልዩ ነይሮም እዮም። መልእኽቲ እውን ኣሕሊፎምና እዮም። ንሕና ዝመለስናሎም  መልሲ፣ ብዕልዋ መንግስቲ ግዝያዊ ለውጢ እምበር ዝመፅእ መሰረታዊ ሕገ-መንግስታውን ህዝባውን ስርዓት የለን።እዚ ከኣ ናይ ላዕለዎት ሹመኛታት /ጀነራላት/ ምንቅስቓስ እዩ፣ ናይቲ ታሕተዋይ እንተዝኸውን እኳ  ምተፈራረምና ስለዚ ክንኣትዎ ኣይደለናን፣ ብዙሕ  ከይፀንሐ ድማ እቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ፈሺሉ።

እቲ ካልእ ምስ ድሮ ዕስራ ግንቦት ተኣሳሲሩ ዝነበረ ኩነታት ግና ናይ ደርጊ ጉያ ዝምልከት እዩ። ንሱ ዓለማዊ ፀቕጢ ከይፈጥረልና፣ ከየጨንግፈና ንቐልጥፍ ዝብል ብፖሊሲ ደረጃ ዓብይ ትኹረት ዝሃብናሉ ኩነታት ነይሩ። ‘ንቐልጥፍ’ እንታይ ማለት እዩ፤ ምዕራባውያን ሓይልታት ምስ ደርጊ ዕላዊ ዝኾነ ስጡም ርክብ ገይሮም ዕንቅፋት ከይፈጥሩ ምጥንቃቕ ማለት እዩ።ስለዚ ደርጊ ጐይታ እንተይቀየረ እንተሎ ንቐድሞ ዝብል መርገፂ ውድብ ፅኑዕ እዩ ነይሩ። ዓብይ ጉያ እዩ ዝነበረ ኣብቲ መወዳእታ።ናይ ሓይልታትና ኣወፋፍራ እውን ደርጊ ጐይታ እንተይቀየረ እንተሎ እታ መዓልታ መዓዝ ከምንዕወት ኣይንፈልጥን፣ ኹነታት ሽዑ ዝነበረ ግና ደርጊ ጐይታ ቐይሩ ዲፕሎማስያዊ ፅዕንቶ ከየሕድር፣ ካብ ዲፕሎማስያዊ ፅዕንቶ ሓሊፉ እውን ወታደራዊ ምትእስሳር ሰሊጥዎ ነቲ ቓልሲ ከየናውሖ ምእንታን ነቀላጥፎ ካብዛ ዓመት እዚኣ ከየንሕልፋ ዝብል እዩ ነይሩ ኣፍቲ ናይ መጨረሻ። ምችዊ ኩነታት ናይ ፈታዊ ሓይሊ፣ እቲ ህዝቢ ተጠናኺሩ እናሃለወ፣ ፀላኢ ጐይታ እንተይቀየረ ነቀላጥፎ ዝብል ኣፍቲ መወዳእታ ዝነበረ ናይ ምድላው፣ ትልሚ ምሕንፃፅን ምሕሳብን ጉያ ነይሩ። “ከይንዝንግዕ” ዝብል ከም ፖሊሲ ዝተትሓዘ ምቕልጣፍ ነይሩ እዩ።

ኣብዚ ኹነታት እዚ ዝተኻየዳ እማመ ሰላም ዝምልከት ጉዳይ፤ ብዋናነት ዕላማኡ ዝነበረ ብሓባር ኮይንና ናይ ስግግር መንግስቲ ንመስርት ዝብል እዩ። እዚ ንምፍጣር ድማ ሰላምን ምርግጋዕን ይሃሉ ዝብል ዕላማ እዩ ነይሩዎ። ሽዑ ህዝቢ ዝደለዮ መንግስቲ ንክምስረት ኣፍቲ ናይ ሰላም እማመ ሓቢርና ስግግር መንግስቲ ንመስርት ዝብል ኢና ኣልዒልና። ደርጊ ናብዚ እማመ ከምዘይመፅእ ብዝዓበየ ግምት ነይሩና። ከም ፖለቲካዊ መርገፂ ግና ኣሚንናሉ፣ ሰራዊትና ይኹን ሰራዊት ደርጊ ኣብ ነናይ ባዕሎም ካምቦ ኣትዮም ብሞንጐኛ ሓይሊ ክሕለው ሰላምን ምርግጋእን ይውረድ፣ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ እውን ፖሊሲ ቀሪፁ ስርሑ ይፈፅም ዝብል ኣቕሪብና።

ስለዚ እቲ እማመ ሰላም መበገሲኡ ምስቲ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ተዛሚዱ ዝመፀ ደርጊ፣ ኢሰፓን ኢህኣፓን ክሳተፍሉ ዝተዓደመ ፃውዒት እዩ። ብርግፅ ኢህኣፓ ኣፍቲ እዋን እውን ብድሕሪት ይወግኡና ነይሮም። እቲ ብጣዕሚ ዝገርም ነገር ምንም ዓቕሚ ዘይብሎም እናሃለው እቲ ናይ ትምክሕቲ ስምዒት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ፣ ሸውዓተ ሸሞንተ ጠበንጃ ሒዞም እቲ ትምክሕቲ ክንደየናይ ኣበላሽይዎም ከምዝነበረ ዝተዓዘብናሉ ነይሩ።

ስለዚ ንሳቶም እውን /ኢህኣፓ/ ናፍቲ ድርድር ሰላም ከምዘይመፁ ንፈልጥ ነይርና።ይኹን እምበር መርገፂ፣ መርገፂ እዩ።ኢሰፓ እውን ከምዘይመፅእ ንፈልጥ፣ ከም መጠን መርገፂ ግና ብዕቱብ ዝኣመንናሉ ንኽመፁ እውን መልእኽቲ ሓሊፉ እዩ፡፡

ውፅኢት ናይቲ እማመ ሰላም እንታይ ኮነ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ፣ ሕዚ እንታይ እዩ ኣፍቲ ጐይታ ምቕያር ዝነበረ ዕግርግር፣ ኣሜሪካ ኣብ ስግግር እዩ ዘሎ። እቲ ጐይታ ምዃን ከይተቐበሎ ሰንፈላል ዝኾነሉ እዋን እዩ ነይሩ። ደርጊ ናብኣቶም ከምዘዘንበለ ግና ይፈልጡ እዮም። እንተነኣሰ ሕንፋፅ /mixed/ ኢኮኖሚ ኢሉ ኣዊጁ እዩ ኣጋ መወዳእታ።እዚ ኮይኑ ካርተር ማእኸል ዝበሃሉ መጀመርያ ኣብ ካርቱም /ሱዳን/ ፀዊዖምና። ቅድሚ ናብ ሮማ /ጣልያን/ ምኽያድና ማለት እዩ።

እንታይ እዩ ዕላማኹም ኢሎምና ዕላማና ገሊፅናሎም። ስዩም፣ መለስ፣ ኣነ ነይርና። ናይ ኤርትራ ሕቶ ሓቲቱና፣ ናይ ብሄር ብሄረሰባት ዝምልከት እውን ከምኡ ተሓቲትና። ጂሚ ካርተር (ፕረዚደንት ነበር ኣሜሪካን መራሒ ናይቲ ‘ካርተር ማእኸል’ ዝበሃልን) ሽዑ እንታይ ኢሉና፣ “እዚ እኳ ኣዲስ ኣበባ ክትኣትው ከለኹም ክትገድፍዎ ኢኹም ደሓን ኣየጨቓጭቐናን፤ ሕዚ ሮማ ከይድኹም ምስ ደርጊ ተዘራረቡ” እዩ ኢሉ።እዚ ቅዋም ድማ ናይ ኣሜሪካ መንግስቲ ደገፍ ከምዘለዎ ገሊፁልና፡፡

እቲ ናትና ልኡኽ ናብ ሮማ ምስከደ ናይ ደርጊ ልኡኻት እውን መፂኦም ተራኺቦም።መጀመርያ ኣብ ኣካይዳ ስነ ስርዓት (Procedure) እዩ ነይሩ ዝርርብ ዝተኻየደ። ንኣብነት መዘራረቢ ቋንቋ እንታይ ይኹን ኣብ ዝብል፣ መግለፂ ከመይ ዕላዊ ንገብር ዝብሉ ናይ ቅድመ ኩነት ዝርርባት ቀፂሎም። ደርጊ ብእንግሊዝኛ ኢና ንዛረብ ኢሎም። እንግሊዝኛ እኳ ካፍቶም ናትና ንላዕሊ ኣይፈልጥዎን ነይሮም። ናትና ሉኡኻት ከኣ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኢና ንዘራረብ ኢሎም። ናይ ሃገር ጉዳይ ስለዝኾነ መዘራረቢና ኣምሓርኛ እዩ፣ ዳሕራይ ግና ብቋንቋናን ብዝደለናዮ ቋንቋን ክንትርጉሞ ንኽእል ኢና ተባሂሎም። ኮይኑ ግና እዚ ሓሳብ ኣፈላልዩና። ካልኣይ፣ ንሶም “ብዛዕባ ኢትዮዽያ ክትዛረቡ መሰል የብልኩምን፤ ክትዛረቡ እንተኾይንኩም ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ጥራሕ እዩ” ኢሎምና። ንሕና እዚ ኣይተቐበልናን። ኣብ ናይ መግለፂ ኣወፃፅኣታት እውን ናይ ኣከያይዳ ስነ ስርዓታት ተላዒሎም ኣብ ሓደ ምርድዳእ ከይተበፅሐ ተበቲኑ። እዚ እማመ ሰላም ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጣልያን እዩ ተመሪሑ ነይሩ። ይኹን እምበር ፈሺሉ። ደርጊ “ብዛዕባ ኢትዮዽያ ክትዛረቡ ኣይትኽእሉን” ዝብል መደምደምታ ሒዙ እዩ ቀሪቡ።

ንሕና ድማ ንእሽተይ ይኹን ዓብይ ውድብ ሒዙ ዝቃለስ ኩሉ ኢትዮዽያዊ እዩ፣ ዓው ኢልና ክንዛረብ ኣለና፣ ህዝቢ ዝውስነሉ ስርዓት ነቐምጥ፣ ህዝቢ እናወሰነ ድማ ይኸይድ፣ ዝብል ቅዋም ሒዝና፡፡ ብዝኾነ ተዓናቒፉ። ንሕና ብወገንና ኣብዛ ኩነታት እዚኣ ክንቅልጥፍ ኣለና፣ ንደርጊ ክነፍርስ ኣለና ዝብል ቅዋም እናጠናኸርና ከይድና። ብድሕሪ ጣልያን ናይ ለንደን ድርድር ብሀርማን ኮሀን መራሕነት ክካየድ ተፈቲኑ። ʽሀርማን ኮሀንʼ ዘለዎ ናይ ʽኣሜሪካ ስቴት ዲፓርትመንትʼ ባዕሎም እዮም መፂኦም ሽዑ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ደርድር ተስፋ ስለ ዘይነበሮ ክንኣቱ ኣለና ዝብል ድፍኢትና ሓይሉ። እቲ እንኣትወሉ መዓልቲ መዓዝ ክኸውን ይኽእል ብዘየገድስ፣ ግን እታ ኩነታት ከይተለወጠት እናሃለወት ከምቲ ንህዝቢ ትግራይ እውን ዝበልናዮ፣ ከይዘሓልና እናሃለና መሊእና ከይድና ንደርጊ ነቃብፆ ዝበልናዮ ፣ ብተወሳኺ ድማ ደርጊ ካልእ ጐይታ እንተየጥረየ እንተሎ ንወዳኣዮ ዝብል ዕላዊ ውሳነ በፂሕና።

ኣብዚ ናይ ለንደን እውን ኮሀን ኣዲስ ኣበባ ክንኣቱ ኣይደለየናን ነይሩ። ‘ከይትኣዉ’ ኢሉና። ኣብ መወዳእታ ሰኑይ ይመስለኒ ‘ተቓውሞ የብለይን’ (No objection) ኢሉ ኮሀን ብስቴት ዲፓርትመንት ኣቢሉ መግለፂ ሂቡ። ኣሜሪካ ወታደራዊ ኢደ ኣእታውነት ኣይንገብርን ምባሎም እውን ዘመስግኖም እዩ። ኮነ ኢሎም ድዮም ተገሪሆም ድዮም ነዚ ዝወሰኑ ኣይፍለጥን። እንተዝኣትው ብርግፅ ነቲ ፕሮግራም ክቕበልዎ ኣይኽእሉን ግን ዕድመ ደርጊ ብናይ ውክልና ኲናት ዝናወሐሉ ዕድል ምፈጠረ ይነብር። ብዝኾነ ኣብዛ ኩነታት እዚኣ ኣይንደንጉይ ዝብል ውሳነና ኣገዳሲ ነይሩ። ታሪካዊ እውን ነይሩ። ኣብኡ ዘምለጥናዮ ኣመላልጣ ዓብዪ ታሪክ ተገይሩ ዝውሰድ እዩ። ቁሩብ ከምደንጉና ዓብይ ጐይታ ተኪኡ ነቲ ኩነታት ከናውሖ ምኽኣለ።


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010