እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5190429
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1213
3787
17792
5145598
94487
128136
5190429

Your IP: 54.166.172.180
2018-05-24 08:05

ደርግ ኣዐሪና ንፈልጦ ዲና?

here we go
selam new

ግዳይ ቀይሕ ራዕዲ ዝኾኑ ንፁሃት ወገናትና

ብብርሃኑ ኣባዲ /1980 ዓ/ም ዝተፅሓፈ/

ደርግ “ንህዝቢ ትግራይ ከሰኩን ይኽእል እዩ” ዝበሎ ጫፍ ስቓይን ዘርኣየ ስርዓት እዩ። ኣብ ርእሲ መሃሙቕ ድኽነቱ ዝነብረላ መሬት ትግራይ ወግሐ ፀብሐ መግረፍትን መርሸንትን ዝሪአላ ክትከውን ዝፈረደ ኣረሜናዊ ሓይሊ እዩ። ስርዓት ደርግ። እዞም በብእዋኑ ዘካይዶም ዝነበረ ጨፍጫፋት ተጋደልቲ ህወሓት ኣብ ማህደር ተጋድሎኦም ከም ተዘክሮ እናስፈርዎ መፂኦም እዮም። ካብቶም ኣብ ምፅሓፍ ታሪኽ ብረታዊ ህዝቢ ትግራይ ዕዙዝ ግደ ካብ ዝነበሮም ብፆት ተጋዳላይ ብርሃኑ ኣባዲ ሓደ እዩ። ተጋዳላይ ብርሃኑ  ኣባዲ ኣብ ከተማ ኵሓ ተወሊዱ። ኣብ 1967 ዓ/ም ኣባል ስርዒት ህወሓት ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ ደርግ ኣብ 1970 ዓ/ም ዝኣወጆ ቀይሕ ራዕዲ ኣብ ውኽኒ ቤት መቐለ ተኣሲሩ ፀላኢ ዘውርዶ ዝነበረ ስቓይ ዘሕለፈን ዝረኣየን ብፃይ እዩ። ኣብቲ እዋን ብኣካል ዝረኣዮ ግፍዕን ስቓይን ደርግ  ኣብ 1980 ዓ/ም ብህወሓት ኣብ ዝተሓተመት መፅሓፍ ዝፀሓፋ ዛንታ ሓደ ብፃይ ትሕዝቶ እዚ ዓምዲ ገይርና ክንእንግደኩም።

ወርሒ ታሕሳስ 1978 ዓ/ም ስርሒት ጅግና ሰራዊት ህወሓት ንዝነበረ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ሓደ ወርሒ ኣብ ዝተረፎ ቅንያት እዩ። ብስሩ እቲ ኣዋርሕ እውን ኣብ ቤት ወኽኒ መቐለ ኣብ እሱራት ሓደጋ ሞት (መርሸንቲ) ዘንፀላለወሉ ግዚያት እዩ ነይሩ። ሰብ በብግዚኡ ይፅዋዕ… ይርሸን… ይፅዋዕ… ይርሸን… ሕማቕ ግዝያት ምንባሩ ይዝከረኒ። ኣብ ቤት ውኽኒ መቐለ ዝነበሩ እሱራት ስርዓት ደርግ ብዝወጠኖ ፍሕሶ ጫፍ ዝወፅአ ስቓይ እንትበፅሖም፣ ብጥምየትን ፃምእን ምንባሮም እንትፀልኡ፣ ሰኣን ውሱን ግልጋሎት ሕክምና ብሕማማት ጨለውታ፣ ኮሌራ፣ “ሪላፕሲንግን ፌቨርን” ዝበሃሉ ሕማማት እሱራት ከም ቆፅሊ ዝረግፈሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ደርግ ኲናት ገጢሙ ብዝተስዓረ ቁፅሪ ንቑሱላት ወታደራቱ ዝኸውን ደም ካብቲ ንገዛ ዓርሳ ጠጠው ምባል ዘፀገማ ነብሲ እሱር እናወሰደ እሱራት ኣደዳ ተደራረብቲ ሕማማት ይገብሮም ነይሩ። ልዕሊ ኩሎም ቆፂርካ ዘይውድኡ ሕቡኣት መርሸንትን ደጋዊ ስቓይን ግን ዛንታን መስዋእትን ኪዳኑ ተካ ኣይርሰዓንን።

ኪዳኑ ተካ ከባቢ ስንቃጣ ተወሊዱ እዩ ዓብዩ። ልክዕ ከም ካልኦት መናእሰይ ትግራይ ኣብ ጎድኒ ህወሓት ተሰሊፉ ንዓመታት ተጋዲሉ እዩ። ኪዳኑ ኣብ 1975 ዓ/ም ከባቢ ሰሊሙ ናብ ደርግ ይኣቱ። ደርግ ድማ ተቐቢሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምእታው ንኣዋርሕ ዝኣክል ምርመራ ምስ ኣካየደሉ ይፈትሖ። ብድሕሪ እዚ ድማ ደርግ ንዝሰለሙ ተጋደልቲ የቐምጠሉ ኣብ ዝነበረ “መልሶ ማቋቋም” ኢሉ ዝሰየሞ ቦታ ይቕመጥ ነበረ። ኣብ ሕቕፊ ህወሓት እንከሎ ነዚ ዘይለመደ ኪዳኑ ተጋግዩ ዝኣተዎ ውሻጠ ደርግ ኣዝዩ ይፅልምቶ። ዝርእዮን ዝሰምዖን ነገራት ኩሉ ብዓይኒ ህዝባውነትን ዲሞክራስያዊ መትከልን ንውሽጡ ከርውዮ ኣይከኣለን። ዝቃለሰሉ ዕላማን መስመርን እውን እንታይ ከም ዝኾነ ድንግርግር ክብሎ ጀመረ።

ካሊእ ይትረፍ ኣብ ተጋደልቲ ህወሓት ዝለመዶ ዴሞክራሲ፣ ውህደትን ብፃያዊ ሓልዮትን ፈፂሙ ክረኽቦ ኣይከኣለን። ኣብቲ ዝኣተዎ ቀፅሪ ዘሎ ማሕበረሰብ ኩሉ ርእሱ ኣድኒኑ ዝኸይድ ዝመስሎ ዘይዛረብን ኣብ ፍርሕን ውሽጣዊ ራዕድን ዝተውሓጠን ምዃኑ ንኪዳኑ ጥዑም ለይቲ ኣየሕደሮን። ኪዳኑ ከም ዘይልመድ የለን ኩሉ ቀስ ብቐስ እናለመዶ ዋላ እኳ እንተመፀ ውድባዊ መርገፅታት ብስቕታ ምሕላፍ ፈፂሙ ክለምዶ ኣይከኣለን። ግጉይ ኣተሓሳስባታት፣ ዘይህዝባዊ ኣረኣእያታት እንትለዓሉ ካብቲ ዝተረደኦ ወፃእ ምእንተ ደርግ ኢሉ ክሕሱን ርእሱ ከድንን ኣይመረፀን። ብደም ተቓለስቲ ኣብ ዝተሃነፀ ዴሞክራሲ ዝነበረ ንዕኡ ባህሉ ዝገበረ ከመይ ገይሩ ቀልጢፉ ርእሱ ከድንን?

ካብዚ እምነት ዝብገስ ኪዳኑ ካብ 60 ክሳብ 70 ተፀቓቒጦም ይሓድሩላ ካብ ዝነበሩ ፀባብ ገዛ ወፂኡ ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም ናብ ዝነበሩ መሓዝቱ ተፀንበረ። ኣብቲ “መልሶ ማቋቋም” ዝቕመጡ ካብ ገለ ወረዳታት ተፈናቒሎም ክመሃሩ ዝመፅኡ ክልተ መንእሰያት ብዛዕባ ብሄር እናተኻትዑ ይረኽቦም። ናይ ክልቲኦም መበገሲ ሓሳብ ክትዖም “ብሄር ኣብ ኢትዮዽያ የለን” ዝብል እዩ ነይሩ። እዚ ክትዕ እናዓበየ “ብሄር እዩ ክፍንጨል ዝኽእል … የለን ብሄረሰብ እውን ይፍንጨል እዩ” ናብ ዝብል ዛዕባ እናሰፍሐ ኸደ። ነዚ ዝሰምዐ ኪዳኑ ስቕ ኢሉ ረጊፅዎም ክሓልፍ ኣይደለየን። ኣብ ህወሓት ብዛዕባ ብሄር ሕቶ ዝምልከት ብመንፅር ዝተምሃሮ  ክልቲኦም ዝተጋገዩ ምዃኖም ፈለጠ። ስለዚ እቲ ኩነታት ዋላ እኳ እንተዘይፈቐደሉ ውድብ ዘምሀረቶ ሓቂ እሞ ድማ ዝኣምነሉ መሰረታውን ህዝባውን ርትዒ ክነግሮም ውሽጣዊ ድሌቱ ደፋፍኦ።

ብድፍረት ከይዱ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ብሄር ዘሎ ምዃኑ፣ ኩሉ ዝተወፀዐ ብሄር ይኹን ብሄረሰብ “ዝጠቕመኒ ምፍንጫል እዩ” እንተኢሉ መሰል ክህልዎ ከም ዝግባእን ከልካሊ ከምዘይብሉን ተንቲኑ ገለፀሎም። ክልቲኦም በቲ ዝሓዝዎ መርገፅ ብሰፊሑ እናተንተኑ ክካትዕዎ ጀመሩ። ምስ ወፅዓን መሰልን ብሄር ብሄረሰባትን እናተኣሳሰረ፣ ምስ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና እናዘመረ እናመላለሰ ብዝግባእ ኣረደኦም። እዚ ኣብ ውሽጢ ስምዒት ኮይኖም ብተመስጦ ዝካትዕሉ ዝነበሩ ዛዕባ ብሓውሲ ምሽጥር ኢሎም እዮም ሓሲቦም። ኣብቲ ከባቢ ዘስግእ ነገር ኣሎ ኢሉ ኣይሓሰበን። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ግና ስርዓት ደርግ ዘሰለፎ ኣብቲ ከባቢ ሓደ ሰላሊ መንእሰይ ካብቲ ዝነበርዎ ርሕቕ ኢሉ መንደቕ ተኸዊሉ ይሰምዖም ስለዝነበረ ነቲ ካድረ “መልሶ ማቋቋም” ኸይዱ ሓበሬታ ሃበ።

ነዚ ሓበሬታ ዝበፅሖም ካድረታት ደርግ በዚ ዝሰምዕዎን ዘዕብዶምን ተግባር ግዜ ኣይወሰዱን። ካብ ኣንደበት ኪዳኑ ዝወፁ ሓቅታት ከም ዓረር ዝቖፀሩ ወታደራት ደርግ ነዚ እውን ሒዞም ናብ ምርመራ ወሰድዎ። “ልኡኽ ህወሓት እዩ” ካብ ዝብል ጥርጣረ፣ “ነቲ ሓቂ ከውፅእ ይኽእል እዩ” ብዝብል እምነት ኣብ ልዕሊ ኪዳኑ ዘይተጠቐምሉ ዓይነት ምርመራ ዳርጋ ኣይነበረን። ኩሉ መግረፍቲ ኣብ ዝባኑ ዓረፈ። ሕቕኡ ዓፂፎም እግሩን ኢዱን ብገመድ ተኣሲሩ መላእ ኣካላቱ እናገላበጡ ዘበጥዎ፣ ኣካላቱ ንድሕሪት ተወጢሩ ብድሕሪትን ቅድሚትን ተገረፈ። ድሓር ድማ ንቕድሚት ዝተዓፀፈ ኣእዳዉ ናብ ብርኩ ብሓደ ተኣሲሩ ኣብ ጠረጴዛ ተንጠልጢሉ ኸብዲ እግሩ ብጎማ እናተገረፈ ደም ክሳብ ዝተፍእ ተጠፍጠፈ ። በዚ ዘይተሸነፈ ኪዳኑ ኣብ ማይ ዝመልአ በርሚል ብርእሱ ክኣቱ ተገይሩ። በዚ ተደጋጋሚ መግረፍቲ ተሳቕዩ፤ ኩሉ ስቓይ ኣብ ዝባኑ ተፈተነ። ከይፈተወ “እወ ካብ ህወሓት ሰልል ተባሂለ እየ ተልኢኸ ንዝሰለሙ ኣእሚነ ሒዘዮም ክምለስ መደብ ተዋሂቡኒ እየ መፂአ”። ኢሉ ኣሚኑ ምስ ፈረመ ንቤት ውኽኒ ተልኣኸ።

ኣብ ወህኒ ቤት ከም ሃገሩ ኾይኑ ክናበር ጀመረ። እሱራት ባዕሎም ኣብ ዘጣየሽዎ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ድማ ትምህርቲ ቐፀለ። ንፉዕ ተምሃሪ ኮይኑ ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ተመዲቡ ጥልፊ ምስራሕ ለሚዱ ናብርኡ ክደፍእ ጀመረ። ኪዳኑ ስርዓት ደርግ ፅባሕ እንታይ ከም ዝገብሮ ዋላ እኳ እንተዘይፈለጠ ኣብ ህይወቱ ተስፋ ናይ ምቑራፅ ምልክት ኣይረኣየሉን። ኣብተን ዝሓዘን ስዓታት ክነብር ይጠልፍ፣ ይማሃር። በቃ ካሊእ ዝኸፍአ ነገር ብዙሕ ኣይፅበይን። እንተገደደ ነዊሕ ማእሰርቲ እዩ ኢሉ ይሓስብ። ሓሓሊፉ ቁሩብ ስግእ ካብ ምባል ሓሊፉ ብዙሕ ተስፋ ኣይቀበፀን።

ታሕሳስ 1978 ዓ/ም ዕለተ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ዝተፈፀመ ነገር ግን፣ ንዓይን ኹሎም እሱራትን ዘሕዘነ ፍፃመ ነይሩ። ኪዳኑ ናይ መጀመሪያ ፈተና ወሲዱ ፅቡቕ ውፅኢት ረኺቡ ትምህርቱ እናተኸታተለ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ። ኣብቲ ዕለት ህቦቡላ ድምፂ ዝነበሮ ሓያል ንፋስ እናነፈሰ፣ ካብቲ ከባቢ ዘልዕሎ ጎድፍ ንኣዕንቲ እሱር እናደፈነ ነቲ ከባቢ ኣዐርዩ ረቢሽዎ እዩ ውዒሉ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ እውን ከም ቀደሙ ትምህርቲ ይህብ ስለ ዝነበረ ንተምሃራይ ሰላም ኣይፈጠረሉን። ኣብቲ ከባቢ እንትርፊ ካብቲ ዝግባእ ዓው ኢሎም ናይ ዝዛረቡ መምህራን ድምፂ ካሊእ ኣይስማዕን። ፀጥ ዝበለ እዩ ነይሩ። ኪዳኑ ኣብ ዝነበራ ክፍሊ ሳልሳይ “ሀ” ድማ ዓይነት ትምህርቲ ሒሳብ ይምሃሩ ነይሮም።

ዝተውሃቦም ሓሙሽተ ዕዮታት ክፍሊ ክውድኡ ሓንቲ ሕቶ ክትተርፎም ከላ እዩ “ኪዳኑ ተካ” ተባሂሉ ዝተፀውዐ። ብዘይካ ተምሃሮ ኩሉ ኣብ ደገ ዝነበረ እሱር ናብ ውሽጢ  እዩ ኣትዩ። ሓደ ሕማቕ ነገር ከምዘሎ ተገንዘብኩ። ሰለስተ ወታደራት ነቲ ናይ ክፍሊ ማዕፆ ደፊኦም ኣተዉ። “መምህር! ኪዳኑ ተካ ዝበሃል ኣሎ ዶ?”  እንትብሉኒ ኣነ ድማ ኣከታቲለ  “እንድዒ” በልኩዎም። ዘረባና ከይወዳእና ኪዳኑ ባዕሉ ካብ ክፍሉ መሰስ ኢሉ ወፀ። “ኪዳኑ ንስኻ ዲኻ? “መስሪያ ቤት ትድለ ኣለኻ” ኢሎም ኣማእኺሎም ወሰድዎ። እቲ ኩነታት ዘደናገፆምን እንታይ ከም ዝኸውን ዝገመቱን ኩሎም መምህራንን ገለ ተምሃሮን ካብ ክፍሊ ወፂኦም ኣብ ኣፍደገ ጠጠው ኢሎም ብናይ ሓዘን ድባብ እናተኸታተሉ ብዓይኖም ሰነይዎ። ኣብቲ እዋን ገፅ እሱራት ክስመት ምምሳልን ርእሲ ምድናንን ሕማቕ ኩነት ከም ዘሎ ኩሉ ዝረዳደአሉ ቋንቋ እዩ። እንታይ ከም ዝፍፀም ኩሉ በዚ ምልክት ተረዳዲኡ ስቕታ መረፀ።

እቲ ኣፀዋውዕኦም ኣብ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ፣ ኣዴኻ ወይ ኣቦኻ፣ ዘመድካ ወዘተ… ፀዊዖምኻ ወይ ረቢሽካ ተባሂሉ ተምሃሪ ኣብ ክፍሉ ከምዝወፅእ ተራ ነገር ገይሮም እዮም፤ ንኪዳኑ ካብ ክፍሊ ኣውፂኦምዎ። ግና ኪዳኑ ናብ ዘመድ፣ ናብ ሰሓቕ ናብ ታሕጓስ ኣይነበረን ዝተፀወዐ፣ ናብ ሞት ፋሽሽታዊ ቅትለት እምበር። ሽዑ ንሽዑ እውን ናብ ከባቢ መቐለ ዝርከብ ዒላላ ወሲዶም ብዓሰርተ ጥይት ደብደብዎ።  ኣጋጣሚ ኮይኑ ኪዳኑ በተን ጠያይቲ ኣይሞተን። ንሞት እውን ሕማቕ መልክዕ ዝመርፅሉ ዕሱባት ደርግ ካብኡ ንላዕሊ ጥይት ክውድኡ ኣይደለዩን። በባዴላን መዂዓትን ጨፍጪፎም ቀተልዎ። ነብሲ ተጋዳላይ ኪዳኑ ምልክት ሓቀኛ ምስክርነት ኮይና ሓለፈት። መስዋእቲ ኪዳኑ ዝሰምዑ እሱራት ሞት ዋላ እኳ ሓዱሽ እንተዘይኮኖም ክሳብ መዓዝ ዝብል ግን ሕራነ ፈጠረሎም።

ኣብ ዴሞክራሲ ዝዓበየ ተጋዳላይ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዴሞክራሲ ዘሎ እዩ ዝመስሎ። ከምዘየለ እንተፈለጠ እውን ክሳዕ ዝለምዶ ንምልማዱ መፀገሚ እዩ። ኪዳኑ ኣብ ውድቡ ዝለመዶ ዴሞክራሲ ኣብ ኩሉ ዘሎ ስለዝመሰሎ እዩ ግዳይ እቲ መርሸንቲ ኮይኑ። ኣብ ውድብ ክንዲ ድላዩ ተዛሪቡ፣ ተኻቲዑ ኣሚኑን ኣእሚኑን ምኻድ ዝመስሎ መርገፂ ሒዙ ምውፃእ መሰል ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ። እዚ ምስ ነብሱ ዘላመዶ መሰል ኣብ ፀረ ዲሞክራስያዊ ስፍራ ቐልጢፉ ክለምዶ ኣይከኣለን። ዴሞክራሲ ንሓንቲ ሻዕ ተንፊሱ ሞይቱላ። እዚ እዩ ብፆት! ግፍዒ ደርግ። ኣብታ መሪር ጉዕዞና ናብራ ንዝፀልመቶ ሸቃላይ፣ ኣብ ድከት ንዝኣተወ ገባራይ፣ ኣብ ዓዘቕቲ ዘሎ ነባራይ ከተማ ወዘተ…ጥራሕ ኣይኮናን ሓራ ክነውፅእ፤ ንሱ ጥራሕ እውን ኣይኮነን ንዓና ዝፅበየና ዘሎ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝማስን ዘሎ ከም ኦፕሬሽን ኣግኣዚ ዓይነት ዝምነ እሱር ንዓና እዩ ዝፅበ ዘሎ። ዝገርመኩም!  ካባና ሰሊሙ ኣብ ደርግ ዘሎ ተጋዳላይ ነበር ከይተረፈ እዩ ንዓና ዝፅበ ዘሎ። ብርግፅ ድማ እዚ ወያነ እዩ ሓራ ዘውፅኦ። ግፍዒ ደርጊ ኣብ ታሪክ ፍሉይ እዩ። እዚ ብጅግንነት ጋህዲ ገይርና ፅባሕ ወርቃዊ ታሪኽ ኮይኑ ከም ዝስነድ እምነተይ እዩ።

ነዚ ግፍዒ እዚ ክንድምስስ ንብዓት ህዝቢ ክንፀርግ ታሪክ ሓላፍነት ሂቡና ኣሎ። ግና ድማ ለይትን ቀትርን ምስራሕ የድሊ። ፀንቂቕካ ምውፋይ ይሓትት። በላዒ ነብሲ እንተዘይቐቲልካዮ ሰብ ምብልዑ ኣየቋርፅን። ምኽንያቱ ናብርኡ ኣብ ሰብ ምብላዕ ዝተመስረተ እዩ። ኣራጢጥካ ድማ ክትቀትሎ ኣይትኽእልን። ንዓኻ እውን ክበልዐካ እዩ፤ ንኻሊእ እውን ምብልዑ ክቕፅል እዩ። ስለዙይ ሓይልካ ፀንቂቕኻ ለይትን ቀትርን ሰሪሕካ ጥራሕ ኢኻ ክትቐትሎ ትኽእል። መድረኻዊ ዕማማትና ንምፍፃም እንተሰዲርና ጥራሕ እዩ ድማ ዕድመ ደርጊ ዝሓፅር።

ኣብ መወዳእታ እዚ ፅሑፍ ከም ዝተገለፀ ኣረሜነነት እቲ ስርዓት መቓብር ንኽወርድ ብዝተፈጠረ ህዝባዊ ሕራነ ደርግ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ካብ ስሩ ክመሓው ክኢሉ። እንሆ ድማ ብሳላ ጅግንነታዊ ቃልሲ ነቲ ዝነበረ ፀላም ዝመስል እዋን ብብርሃን ተተኪኡ ጉዕዞ 25 ዓመታት ኣብ ጎደና ሰላምን ልምዓትን ክንስጉም ፀኒሕና ሕዚ እውን ንስጉም ኣለና። እዚ ቐፃልነት ንክህልዎ ድማ እዚ ወለዶ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ። 


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010