እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5193282
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
735
3331
20645
5145598
97340
128136
5193282

Your IP: 54.158.219.248
2018-05-25 05:15

ሰረቕቲ ድምፂ፣ ሰረቕቲ ሃገር!

here we go
selam new

ብዳኒኤል

ኣብ ከባቢ መፋርቕ 2011 ዓ/ም/ፈ ጎድናታት ሃገራት ሶርያን ሊብያን ብሰልፍን ዓመፅን ህዝቢ እተን ሃገራት ዓብለቕለቕ ኢለን። ህዝቢ ሶርያ ኣብ ስርዓት መንግስቲ ሃገሩ ሕቶ ሒዙ ናብ ጎደና ወፂኡ። ሕቶ ህዝቢ ሶርያ ብመሰረቱ ኣብ ጉዳይ ዴሞክራሲ ዝጥመር ኮይኑ “እሱራት ይፈትሑ” ዝብልን ካልኦት ምስዚ ዝድመሩ ዛዕባታትን ሒዙ እዩ ናብ ጎደና ዝወፀ። ህዝቢ ሊብያ እውን ኣብ ልዕሊ ኣብቲ እዋን መራሒኦም ዝነበሩ ፕረዚዳንት መሓመድ ቃዛፊ ተቓውሞ እንተሰምዑ ዓለም ዝተመልክተቶ ሕቶ ናይ ኢኮኖሚ ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ዴሞክራሲን እዩ ነይሩ።

መንግስቲ ሶርያ ነቲ ተቓውሞ ህዝቢ ምስረአየ ውስን ምድንጓያት እንተርአየ እውን ነቲ ኣብቲ እዋን ተኣውጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ ብምልዓል ነቶም ይፈትሑ ዝተብሃሉ እሱራት ፈቲሕዎም። መንግስቲ ሊብያ እውን ነቶም ህዝቢ ዝሓተቶም ሕቶታት ተቐቢሉ ናብ ለውጢ ንምእታው ተበግሶታት ከምዝወስድ ንህዝቡ ቃል ኣትዩ። ይኹን እምበር ድሕሪ ሓደ ሰሙን እቲ ኣብ ሶርያ ዝተርአየ ተቓውሞ ናብ ዓመፅ ተቐይሩ፤ ኣብ ሊብያ እውን ተመሳሳሊ ነገር ተኸሲቱ። ምኽንያቱ ድማ ሃገራት ኣብ ውሽጠን ፀገማት እንተጋጥምወን ካልእ ናይ ባዕሎም  ድሌት ንዘለዎም ናይ ደገን ውሽጥን ሓይልታት ስለዝሳጠሓ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ህዝቢ ፖለቲካውን ኢኮኖምያውን ሕቶ መልክዑ ቀይሮም ናብ ናይ ባዕሎም ረብሓ ዘውዕሉ ሓይልታት ኣለዉ። ኣብ ሶርያን ሊብያን ከምዚ ዓይነት ኩነት ሰለዘጋጠመ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ብሓደ ግዜ  ዓመፅን ህውከትን ነጊሱ፡፡

ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ሕቶ ልምዓት፣ ሕቶ ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ዴሞክራስን ኣለዎ። ስለዚ ድማ ኣብዞም ጉዳያት ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ንመግስቲ ይሓትት ኣሎ። ነዛ ሃገር ብመንግስትነት ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ኢህወዴግ ድማ ነቲ ሕቶ ህዝቢ ብምቕባል “ብመሰረቱ እቶም ፀገማት ጠንኪረ ብዘይምስርሐይ ዝተፈጠሩ እዮም፤ ናይቶም ፀገማት ተሓታቲ ድማ ኣነ ባዕለይ እየ፤ ለውጢ እውን ከምፅእ እየ” ብምባል ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ካብ ምእታው ብተወሳኺ ነቶም ብሰንኪ ድኽመቱ ኣብ ህዝቢ ዝበፅሑ በደላት እውን ብኢፋ ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቱ እዩ። እዚ እንትኸውን እዞም ጉዳያት ውሽጣዊ ፀገማት እዚ ሃገር ምዃኖም ምስትውዓል ይሓትት። ኮይኑ እውን ግን ከምቲ ኣብ ሶርያን ሊብያን ዝኾነ ካልኦት ሓይልታት ድምፂ ህዝቢ ሰሪቆም ናብ ናይ ባዕሎም ረብሓ ንምውዓል ኢድ ኣታውነቶም ብተግባር ንርእን ንዕዘብን ኣለና። ኣብ ሃገርና ብሽርሒ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዕልዋ መንግስቲ እንትህቀን ንርኢ ኣለና። መንግስቲ ሃገርና ውሽጣዊ ፀገማቱ ንምርኣይ ኣብ ዝጓየየሉ ኣብ ሃገርና ዓመፅን ህውከትን ብተደጋጋሚ ይፅዋዕ ኣሎ። እዚ ሽርሒ ብዙሓት ሃገራት ኣጥፊኡ እዩ። ካብ ሶርያን ሊብያን ብተወሳኺ የመን፣ ዩክሬን፣ ቡልጋርያን ቤላሩስን ኣብቶም ዝሓለፍናዮም ሒድተይ ዓመታት ብኢደ ኣእታውነት ናይ ደገ ሓይልታት ሃገሮምን ሰላሞምን ዝሰኣኑ ሃገራት እዮም፡፡

ነዚ ሽርሒ ዘፍፅሙ ኣካላት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓይኖም እንተዕርፉ ፈለማ ነቶም ሕቶታት ህዝቢ ካልእ መልክዕ ቅድሚ ምትሓዞም ዝተፈላለዩ ሕቶ ህዝቢ ዝመስሉ ኣጀንዳታት ብምቕራፅ ህዝቢ ሚዛኑ ስሒቱ ስምዒታዊ ዝኾነሉ፣ ቀስ እናበለ ሰብኣውነቱ ብምስሓት ናብ ምግባረ ኣራዊት ዝልወጠሉ ተግባር እዮም ዝፍፅሙ። እዚ እንትገብር ህዝቢ ብስምዒት ተዳፋፊኡ ንዝፍፅሞም ተግባራት ምስ ዝቆፃፀሩ ኣካላት ፀጥታ ፊት ንፊት ዝጋጨውሉ ኩነታት ይፍጠር። በዚ መንገዲ ዝጠፍእ ህይወት ህዝቢ እንትህሉ ነቲ ሽርሒ ዝመርሑ ኣካላት ድማ ህይወት ደቂ ሰባት ይረግፍ ከምዘሎ ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት “ሚድያ” እናቀናባበሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈፀመ ይፅብፅቡ። ኮነ ኢሎም ምስሊ ሃገር ንምድያን በቲ ዕግርግር ዝቃፀል ንብረት እንተረኺቦም ሃገር ከምዝተቓፀለት ኣምሲሎም ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተዛበዐ ሓበሬታ ይብትኑ።ከምዚ ኣቢሎም ኣብቲ ህውከት ዝሳተፉ ኣካላት ንምብርኻት ወይ ድማ መልክዕ ናይቲ ህውከት ንምቕያር ብዘሎን ዘየሎን ዓቕሞም ይፅዕሩ።

ከምዚ ዓይነት ዓመፅ ኣብ ከምቲ ቅድም ክብል ዝገለፅክዎ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝተተግበረ ኮይኑ “ናይ ቀለም ኣብዮት” ወይ እውን Color Revolution እናተብሃለ ዝፅዋዕ ዓይነት ዕልዋ መንግስቲ እዩ። ነዚ ዓይነት ዓመፅ ብዕሊ ዝመርሕ ኣካል ኣይፍለጥን። ናብቲ ዓመፅ ዝወፁ ኣካላት እውን ናብቲ ዓመፅ መን ከምዝፀውዖምን እንታይ ይደልዩ ከምዘለውን ብዕሊ ኣይፈልጡን። ብማሕበራዊ ሚድያ ግን ፃውዒት ዓመፃት ይመሓላለፉ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ዝኽሰት ዘሎ ነገር ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ላዕለዎት መራሕቲ ኢህወዴግ ኣፍልጦ ሂበምዎ ኣለዉ። እዚ ዓመፅ ብዕሊ መንግስትን ሃገርን ንምፍራስ ዝግበር ዘሎን ናይ ባዕሎም ድሌት ብዘፈፅሙ ሓይልታት ኢድ ኣታውነት ዝምራሕን ብዛዕባ ምዃኑ ዘጠራጥር ነገር የብሉን። ብምኽንያት እዚ ህይወት ሰብ ይጠፍእ ኣሎ፤ ንብረት ይበርስ ኣሎ። ህልውና ሃገር ናብ ሓደጋ የምርሕ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ልቢ ኢልና ክንምልከቶ ዝግበአና ሓደ ዓብዪ ዛዕባ ኣሎ። ህዝቢ ሶርያን ህዘቢ ሊብያን ናብ መንግስቲ ሃገሮም ሕቶ እንተቕርቡ ሃገር ናይ ምፍራስ ሕቶ ኣይነበሮምን። እቲ ሕቶ ህዝቢ ብኻልኦት ሓይልታት ምስተሰረቐ ግን መልክዑ ስሒቱ ውፅኢቱ ሃገር ምፍራስ ኮይኑ። ኣብ 2011 ዓ/ም/ፈ ኣብ ሶርያን ሊብያን ነቲ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ዝመርሑ ኣካላት ሕዚ ኮይኖም እንትሓስቡ ሃገሮም ከምዝተሰረቑ እንትዛረቡ ንሰምዕ ኣለና፡፡

ኣብ ሃገርና ህዝቢ ንመንግስቲ ዝሓቶ ሕቶ ኣለዎ። መንግስቲ እውን ነቲ ሕቶ ተቐቢሉ እዩ። ኣብዚ ማእኸል ነቲ ሕቶ ህዝቢ ጨውዮም ናብ ናይ ባዕሎም ረብሓ ንምውዓል ኢዶም ዘእትዉ ኣካላት ግን ንርኢ ኣለና። ሶርያ በዚ መልክዕ ብዝተጀመረ ህውከት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝባ እንትትቀብር ልዕሊ 12 ሚልዮን ድማ ተፈናቒሎም እዮም። ሊብያ ናብ ምድራዊ ሲኦል ተቐይራ ህዝቢ ከም እንስሳ ብኻራ ናብ ዝተሓራረደላ መሬት ተቐይራ ኣላ። ምኽንያቱ ካብ ፈለማ ናይቶም ድምፂ ህዝቢ ዝሰረቑ ኣካላት ሕልሚ እዚ እዩ ነይሩ። ብድምር ሶርያውያንን ሊብያውያንን እቲ ንመንግስቶም ዘቕረብዎ ሕቶ ብካልኦት ሓይልታት ስለዝተሰረቑ ሕዚ ሃገር ኮነ መንበሪ የብሎምን። ንሕና ኸሞ ነዚ እናረአና ዲና ክንስረቕ?

 ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ብዘሎ ሰላምን ፀጥታን፣ በብእዋኑ ብዝህነፅ ዘሎ ስርዓት ዲሞክራስን ቁጠባዊ ዕብየትን ዓይኖም ደም ዝመልኡ ኣካላት ብዙሓት እዮም። ካብቶም ተረፍመረፍ ሓይልታት ትምክሕቲ  ኢህኣፓ ጀሚሩ ክሳብ እቶም እናጨርሑ ብኵናት ዝተሰዓሩ ኣባላት ኢሰፓ፣ ሻዕብያ፣ ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተቐመጡ ኦነግ፣ ጉንበት ሸውዓተ፣ ኣልሸባብን ካልኦት ብሽም ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታትን ብደገ ኮይኖም ዘጠናኽሩዎም ካብ ኣፍሪካ ክሳብ ኣውሮፓ ዝተዘርግሑ ፀረ ፅቡቕና ዝኾኑ ሃገራትን መንግስትታትን ቁፅሮም ውሕድ ኣይኮነን፡፡

እዞም ሓይልታት ቁጠባዊ ዕብየት ሃገርና ኣይደልዩን። ፖለቲካዊ ሓድነት ህዝብታት ሃገርና ክተሓላለኽ፣ ህዝብና ነንባዕሉ ክባላዕን ህውከት ክፈጥርን እዮም ዝምነዮን ብዝኸኣልዎ ዝረባረቡን። ኣብ ሃገርና ሰላም፣ ዴሞክራሲ፣ ልምዓት እንተነጊሱ እቶም ልዕል ክንብል ዝገለፅናዮም ሓይልታት ዝሓልምዎ ጥቕሚ ኣይረኸቡን። እቶም ናይ ውሽጢ ፀላእቲ ዝብሃሉ ኣብዚ ሃገር ተመሊሶም ክትስእሉ ዝኽእሉ ወላ ሓንቲ ኣማራፂ ኣይክህሉን። እዞም ሓይልታት ብኲናት ይኹን ብሰላማዊ መረፃ ብተደጋጋሚ ተሳዒሮም እዮም። ቀስ እናበሉ ናብቲ ዘለኣለማዊ መቓብሮም ብምእታው ይቕህሙ ከምዘለዉ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ዘይስሕትዎ ሓቂ እናኾኖም ይመፅእ ኣሎ። ስለዚ ነታ መፃኢ ጉዕዞኣ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ብምቕማጥ ንቕድሚት እትግስግስ ዘላ ሃገር ሕልማ ጋህዲ ምእንታን ከይኸውን ኣብ ኩሉ ቦታ እምኒ ይፍንቅሉ ኣለዉ። ወይ ድማ ክንፍቀል ይገብሩ ኣለው። ናይዚኦም ሕልሚ በቲ ሓደ ወገን ዓገርገር ፃዕሪ ሞት እንትኸውን፤ በቲ ካልእ ወገን ድማ “እንተዘይበላዕኹዎስ ኣይብትኖን ዶ” ዝብል ፍልስፍና ደርሆ ከምዝተኸተሉ ዝሰሓት ኣይኮነን፡፡

እቲ ዝገርም ነገር እቶም ፀረ ሰላምን ሃገራዊ ህልውናን ዝኾኑ ሓይልታት ብምልኦም ኣብ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን  ድማ ድቃስ የብሎምን። ነቶም ሓይልታት ዳግም ኣብዚ ሃገር ህይወት ንኸይዘርኡ ገይሩ ኣብ ጉድጓድ ዘእተዎም ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ኣፀቢቖም ይፈልጡ እዮም። ነቲ ትምክሕታውን ዘርኣውን ኣተሓሳስበኦም ነቒሉ ብምድብራይ ፀረ ህዝብን ሃገርን ምዃኖም ኣብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ኣተሓሳስባ ኣብ ኩርምቶም ሒዞም ይቑስቁስዎ እዮም ዘለዉ። ህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህወሓትን መሰረትን ዋርድያን ናይቲ ኣብዛ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ምዃኑ መዓዝ ጠፊእዎም?! እዚ ጅግና ህዝቢ መሰረት እታ  ኣብ ማዕርነትን ምክእኣልን ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝተመስረተት ሓዳሽ ፌደራላዊት ሃገር ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣፀቢቖም ይርድእዎ እዮም።

ስለዚ እዞም ፀረ ሰላም ሓይልታት እቲ ትምክሕታዊ ኣተሓሳስበኦም ዳግም ክምለስ እንተኾይኑ ኣብ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ዘነፃፀረ ዓይኒ ዕሙተይ ወፍሪ ከካይዱ፣ ወያነ ዘይብላ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ሃቂኖም ዓገርገር እንተበሉ  መዓዝ ሓዱሽን ዘይንፅበዮን ተግባር ኮይኑ?

እዞም ሓይልታት ብመሰረቱ ካብ ናይ ምልእኣኽ ብፅሒት ምውሳድ ሓሊፎም ካልእ ዝረብሕ ተግባር ክፍፅሙ ዝኽእሉ ኣካላት ኣይኮኑን። ነዞም ኣካላት ብዝግባእ ብስልጠና፣ ብገንዘብን ንዋትን ዝሕግዙ ሓይልታትን መንግስትታትን ከምዘለውዎም ግን ዘይክሓድ እዩ። ባህሪ ናይቶም ሓይልታት ዝፈላለ እንተኾነ እውን ብዝኽተልዎ ተልእኾ ኣንፃር ግን ባህጎምን ድሌቶምን ዝመሳሰል እዩ። ከምኒ ኒዮ ሊበራ ዝበሉ ሓይልታት ወይ ምዕራባውያን ጠንካራን ብናይ ባዕላ ፖሊስን ስትራተጅን እትምራሕ ኢትዮጵያ ክትህሉ ካብ ዘይምድላይ ዝብገሱ እዮም። እዚኦም ድኹምን ባዕልቶም ዝውንንዎ መንግስቲ ናይ ምምስራት ባህጊ ስለዘለዎም እቲ ዝሓሰብዎ ከይኸውን ዕንቅፋት ይኾነና ኣሎ ኢሎም ዝሓስብዎ ወያነ ብምጥፋእ ነዚ ሕዚ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ኢህወዴግ ምስ ካልኦት ሓይልታት ስልጣን ከማቕልዎ ህርዲግ እንትብሉ ንርኢ ኣለና። ከምኒ ግብፅን ኤርትራን ዝበሉ መንግስታት እውን ናይ ገዛ ሃገሮምን ህዝቦምን ረብሓ ምእንታን ከረጋግፁ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ናይ ምብታን ባህጊ ተሓንጊጦም ዝረባረቡ ሓይልታት ምዃኖም ንማንም ዘይስወር ቅሉዕ ሓቂ እዩ፡፡

እዚ እንትኸውን ሓይልታት ኦነግን ትምክሕትን ነቲ ናይ ደገ ልእኽቶ ተቐቢሎም ናብ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዝቕርቡ ዘለዉ ተለኣኣኽቲ እዮም። እዚኦም ከምቲ ልዕል ክብል ዝገለፅክዎ ኣብቲ እንተዘይበላዕኽዎ ዘይብትኖ ዝብል ናይ ደርሆ ፍልስፍና ዝተፀመዱ ስለዝኾኑ ከምቲ ፈሊጡያ ዝደቀሰስ እነተነቕነቕካዮን ኣይሰምዕ ዝብሃል ዝተገበረ እንተዝግብር ሃገር ናይ ምውሓስ ኮነ ናይ ምድሓን ዕላማ የብሎምን። እዚ ሓቂ መሲልዎ እናተደናገረ ምስኦም ተሓዊሱ ናብ ጎደና ዝወፅእ መንእሰይ ግን ኣሎ። ዝተፈላለየ ሕቶ ዘለዎ ህዝቢ ኣሎ። ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ነቶም ሕቶ ዘለዎም ኣካላት ካብቶም ፀላእቲ ምፍላይ የድሊ። መንግስቲ ነቲ ሕቶ ህዝቢ ብምጭዋይ ሃገሩ ክሰርቅዎ ዝንቀሳቐሱ ናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት ከምዘለዉ ምስ ህዝቢ ግልፂ ምርድዳእ ይግበር። በዚ ኣቢሉ ነቲ ኣብ መንጎ ገርህታትን ጎራሓትን ተፈጢሩ ዘሎ ገመድ ይበጥሶ። እዚ ግን ግዝያዊ እምበር ዘላቒ መፍትሒ ከምፅእ ኣይኽእልን። እግረ መንግዲ እዚ መንግሰቲ ነቶም ህዝቢ ዝሓቶም ዘለዉ ሕቶታት ተግባራዊ መፍትሒ ምቕማጥ ይጀምር።

 መንግስቲ እዚ እንትገብር ህዝቢ ድማ ነታ ብደምን ኣዕፅምትን ኣሕዋትና ኣሓትናን ዝተፈጠረት ሃገር ንምፍራስ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ሓይልታት ፀረ ሃገር ብስቕታ ክምልከቶም የብሉን። ብፍላይ መንግስቲ ድማ ካብ ህዝቢ ዝተውሃቦ ሓደራ ስለዘለዎ ምእንተ ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ፣ ምእንተ ሰላምን ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ተጀሚሩ ዘሎ ብሩህ ጉዕዞ ህዳሰና ንምቕፃል ክብል ኣብዞም ሓይልታት እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዘየዳግም ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ዝግባእ። 


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010