የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595481
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1842
2526
6968
4567652
33446
77308
4595481

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:54

ፆታዊ በደላትን ድንጋገታት ሕጊ ሃገርናን

here we go
selam new

 

 

ሳልሳይ ክፋል

መድሃኒትን ሶፋኒትን ዝተበሃላ ፀሓፍቲ “ብበዓል ሓዳር ዝፍፀም ኣገዲድካ ምድፋር በደል ምዃኑ ግንዛበ ዘይተወሰደሉ ግን ድማ ፈፃሚ እቲ በደል ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ዝፍፅሞ ዘሎ በደል እዩ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ እዩ” ክብላ ይገልፀኦ። ብበዓል ሓዳርካ ዝፍፀም ገበን ኣገዲድካ ምድፋር ሓደ ካብቶም ባህሊ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለምና ንደቂ ኣንስትዮ ትሕት ኣቢሎም ዘቐምጡን ልዕልነት ወዲ ተባዕታይ ዘረጋግፁን እዩ።  በዓልቲ እንዳኻ (ናይ ሓዳር መፃምድኻ) ምውቃዕ፣ ምፅራፍን ምንሻውን ሓዊሱ ካልኦት ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝፍፀሙ ፀቕጥታትን በደላትን ከም ትኽክል ኣብ ዘይኣምን ሕብረተሰብ ውሽጢ በዓልቲ እንዳኻ  ብዘይድሌታ ኣገዲድካ ግብረ ስጋ ምፍፃም ከም ነውሪ ምሕሳብ ዘይከኣል እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከይተረፈ ብበዓል ሓዳርካ ዝፍፀም ኣገዲድካ ምድፋር ከም ሓደ በደል ተገይሩ ብንፁር ዘይተኣመነሉ ኩነታት ይረአ እዩ።

ገለገለ ሰባት “ሰበይትኻ ንዓኻ ዝተውሃበት ተፈጥራዊ ውህብቶኻ እያ። ስለዚ ደለየት ኣይደለየት ምስኣ ፆታዊ ርክብ ምፍፃም መሰልን ስልጣን ደቂ ተባዕትዮ እምበር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ክኸውን ኣይኽእልን” ብምባል ይከራኸሩ። ገሊኦም ድማ “ንሰበይትኻ ኣገዲድካ ፆታዊ ርክብ ምፍፃም ዘይምረፅ እኳ እንተኾነ ወዲ ተባዕታይ በደል ከም ዝፈፀመ ገይርካ ግን ዝረአ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳር ክገብሩ እንተለዉ ፆታዊ ርክብ ክፍፅሙ እቲ ሓደ ግቡኦም እንትኸውን ሰብኣይ እንትደሊ ሰበይቲ ፍቓደኛ ክትከውን ግዴታ ኣለዋ እዩ። ግቡኣ እንተዘይ ፈፂማ ድማ ሰብኣያ ብዘለዎ ዓቕሚ መሰሉ ከኽብር ምኽኣሉ ከም በደል ክቑፀር የብሉን” ይብሉ። ይኹን እምበር እዚ ተግባር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾነ ዝተፈላለዩ ፀሓፍቲ ዘረጋገፅዎ ሓቂ ኣሎ።

ንኣብነት “ጅዋን በልክናፕ” ዝተብሃላ ፀሓፊት “ዘ ኢን ቪዝቭል ዉሜን” ኣብ ዝብል መፅሓፈን “ብዙሓት ሰባት ብበዓል ሓዳርካ ዝፍፀም ገበን ኣገዲድካ ምድፋር ቐሊልን ብዘይትፈልጦ ሰብ ካብ ዝፍፀም ገበን ዝነኣሰን እዩ ክብሉ ይሰምዕ እየ። ንዓይ ግን ብበዓል ሓዳርካ ዝፍፀም ኣገዲድካ ምድፋር እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ገበን እዩ። ምኽንያቱ ዝኣመንካዮን ኣካል ህይወትካ ዝኾነ ሰብ ዘይትፅበዮ ጉድኣትን በደልን ከብፀሐልካ ምርኣይ ዝኸፍአ እዩ። ዘይትፈልጦ ዘይፈልጠካ፣ ዘይትፈትዎ ዘይፈትወካ ሰብ ከምዚ ዓይነት ገበን እንተፈፀመልካ ግን እንታይ ይገርም” ዝብል ሓሳብ የቐምጣ። ካብዚ ብተወሳኺ “ጅዋን በልክናፕ” እንትገልፃ ደቂ ተባዕትዮ ንሰብ ሓዳሮም ካብ ድሌተን ወፃኢ ብሓይሊ ፆታዊ ርክብ ንምፍፃም ካብ ዝለዓዓልሉ ምኽንያታት እቲ ሓደ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ባህላውን ሃይማኖታውን መበገስታት ተላዒሎም ኣብ ውሽጢ ስድራ“ እቲ ዝለዓለ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎ ወዲ ተባዕታይ እዩ” ዝብል ሒዞምዎ ካብ ዝመፅኡ ኣተሓሳስባ ዝብገስ ምዃኑ ይገልፃ። “ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣብ እዋን ፆታዊ ርክብ እውን ንምፍፃም ይኹን ንዘይምፍፃም ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎ እቲ ወዲ ተባዕታይ እዩ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ እዩ” ይብላ ጅዋን በልክናፕ። እቲ ካልኣይ ድማ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ልዕሊ እታ ጓል ኣንስተይቲ ዘለዎ ልዕልነት ጉልበት፣ ሓይሊ ንምርኣይን ንምርግጋፅን ካብ ዝጥቀመሉ መሳርሒ ሓደ ንሱ ስለዝኾነ እዩ ክብላ ይገልፀኦ። ብተመሳሳሊ “ ካብ ዘይትፈልጦ ሰብ ዝፍፀም ኣገዲድካ ምድፋር ፍርሕን ድንጋፀን ሓዊሱ ካልእ ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት ዘብፅሕ እኳ እንተኾነ ንሓደ እዋን ዘጋጥም  ፍፃመ እዩ። ብበዓል ሓዳር ዝፍፀም በደል ኣገዲድካ ምድፋር ግን ተደጋጋሚ ስለዝኾነ ዝኸፍአ እዩ” ብምባል ዝገልፅዎ ብዙሓት ፀሓፍቲ ድማ ኣለው።

ፖለቲካውን ቁጠባውን ዕብየት ኣረጋጊፀን ኣብ ዝበሃላ ምዕራባውያን ሃገራት ብዝሓሸ ብርኪ ካብ ድሌት ሰበይትኻ ወፃኢ ብበዓል ሓዳር ዝፍፀም ፆታዊ ርክብ ኣገዲድካ ምድፋር ከም ዝኾነ ኣነፂረን ዝሰርሓሉ ዘለዋ ጉዳይ እዩ። ብኣንፃሩ ድማ እዚ ጉዳይ ኣብ ብርኪ ምምዕባል  ንዝርከባ ሃገራት ገና መዘራረብን መካትዕን ሓሳብ ኮይኑ ዝፀንሐን ዘሎን እዩ። ስለዝኾነ ኣብዚ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና እዋን ብርክት ዝበሉ ንመሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቑ ውልቀ ሰባትን ትካላትን እናተፈጠሩ ንፆታዊ ማዕርነት እንትቃለሱ ይረአዩ ኣለዉ። ኣብዚ መዳይ ብርክት ዝበሉ ፅሑፋት ንንባብ ብምብቃዕ  ብደረጃ ኣተሓሳስባ ካብ ተፈጥሮኣዊ ሓቂ ማዕርነት ደቂ ሰባት ብምብጋስ ኩሎም ደቂ ሰባት ማዕረ ከም ዝኾኑን ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ብዘይድሌት ብዝኾነ መልክዑ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ኣገዲዱ ፆታዊ ርክብ ክፍፅም ወይ ከፈፅም ክገብር የብሉን ኣብ ዝብል መደምደምታ ተበፂሑ ኣሎ ።

እቲ ካልእ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ በደል ትሕቲ ዕድመ መርዓ እዩ። ትሕቲ ዕድመ መርዓ እንትበሃል ብመሰረት ሕጊ ንሓዳር ካብ ዝተፈቐደ ዕድመ ንታሕቲ ዝግበር ሓዳር እንትኸውን መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም በደል እዩ። 1949 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ኣመልኪቱ ዝፀደቐ ስምምዕነት ኣሎ። እዚ ዝፀደቐ ስምምዕነት ሃገራት ነባራዊ ኩነታተን ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ባዕለን ዝነኣሰ ዕድመ ክንፅራ ከም ዝኽእላ የቐምጥ። በዚ መሰረት ሃገርና እውን ኣብ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ናይ ባዕላ ሕጊ ኣውፂኣ ተግባራዊ እናገበረት ትርከብ።

ትሕቲ ዕድመ መርዓ ብፍቓድ ተበዳሊት ይኹን ኣይኹን ብዘየግድስ ምስ ተገዲድካ ዝፍፀም መርዓ ዝቐረበ ርክብን ምትሕሓዝን ኣለዎ። ምኽንያቱ እታ እትምርዖ ዘላ ትሕቲ ዕድመ ጓል ኣንስተይቲ ፍቓደኛ እንተኾነት እኳ ብፀቕጢ ስድራኣ፣ መሓዙታ ወይ ድማ ተፃራሪ ፆታ ዝርከብ እሺታ እዩ ተባሂሉ ስለ ዝእመን።  ብናይ ባዕላ ነፃ ድሌት ወሲና እንተዝበሃል እውን ኣብ ዘይበሰለን ፅቡቕን ሕማቕን ብግቡእ ፈልያ ኣብ ዘይፈለጠትሉን ዕድመ ስለዘላ ንሳ እትህቦ ውሳነ ኣግባብነትን ሕጋዊ ተቐባልነትን የብሉን።  ስለዝኾነ እውን ምስ ተገዲድካ ዝፍፀም ሓዳር ክቑፀር ዝኽእል እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ መግለፂ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዓንቀፅ 16 ንኡስ ዓንቀፅ /2/ 1948 ዓ/ም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ “ሓዳር ዝፍፀም ብነፃ፣ ሙሉእ ድሌትን ፍቓድን ተመራዓውቲ ወገናት ጥራሕ እዩ” ይብል። እዚ ማለት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ክፍፅምኦ ዝግበር ሓዳር ምስ እዚ ዝተጠቐሰ ሓሳብ ዝፃባእ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ዕድሚአን ንዓቕመ ሄዋን ዘይበፅሓ ደቂ ኣንስትዮ ፈቒደን ወይ ድማ ደልየን ኢየን ክበሃል እኳ እንተተኸኣለ እዘን ህፃናት ዝህብኦ ፍቓድ ወይ እሺታ ብዝኾነ መዐቀኒ ተቐባልነት ክህልዎ ዘይኽእል ጉዳይ ምዃኑ እዩ።

ትሕቲ ዕድመ ዝፍፀም  መርዓ ብርክት ዝበሉ መበገሲታት ክህልውዎ ከም ዝኽእሉ ምርዳእ ዝከኣል እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ዝፍፀሙ ትሕቲ ዕድመ መርዓታት ልዕሊ 75 ምኢታዊ ኣብ ምዕባይ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኤስያን ብቐንዱ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ከም ዝኾነ ኣብዚ መዳይ ፅንዓት ዝገበሩ ፀሓፍቲ ይገልፁ። እዘን ክፍሊ ዓለማት እዚአን ከም ዝፍለጥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁጠባዊ ምዕባለ ዘመዝገባ ዘለዋ እኳ እንተኾና ገና ሐዚ እውን ከም ዓብይ ፀገም ኮይኑ ዝቕፅል ዘሎ ድኽነትን ንነዊሕ እዋን እናተተግበሩ ዝመፁ ጎዳእቲ ባህልታትን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝጥቀሱ መበገሲታት እዮም።

 ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪካን ኤስያን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ብምስዳድ ማዕረ ምስ ደቂ ተባዕትዮ  ክመሃራ ዕድል ዘይረኽባሉ ኹነታት ዝረአየለን እየን። ስለ ዝኾነ ድማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ባዕለን ፍልፍል ኣታዊ ከይሃለወን ናይ ሰብኡተን ተፀበይቲ ዝኾናሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ግድን እዩ ዝኸውን። እዙይ ድማ ኣብዘን ሃገራት እዚአን ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝበለፀ ናይ ባዕሎም ፍልፍል ኣታዊ ስለ ዘለዎም ኣብ ትኽክለኛ ዕድመ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኮይኖም ብዕድመአን ካብኦም ኣዝየን ዝነኣሳ ደቂ ኣንስትዮ ክምርዐዉ ሰፊሕ ዕድል ይፍጠረሎም።

ወለዲ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ደቆም ናይ ባዕለን ዝኾነ ፍልፍል ኣታዊ ስለ ዘይፈጥሩለን፣ ንደቆም ብኣግባቡ ምዕባይን ምሕብሓብን ዝኽእልሉ እኹል ሃፍቲ ስለ ዘይብሎም ደቆም ዓቕሚ ምስ ዘለዎም ሰባት ብሓዳር ተኣሳሲረን ርእሰን ዝኽእላሉ ኩነታት ክፍጠረለን ዝለዓለ ድልየት ይህልዎም። ገሊኦም ወለዲ ድማ ደቆም ትሕቲ ዕድመ እኳ እንተኾና ምስ ዝሓሸ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ብሓዳር ወይ መውስቦ እንተተኣሳሲረን ካብ ባዕለን ሓሊፉ ንስድርአን እውን ካብቲ ሓዳር ዝርከብ ፀጋ ዝቋደስሉ ዕድል ስለ ዝፈጥረሎም ነዚ ዕድል ብዝኾነ ምኽንያት ኣሕሊፎም ክሰድዎ ኣይደልዩን። ስለዝኾነ ድማ ድኽነት ልዕሊ ኩሉ መገደዲ ኩነታት ብምዃን ዕድሚአን ገና ንዓቕመ ሄዋን ዘይበፅሓ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ብዕድመ ዘይቀራረቡዎን ዓበይቲ ሰብኡት ብሓዳር እንትተኣሳሰራ ይረአ። ስለዚ ድኽነት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፈጥሮ በደል ካብዚ ምግንዛብ ይከኣል።

እቲ ካልእ ንትሕቲ ዕድመ መርዓ ምኽንያት ዝኸውን ድሑር ባህሊ እዩ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪካን ኤስያን ምስ ዘሎን ዝፀንሐን ትሑት ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ተተሓሒዙ ባህሊ ህዝብታት እውን ብኡ ልክዕ ብርክት ዝበሉ ድሕረታትን ጎዳእቲ ልምድታትን ዝበዝሕዎ እዩ። በምዃኑ ድማ ካብቶም መግለፂ ድሕረታትን ጎዳእቲ ልምድታትን ሓደ ትሕቲ ዕድመ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንሓዳር ምሃብን ምስአን ሓዳር ምግባርን እዩ። ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ሓዳር ንምምስራት ትኽክለኛ ኢሎም ዝወስዱሉ መመዘኒ እምነት እዩ። ጓል ኣንስተይቲ ዓቕመ ሄዋን እንተበፂሓ ገና ካብ ኢድና ከይወፀትን ቅንዕ ኢላ ወዲ ተባዕታይ ምርኣይ ከይጀመረትን እናሃለወት ዘርኢ ቖፂርና ንዓና ምስ ዝመስል ክነዋስባ ይግባእ ዝብል መበገሲ ድሑር ባህሊ ኣሎ። እዙይ ዝወለዶ ድማ ቁፅረን ዘይንዓቕ ደቂ ኣንስትዮ ዕድመአን ከይኣኸለ ክምርዐዋ ይግደዳ። ስለ ዝኾነ እዚ ተግባር ደቂ ኣንስትዮ ድልየተን መሰረት ገይረን ንኸይውስናን ተፀቒጠን ክነብራን ዓብዪ ዕድል ስለ ዝፈጥር ክሕሰበሉ ይግባእ እናበልና እብ ዝቕፅል ሕታም እንታይነት ፆታዊ ህውከትን ሳዕቤናቱን ዝድህስስ መደብ ሒዝና ክንቀርብ ኢና።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010