እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5193183
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
636
3331
20546
5145598
97241
128136
5193183

Your IP: 54.158.219.248
2018-05-25 04:56

ፆታዊ በደላትን ድንጋገታት ሕጊ ሃገርናን

here we go
selam new

ዳማይ ፋል

ኩለ መዳይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝነበሩ ድሑራት ፆታዊ ኣረኣእያታት ብተግባራዊ ምንቅስቓስን ብቓልስን እናተኣለዩ መፅዮም እዮም።እዚ ድማ

ፍትሕን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ፆታዊ በደልን

ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ተጠቃምነተን ክሰፍሕን ክጉልብትን ኣኽኢልወን እዩ።ብመሰረት እዚ ኣብ ዙርያ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብብርኪ ዓለም ኮነ  ሃገር ዓበይቲ ለውጥታት ተራእዮምን ይርአዩን ኣለዉ።ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ በደላት ብሸለልትነት ክረአዩን ክሕለፉን ስለ ዘይግብኦም ተዃሳሕቲ ፍፃመ ገበናት ምዃኖም ብብርኪ ዓለም ዳርጋ ዝበዝሑ ሃገራት ዝተሰማምዕሉ ጉዳይ እዩ።ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ በደላት ብመጠንን ዓይነትን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለዩ እኳ እንተኾኑ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ግን ብዙሓት መግለፅታት ዘለዉዎ ቁፅሩ ዘይነዓቕ ፀገም ኣሎ።ኣብተን ብቑጠባን ፖለቲካን ብዝለዓለ ብርኪ ማዕቢለን ዝበሃላ ሃገራት እንከይተረፈ እቲ ፀገም ስፍሕ ኢሉ ዝበዝሕ ሰብ ብዘይግምቶ ደረጃ ብርክት ዝበለ ኮይኑ ንረኽቦ።ንኣብነት ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ በቢ ዓመቱ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ብሰብኡተን ከም ዝውቅዓ፣ ልዕሊ 1000 ዝኾና ድማ ከም ዝቕተላን ከምኡ ድማ ብመሰረት ቢሮ ምርመራ ፌደራል እታ ሃገር ኣብ ሓደ ዓመት ልዕሊ 106 ሽሕን 590 ፍፃመ ገበን ኣገዲድካ ምድፋር ከም ዝበፅሐን ፕሮጀክት ምክልኻል ገበን ጥቕዓት ሃገረ ኣሜሪካ  ዘካየዶ መፅናዕቲ የረድእ፡፡

ብተመሳሳሊ ብብርኪ ዓለም  ኣብ ዓመት ካብ 100 ክሳብ 140 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኽንሸባ ካብዚአን እተን ሰለስተ ሚሊዮን ግዳይ ኣብ ኣፍሪካ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾና መፅናዕትታት የረጋግፁ።ካብተን ብብርኪ ኣፍሪካ ዝተጠቐሳ እተን ፍርቂ ዜጋታት ኢትዮጵያን ግብፅን ከም ዝኾና ትካል ጥዕና ዓለም ካብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ምርዳእ ይከኣል፡፡

ፆታዊ በደላት ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ ብምዃኖም ብቐዳምነት ተጠቃዕቲ ንሳተን እየን።ብምዃኑ እውን ነዘን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ  ከይሓዝካ ልምዓትን ምዕባለን ክመፅእ እዩ ኢልካ ኣይሕሰብን።እዚ ከም ኣንፈት ጥራሕ ክረአ ዘለዎ ዘይኮነስ ደቂ ኣንስትዮ ኣዴታት፣ ኣሓትን ኣንስቲ ደቂ ተባዕትዮን ስለዝኾና ኣብ ልዕሊአን ዝፍፀሙ በደላት ኣብ ልዕሊ እቲ ወዲ ተባዕታይ ከም ዝተፈፀሙ ተሓሲቡ እዞም ፀገማት ንምክልኻ እቲ ወዲ ተባዕታይ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ዝቓለስን ዝከላኸልን ክኾን ይግባእ።

እንታይነት ፆታዊ በደላት

ብዛዕባ ፆታዊ በደላት ብርክት ዝበሉ ፅሑፋት ተፃሒፎም እዮም።ንኣብነት ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ መበል 1993 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ በደላት ንምውጋድ ዘውፀኦ መግለፂ   ‹‹ፆታዊ መጥቃዕትታት ማለት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ዝኾነ ዓይነት ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ኮይኑ ኣብ ኣካላዊ ወይ ኣእምራዊ ስቓይ ዝፈጥር ወይ ክፈጥር ዝኽእል ፍፃመ እዩ ።እዙይ ድማ ምፍርራሕ፣ ብሓይሊ ዝፍፀሙ ዝተፈላለዩ ምጥሓስ መሰላትን ካልኦትን ዘጠቓልል እዩ›› ይብል፡፡

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ በደላት ብርክት ዝበሉ እንትኾኑ እቶም ቀንዲ ተባሂሎም ብብርኪ ዓለም ዝተነፀሩን ኣብ ሕግታት ሃገርና እውን ብገበንነት ዝተደንገጉን እንትንርአ እዞም ቐፂሎም ዘለዉ ይርከብዎም ኣገዲድካ ምድፋር፡-

ኣብ ዙርያ ኣገዲድካ ምድፋር ብዝተፈላለዩ ምሁራን ዝተፈላለየ ትርጉምን መግለፅታትን ተዋሂብዎ እዩ።

ንኣብነት “ሩሶል” ዝተብሃለ እንግሊዛዊ ፀሓፊ ብ1984 ዓ.ም ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ዝፀሓፎ ኣገዲድካ ምድፋር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ተግባርን ምፍርራሕን ክፍፅም ዝኽእል ዘይንቡር ተግባር ኮይኑ ኣብ ኣካልን ስነ-ኣእምሮን ደቂ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ዘብፅሕ ተግባር እዩ” ብምባል ይገልፆ፡፡

“አሊሰን ሞሪስ” ዝተብሃለት ፀሓፊት ድማ ገበን ደቂ ኣንስትዮን መቕፅዒ ሕግን (ውሜን ክራይም ኤንድ ክርሚናል ጀስቲስ) ኣብ ዝብል መፅሓፋ ‹‹ኣገዲድካ ምድፋር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ  ከሪእዎ ብዝደለይዎ ሓይልን ልዕልነትን ምኽንያት ዝፍፀም በደል እዩ›› ክትብል ትገልፅ ።ስለዝኾነ አሊሰን ሞሪስ ካብ ዝተጠቐመቶ ሓሳብ ተመስሪትካ እንትግለፅ ኣገዲድካ ምድፋር ካብ ድሌትን ፍቓድን ጓል ኣንስተይቲ ወፃኢ ሓይሊ ተጠቒምካ ዝፍፀም ግብረ-ስጋዊ በደል ኮይኑ እቲ ፈፃሚ ኣካል ዝጥቀሞ ሓይሊ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምራዊ ጉድኣት ከብፅሕ ዝኽእል ከቢድ ገበን ከም ዝኾነ የረድእ፡፡

መበገሲታት ኣገዲድካ ምድፋር

መበገሲታት ኣገዲድካ ምድፋር ከከም ባህልን እምነታትን ሕብረተሰብን ከምኡ እውን ማሕበረ-ቁጠባዊ ብርኪ ሃገራትን ክፈላለ ይኽእል እዩ።ድፍኢት ፆታዊ ድሌት ደቂ ተባዕትዮ መበገሲ ኣገዲድካ ምድፋር ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዳህሳስ ዘካየዱ ፀሓፍቲ የቕምጡ።ኮይኑ ግና እዙይ ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ መበገሲ እምበር ብቐዳምነት ዝመፅእ መበገሲ ከም ዘይኮነ እዩ ። ነዙይ ሓሳቦም ዘቕርብዎ መረዳእታ ድማ ሰብ ሓዳር ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ኣንስቲ እንዳማቶም ኣገዲዶም እንትደፍሩ ምርኣዮም የቐምጡ።ይኹን እምበር ንኣገዲድካ ምድፋር ሓፈሻዊ መበገሲታት እዮም ተባሂሎም ዝእመነሎም ምኽንያታት ኣብ ሞንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ፆታዊ ማዕርነት ዘይምርግጋፅን ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ይረኣዩ እዮም።  ኣብ ዓለምና ሓፈሻዊ ኩነታት እንትንርኢ ድማ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ባህሊ፣ ድኽነትን ኲይናትን ተወሳኽቲ ምኽንያታት እውን ኣገዲድካ ምድፋር ከም ዘለው እዩ ዝግለፅ።

እቲ ፈለማ እንሪኦ ምኽንያት ባህሊ እዩ።‹‹ወዲ ተባዕታይ ሓያል እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝደለዮ ክፍፅም ዝኽእል ስልጣን ዘለዎ ፍጡር እዩ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ደቂ ተባዕትዮ ተገዛእትን ተማእዘዘትን ኾይነን ክነብራ ዝግበአን ፍጡራት እየን ወዘተ…›› ዝብል ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝመሓላለፍ ዘሎ ድሑርን ጎዳእን ባህሊ ንኣገዲድካ ምድፋር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ዘሎ ሓደ ምኽንያት እዩ።ብስሩ እውን ኣገዲድካ ምድፋር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ዘሎ ዝኸፍአ በደል ተገይሩ ብሙሉእነት ዘይተኣመነሉ ኩነታት እዩ ዘሎ ።ጓል ኣንስተይቲ ተገዲዳ እንተተደፈረት ከም ግቡእ ተወሲዱ” ቆንጆ እያ ተገዲዳ ትድፈር፤ መልክዕ ዘይብላ ጓል ቆላሕ ዝብላ የለን ስለዚ እንታይ ዘነውር ኣለዎ” ዝብል ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ቑፅሮም ዝነዓቕ ኣይኮነን፡፡እዚ ኣረኣእያ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣሎ፡፡

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪካ ኣገዲድካ ምድፋር ከም ዓብዪ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተገይሩ  ዘይውሰደሉ ኻልእ ኣብነት ድማ መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ ዝደለይዋ ጓል ኣንስተይቲ ብዘይፍቓዳን ድሌታን ኣገዲዶም ምስ ደፈሩዋ ቤተ-ሰብ እታ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ኣካላት ፍትሒ ኣብ ክንዲ  ምምልካት  ብሽምግልና  ክሽልማን ሓዳር ክገብረላን ክልምኑ ስለ ዝግበር እዩ።እዚ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ድማ እቲ ዋኒን ብሕጊ ከይረአን ፈፀምቲ ገበን ልዕሊ ሕጊ ክኾኑ ተበደልቲ ውልቀ ሰባት ድማ ሰብኣዊ መሰለን ተጣሒሱ ዝተርፈሉ ኩነታት ስፍሕ ዝበለ ኮይኑ ዝረአ ዘሎ እዩ ።ስለዚ ከም ባህሊ ወዲ ተባዕታይ ንጓል ኣንስተይቲ ምድፋሩ ክገብሮ ዝግባእ ተግባር ከም ዝፈፀመ፣ ብካልእ ሕጋዊ መንገዲ ክትረክባ ዘይከኣልካያ ጓል ኣንስተይቲ ኣገዲድካ ደፊርካ ሰብኣዊ መሰላ ብምጥሓስ ንሓዳር ብምድርዳር ክትረኽባ ከም እትኽእል ብምእማን ቅቡልን ንቡርን እናተገበረ ዝውስድ ግን ክውገድ ዝግበኦን ፀረ-ድሕንነት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾን  ዘሎ ተግባር እዩ ፡፡

እቲ ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ብዋናነት ዝቐረበ ካልእ  ምኽንያት ድማ ድኽነት እዩ።ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ድኽነት ከይፈተዋ ናብ ነብስኻ ሸይጥካ ምንባር፣ ወሲባዊ ምዝመዛን ኣገዲድካ ምድፋርን ዝቃለዓሉ ኩነታት ይፍጠር እዩ ።ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ዕድሚአን ከይኣኸላ ግን ድማ ብምኽንያት ፀገም መነባብሮ ካብ ስድረአን ተፈልየን ሰሪሐን ክነብራ ናብ ዝሓሰብኦ ቦታ ይፈልሳ።ብምኽንያት እውን ኣብ ሆቴላት፣ እንዳመስተታት፣ ንድሕንነተን ሓደጋ ኣብ ዝኾነ ውልቀ ሃፍታም ተቖፂረን በታ ዘላተን ዓቕሚ ሰሪሐን ክነብራ እንትፍትና ብኣስራሕተንን ካልኦት ደቂ ተባዕትዮን  ገበን ኣገዲድካ ምድፋር ይፍፀመን።

 ብፍላይ ተወለድቲ ገፀራት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘለወን ሕሱም ናብራ ገፀር ከምልጣ ናብ ከተማታት እንትኣትዋ ኣብ ከተማታት ዝፀንሐን ዝኸፍአ ኣጋጣሚ ድማ ኣገዲድካ ምድፋርን ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ ፆታዊ በደላትን ከም ዝኾኑ መድሃኒትን ሰፋኒትን ዝተብሃላ ፀሓፍቲ ‹‹ጀንደርን ሕግን›› ኣብ ዝብል መፅሓፈን ይገልፀኦ።ኣብ ኣህጉርና ኣፍርካ ከምዚ ዓይነት በደል ብሰፊሑን ብዝኸፈአን ከም ዝፍፀምን ብፍላይ ድማ ካብ ከባቢ ገፀራትን ዕሸል ከተማታትን እናፈለሳ ናብ ከተማታት ኣትየን ብናይ ገዛ ሰራሕተኛነት እንዳውልቀ ሰባት ተቖፂረን ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ብኣገዲድካ ምድፋር ገበን ከም ዝጥቃዓን፣ ንዘይተደለየ ጥንስን ተዛመድቲ ሕማማትን ከም ዝቃላዓን እዘን ፀሓፍቲ ይጠቕሳ።ካብዚ ዝሓለፈ ድማ ብኣገዲድካ ምድፋር ዝተጠቐዓ ደቂ ኣንስትዮ ዝወልድኦም ቆልዑት ኣቦነት ንምርግጋፅ ዝተወሳሰበ ፀገም ስለዘጋጥመን ርእሰን ክሳብ ምጥፋእ ዝበፅሓ ደቂ ኣንስትዮ ምህላወን የረድኣ፡፡

ካብዚ ዝተፈለየ ካልእ ምኽንያት ድማ ኲናት ኣብ ሞንጎ ገበን ኣገዲድካ ምድፋርን ኲናትን ጥቡቕ ርክብ ከም ዘሎ ታርኽ ዘነፀሮ ሓቂ እዩ ። ኲናት ኣብ ዘለሉ መብዛሕትኦም ዓውድታት ከም መፍደይ ሕነ ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ  ናይቶም ሓደ ወገን ተዋጋእቲ ዝኾኑ ዓሌታት፣ ብሄረሰባት፣ ወይ ድማ ካልእ እምነት ዝኽተሉ ወገናት ዝፍፀም ኣገዲድካ ምድፋር ኣሎ።ብኲናት ልዕልነት ዝወሰደ ወገን ኣብ ልዕሊ ናይቲ ዝተሰዓረ ወገን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፅሞ ገበን ኣገዲድካ  ምድፋር ሞራልን ወነ ቓልስን ንምቕታልን ንምብስባስ ሃይማኖትን ዘርእን ዝዓለመ  ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ናይቲ ብኹናት ዝተሰዓረ ወገን ዘርኢ፣ ዓሌት፣ እምነትን ባህልን ኣጥፊእኻ ዳግም መንነቱ ናብ ዝነበሮ ብዘይምለሰሉ ኩነታትንምብፃሕን ታሪኽ ንምህሳስ ዝዓለመ እዩ፡፡

“ዩኒሴፍ” ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ /ውድብ/ ዕብየት ሃገራት (ፕሮግረስ ኦፍ ነሽንስ) ብ1997 ዓ/ም ፈረንጂ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣብ ናይ “ቦሰኒያ ሀርዘጎቢያ” ኲናት ልዕሊ 20 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተገዲደን ከም ዝተደፈራ፣ ኣብ ዓሌታዊ ውግእ ሩዋንዳ’ውን ልዕሊ 15 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተገዲደን ከም ዝተደፈራ ይሕብር።እቲ ፀብፃብ ብተወሳኺ ቁፅረን ብንፁር ዘይተፈለጣ ግን ድማ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኲናታት ካምቦድያ፣ ላይቬርያ፣ ፔሩ፣ ሶማሊያን ዩጋንዳን ከም ዝተደፈራ የዘኻኽር።እዚ ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል ኣዐርዩ ክስረሓሉ ዝግባእን ንፅባሕ ዘይበሃል ጉዳይ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ክርደኦ ይግባእ እናበልና ኣብ ዝቕፅል ሕታም ኣገዲድካ ምድፋር ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘብፀሖ ሳዕቤናት ዝድህስስ መደብ ሐዝና ክንቀርብ ኢና።


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010