እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5193312
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
765
3331
20675
5145598
97370
128136
5193312

Your IP: 54.158.219.248
2018-05-25 05:21

ሕግታት ሃገርና ኣብ ምርግጋፅ መሰል ደቂ ኣንስትዮ

here we go
selam new

ቀዳማይ ክፋል

ሕገ-መንግስቲ ላዕለዋይ ሕጊ እዛ ሃገር እዩ። ኩሎም ሕግታት ሃገርና ድማ ካብ እዚ ሕገ-መንግስቲ ይፍልፍሉ፣ ንሕገ-መንግስቲ ዝፃረር ዝኾነ ይኹን ሕጊ ተፈፃምነት ኣይህልዎን፣ ዝኾነ ሕግን ልምዳዊ ኣሰራርሓን ነቲ ሕገ-መንግስቲ እንተተፃቢኡ ተፈፃምነት ኣይህልዎን፤ ኢትዮጵያ ዘፅደቐቶም ዓለም-ለኸ ስምምዓት ኣካል ሕጊ ሃገርና እዮም፤ ይብል ሕገ-መንግስቲ ፌደራላዊ ዴሞክራስያዊ ሪፖብሊክ ኢትዮጵያ (ፌ.ዴ.ሪ.ኢ.) ዓንቀፅ ትሽዓተ ይድንግግ። እዚ ሕገ-መንግስቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ዜጋታት ብዝግባእ ዘረጋገፀን ንህይወትን ንብረትን ዜጋታት ውሕስነትን ከውሊ ሕግን ዝሃበን ሕገ-መንግስቲ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብፆታ፣ ብሄር፣ ሃፍቲ፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ዘርእን ካልኦት ኩነታትን ኣፈላላይ ከምዘይግበረሉ፤ ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ምዃኑን ኣብ ዓንቀፅ 25 ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ተደንጊጉ ይርከብ። ብመሰረት እዚ መትከላትን ዕላማታትን ሕገ-መንግስቲ ፌደራላዊ ዴሞክራስያዊ ሪፖብሊክ ኢትዮጵያን ሕግታት ሃገርናን ኣብ ምርግጋፅ ተጠቃምነት ደቂ-ኣንስትዮ ከውሊ ፆታዊ ጥቕዓትን መድልዎ ሃፍትን ንብረትን ከይበፅሐን ብንፁር ሕጊ ኣቐሚጡ እዩ። እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ዓንቀፃት ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶን መሰልን ሓለዋ ፆታዊ ጥቕዓት፣ ከለላ ሃፍትን ንብረትን ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ምስ ፖሊሲ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ከመይ ተደጋጊፎም ይኸዱን ይፍፀሙን ዝብሉ ዝርዝር ጉዳያት ዝሓዙ እዮም።

ሕገ-መንግስታዊ መሰረቶም እንትርአ እውን ሃገራዊ ፖሊሲ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ስግግር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ1986 ዓ.ም. ብዝርዝር ዝተሓንፀፀን ኣብ 1987 ዓ.ም. ኣብ ዝወፀ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ዝለዓለ ውሕስና ህይወትን ንብረትን፣ ፀረ-መድልዎ ሕግታትን ባህላዊ ልምድታትን ኣወጊዱ እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ሃገርና ምስ መዘነአን ዝኾኑ ደቂ-ተባዕትዮ ብዘይምንም ቅድመ ኹነት ማዕረ ተጠቀምቲ ዝኾናሉ ዕድል ኣቐሚጡ እዩ። እንሆ ድማ ሎሚ ደቂ-ኣንስትዮ ሃገርና ካብ ድሕረትን ዘይፍትሓዊ ፆታዊ መድልዎን ዘናግፍ ሕጊ ብምህላዉ ብዝሓሸ መልክዑ ኣብ ሃገራዊ ፖሊሲ ዝተሓንፀፀን ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝሰፈረን መሰለን ብዘይምንም ፅዕንቶን ፆታዊ ኣፈላላይን ውዳበአን ብምጥንኻር ተረባሕቲ ዝኾናሉ ዕድል ክፍጠር ኪኢሉ እዩ።

ኣብ ሃገራውን ክልላውን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ንማዕርነትን ተጠቃምነትን ደቂ-ኣንስትዮ ብዘረጋግፅ መልክዑ ፍሉይ ጠመተ ተዋሂብዎ ክወፅእ ኪኢሉ እዩ። ኣብ ዓንቀፅ ሽዱሽተ ንኡስ ዓንቀፅ ሓደ ክልላዊ ሕገ-መንግስቲ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ንወዲ-ተባዕታይ ዝተውሃበ መሰል ንጓል-ኣንስተይቲ እውን ዜግነታዊ ማዕርነትን ተጠቃምትን ከምዝገብርን ንተባዕታይ ፆታ ከምዘይውግንን ይድንግግ። እዚ ድማ ዜጋታት ፆታዊ ኣፈላላይ ከይተገበረሎም ማዕረ ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ የረጋግፅ። ብምዃኑ እውን ሃገራዊ ፖሊሲ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና መሰል ምርካብ ዜግነት ከምዘለወን ዝደንገገ እንትኾን፣ ኣብ እቲ ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ እውን ብተመሳሳሊ ኣፈላላይ ከምዘየለ ምርዳእ ይካኣል። ኣብ ዓንቀፅ ሸውዓተ ሕገ-መንግስቲ ፌደራል ወሲድካ እንትርአ ብተባዕታይ ፆታ ዝተገለፀ ንጓል-ኣንስተይቲ እውን ከምዝገልፅ ይድንግግ። እዚ ማለት ድልየት ሕገ-መንግስቲ ብፆታ ወዲ-ተባዕታይ ዝተጠቐሰ ንጓል-ኣንስተይቲ እውን ፆታዊ ማዕርነት ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ንምግጋፅ ከምዝኾነን ክስመረሉ ይግባእ።

ኣብ ዓንቀፅ ትሽዓተ ንኡስ ዓንቀፅ ሓደ ሕገ-መንግስቲ ወሲድካ እንትርአ እውን ከምቲ ኣብ ሃገራዊ ፖሊሲ ጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተጠቐሰ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ምስፋሩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፀንሑ ጐዳእቲ ልምድታትን ልምዳዊ ኣሰራርሓታትን ኣብ ኣካለን፣ ኣብ ተጠቃምነተንን ካልኦት ወፅዓታትን ከይበፅሐን ከውሊ ሕጊ ሂቡ እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብዚ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ ኣርባዕተ ከምዝተደንገገ ኢትዮጵያ ዘፅደቐቶም ዓለም-ለኸ ስምምዓት ኣካል ሕገ-መንግስቲ ተገይሮም ተወሲዶም እዮም። ኣብ ሃገራዊ ፖሊሲ ጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮ ዝሰፈሩ መሰልን ረብሓን ደቂ-ኣንስትዮ ዝሕልዉ ዓለም-ለኸ ስምምዓት ኢትዮጵያ ትቕበል ምዃና እውን ተቐሚጡ እዩ።

ቕድም ክብል ብብርኪ ዓለም ኮነ ብብርኪ ኣህጉር ክረአ ዝፀንሐ ፆታዊ መድልዎ ደቂ-ኣንስትዮ እናሰፍሐን እናተጋደደን ስለዝኸደ ኣንፃር ምዕባለን ዕቤትን ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዕቤት ሓንቲ ሃገር ተሳትፎን ፆታዊ ማዕርነትን ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እናኾነ ስለዝመፀን ሰብኣዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወት ኮነ ንብረት ክኽበር ስለዘለዎን ብበርኪ ዓለም ኣድማሳዊ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ተደንጊጉ እዩ። ከምኡ እውን ምውጋድ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ፆታዊ ኣድልዎ ደቂ-ኣንስትዮ ስለዝፀደቐ ኣብ ፖሊሲ ሃገርና ተኻቲቱ እዩ። ብመሰረት እቲ ዝተጠቐሰ ድንጋገ ኢትዮጵያ ዘፅደቐቶም ዓለም-ለኸ ስምምዓት ቅቡል ብምግባርን ኣብ ሕገ-መንግስትና ብምክታትን ኣካል ሕጊ ሃገርና ኾይኖም እናተተግበሩ ይርከቡ።

እዚ ልዕል ክብል ዝተጠቐሰ መሰል ነፃነት ፆታዊ ማዕርነት ከምዘለዎ ኣብ ሃገርና ኹሎም ፆታታት ማዕረ ምዃኖም ኣብ ዓንቀፅ ሸውዓተ እዚ ሕገ-መንግስቲ ዝተደንገገ፣ ኣካላት ሕብረተሰብ ሃገርና ብሄር፣ ብሄረ-ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እንትኾኑ እዚኦም ድማ ክልቲኦም ፆታ ዝሓዘ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ብሓባር ከም ህዝቢ ሉኣላዊ ሰበ-ስልጣን እዛ ሃገር ምዃኖም ኣብ ዓንቀፅ ሸሞንተ ንኡስ ዓንቀፅ ሓደ ሕገ-መንግስቲ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፖብሊክ ኢትዮጵያ ተረጋጊፁ እዩ። ብመሰረት እዚ ደቂ-ኣንስትዮ እውን ሉኣላዊ ሰብ ዋና ናይቲ ስልጣን ምዃነን ምርዳእ ይግባእ ።

ብመሰረት ዓንቀፅ 10 ንኡስ ዓንቀፅ ሓደን ክልተን ሕገ-መንግስቲ ፌደራል ወሲድካ እንትርአ ድማ ኣብ ሃገራዊ ፖሊሲ ጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮ፣ ዓለምለኻዊ ስምምዕነት ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ደቂ-ሰባትን ካልኦት ስምምዓትን መሰረት ተገይሩ ሕገ-መንግስታዊ እምነ ኩርናዕ ኾይኑ ሰብኣዊ መሰላትን ነፃነትን ካብ ተፈጥሮ ዘርኢ ወዲ-ሰብ ዝፍልፍሉ ዘይጠሓሱን ዘይገሃሱን እዮም ብምባል ተደንጊጎም እዩም። ስለዚ ደቂ-ኣንስትዮ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰለን በዚ ሕገ-መንግስቲ ከምዝተኸበረ ዕላዊ ኾይኑ ይርከብ።

ኣብ መሰረታዊ መሰላትን ነፃነትን ወሲድካ እንትርአ እውን ኣብ ሕገ-መንግስቲ ፌደራል ዓንቀፅ 13 ንኡስ ዓንቀፅ ሓደ፣ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዝርከቡ መውፃእቲ ሕጊ፣ ፈፀምቲ ሕጊን ኣካላት ዳይነትን መሰረታዊ መሰላትን ነፃነትን እዚ ሕገ-መንግስቲ ከኽብሩን ክኽበሩ ክገብሩን ግቡእን ሓላፍነትን ከምዘለዎም ደንጊጉ እዩ። እዚ መትከል ምስ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ኣጣቢቕካ እንትርአ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ሕግታትን ፖሊሲን ሃገርና ዝተኻተቱ መሰላት እንትፎቲ እተኽብሮም እንትትፀልእ እትገድፎም ኣይኮኑን። ኣብ ፆታዊ ማዕርነት፣ ፆታዊ ጥቕዓትን ካልኦት ኣብ ህይወት ኮነ ንብረት ዝበፅሕ ምዝመዛን ኩሉ ሕብረተሰብን እቶም ዝተጠቐሱ ሰለስተ ኣካላት መንግስትን ንከኽብሩን ክኽበር ክገብሩን ግቡእ ከም ዘለዎም ዘመላኽት ድንጋገ እዩ።  

ምስ ድሑር ልምዲ ዝተኣሳሰር ንልዕልነት ወዲ ተባዕታይ ቅቡል ካብ ዝገብር ኣጉል ኣተሓሳስባ ዝብገስ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ብሰብ ሓዳረንን ካልኦትን ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝለዓለ ጉድኣት ኣካልን ሓደጋ ሞትን ዘብፅሕ መውቓዕቲ ከምዘሎ ጉሁድ ሓቂ እዩ። ነዚ ድሕረትን ፆታዊ ጥቕዓትን ንምውጋድ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ዝሃቦ ውሕስና እንታይ ይመስል? ኢልካ እንትርአ ክኽበሩ ዘለዎም ግቡኣት እውን ከምዝስዕብ ተቐሚጡ እዩ።

ሕገ-መንግስትና ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ

ሰብ፣ ሰብኣዊ ፍጡር ብምዃኑ ጥራሕ ዘይድፈርን ዘይግሃስን ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ከምዘለዎ ኣብ መሰል ድሕንነት ህይወትን ኣካላዊ ነፃነትን ኣመልኪቱ ዓንቀፅ 14 ሕገ-መንግስቲ ፌደራል ይድንግግ። መሰል ብህይወት ምንባር መሰረት ብምግባር እውን ኣብ ዓንቀፅ 15 ሰፊሩ ከምዘሎ፣ ዝኾነ ሰብ ብዘይካ ብሕጊ ጥፍኣተኛ ኾይኑ፣ ከቢድ ገበን ፈፂሙ ተባሂሉ ዝወሃብ ቅፅዓት ሞት ብኻሊእ ህይወቱ ከምዘይስእን እንትድንግግ፤ ኣብ ዓንቀፅ 16 እውን መሰል ኣካላዊ ደሕንነት መሰረት ብምግባር ዝኾነ ሰብ ኣብ ኣካሉ ጉድኣት ከይበፅሖ ዝኸበረ መሰል ከምዘለዎ ኣቐሚጡ እዩ። መሰል ነፃነት መሰረት ብምግባር ዓንቀፅ 17 ናይቲ ድንጋገ ዝኾነ ሰብ ካብ ሕጊ ወፃኢ ነፃነቱ ከምዘይስእን ኣቐሚጥዎ ይርከብ። ብተመሳሳሊ ዓንቀፅ 18 ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዝተኸልከለ ምዃኑ እንተመልክት፣ ዝኾነ ሰብ ብጭካነ፣ ሰብኣዊ ክብሩ ዘዋርድ ኣተሓሕዛ ወይ መቕፃዕቲ ከይበፅሖ ውሕስና ከምዘለዎ ደንጊጉ እዩ። እዚ መሰል ማዕርነት መሰረት ብምግባር ልዕል ክብል ከም ዝረአናዮም ዝኾነ ሰብ ብፆታ ይኹን ብኻሊእ ኣፈላላይ ከይተገበረሉ ማዕረ መሰልን ጭቡጥ ውሕስነት ሕግን ከምዘለዎ ዓንቀፅ 25 ይድንግግ።

መሰል ሓለዋ ውልቀ ህይወት ኣመልኪቱ እውን ዓንቀፅ 26 ዝኾነ ሰብ ውልቀ ህይወቱ፣ ክብሩ፣ መሰል መንበሪ ገዝኡን ሰብነቱን ከይፍተሽ ዝተኸበረ መሰል ከምዘለዎ ተቐሚጡ እዩ። ኣብ ውልቀ ዋንነቱ ዘሎ ንብረት ከይተሓዝ ውሕስና ምሃብ ብምባል እውን ይገልፆ። ብመሰረት እዚ ሰብኣዊ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምኽባር ብሕጊ ዝተውሃበን ክብርን ድሕንነትን ሓለዋ ሃፍትን ንብረትን፣ ዝኾነ ይኹን ፀርፊ፣ መግረፍቲ፣ ዓመፅ፣ ኣገዲድካ ምድፋር፣ ቅትለት፣ ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ጥቕዓት ንኸይበፅሐን ሕገ-መንግስትና ዝለዓለ ሓለዋ ሂብወን እዩ። ብተወሳኺ ምስ መዘነአን ደቂ-ተባዕትዮ ማዕረ ተጠቃምነት ምርካብ መሰለን ከምዝኾነ ካብ መሰረታዊ መትከላት ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ምርዳእ ይከኣል።

እዚ ኾይኑ ብተግባር እንትርአ ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዝኣክል ሕገ-መንግስታዊ ውሕስና እናሃለወን መግረፍቲ፣ ምጉዳል ኣካል፣ ክሳብ ሓደጋ ሞት ብሰብ ሓዳረን ኮነ ብኻልኦት ደቂ-ተባዕትዮ እንትጉድኣ፣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ጥቕዓት እንትበፅሐን ወዘተ ይርአ። ካብዚ ብዝተፈለየ ድማ ካብ ህፃናት ክሳብ ዕድመ ዝደፍኣ ደቂ ኣንስትዮ መነወሪ ፆታዊ ጥቕዓት ብምፍፃም ካብ ቐሊል ክሳብ ከቢድ ገበን እናተፈፀመ ይርከብ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ዓንቀፅ 13 ንኡስ ዓንቀፅ ሓደ ዝተቐመጡ መሰላት ተፈፃምነት ክህልዎም ሓላፍነት ከምዘለና ክንፈልጥ ይግባእ። ኣብ ዝቕፅል ሕታም ግደ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ኣብ ምኽባር ዴሞክራስያዊ መሰል ደቂ-ኣንስትዮን ካልኦት መትከላት ሕገ-መንግስትን ክንድህስስ ኢና።


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010