የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595519
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1880
2526
7006
4567652
33484
77308
4595519

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 18:00

መሰል ውርስን ሕገ መንግስታዊ መሰረቱን

here we go
selam new

ራብዓይ ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ ሳልሳይ ክፋል ሕታምና ክእለት ወራስነት ዝርከበሉ ኩነታት፣ ካብ ሕጋዊ ሓዳር ወፃእ ዝተወልደ ውልድን ውላድ ጡቡን፣ እንተይተናዘዘ ኣብ ዝሞተ ሰብ ዘሎ ስርዓት ውርሲን ተጠቀምቲ ውርሲ ዝኾኑ ኣካላትን ናይ ኣቦ ንኣቦ ተወለድቲ ናይ እኖ ንእኖ ተወለድቲ ወገን ምትሕልላፍ ኣብ ዝበሉን ካልኦት ዛዕባታት ኣቕሪብና ነይርና።ኣብዚ ሕታም እዚ ድማ ብፍርዲ ዝተከልከለ ሰብ፣ ጉድለት ዘለዎም ኑዛዘታት፣ ኣብ ሕጊ ዝተቐመጡ ረቛሒታት ኣማሊኡ ምርካብ፣ ዓይነት ኑዛዘ ብግልፂ ዝግበር ኑዛዘን ብፅሑፍን ዝግበር ኑዛዘን ኣብ ዝብሉን ካልኦት ዛዕባታትን ኣቕሪብና ኣለና፡፡

ብፍርዲ ዝተኸልከለ ሰብ

ብፍርዲ ዝተኸልከለ ሰብ እቲ ክልከላ ብፍርዲ ካብ ዝተወሰነሉ እዋን ንደሓር ኑዛዘ ምግባር ኣይኽእልን።ብፍርዲ ቅድሚ ምኽልካሉ ዝተናዘዞ ኑዛዘ እንተሃሊዩ ግን ዝፀንዐ ይኸውን።ኮይኑ ግን ብመሰረት ሕጊ ፍትሃብሄር ቁፅሪ 368 ትሕዝቶ እቲ ኑዛዘ ንርትዒ ተቓራኒ መሲሉ ወይ ዝተናዘዞ ኩነታት ጥዕና ደፊእዎ ዝገበሮ ንዳያኑ እንተተሰሞዕዎም እቲ ኑዛዘ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ፈራሲ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም።እንተኾነ ግን ከምዚኦም ዝበሉ ኩነታት እንተጋጥም ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ዝኾነ ኑዛዘ ወይ ውህብቶ ከፅድቕዎ ኣይግባእን።ከምኡ እውን ብፍርዲ ዝተኸልከለ ሰብ ብዘይኑዛዘ ወረስቲ ንዝኾኑ ሰባት እንተንኣሰ ካብቲ ውርሲ ሃፍቲ ሰለስተ ርባዕ ክረኽቡ ይግብኦም።ሕማም ስነ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዝገበሮ ኑዛዘ ዝፀንዕ ኣይኸውንን።ዘይፀንዕ ኑዛዘ ዝባሃል ግን ኑዛዘ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ዝተፈለጠ ሕሙም ኣእምሮ ምዃኑ እንትረጋገፅ ጥራሕ እዩ። ብተወሳኺ ብዕድመ ዝደፍአን ነገራት ምፍላይ ዘይክእል ዝኣረገ ወይ ዝጃጀወ ሰብ ሙሉእ ብሙሉእ ክእለት ዘይብሉ እዩ ተባሂሉ ስለዝግመት ዝናዘዞ ኑዛዘ ዋጋ ኣይህልዎን፡፡

ጉድለት ዘለዎም ኑዛዘታት

ዝኾነ ኑዛዘ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ክህልዎ ዝኽእል ክእለት ዘለዎ ተናዛዚ ዝተናዘዞ ምዃኑ ክረጋገፅ እንተሎ ምዃኑ ተናዛዚ ሰብ ኣብ ዝምልከት ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾነ ኑዛዘ ዝባሃሉ፣ብሓይልን ብናይ ኣእምሮ ፅዕንቶን ንንብረት ምምሕዳር ወይ ንሞግዚት ጥቕሚ ዝግበር ኑዛዘ ጉድለት ዘለዎም ስለ ዝኾኑ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ውፅኢት ዘይህልዎም ኑዛዘታት እዮም።ንኑዛዘ ዋጋ ንምህላው ኣድላይ ዝኾነ ስረ ነገር  ተባሂሎም ብሕጊ ዝተቐመጡ ድንጋገታት ኣብ ክልተ ከፊልካ ምርኣይን ምትንታንን ይካኣል።ናይ መጀመርያ ኑዛዘ ኩሉ ሓቆፍ ወይ ተፈጥራዊ ኣድላይ ነገር ዝበሃሉ ዝድንግጉ እንትኾኑ እቲ ካልኣይ ትሕዝቶ ኑዛዘ ዘትኩረሎም ንሕግን ንሞራልን ተፃራሪ ምዃን ወይ ዘይምዃን ዝቆፃፀሩ እዮም።ኩለ መዳይ ኑዛዘ ወይ ተፈጥሮኣዊ ነገር ዝበሃሉ ተናዛዚ ኑዛዝኡ ኣብ ዝፍፅመሉ ሰዓት ዝነበሮ ኣእምሮ ኩነታት ወይ ኑዛዘ ንምግባር ዝነበሮ ሓሳብ እዩ።እንተኾነ ግን ከም መካትዒ ነጥቢ ዝለዓል ኑዛዘ ፈፃሚ ድሕሪ ምሟቱ ስለ ዝኾነ ፈፃሚ ብሙሉእ ሓሳብን ድሌትን ኑዛዝኡ ዝፈፀመ ብዛዕባ ምዃኑ ከመይ ርግፀኛ ምዃን ይካኣል ዝብል ነጥቢ እዩ።እዙይ ንምርዳእ ዝስዕቡ ኩነታት ኣብ ግምት ምእታው ይግባእ።እቲ ኑዛዘ ባዕሉ ብሙሉእ ሓሳቡ ኑዛዘ ዝፈፀመ ምዃኑ፣ ተናዛዚ ኑዛዘ ንምፍፃም ዘለዎ ክእለት፣ እቲ ኑዛዘ ብምግዳድ ወይ ብስሕተት ወይ ብፅዕንቶ ዘይተገበረ ምዃኑ፣ እቲ ኑዛዘ ሕጋዊ ምዃኑ ዝብሉ እዮም፡፡

ኣብ ሕጊ ዝተቐመጡ ረቛሓታት ኣማሊኡ

 ምርካብ

ካልኣይ ኑዛዘ ዋጋ ምህላው ኣድላይ ዝኾነ ኩነታት፣ ዝተገበረ ኑዛዘ ብሕጊ ዝተደንገጉ ረቛሒ ኣማሊኡ ምርካብ ኩነታት እዩ።ሕጊ ውርሲ ኑዛዘ ብምንታይ ረቛሒ ክፍፀም ከም ዝግብኦ ዝድንግጉ ድንጋገታት ሕጊ ሒዞም ንረኽቦም።ምኽንያቱ እውን ኑዛዘ ንምግባር ዝነበሮ ሓሳብ ብቐሊሉ ምርግጋፅ ዘይካኣልን ጠይቕካ ንምርዳእ ዝካኣለሉ ኣጋጣሚ ስለ ዘየለን መውፅኢ ሕጊ ሓደ ተግባር ኑዛዘ ምዃኑ ኑዛዘ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ውፅኢት ንኽህልዎ ዝግበር ኑዛዘ ፈፃሚ እቲ ኑዛዘ ብምንታይ ዓይነት መንገዲ ክፍፀም ከም ዝግባእን ብዛዕባ ኑዛዘ ቕጥዒ ወይ ፎርሚ ብዝድንግጉ ድንጋገታት ይውስኑ፡፡

ቕጥዒ ወይ ፎርሚ ኑዛዘ ካብ ተናዛዚ ድሌት ወፃኢ ብዝኾነ ብኻሊእ ሓይሊ ንኸይዳለው መውፅኢ ሕጊ ብምንታይ መልክዕ ክዳለው ከም ዘለዎም ብሕጊ ዝድንግግ እዩ።ካሊእ ጥንቃቐ ዘድልዮ ነገር ሕጊ ውርሲ ብዛዕባ ኑዛዘ ረቋሒ ወይ ፎርሚ ዝድንግጉ ድንጋገታት ሕጊ ጥቡቕን መገደዳይነትን ባህሪ ዘለዎም ምዃኖም እዩ።እዙይ ማለት ኑዛዘ ኣብ ሕጊ ዝተገለፀ ረቋሒ ኣማሊኦም እንተዘይተረኺቦም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ውፅኢት ኣይህልዎምን።ብምዃኑ እውን ረቋሒታት ኑዛዘ ምምላእ ጉዳይ ፈፃሚ ኑዛዘ  እንተደልዩ ዝፍፅሞም እንተዘይደልዩ ዘይፍፅሞም ኣይኾኑን።ዝኾነ ሰብ ዝፍፅሞ ኑዛዘ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ውፅኢት ንክህልዎ እንተደልዩ ብሕጊ ዝተቐመጡ ረቋሒታት ኣማሊኡ ኑዛዘ ምፍፃም ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

 ኣብ ኢትዮጵያ ሕጊ ውርሲ  ኑዛዘ ብሰለስተ መንገዲ ክፍፀም ከም ዝኽእል ሕጊ ደንጊጉ እዩ።ሓደ ብግልፂ ዝግበር ኑዛዘ፣ ካልኣይ ብተናዛዚ ፅሑፍ ዝግበር ኑዛዘ፣ ሳልሳይ ብቃል ዝግበር ኑዛዘ እዮም፡፡

እንታይነት ብግልፂ ዝግበር ኑዛዘ

ብግልፂ ዝገበር ኑዛዘ ስሙ ከም ዘመላኽቶ ዝኾነ ሰብ ኑዛዘ እንትፍፅም ካልኦት ሰባት ወይ ምስክራት ኣብ ዘለውዎ ዝተገበረ ምዃኑ፣ ብምኽንያት እዚ እውን ንከባቢ ሕብረተሰብ ግልፂ ዝኾነ ኑዛዘ ማለት እዩ።ብግልፂ ዝግበር ኑዛዘ ብመሰረት ሕጊ ውርሲ ኢትዮጵያ እዞም ዝስዕቡ ኩነታት ኣማሊኡ ክርከቡ ይግባእ፡፡

ተናዛዚ ዝዛረቦም ቃል እንተይተቐነሰ ወይ እንተይተለወጠ ካሊእ ሰብ ዝፀሓፎ ወይ ተናዛዚ ባዕሉ ዝፀሓፎ ክኸውን ይግባእ።እዚ ኑዛዘ ብተናዛዝን ኣብ ቅድሚ ኣርባዕተ ምስክራት ክንበብን ዝተገበረ ኑዛዘ ኣብ ቅድሚ ተናዛዝን ምስክራትን ዝተነበበ ምዃኑ ኣብ ፅሑፍ ክግለፅ ኣለዎ።ኑዛዘ ዝተፅሓፈሉ ዕለት ክቕመጠሉን ተናዛዝን ምስክራትን ክታሞም ወይ ምልክት ዓብይ ኣፃብዕቶም ክገብሩ ከም ዝግብኦም ሕጊ ፍትሃብሄር ቁፅሪ 881 ይድንግግ፡፡

ብግልፂ ዝግበር ኑዛዘ ኣብ ቅድሚ ውዕሊ ምውዕዓል ስልጣን ዝተውሃቦ ትካል ኑዛዘ ዝግበር እንተኾይኑ ክልተ መሰኻኽር ተረኺቦም ኑዛዘ ፅሑፍ ተነቢብሎም እንተፈሪሞም ብቑዕ ከም ዝኾነ ድንጋገታት ሕጊ የቐምጡ።ብግልፂ ዝግበር ኑዛዘ ምስክር ዝኾኑ ሰባት ኣካለ መጠን ዝበፅሑ ብፍርዲ ወይ ብሕጊ ዘይተኸልከሉ ክኾኑ ይግባእ። ኑዛዘ ዝተፅሓፈሉ ቋንቋ ንምፍላጥን ዝተፅሓፈ ንምስማዕ ወይ ንምንባብን ክእለት ዘለዎም ክኾኑ ከምዘለዎምን እዞም ኩነታት እንተይተማልኡ ኑዛዘ ተፈፂሙ እንትርከብ ፈራሲ ከም ዝኾነን ኣብ ሕጊ ፍትሃብሄር ቁፅሪ 883 ተደንጊጉ እዩ።ብግልፂ ዝግበሩ ኑዛዘ ኣመልኪቶም ኣብ ሕጊ ዝተቐመጡ ስርዓት ኣፈፃፅማ እንተሪእናዮም ጥብቂ ምዃኖም የቐምጥ።ትሕዝቶ መለክዕታት ኑዛዘ ተናዛዝን ምስክራትን ንክፈልጥዎ ዝገብር እዩ።ንኣብነት እቲ ኑዛዘ ንምስክራት እንተዘይተነቢብሎም ወይ እዚ ኑዛዘ ተናዛዚ ኮነ ምስክራት ብዘይፈልጥዎ ቋንቋ ዝተፅሓፈ እንተኾይኑ ፈራሲ ከም ዝኸውን ሕጊ ዘገድድ ምዃኑ እዩ ዘርእየና፡፡

ኑዛዘ ብኻሊእ ቋንቋ ተፃሒፉ ንተናዛዝን ምስክራትን ብመተርጎሚ እናተተርጎመ እንተዝፍፀም ውፅኢቱ እንታይ ይኸውን ዝብል ሕቶ ክላዓል ይኽእል እዩ።ኑዛዘ ብሕጊ ምድንጋግ ዘድልየሉ እቲ ኑዛዘ ድሌታትን ሓሳብን ተናዛዚ ኣማሊኦም ዝተረኸቡ ምዃኖም ንምርግጋፅ እዩ።ስለዚ ብመተርጎሚ ዝግበር ኑዛዘ ተናዛዚ ካብ ዝሓሰቦን ካብ ዝደለዮን ወፃኢ ንምውሳኽ ወይ ንምቕናስ  በሪ ዝኸፍት ብምዃኑ ተፈፂሙ እንትርከብ ፈራሲ ከም ዝኸውን ካብ ድንጋገታት ሕጊ ፍትሃብሄር ቁፅሪ 883  ንምርዳእ ይከኣል።ምኽንያቱ እቲ ሕጊ ምስክራት ኣብ መጀመርያ ኑዛዘ ዝተፅሓፈሉ ቋንቋ ምፍላጥ ከም ዘለዎም እዩ ዝድንግግ።ካልኣይ ዝተፅሓፈ እንትንበበሎም ንምስማዕ ወይ ትሕዝቶ እቲ ፅሑፍ አንቢቦም ንምርዳእ ክእለት ዘለዎም ምዃኑ ይድንግግ።እዞም መዐቐንታት እዚኦም ብግልፂ ዝግበር ኑዛዘ ቃል መዋቲ ብዝዛረቦ ቋንቋ ቃል ብቃል ክፅሓፍ ከም ዘለዎ ምስ ዝደንገጎም ድንጋገታት ሕጊ ኣጣሚርና እንትንሪኦ መዋቲ ብትርግርኛ እናተዛረበ ብኣምሓርኛ ተተርጒሙ ተፃሒፉ ተናዛዝን ምስክራትን እንተዝፍርሙሉ እቲ ኑዛዘ ፈራሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግንዛብ ይከኣል እዩ፡፡

 ብግልፂ ዝግበር ኑዛዘ ብከባብን ብልምድን ዝቐርቡ ምስክራት ዝተፈላለዩ እዮም።ንኣብነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሰለስተ ምስክራት ዝተገበረ ኑዛዘ ውፅኢት ይህልዎ ዶ ወይ ኣይህልዎን? ብኻሊእ ገፅ ካብ ኣርባዕተ ምስክራት እቲ ሓደ ኣካለ መጠን ዘይበፅሐ ወይ ብሕጊ ዝተኸልከለ እንተኮይኑ ውፅኢቱ እንታይ ይኸውን ዝብሉን ካልኦት ብዙሓት ሕቶታትን ክላዓሉ ይኽእሉ እዮም። ሕጊ ውርሲ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ብዙሓት ሃገራት ድንጋገታት ሕጊ ውርሲ ረቛሒታት ኑዛዘ ጥብቅን ኣገደድትን ንክኸውን ዝገብርዎ ትሕዝቶ ዝፍፀም ኑዛዘ ተረዲኡን ፈሊጡን ንክናዘዝ ምዃኑ ንምርግጋፅ ጥቡቕ ስርዓት ኣፈፃፅማ ኑዛዘ ኣቐሚጡ እዩ።እዞም ረቛሒታት ምምልኦም ካብ ምቁፅፃር ወፃኢ ካሊእ መማረፂ መንገዲ ዘይብሉ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።ስለዚ ብመንፅር እዙይ ሕጊ ውርሲ ኢትዮጵያ ሕጊ  ዝቐመጦ ረቓሒ ሓዲኡ እንተዘይተማሊኡ ኑዛዘ ፈራሲ ከም ዝኸውን ምቕማጥ ኣግባብነት ዘለዎ እዩ፡፡

ብተናዛዚ ፅሑፍ ዝግበር ኑዛዘ

ኣብ ሕጊ ውርሲ ዝኾነ ሰብ ብናይ ባዕሉ ኢድ ፅሑፍ ኑዛዘ ንኽፍፅም ይፈቅድ እዩ።ተናዛዚ ብናይ ባዕሉ ኢድ ፅሑፍ ዝግበር ኑዛዘ ሕጋዊ ውፅኢት እውን ይህልዎ።ብመሰረት ሕጊ ፍትሃብሄር ቁፅሪ 884 ብተናዛዚ ፅሑፍ ካብ ዝግበር ኑዛዘ ክማልኡ ዘለዎም ነገራት ኣለዉ።ንሳቶም እውን ኑዛዝኡ ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ባዕሉ ኢድ ፅሑፍ ዝፀሓፎ እንተኾይኑ፣ ተናዛዚ ዝፀሓፎ ፅሑፍ ኑዛዘ ምዃኑ ብግልፂ ዘመላኸተ እንተኾይኑ፣ እቲ ኑዛዘ ካብ ሓደ ገፅ ብላዕሊ እንተኾይኑ ተናዛዚ ኣብ ሕድሕድ ገፅ እንተፈሪሙሉን ዕለት ዝፀሓፈሉ እንተኾይኑን እዩ።ካብዙይ ብተወሳኺ ተናዛዚ ዝገብሮ ኑዛዘ ብኮምፒተር ፅሒፍዎ እንተኾይኑ ሕድሕድ ወረቐት ባዕሉ ብኮምፒተር ዝፀሓፎ ምዃኑ ብኢድ ፅሑፍ እንተመላኺቱ እዩ ውፅኢቱ ዝህልዎ።እዙይ እንተዘይተገይሩ ግን ፈራሲ ከም ዝኸውን ሕጊ ፍትሃብሄር ቁፅሪ 885 ይድንግግ።ከምኡ ‘ውን ብተናዛዚ ኢድ ፅሑፍ ዝኾነ ኑዛዘ ተናዛዚ ዘይተምሃረ  ብምዃኑ ወይ እቲ ኑዛዘ ዝፀሓፈሉ ቋንቋ እንተዘይፈሊጥዎ ወይ ትርጉሞም ብዘይፈልጦም ፊደላት ተፃሒፉ እንትርከብ ፈራሲ ከም ዝኸውን እዚ ኑዛዘ ዝተገበረሉ ዕለት ወርሕን ዓመተ ምህረትን እንተዘይገይርሉ ከምኡ ውፅኢቱ ፈራሲ ምዃኑ ሕጊ ይድንግግ፡፡

ብቃል ዝግበር ኑዛዘ

ዝኾነ ሰብ ኩነታት ሞቱ ተሰሚዕዎ መቃብሩ ኣበይን ብኸመይን ክፍፀም ከም ዘለዎ ኣብ ቅድሚ ክልተ መሰኻኽር ቃሉ ክህብ ከም ዝኽእል እዙይ ድማ ቃለ ኑዛዘ ተባሂሉ ብሕጊ ዝፍለጥ እንትኾን፣ እዚ ቃለ ኑዛዘ ብሕጊ ውፅኢት ክህልዎ ግን እዞም ዝስዕቡ ኩነታት ክማላእ ከም ዝግባእ ሕጊ ፍትሃብሄር ቁፅሪ 892 ይድንግግ።ንሳቶምውን ተናዛዚ መሞቲኡ ጊዜ ምቕራቡ ተሰሚዕዎ ዝገብሮ ዘሎ ምዃኑ ክረጋገፅ ይግባእ።እዙይ ማለት ዝኾነ ዓይነት ስምዒት ሕማም ወይ ሓደጋ እንተይገጠሞ መዋቲ ኣነ እንትመውት እከለ እዚ ይውሰድ ብምባል ዝተዛረቦ ኩሉ ቃል ኑዛዘ እዩ ተባሂሉ ከም ዘይውሰድ ምግማት ይካኣል እዩ።መሞቲኡ ጊዜ ምቕራቡ ተሰሚዕዎ ዝብል ሓረግ ድንጋገ ሕጊ ፅኑዕ ምዃኑ የመላኽት።ተናዛዚ ዝገበሮ ኑዛዘ እንተንኣሰ ክልተ ምስክር ኣብ ዘለውዎ ክኸውን ኣለዎ።ከምኡ’ውን እዞም ምስክራት ኣካለ መጠን ዝበፅሑ ብፍርዲ ወይ ብሕጊ ዘይተኸልከሉ ክኾኑ ኣለዎም።ካብዙይ ብተወሳኺ ብቃል ኑዛዘ ክግበረሎም ዝኽእሉ ጉዳያት እንታይ ከም ዝኾኑ ሕጊ ፍትሃብሄር ቁፅሪ 893 ደንጊጉ እዩ፡፡

ቅድም ኢልና ዝገለፅናዮም ግንዛበ ክተሓዘሎም ዝግባእ ጉዳያት መዋቲ ብግልፂ ዝፍፀም ኑዛዘ ወይ ብናይ ባዕሉ ኢድ ፅሑፍ ብዝገበሮ ኑዛዘ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ንኽፍፀመሉ መምርሒ ክህብ ይኽእል እዩ።እዙይ ማለት ጠቕላላ ብኑዛዘ ብስም ወራሲ ዝለዓለ ግምት ዋጋ ዘለዎም ንብረት ብፍሉይ ኑዛዘ ውህብቶ ምሃብ፣ ካብ ወረስቲ ሓዲኡ ወይ ኩሎም ካብ ውርሲ ምንቃል ወይ ከይወርሱ ምኽልካልን ካልኦት ጉዳያትን ኣመልኪቱ ኑዛዘ ምሕዳግ ዝብል ግንዛበ ዝሓዝናሉ ጉዳይ እዩ።

ብቃል ዝግበር ኑዛዘ ግን ብዛዕባ  ስነ-ስርዓት ቀብሩ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ መምርሒ ንምሃብ፣ ሕድሕድ ውህብቶ ኑዛዘ ዋጉኡ ካብ ብር ሓሙሽተ ሚኢቲ ዘይበልፅ ፍሉይ ውህብቶ ኑዛዘ ምግባር፣ ኣካለ መጠን ዘይበፅሑ ቆልዑ ንምምሕዳር ወይ ሞግዚት ዝምልከት ውሳነታት ንምሃብ ከም ዝኽእል ድንጋገ እቲ ሕጊ ዘርእየና። ካብቶም ብቃል ዝተገለፁ ኑዛዘ ወፃኢ መዋቲ ዝኾነ ነገር እንተዝዛረብ ንኣብነት ጠቕላላ ኑዛዘ ወራሲ እንተዝገልፅ ወይ ካብ ወረስቲ ሓደ ካብ ውርሲ ንኽንቀል ብቃል እንተዝናዘዝ ውፅኢት ከም ዘይህልዎ ሕጊ ፍትሃብሄር ቁፅሪ 894 ንኡስ ቁፅሪ ሓደ ዝድንግግ እንትኾን መዋቲ ብቃል ኑዛዘ ግምቱ ካብ ብር ሓሙሽተ ሚኢቲ ንላዕሊ ዝኾነ ውህብቶ እንተገይሩ እውን ካብቲ ብሕጊ ዝተቐመጠ ብላዕሊ ዘሎ ከም ዝቕንስ ኣብ ሕጊ ፍትሃብሄር ቁፅሪ 894 ንኡስ ቁፅሪ ክልተ ተደንጊጉ እዩ።ብሓፈሻ ብቃል ዝግበር ኑዛዘ መዋቲ ክልተ ምስክራት ኣብ ዘለውዎ ድሕሪ ምሟቱ ብዛዕባ ዝፍፀሙ ተግባራት ዝሃቦ ቃል ዝከታተሉ ብምዃኖም ካብ ቃል መዋቲ  ንላዕሊ ወይ ክውሰኽሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚ ሰፊሕ ብምዃኑ እቲ ሕጊ ኣብ ቓል ኑዛዘ ክካተቱ ብዛዕባ ዝግብኦም ጉዳያት ገደብ ብምግባር በዚ ኩነታት ክመፅእ ዝኽእል ፀገም ንምቕናስ ጥንቃቐ ተገይርሉ እዩ፡፡

ብድንጋገታት ሕጊ ውርሲ ኢትዮጵያ ካብ ሰለስቲኦም ዓይነት ረቛሒ ብሓዲኡ ዝሓቶ ኩነታት እንተየማልአ ዝተፈፀመ ኑዛዘ ኣፍልጦ ዘይህብን እቲ ኑዛዘ ዋጋ ዘይህልዎ  ኑዛዘ ጥቡቕን ኣገዳድን ምዃኑ እዚ  ዘይምምላእ ኑዛዘ ፈራሲ ክገብሮ ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።ብዛዕባ ኑዛዘ ዝተገበሩ ድንጋገታት ሕጊ ውርሲ ብመንፅር ብኣብያተ ፍርዲ ዝወሃቦም ትርጉም ወይ ቤት ፍርዲ ካብ ዝሃቦም ውሳነ  ምርኣይ ጠቓምነት ይህልዎ።

ኣብ ዝቕፅል ሓምሻይ ክፋል መደብና ዘይተሰዓረ ወይ ውድቂ ዘይኮነ ኑዛዘ፣ ምስዓር ኑዛዘ፣ ውፅኢት ምስዓር ኑዛዘ፣ ኑዛዘ ብዛዕባ ውድቂ ምዃንን ኑዛዘ ምህላውን፣ መረዳእታን ዝምልከቱ ዛዕባታት ሒዝናልኩም ክንቐርብ ኢና፡፡


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010