ቀ.ሚ. ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣድላይነት ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ እንትገልፁ

ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ ኣብ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ መግለፂ

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

1180229
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
435
18332
39657
958712
234554
278452
1180229

Your IP: 54.163.112.69
2017-01-17 00:52

ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ሕጋዊ ተሓታትነት ደለልትን

here we go
selam new

ሻድሻይን መዛዘምን  ክፋል

15 ሕዳር 2009 ዓ/ም ኣብ ዝተሓተመ ጋዜጣ ስደተኛታት ካብ ሕጊ ወፃእ ምስጋር ዶብ፣ ምሃብ ዘይሕጋዊ ሰነዳት፣ ዘይሕጋዊ ስደተኛ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንክፀንሕ ድጋፍ ብዝግባእ ምሃብ፣ ምጥፋእ መርትዖ ወይ ምስክርነት ከይህብ ብዛዕባ ምግባር፣ ገበነኛን ብገበን ዝተጠርጠረን ሰብ ብዛዕባ ምሕባእን ዝብሉ ገበናትን ዝህልዎም ተሓታትነትን ዝትንትን ትሕዝቶ ቀሪቡ ምንባሩ ይዝከር። ናይዚ መቐፀልታ 30 ሕዳር 2009 ዓ/ም ኣብ ዝወፅአ ሕታም ቁፅሪ 943 ከም ዝቐርብ ዘመላኸትና እንትንኸውን ብዝተፈጠረ ስሕተት ግን ከይቐረበ ተሪፉ እዩ። ስለዚ ንዝተፈጠረ ምቁርራፅ ንመንበብቲ ይቅርታ እናሓተትና ሻድሻይን መዛዘምን  ክፋሉ  ከም ዝስዕብ ተዋዲዱ ኣሎ። 

ግደ ህዝብን መንግስትን ኣብ ምንካይ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት

ሕብረተሰብ ኣብ ዓዲ ውሽጢ ዘለዉ ኣማራፅታትን ዕድላትን ስራሕ ኣብ ምጥቃም ገና ዘይቐረፎም ፀገማት ኣተሓሳስባ ኣለዉ። ናይዚ መርኣዪ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ከይድኻ ብምስራሕ ዝለዓለ ገንዘብ ዝርከብን ብኣቋራፂ ዝህፍተምን ገይሩ ዝርዳእ ሰብ ቁፅሩ ብዙሕ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ነቲ ዝመፅእ ገንዘብ ጥራሕ እምበር እዚ ገንዘብ ንምምፃእ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሽግራት ብኣግባቡ ናይ ዘይመርዳእ ፀገም ኣብቲ ሕብረተሰብ ጎሊሁ ይረአ ምህላዉ እዩ። ብምዃኑ እውን ወለዲ ይኹኑ ስድራ ቤት ንደቆም ኣብ ጉዕዞ እንታይ እዩ ከጋጥሞም ብዘየግድስ ናብ ኣዕራብ ሃገራት ንክኸዱ ይደፋፍኡ፣ ዝመኽሩን ዝድልሉን ኣለዉ እዮም።

እቲ ድለላ ብወለዲ ምስ ዘይሕጋዊ ደለልቲ ብምዃን ዝፍፀም እዩ። እቶም ደለልቲ እውን እዚ ብምፍፃሞም ካብ ስድራ ተጓዓዝቲ ብዘይኣግባብ ገንዘብ ይርኽቡ። ስድራ እውን ደለልቲ ዝዛረብዎም እዝኖም ከፊቶም ካብ ምስማዕ ሓሊፎም ደቆም ናብ እንታይ ይኸዱ ከምዘለዉ፣ ኣብ እንታይ ዓይነት ስራሕ ተዋፊሮም ከም ዝሰርሑ፣ ጉዳይ ድሕንነት፣ ክብርን መሰልን ደቆም ኣብ ሕቶ ዘእትዩ ኣይኮኑን። እቲ ኣብ ቅድሚቶም ዝረኣዮም ገንዘብ ጥራሕ እዩ። ይኹን እምበር ድሕሪ እቲ ገንዘብ ጥሕሰት መሰል፣ ኣብ ልዕሊ ኣካላቶም ዝበፅሕ ሓደጋ፣ ናይ ሰብኣዊ ክብርን ካልኦት ሽግራትን ከም ዘሎ ኣብ ግምት ዝኣቲ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ሕብረተሰብ እቲ ብምኽንያት ዘይሕጋዊ ስደት ዝበፅሕ ዘሎ ሓደጋ ክከላኸል፣ ኣብዚ ገበን ዝሳተፉ ዘለዉ ገበነኛታት ድማ ካብዚ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ብምውፃእ ኣደብ ክገብሩ ዘኽእል ዝተጠናኸረ ሃገራዊ ስራሕ ምስራሕ ንፅባሕ ዘይብሃል ጉዳይ እዩ።  

ስለዚ መንግስቲ ከም መንግስቲ ብዋናነት ቅድሚት ሰሪዑ ክሰርሖ ዝግባእ፣  ግንዛበ ሕብረተሰብ ምዕባይን ኣብ ዘይሕጋዊ ስደት ዘሎ ግጉይ ኣተሓሳስባ ክልወጥ ምግባርን እዩ። እዙይ ከም ዘሎ ኾይኑ ኣብ ሃገርና ውሽጢ እናተፈጠሩ ዘለዉ ዕድላትን ኣማራፅታትን ስራሕ መናእሰይ እንተተጠቒመሙሉ መሰሎም፣ ድሕንነቶምን ክብሮምን ተሓልዩሎም ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ናብርኦም ክልወጡ ዝኽእሉ ምዃኖም፣ ክግንዘቡ ምግባር የድሊ።

ዜጋታት ብሕጋዊ ካብ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ክዘዋወሩ ሕገ-መንግስታዊ መሰሎም እዩ። ይኹን እንበር ብፍላይ ናብ ወፃኢ ዓዲ ክኸዱ ድሌት ዘለዎም ውልቀ ሰባት ግን ብመጀመርያ ብዛዕባ እቲ ዝኸድዎ ዘለዉ ሃገር እኹል ዝኾነ ግንዛበ ክጭበጡ ይግባእ። ብመሰረት እዚ እቲ ዝሰርሑዎ ዓይነት ስራሕ ፈሊጦም፣ ክተሓዝ ዝግበኦ ፍልጠትን ክእለትን ሒዞም፣ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሎም ክኸዱ ኣለዎም። እዚ ኣብ ዘማልኡ ድማ መሰሎም፣ ድሕንነቶምን ክብሮምን ተሓልዩ ብዘለዎም ክእለትን ዓቕምን ብምስራሕ ንባዕሎም፣ ስድረኦም ኮነ ሃገሮም ክጠቕሙ ከም ዝኽእሉ ክፍልጡ ይግባእ።

ሕብረተሰብ ነዚ ግንዛበ ብምሓዝ ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝግበር ዝውውር ሰባት ክከላኸልን ነቶም ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ናብ ሕጊ ኣሕሊፉ ክህብን ይግባእ። ከም መንግስቲ ካብ ስደት ዝምለሱ ወገናት ባዕሎም ክውደብሉ ዘኽእል ዕድላት እናመዓራረየ እዩ ዝርከብ። ንኣብነት ኣብ 2008 ዓ/ም ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልልና ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ናብ ሃገሮም ካብ ዝተመለሱ ስደተኛታት እቶም 33ሽሕን 678 ተመለስቲ ናይ ክልልና ከም ዝኾኑን ንተመለስቲ ዘተኣናግድ ኣሰራርሓን ቤት ፅሕፈትን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተኸፈተን እዩ ዝሕብር። እዚ ድማ መንግስቲ ኣብ ተመለስቲ ፍሉይ ደገፍ ይገብር ምህላዉ እዩ ዘመላኽት። እዚ ኮይኑ  እናሃለወ እውን ነዚ ዕድል እዚ ገዲፎም ተመሊሶም ናብ ስደት ዝኸዱ መናእሰይ ውሑዳት ኣይኮኑን። ስለዚ ኣብ ኣተሓሳስባ ዘሎ ክፍተት ምምላእ ሐዚ እውን ኣድላዩ እዩ ዝኸውን።

ብሓፈሻ እንትረአ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝግበር ዝውውር ሰባት ዓለም ለኻዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ናብ ካሊእ ከባቢ እናጎዓዓዙ ንዝተፈላለየ ብዝበዛ ጉልበት፣ ውሽጢ ገዛ ስራሕን ንናይ ሓይሊ ጥቕዓት ዝዳረግሉ እዩ። ካብ ሕጊ ወፃኢ ንዝግበር ዝውውር ሰባት ዝቃልዑሉ ምኽንያታት ኣብ ግደ ውሽጢ ስራሕ ምስኣን፣ ስራሕ ምምራፅን ኣብ ሓፂር ግዜ ክትህፍትም ምድላይን ተጠቀስቲ እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ድፍኢት ወለድን ኣዕርኽትን ብፍላይ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ብቑፅሮም ኣዝዮም ውሑዳት ናብረኦም ተመሓይሹ ዝመፅኡ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ማሕበረሰብ ዝዓበየ ድፍኢት ኣብ ልዕሊ ደቁ ንክገብር ዝዕድም እዩ።

እዚ እውን ወለዲ ኣብቶም ከይዶም ዝተመለሱ ውልቀ መናእሰይ ይኹን ኣብ ቤተሰቦም ዝሪኦም ምምሕያሽ መነባብሮ መበገሲ እናገበሩ ኣብ ዓዲ ውሽጢ ንዝነበሩ ደቆም ናብ ስደት ንክኸዱ ፅዕንቶ የሕድሩሎም እዮም። ይኹን እንበር እቶም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብዘይሕጋዊ መንገዲ እንትኸዱ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝጠፍኡን ኣብ በረኻታት ብጥምየትን ፃምእን ዝሞቱን ኣይርእን። ብተወሳኺ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዘለዉ መዘዋወርቲ ወይ ድማ ደለልቲ ዝፈጥርዎ ምልዕዓል ባዕሉ ዝኸኣለ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ካብቶም ካብ ዝተፈላለየ ከባብታት ዝዘዋወሩ ተጎዳእቲ ዝተፈላለየ ጥቕምታትን ገንዘብን  ስለ ዝረኽቡ ነዚ ኩነታት የጋድዶ እዩ።

ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝግበር ዝውውር ደቂ ሰባት ዘብፅሖም ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ቁልውላዋት ኣለዉ። እቲ ሽግር ዝጅምር ድማ ኣብቶም ተጓዓዓዝቲ እንትኸውን ኣብ ዙርያ ተጎዳእቲ ዘለዉ ወለድን ቤተሰብን እውን ንዝኸፍአ ሓዘንን ምንግልታዕን ክቃልዑ ይገብር እዮም። ንኣብነት ደቆም ናብ ወፃኢ ዓዲ ሰዲዶም በቲ ዝሓሰብዎ እንተዘይኮኑሎም ኣብ ልዕሊ ወለዲ ዝበፅሑ ማሕበረ ኢኮኖሚያውን ስነ ልቦናውን ፀገማት ቀለልቲ ዝበሃሉ ኣይኮኑን። ናይዚ መርኣዪ ብተግባር በቢከባቢኡ ዘለዉ ደቆም ብሞት ዝሰኣኑ፣ ስድረኦም ዝተበታተነን ሓዳሮም ዝፈረሰን ብዙሓት እዮም።

ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብ ዝግበር ዝውውር ሰባት ኣብ እዋን ጉዕዞ ካብ ዘጋጥሙ ፀገማት ምግቢ ምስኣን፣ ፅምኢ ማይ፣ ንጉዕዞ ዝጠቕሞም ሰነዳት ምምንጣል፣ ኣካላዊ መውቃዕቲ፣ ብኣራዊት ምብላዕ፣ ናብ ባሕሪ ምድርባይ፣ ሞትን ካልኦት  ኣብ እዋን ጉዕዞ ኣብ ልዕሊ ተጎዓዝቲ ዝበፅሑ ጥቕዓታት እንትኾኑ ድሕሪ ጉዕዞ እውን ኣብ ህወቶምን ኣካላቶምን ዝተፈላለዩ ፀገማት ይበፅሖም እዩ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ንዘይተደለየ ጥንሲ፣ ከቢድ ዝኾነ ጉልበት ስራሕን ፆታዊ ጥቕዓትን ካብዚ ብዝዘለለ ድማ ንሞት ይቃለዓ እየን።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ጥቕዓታት ብጠቕላላ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝፍፀሙ ገበናትን እንትኾኑ እዚ ፍፃመ ንምቁፅፃርን ፈፀምቲ ገበን ግቡእ ቅፅዓት ክረኽቡ ምግባር ግደ ፍትሒ ኣካላት ዝዓበየ እዩ። እዚ ገበን ኣብ ምክልኻል ናይ ኩሉ ኣካላት ምርብራብን ኣስተዋፅኦ ምግባርን ድማ ወሳኒ እዩ። ምስዚ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፍትሕን ጉዳዩ ምስ ዝምልከቶም ትካላትን ብሓባር እዚ ሽግር ንምቁፅፃር ሓቢርካ ምስራሕ ዝሓሸ ተግባር እዩ።

ምክንያቱ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝግበር ዝውውር ሰባት ንናይ ሃገር ህልውና ዝፈታተን ስለዝኾነ እዚ ሓደጋ ንምቕናስ ኢልካ እውን ንምትራፍ ህዝቢ፣ መንግስትን፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ክረባረብሉ ይግባእ። ነዚ እውን ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምውዳብን ኣብ ኣሰራርሓ ዘለዉ ክፍተታት ብምፍላይ ስራሕቲ ምስትኽኻል ምስራሕ የድሊ። እዚ ሕጋዊ ዘይኮነ አሰራርሓ ንምፅባብ ሕጋዊ ዝኾኑ ኣሰራሓታት ብምቅልጣፍ ውፅኢት ዘለዎ ስራሕ ምስራሕ ጠቓሚ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣካላት ካብ ተሓታትነት ከም ዘየምልጡ ፈሊጦም እውን ካብ እኩይ ተግባሮም ክመሃሩ ይግባእ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 933
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2009