እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5193297
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
750
3331
20660
5145598
97355
128136
5193297

Your IP: 54.158.219.248
2018-05-25 05:19

ቀልቢ ዓለም ዝሰሓበ ህፃን

here we go
selam new

ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ብ“ኦቲዝም” (ፍሉይ ድሌት) ዝተጠቕዑ ሰባት ምስ ካልኦት ህፃውንቲ ኮኑ ዓበይቲ ሰባት ከይተሓወሱ እንታይነት ዓለም ከይፈለጡን ምድራዊ ህይወት ከየስተማቐሩን ኣብ ገዛ ተሓቢኦም ክነብሩ ብኡ ኣቢሎም ፍፃመ ዕድሜኦም ክውድኡ ዝግደድሉ እዋን ነይሩ። ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ግና ግንዛበ ሕብረተሰብና ክንድቲ ዝድለ እኳ እንተዘይኮነ ነቲ ኩነታት ምሕባእ ኣግባብ ከምዘይኮነ ዝሕብሩ ነገራት ብምርኣይ እናተመሓየሸ ብምምፅኡ ወለዲ ፍሉይ ድሌት ዘለዎም ደቆም ናብ ደገ እናውፅኡ ሓገዝ ክረኽቡ ይገብሩ ኣለዉ። ሕዚ እውን ግን “እኹል ግንዛበ ተፈጢሩ እዩ” ምባል ዘድፍር ኣይኮነን። እምበኣር “ኣብ ምዕባይ ግንዛበ እቲ ሕማም ዓብዪ ተራ ክፃወት ይኽእል እዩ” ዝተብሃለሉ ካብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝሰማዕናዮ ሓበሬታ ክንነግረኩም።

“ገርበር” (Gerber) እናተብሃለ ዝፅዋዕ ዓለምለኸ ትካል መፍረዪ ምግቢ በቢዓመቱ ሓደሽቲ ፎቶታት እናወዳደረ መፋለጢ ምህርቲ ዝመርፅ ትካል እዩ። ኣብዚ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ 140 ሽሕ ህፃናት ሉቃስ ዋረን ዝበሃል ወዲ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝኾነ ብሕማም ኦቲዝም ዝተጠቕዐ ህፃን ምዕዋቱ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ምምራፅ ህፃን ሉቃስ ተጠቃዕቲ ኦቲዝም ብሕብረተሰብ ዘለዎም ተቐባልነት ንክውስኽ ዓብዪ ተራ ከምዝፃወት ድማ ተኣሚንሉ ኣሎ። ስድራ ሉቃስ ካብቲ ትካል 50 ሽሕ ዶላር ክፍሊት ዝረኽቡ እንትኾኑ ፎቶታት ሉቃስ ድማ ኣብ ገፅ ናይቲ ትካል ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይቲ ትካል መፋለጥታትን ምልክታታትን ዓመት ምሉእ ክወፅእ እዩ። ናይ ገርበር ዋና ስራሕ ፈፃምን ፕሬዚደንትን ዝኾነ ቢል ፐርቲካ ንሉቃስ ዝመረፅናሉ ምኽንያት “ኩሎም ህፃናት ብዓይኒ እቲ ትካል ሓደ ምዃኖም ንምርኣይ እዩ” ከምዝበለ ዝነገረና “ሃፊንግተንፖስት” ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ እዩ።

እሞ ኣብ ሃገርና ኮነ ክልልና ዘለዉ ብሕማም “ኦቲዝም” ዝተጠቕዑ ወገናትና ፍሉይ ክንክን ክንገብረሎም ካብዚ ዓብዪ ትምህርቲ ክንወስድ ይግበአና።

ምልኩዕ መሬት ምልኩዕ ህይወት

ዓለምና ብዘደንቑ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ዝተመልአትን ዝወቀበትን እያ። እዚ ስለዝኾነ በቢመዓልቱ ሓደሽትን መደነቕትን ቦታታት ምርካብ ልሙድ እዩ። ዝተፈላለዩ ኣቀማምጣታት መልክኣ ምድሪ (ጎቦታት፣ ሽንጥሮታትን ጎልጎላትን)፣ ፀባያት ኣየር (ሃሩርን ዛሕልን) ከምኡ እውን ወቕትታት (ሓጋይን ክረምትን) ኣብ ኣፈጣጥራ እዞም ስሓብትን መገረምትን ቦታታት ናይ ባዕልቶም እጃም ኣለዎም።

ናብዞም ውቁባት ቦታታት እዚኦም ምጉዓዝ ጥራሕ እንተይኮነስ ምስልታቶም ብፎቶግራፍ ይኹን ብቪድዮ ምርኣይ ንባዕሉ ፍሉይ ሓጎስ ዝፈጥር እዩ። ካብቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለምና ዝርከቡ ዘደንቑ መልክዕ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት ነቶም ዝስዕቡ ፎቶግራፋት ብምርኣይ መንፈስና ክንደየናይ ከምዝህደስ ምርኣይ ይከኣል። ንሕና እውን ከባቢና ሓምለዋይ እንተጌርና መንበሪና ካብ ምምልኻዕ ሓሊፉ ንመንፈሳዊ ዕግበትን ንጥዕናናን ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ተገንዚብና ተፈጥሮኣዊ ህያባትና ክነመላኽዕ ይግበአና መልእኽትና እዩ።  

                                                           ፍልፍል ሓበሬታ:- www. boredpanda.com እዩ።


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010