የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4534401
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1853
2471
4324
4511961
49674
165145
4534401

Your IP: 54.224.164.166
2017-11-20 17:20

ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝወሓዘ “ሴፍትኔት” ኣበይ በፅሐ?

here we go
selam new

ዓንቀፅ 90 ንኡስ ዓንቀፅ ሓደ ሕገ መንግስቲ ፌደራላዊ ዴሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዕላማታት ማሕበራዊ ጉዳያት ዝሓዘ እዩ። ዝርዝር ሓሳቡ ድማ ዓቕሚ እዛ ሃገር ብዝፈቐዶ መጠን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ግልጋሎት ጥዕና፣ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ መንበሪ ገዛ፣ ውሕስነት ምግብን ማሕበራዊ ኩነታትን ክረክብ ከምዘለዎ ይድንግግ። ብተወሳኺ ኣብ ዓንቀፅ 41 ንኡስ ዓንቀፅ ሓሙሽተ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጉድኣት ዘለዎም፣ ኣረጋውያንን ብዘይወለዲ ወይ ብዘይመዕበዪ ንዝነብሩ ህፃናትን ንምጥያሽን ንምሕጋዝን ዓቕሚ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዝፈቐዶ ምሕብሓብ ከም ዘድሊ ይሕብር። ኣብቲ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ ሽዱሽተ ዝሰፈረ ሓሳብ ከዓ ስራሕ ንዝስኣኑን ፅጉማትን ስራሕ ክረኽቡ ዘኽእል ፖሊሲ ብምሕንፃፅ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር መደባትን “ፕሮጀክት”ታትን ምቕማጥ ከም ዘድሊ የረድእ። ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ ሸውዓተ ዘሎ ሓሳብ እውን ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ክዝርግሐሎም መንግስቲ ዘድልዩ ስጉምትታት ክወስድ ከም ዘለዎ የመላኽት። እዚ ክበሃል ከሎ ልምዓታዊ መንግስቲ ዕላማ ልምዓታዊ ምንቅስቓሳትን ዕብየት ዜጋታትን ንምምላእ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ምውሳድ ከም ዘድልዮ የረጋግፅ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት መሰረታዊ ትኹረት ብምግባር ማሕበራውን ቁጠባውን ውሕስነት ዜጋታት ምርግጋፅ ወሳኒ ከም ዝኾነ ተቐሚጡ ኣሎ። ብመንፅር እዚ ንምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ስትራቴጂ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ተቐሪፁ ክስረሐሉ ፀኒሑ። ቀንዲ  ትኹረት እቲ ስትራቴጂ ድማ ኣብ መነባብርኦም ፀገም ዘለዎም ወገናት ሕፅረት ምግቦም ብምቅላል ካብ ጥምየትን ድኽነትን ተናጊፎም ቁጠባዊ ዕብየት ዘረጋግፅሉ ባይታ ንምፍጣር እዩ።

ቅድሚ 2009 ዓ.ም ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኣብ ገፀር ጥራሕ እምበር ኣብ ከተማታት እናተሰርሐሉ ኣይፀንሐን። ስትራተጂ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ቅድሚ 2009 ዓ/ም ኣብ ከተማታት ካብ ገፀር ዝቐርቡ ፍርያታት ሕርሻን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ንድኻታት ተባሂሎም ዝቐርቡ መሰረታዊ ሸቐጣትን ምግቢ ብምክፍፋል ጥራሕ እናተጠቐማ እየን ፀኒሐን። እዚ ድማ ኣብ ነበርተን ዝተማልአ ውሕስነት ምግቢ ክረጋገፅ ኣይከኣለን። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከዓ ስትራቴጂ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ነበርቲ ከተማ ከፈፅም ዝኽእል ኣወዳድባ ስለዘይነበረ እዩ። ነዚ ፀገም ንምቅላል ካብ 30 ሰነ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ ብቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብኣዋጅ ቁፅሪ 278/2008 ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንትን ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ከተማታትን ከም ሓደ ቤት ዕዮ ተጣይሹ። ቀንዲ ዕማም እቲ ቤት ዕዮ ንምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ነበርቲ ከተማታትን ተጠቃምነት ደኣንትን ማእኸል ገይርካ ምስራሕ እዩ። ስለዚ  እቲ ኣወዳድባ ውሕስነት ምግብን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ነበርቲ ከተማታት ንምርግጋፅ፣ ስእነት ስራሕ ብምቕራፍ ዜጋታት ዝተመጣጠነ ምግቢ ክረኽቡን መፍረይቲ ክኾኑን ስለዝገብር  ኣድላይነቱ ዝለዓለ እዩ።

በዚ መሰረት ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ብዛዕባ ሕሉፍ ኣፈፃፅማን ከይድን እቲ ፐሮግራም ዝምልከት ስልጠናን ገምጋምን ተኻይዱ። ኣብ ኤጀንሲ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ውሕስነት ምግቢ ነበርቲ ከተማታትን ኢትዮጵያ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣይተ በቀለ መንግስቱ ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝተሳለጠ ስልጠናን ገምጋምን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ምስ ደኣንት ሓደ ስትራቴጂ ልምዓት እንትኸውን ነበርቲ ከተማ ኮይኖም ብደኣንት ዘይተበፅሑ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ክኾኑን ኣብ መነባብሮኦም ምምሕያሽ ንምምፃእን ዝዓለመ እዩ። እቲ ፕሮግራም ኣብ ዝተሓተ ብርኪ መነባብሮ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምግቢ ዓርሶም ክኽእሉ ገይርካ ናብ ዝሓሸ ብርኪ መነባብሮ ክሰጋገሩ ንምግባር ልዑል ግደ ኣለዎ።

ንመሳለጢ ስራሕ እቲ ፕሮግራም ካብ ባንኪ ዓለም 300 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ 150 ሚልዮን ዶላር ብድምር 450 ሚልዮን ዶላር እዩ ተመዲብሉ። እዚ ንፈለማ እዋን ከም ፈተነ ኣብ 11 ከተማታት ኢትዮጵያ ስራሕ ዝጀመረ ኮይኑ ንሳተን እውን መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣዳማ፣ ሰመራ፣ ሎግያ፣ ደሴ፣ ሃዋሳ፣ ሃረር፣ ድሪዳዋ፣ ኣሶሳን ጅግጅጋን እየን። ኣብዘን ከተማታት ነበርቲ ዝኾኑን ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝርከቡ ተባሂሎም ዝተሓረዩን 159 ሽሕን 600 ወገናት ድማ ብስራሕን ቀጥታ ሓገዝን ተረባሕቲ እናኾኑ እዮም። ውፅኢት ስራሕ እናተርኣየ ኣብ ቀፀልቲ ዓሰርተ ዓመት በዝሒ ከተማታት ናብ 972 በዝሒ ተጠቀምቲ ድማ ናብ ኣርባዕተ ነጥቢ ሸውዓተ ሚልዮን ክዓቢ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ምህላዉ ኣይተ በቀለ ይገልፁ።

ካብተን 11 ብፈተነ ዝተኣታተወለን ከተማታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ዝኾነት ከተማ መቐለ ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ 800 ወገናት ብቀጥታ ሓገዝ 4,200 ድማ ብስራሕ ተረባሕቲ ዝኾኑ ወገናት ኣብ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ነበርቲ ከተማ ክሕቆፉ ገይራ እናሰርሐት መፂኣ ኣላ። እቲ ፕሮግራም፣ ፅጉማት ንዝኾኑ ነበርቲ ከተማ ካብ ድኽነትን ስእነት ስራሕን ንምልቓቕ ማእኸል ዝገበረ ምስቲ ምዃኑ ነዚ ትኹረት ብምሃብ ይስርሐሉ ከም ዘሎ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት ደኣንትን ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ከተማታትን ከተማ መቐለ ወ/ሮ ልእልቲ ፍስሃ የረድኣ። ካብቶም በዚ ተረባሕቲ ዝኾኑ ወገናት እቶም 84 ምኢታዊ ሰሪሖም ተረባሕቲ ዝኾኑ እዮም። ሰሪሖም ተረባሕቲ ዝኾኑ ወገናት ዝዋፈሩሎም ስራሕቲ ኣብ ፅርየትን ፅባቐን ከተማ፣ ስራሕቲ ተፋሰስን ካልኦት ከባቢያዊ ልምዓትን እዮም። በዚ ድማ ካብቶም ብድምር ኣብ ሓንቲ ከተማ ኣብ ሴፍትኔት ዝሕቆፉ ተጠቀምቲ እቶም 16 ምኢታዊ ክሰርሑ ዘይኽእሉ ሰብ ፀጋ ዕድመን ብምኽንያት ሕማም ክሰርሑ ዘይኽእሉን ፀገም ጥዕና ዘለዎምን ወገናት፣ ጠዋሪ ዘይብሎም ጉዱኣት ኣካል፣ ህፃናትን ካልኦት ርኡይ ዝኾነ ማሕበራዊ ፀገም ዘለዎምን ድማ ብቀጥታ ሓገዝ ገንዘብ ይግበረሎም።

እዚ ንምግባር ከም መቐለ ካብ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ ዘድሊ ቅድመ ምድላዋት እናተገበረ ምስ መፅአ ኣብ 2009 ዓ.ም ድማ ናብ ተግባር ተኣትዩ። በዚ ኣገባብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ክፍለ ከተማታት ቀዳማይ ወያነ፣ ሓወልትን ሓድነትን እዩ ጀሚሩ። ኣብ ከይዲ ምልመላን ተግባራዊ ስራሕን ዘጋጠሙ ፀገማት ድማ ተገምጊሞም ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ከይዲ ምልመላ ጅምላዊ ዝመስል ኣመላምላ ተራእዩ ነይሩ። ካብኡ ሓሊፉ ናብ ተግባር ምስኣተወ ድማ ተጠቀምቲ ክሰርሕዎ ዝግባእ ስራሕ ሰሪሖም ኣብ ክፍሊት ግን ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ክፍሊት ከይተፈፀመ ተደናጉዩ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሜላ ኣከፋፍላ ምንጪ ኣካብነት ክራይ ከይኸውን ክፃፈፉ ዝግብኦም ስራሕቲ ንምፅፋፍ ግዘ ካብ ምውሳዱ ዝብገስ እዩ። 

ብተወሳኺ ተጠቀምቲ ነናይ ባዕሎም ሒሳብ ቁፅሪ ተኸፊቱሎም¸ክፍሊት ብባንኪ ስለዝወሃቦም ኣብ ባንኪ እውን ሓደ ሒሳብ ቁፅሪ ንልዕሊ ሓደ ሰብ ምኽፋት ተርእዮታት ኣጋጢሞም ምንባሮም ወ/ሮ ልእልቲ ይገልፃ። ከምኡ እውን 20 ምኢታዊ ኣብ ባንኪ ክቑጠብን ኣብኡ ተቖሪፁ ክተርፍን ዝግብኦ ገንዘብ ከይቆረፅካ ንተጠቀምቲ ምሃብ ተራእዩ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ናውቲ ስራሕ ብእዋኑ ዘይምቕራብ፣ ናብ ስራሕ ምስተኣተወ ብምኽንያት ፀገም ጥዕና ኣብ ሓድ ሓደ ወገናት ምቁራፅ ስራሕ ነይሩ። እዚኣቶም ጥራሕ ዘይኮኑስ ነበርቲ ሓደ ከባቢ ካብ ሴፍትኔት ወፃኢ ክሰርሕዎ ዝኽእሉ ስራሕ ብሴፍትኔት ክስርሐሎም ምድላያት ነይሮም። እቲ ናይ ደኣንትን ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ከተማታትን መሓውር እውን ነቲ ስራሕ ሓዱሽ ካብ ምዃኑ ዝብገስ ብደንቢ እትው ኢሉ ኣብ ምስራሕ ጉድለታት ተራእዮም እዮም። እቶም ከምዚ ዝበሉ ፀገማትን ካልኦት ጉድለታትን ብእዋኖም ተገምጊሞም መፍትሕ ተገይሩሎም ብዝሓሸ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 ዓ.ም ተዛዚሞም ናብ መደባት 2010 ዓ.ም ተኣትዩ ኣሎ።

ኣብ 2010 ዓ.ም እውን እቲ ፕሮግራም ክሰፍሕ ከም ዘለዎ መንግስቲ ተገንዚቡ ኣብ መቐለ ካብ ሰለስተ ክፍለ ከተማታት ሰለስተ ብምውሳኽ ናብ ሽዱሽተ ክፍለ ከተማታት ዓብዩ እዩ። እተን ኣብ 2010 ዓ.ም ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ተኣታትዩለን ዘሎ ከባብታት ክፍለ ከተማ ሰሜን፣ ዓይደርን ዓዲ ሓቅን እየን። በዝሒ ተጠቀምቲ ድማ ማዕረ እቲ ኣብ 2009 ዓ.ም ዝነበረ መደብ 800 ብቀጥታ ዝሕገዙ 4,200 ከዓ ሰሪሖም ተረባሕቲ ዝኾኑ እዮም። ስለዚ ብድምር ኣብ ከተማ መቐለ 10 ሽሕ ወገናት ብልምዓታዊ ሴፍትኔት ተረባሕቲ ይኾኑ ኣለዉ። እዚ ውፅኢት እናተርኣየን እናተገምገመን ብቐፃልነት ኣብ ከተማ መቐለ ናብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ክተኣታቶ ብምግባር ብሴፍትኔት ከተማ ዝርብሑ ከባቢ 14 ሽሕን 900 ናይ ድኻ ድኻ ዝኾኑ ወገናት በቲ ፕሮግራም ክሕቆፉ እዮም። ኣብ መቐለ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ክሰፍሕ ምዃኑ እውን ወ/ሮ ልእልቲ ይገልፃ።

ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚረን ኣብቲ ፕሮግራም ተሓቚፈን ተረባሒት ዝኾና ዘለዋ ነባሪት ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ጣብያ ሃረያ ወ/ሮ ሙሉ ኣባይ፣ ቅድሚ ኣብ ሴፍትኔት ምሕቛፈን ክዳን ሰባት እናሓፀባ መነባብሮአን ዝመርሓ ዝነበራ እየን። እቲ ፕሮግራም ምስ መፀ ድማ ኣብ ሴፍትኔት ተሓቚፈን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ከባቢአን ተዋፊረን ፅቡቕ ረብሓ ይረኽባ ምህላወን እየን ዝገልፃ። ብመሰረት እዚ ሴፍትኔት ከተማ መሰረት ለውጥን መሰጋግር ዝሓሸ ናብራን ምዃኑ ተገንዚብካ ምስራሕ ከምዘድሊ ድማ የገንዝባ።

ካብተን ኣብ 2010 ዓ.ም እቲ ፕሮግራም ዝጅመረለን ዘለዋ ክፍለ ከተማታት መቐለ ሓንቲ ክፍለ ከተማ ዓይደር እያ። ብመሰረት እዚ ከም ክፍለ ከተማ ንዕውትነት እቲ ፕሮግራም ዘድሊ ምድላው ተገይሩ ከም ዘሎ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ደኣንትን ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ከተማታትን ኣይተ ኣረጋዊ ገብረኪዳን ይዛረቡ። ቀፂሎም ድማ ኣብ ምልመላ ተጠቀምቲ ዝለዓለ ጠመተ ከም ዝሓትት የገንዝቡ። ምኽንያቱ ክርባሕ ዝግብኦ ሰብ ከይተረብሐ ከይተርፍ፤ ክጥቀም ዘይግብኦ ተጠቃሚ ከይኸውን ግቡእ ጠመተ ዘድልዮ እዩ። 

ብድምር ስትራተጂ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ከተማ መቐለ ኣብ ምጅማር ምዕራፍ ዝርከብ ፕሮግራም እዩ። ብምዃኑ እውን ኣብዚ መርሃ ግብሪ ዝተነፀሩ ሸቶታት ንምዕዋት በቢብርኩ ዘለዎ ኣካላት ኣመራርሓ ይኹን ሕብረተሰብ ንፍትሓውነቱ ዝለዓለ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ።   


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010