አተሓሳስባ እንተሓዊ ከባቢ ይሓዊ

here we go
selam new

ኣብ ጠላዕ ሓጋይ ብልምዓት መስኖ ሽሻይ ኮሚደረ ዝሓፈሱ ሓረስታይ ግደይ ኣፅብሃ

 

“ንሕና ካብ መሬት እንደልዮ ጥራሕ ዘይኮነስ መሬት ንባዕሉ ካባና እንታይ ከምዝደሊ ምፍላጥ ብልህነት እዩ። ኣብ ውሽጢ መሬት ዝነበረ ልሙዕ ሓመድ ብሰንኪ ዋሕዲ ግንዛበን ድኹም ኣተሓሳስባን ልምዑነቱ እንተስኢኑ ስለዝዘራእናዮ ጥራሕ ይበቁል ማለት ኣይኮነን። ብንፋስን ብውሑጅን ተፀራሪጉ ከይኸይድ ክንክን የድልዮ። ኣቀማምጣ መሬት ሃገርና ብተፈጥሮኡኣፃድፍ ዝበዝሖ እዩ። እዚ ድማ ንሓደጋ ፍግረ መሬት ብቐሊሉ ዝተቓለዐ እዩ። ከምዚ ዝበለ ተፈጥሮ ስለዘለና ድማ ንባህሪ ከባቢና ተረዲእና ቀዲሙ ክመፅእ ካብ ዝኽእል ሓደጋ ዓርስና ክንከላኸል ይግባእ። ስለዚ መሬት ልዕሊ ማንም ትኹረት የድልዮ። ከምዚ ንሕና መከላኸሊ ዝናብ ገይርና እንተወፂእና ማይ ዘይረኽበና፣ መሬት እውን ከም ኣእዋምን ሳዕረ ማዕርን ዝበለ ተፈጥሮኣዊ ክዳን የድልዮ።

“እዚ ተፈጥሮኣዊ ክዳን እዚ ኣቃሊልካ ክረአ የብሉን። ኣብ መሬት ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ውህብቶና ተዓቂቡ ክቕፅል እንተኾይኑድማብሳዕርን ኣእዋምን ክሽፈን ይግባእ። መሬት ከም ተራ ነገር ሸለል ክበሃል ዝግባእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ መችዩና ኣብዛ መሬት ክንነብር እንተኾይንና መሬት ልክዕ ከምዝዓረቐ ሰብ ክኽደን ኣለዎ። እዚ እንትኾን ተፈጥሮ ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ምክልኻል እንትከኣል እዩ ህላወ ደቂ ሰባት ብዘተኣማምን መንገዲ ምርግጋፅ ዝከኣል። ካብዚ ወፃኢ ህይወትን መነባብሮ ደቂ ሰባትን ውሕስነት ክህልዎም ኣይኽእልን።” እዚ ዶክተር ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣቢሄር ንመፅሄት ወይን ቑፅሪ ሕታም 39 2004 ዓ/ም ካብ ዝሃብዎ ቃለ መሕተት ዝተወሰደ እዩ።

ከምቲ ዶክተር ተወልደብርሃን ዝገለፅዎ ህይወትን መነባብሮ ደቂ ሰባትንውሑስ ንምግባር ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ክስራሕ ኣለዎ። ነዚ እውን እዩ ውድብን መንግስትን ንስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝለዓለ ትኹረት ሂቦም እናተንቀሳቐሱ ዝርከቡ። በቶም ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮዝተሰርሑ ስራሕቲ ድማ ክልልና ማእኸል ተመክሮ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ክትከውን ኣኽኢልዋ እዩ። ናይዚ መርኣያኣብ ባሕቲ መስከረም 2010 ዓ/ም ኣብ ሃገረ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ሽልማት መፃኢ ዕድል ዓለምና ክልልና ትግራይ ተሸላሚት ወርቂ ፅዋዕ ክትከውን ኽኢላ እያ።

እዚ ለውጢ እዚ ክመፅእ ዝኸኣለ በቶም ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ንነዊሕ ዓመታት እናተሰርሑዝመፁዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ 1997 ዓ/ም ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኣታቶ ንነዘ ሓረስታይና ካብ መረበቱ ከይተመዛበለ ሃፍቱን ጥሪቱን ከይሸጠ፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኡ እናልመዐ፣ ሓበራዊ ረብሓ ኣብ ዝህቡ ስራሕቲ እናነጠፈ ውሕስነት ምግቡ ንኸረጋግፅ ዝለዓለ ሓገዝ እናተገበረ እዩ።ካብተን ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ተሓቚፈን ውሕስነት ምግቢ ነበርተን ኣብ ምርግጋፅ ዝርከባ 31 ወረዳታት ትግራይ ሓንቲ ወረዳ ሓውዜን እያ።

ሃፍቲ ተፈጥሮ ወረዳ ሓውዜን ብሰንኪ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ክመናመን ብምኽኣሉ ንነዊሕ መዋእል ካብተን ብድርቂ ዝጥቀዓ ከባቢታት ክልልና ሓንቲ ኮይና ፀኒሓ እያ። ሎሚግና ውድብን መንግስትን ንሓምለዋይ ክንክንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝሃብዎ ዝለዓለ ትኹረት ብነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔትን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። ሃፍቲ ተፈጥሮ ከየሕወኻ ዝመፅእ ለውጢ የለን ኢሎም  ስለዝአምኑ ድማ ብብዓመቱ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን እናተሳተፉ መፂኦም እዮም።  ኣብ2009 ዓ/ም ኣብልዕሊ 573 ሄክታር ስፍሓት መሬት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ ከትርታት ብእምንን ሓመድን ተኻይዶም እዮም። ኣብዞም ስራሕቲ 16859 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 30344 ወገናት ብምግቢ ንስራሕ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሓበራዊ ዔላ ኣብ ምኹዓት፣ ህንፀት መንገዲ ፀፀርን ካልኦት ስራሕትን ተዋፊሮም ግዝያዊ ክፍተት ምግቦም ካብ ምዕባስ ብዝዘለለ ዘላቂ ልምዓት ኣብ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ተሳቲፎም እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ 12234 ሄክታር መሬት ዝተፈላለየ ዓይነት ፈልሲ ክትከል ተገይሩ እዩ። ከምኡ እውን 35 ሄክታር መሬት ብመስኖ ከልመዓ ዝኽእላ ሓሙሽተ ቼክ ዳም፣ ንልምዓት መስኖ ዝውዕሉ 28 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎም መትረባት ማይ ተሰሪሖም እዮም።ከምኡውን ጣብያ ምስ ጣብያን ምስ ማእኸል ወረዳን ዘራኽብ 27 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መንገዲ ፀፀር ከም ዝተፀረገ በዓል ሞያ ክትትልን ገምጋም ውሕስና ምግብን ወረዳ ሓውዜን ኣይተ አለም አፅበሃ ይገልፁ።

ኣብታ ወረዳ ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ተሓቚፎም ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኦም እናሕወዩ ውሕስነት ምግቦም ዘረጋግፁ ሓረስቶት ንድሕሪት ከይምለሱ፣ ዘይተመረቑ ድማ ውሕስነት ምግቦም ኣረጋጊፆም ናብ ዝሓሸ ብርኪ መነባብሮ ንኽሰጋገሩ “ምምሕያሽ መነባብሮ ሕብረተሰብ” ብዝብል ፕሮግራም ስልጠናን ልቓሕ ገንዘብን ክረኽቡ ተገይሩ እዩ። ብመሰረት እዚ ድማ         685 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም1454 መራሕቲ ስድራ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ፣ ምርባሕ ፀባ ከፍትን ጠለበጊዕን ተዋፊሮም ንምስራሕ 8184770 ብር ልቃሕ ካብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢትን ብምሃብ ናብ ስራሕ ዝኣትውሉ ኩነታት ተፈጢሩ።

ኣብ 2010 ዓ/ም እውን ንምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝለዓለ ትኹረት ብምሃብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ዝተኻየደሎም ጎቦታትን ጉህምታትን 35 ሄክታር መሬት ከልምዓ ዝኽእላ ሓሙሽተ ቼክዳም፣ ሰለስተ ሓባርዔላ ከምኡ ድማ 10 ውልቀ ዔላን 22 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መትረባት ማይን ህንፀቶም እናተሳለጠ እዩ። ብመሰረት እዚ ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ከም መሰጋገሪ ድልድል ተጠቒሞም ኣብ ምርባሕ እንስሳት፣ ልምዓት መስኖን መፍረያይነት ዝራእትን ዝተዋፈሩ 3034 ሓረስቶት ሎሚ ዓመት ምግቢ ውሕስንኦም ኣረጋጊፆም ንምምራቕ ድልዋት ከም ዝኾኑ እቶም በዓል ሙያ የረድኡ።

ሓረስታይ ግደይ ኣፅበሃ ነባሪ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ፍረ ወይኒ እዮም። “ካብ ድኸነት ዝኸፍአ ፀገምን ውርደትን የለን” ብምባል እዮም ወግዖም ዝጀመሩ። እታ “ዘመን ኣካሒዳ” ኢሎም ዝፅውዕዋ እዋን 1977 ዓ/ም ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኦም ምድረ በዳ መሲሉ ዓይኒ ማያትን ወሓዝቲ ሩባታትን ጣብየኦም ንጨና ኣብ ዘይነበረሉ ሰብን እንስሳን ኣብ ሞንጎ ሞትን ሕውየትን ተቐርቂሩ ሓሊፉ እዩ። ካብስደት ኣምሪሮም ዝፀልእዎ ነገር ዘይነበሮም ሓረስታይ ግደይ ግንህይወቶምን ህይወት ስድረኦምን ንምዕቃብ ክብሉ ከይፈተው ዕረ እናጠዓሞም እግሮም ናብ ዝመርሖም ናብ ኤርትራ ተሰዲዶም። ዓቕሊ ፅበት ከይንዎም ዝመረፅዎ ስደት እውን ካብቲ ዝኸፈአ ጥሜትን ዕርቃንን ከናግፎም ኣይከኣለን። ድሕሪ ፃንሒት ሓደ ዓመት ድሃይ ዓዶም ኣፀናፂኖም “ዝናብ ኣሎ” ምስተብሃሉ ድማ ናብታ ጥርሓ ዝገደፍዋ ጎጆኦም ተመሊሶም።

ስደት ዝኸድሉ ምኽንያት ስኣን ብምዕሩይ ፖሊሲ ሕርሻ ኣደጊፉ ዝመርሕ ስርዓት እንበር ሐዚ ኮይንካ እቲ ወረዳ ክትሪኦ እንተለኻ ከባቢኦም ንልምዓት መስኖ ዝምቹ እዩ። ለካ ስኣን መሪሕ ህዝባዊ ስርዓት እዮም ማይ ረጊፆም ስደት ዘቋሙቱ ዝነበሩክትብል እዩ ዘገድድ።በዚ መሰረት እኹል ማይ፣ መሬትን ጉልበትን ምህላዉ ዝተረድአ መንግስትና ንነዊሕ ዓመታት ብፍግረ መሬት ልሙዕ ሓመድ ዝተጓሕጎሐ ጉህምን ጎቦን ኣብ መላእ ትግራይ ኮነ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን እናሰርሐ መፂኡ እዩ። ሓረስታይ ግደይ እውን  ኣብ 1997 ዓ/ም ብምግቢ ዓርሶም ዘይከኣሉ ተባሂሎም ኣብ ፕሮግራም ሴፍትኔት ብሓሙሽተ ዕያል ተሓቚፎም። ድሕሪ እዚ ካብቲ ፕሮግራም ዝረኸብዎ ክፍሊት ንምግቦም እናውዓሉ ኣብ ምርባሕ ከፍትን ጠለበጊዕን፣ መፍረያይነቶም ኣብ ዘሰስኑ ስራሕቲ መስኖ ክነጥፉ ጀሚሮም። ብፍላይ ብሰንኪ ፍግረ መሬት ልዕሊ 15 ሜትሮ ዕምቆት ፈጢሩ ከፍትን ሰብን ዝፀድፍሉ ዝነበሩ ጉህምታት ጣብየኦም ኣብ 2003 ዓ/ም ብማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ቼክዳም ምስ ተሰርሓሉ ናብ ልምዓት መስኖ ከምዝኣተው ይገልፁ።

ነዚ ዕድል እዚንምጥቃም ድማ ካብ ፕሮጀክት ሚሊኒየም እታ ወረዳ ሰለስተ ሽሕ ብር ልቓሕ ኣውፂኦም ሞተር ማይ ዓዲጎም። መዓል ሓደ ፅማድ ተሓራሳይ መሬቶም ብዓቐን መሬቶም ሓደ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ፣ ሓሙሽተ ኩንታል ባህላዊ ድኹዒ ተጠቒሞም ሽጉርቲ፣ ኮሚደረን ምሸላን እናቐያየሩ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ብመስኖ ከልምዑ ጀሚሮም። ካብዚ ድማ ብልምዓት መስኖ ኣቢሎም ብዝረኸብዎ ኣታዊ በቢዓመቱ ካብ 15 ክሳብ 30ሽሕ ብር እናረኸቡ እዮም። ከም ኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መዓል ሓደ ፅማድ መሬቶም ኮሚደረ ተኺሎም 20 ሽሕ ብር ኣታዊ ረኺቦም። ኣብ 2010 ዓ/ም እውን ካብ ተመሳሳሊ ስፍሓት መሬት ኮሚደረን ምሸላን ኣልሚዖም ኣስሓይታ ኣብ መፍረያይነቶም ፅልዋ ንኸይፈጥር ዘለዎም ስግኣት እንተዘይኮይኑ 30 ሽሕ ብር ክረክብ እየ ዝብል ትፅቢት ከምዘለዎም የረድኡ።

ሓረስታይ ግደይ ካብ ልምዓት መስኖ ብተወሳኺ ኣብ መፍረያይነት ዝራእቲ እውን ይነጥፉ እዮም። ስለዝኾነ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2009/2010 ዓ/ም መዓል ኣርባዕተ ፅማድ ተሓራሳይ መሬቶም ሰብ ሞያ ሕርሻ እታ ጣብያ ዝህብዎም ምኽርን ሓበሬታን ተግባራዊ ብምግባር ሰለስተ ግዜ ሓሪሶም ኣለሳሊሶም ክልተ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ፣ 10 ኩንታል ባህላዊ ድኹዒተጠቒሞም ዘሪኦም። እዚ ብምግባሮም ድማ ቅድም ክብል ካብ ተሓራሳይ መሬቶም ካብ ሸሞንተ ኩንታል ዘይዛይድ እቶት ዝረኽቡ ዝነበሩ ሎሚ ሙሉእ ፓኬጅ ተጠቒሞም ብምዝረኦም ምህርቶም ሙሉእ ንሙሉእ ዋላ እኳ እንተዘይኣከቡ”20 ኩንታል ፍርያት ክረክብ እየ” ዝብል ትፅቢት ኣለዎም። እዚ ድማ ከም ወረዳ ተጠቀምቲ ልምዓት መስኖ ወረዳ ሓውዜን ካብ ሓደ ሄክታር መሬት 23 ኩንታል ክረኽቡ ናብ ዝወፀ ትልሚ ከምዝፅጋዕ እዩ ዘመላኽት።

ሓረስታይ ግደይ ቅድም ክብል እዚ ዝብሃል ጥሪትን ንብረትን ኣይነበሮምን። ኣብዚ ሐዚ እዋን ሳላ ፃዕሮም ብምግቢ ዓርሶም ምኽኣሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ሰለስተ ኣብዑር ሓንቲ ድቓላ ፀባ ላሕሚ፣ ሸሞንተ ኣባጊዕ ወኒኖም እዮም። ከምኡ እውን ሓደ ክፍሊ ቆርቆሮ ክልተ ዘበናዊ ቆፎ ንህቢ ከም ዝወነኑን ስድረኦም ብዝሓሸ ኩነታት ብምምራሕሃፍቲ ገነቶም ልዕሊ ሓደ ምኢቲ ሽሕ ብር ከምዝበፅሐ ብኣንደበቶም ይገልፁ።

ብድምር ኣብ ወረዳ ሓውዜን ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዙራት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ሓረስቶት ካብቲ ፕሮግራም ዝረኽብዎ ክፍሊት ከም መሰጋገሪ ተጠቒሞም ዘላቂ ለውጢ ኣብ ዘምፅኡ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ፣ ሃፍቲ እንስሳን መፍረያይነት ኣብ ዘሰስኑ ስራሕቲ እናሰርሑ እዮም። ናይዚ ውፅኢት እውን ካብ 2002 ዓ/ምጀሚሩ ክሳብ 2007 ዓ/ም ውሕስነት ምግቦም ዘረጋገፁ 52238 ተጠቀምቲ ንምምራቕ ትልሚ ተታሒዙ 40864 ወገናት ክምረቑ ኽኢሎም እዮም። ኣብ ራብዓይ ዙር እቲ ፕሮግራም ድማ ከምቲ ዶ/ር ተወልደ ብርሃን አብ መእተዊ እዚ ፅሑፍ ዝበልዎ ንሕና ካብ መሬት እንደልዮ ጥራሕ ዘይኮነስ መሬት ንባዕሉ እውን ካባና እንታይ ይደሊ ኢልና ውድብን መንግስተን ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሓዝዎም መደባት ንምዕዋት ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣጠናኺርካ ብምቕፃል ልዕሊ ኹሉ ፀላኢና ንዝኾነ ድኽነት ኣብ ምጥፋእ ብዝተወደበ መንገዲ ክንፅዕር ይግባእ።


alena ember where do we