የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4534398
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1850
2471
4321
4511961
49671
165145
4534398

Your IP: 54.224.164.166
2017-11-20 17:20

ክልተ መልክዕ ገፀ መሬት

here we go
selam new

                       ስለዝተረፈካ ዘይኮነስ ካብታ ዘላትካ ምዕቋር ኣብ ዝለዓለ ብርኪ የብፅሕ

ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብሰንኪ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት መግለፂ ፍግረ መሬት ዝነበሩ ዝተገየፁ ጎቦታትን ጉህምታትን ትግራይ ሎሚ ሳላ ፃዕራም ህዝቢ፣ መሪሕ ውድብን መንግስትን ኦምን ሳዕርን ኣብቊሎም መዓርን ጠስምን ይሕለቡ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊኦም ብዝተሰርሑ ዝተፈላለዩ ጠሊ ዓቀብቲ ስራሕቲ ድማ ኣብ እግሮም ዓይኒ ማያት ፈልፊሎም፣ ወሓዝቲ ሩባታት ብምጉልባቶም ንልምዓት መስኖ፣ ሃፍቲ እንስሳን ምስሳን መፍረያይነትን ዓብዪ ዓቕሚ እናፈጠሩ ይርከቡ።

ሓረስታይ ትግራይ በብ ዓመቱ ን20 መዓልትታት ብነፃ ጉልበት ከቲቱ ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝሰርሖም ስራሕቲ ክልልና ትግራይ ኣብ ባሕቲ መስከረም 2010 ዓ/ም ኣብ ሃገረ ቻይና ከተማ ኣርዶስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ተሸላሚት ወርቂ “መፃኢ ፖሊሲ ዓለምና” ንምዃን ኣኽኢሉዋ እዩ። እዚ ሽልማት እዚ ምድረባዳነት ካብ ምክልኻል ብዝዘለለ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምልማዕን ብምኽላልን ሕርሻና ናብ ዝለዓለ ብርኪ መፍረያይነት ምስግጋር ከምዝከኣል ዘመላኸተ እዩ። ኣብዞም ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብፍላይ ካብ 1997 ዓ/ም ንነዘ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ኣበርክትኡ ዝዓዘዘ እዩ ክበሃል ይከኣል።

እዚ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ሓረስቶት ብሰንኪ ዝነበሮም ሕዱር ድኽነት ካብ መረበቶም ከይተመዛበሉ፣ ጥሪቶም ከይሸጡ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኦም እናሕወዩ፣ ሓበራውን ውልቀን ረብሓታት ኣብ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ተዋፊሮም ብምራሕ ዘላቒ ረብሓታቶም ዘረጋግፅሉ ዘለዉ ፕሮግራም እዩ። ንሎሚ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ኣብ ሓለዋን ክንክንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕትን ኣብ ዝለዓለ ፀገምን ድኽነትን ዝነበሩ ሓረስቶት ብምግቢ ዓርሶም ንምኽኣል ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕርን ዘርኢ ትሕዝቶ ኣቕሪብና ኣለና።

መራሒት ስድራ ወ/ሮ ስንዳዮ ዮሴፍ ነባሪት ወረዳ ድጉዓ ተምቤን ጣብያ ልምዓት እየን። እዘን ኣዶ “ጓል ኣንስተይቲ ዓርሳ እንተዘይኽኢላ ፀቓጢኣ ብዙሕ እዩ።” ብምባል እየን ወግዐን ጀሚረን። እዚ ዝበላሉ ምኽንያት ድማ፣ ቅድሚ ናብ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ምሕቛፈን ብፀገም ዝተኸበበ ህይወት ከም ዘሕለፉ እየን ዝገልፃ። ገና ጓል 16 ዓመት እናሃለዋ ካብ ስድረአን ተፈልየን በቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ዝኸዳ ዝመሰለን ናብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ከይደን ኣብ እንዳሰብ ተቆፂረን ክሰርሓ ጀሚረን።

ኣብ እንዳ ሰብ ንስዋ ዝኸውን መጠቓ ብምስንካት፣ ማይ ንሰብ ብምሕዋርን ካልእን ጉልበተን ሂበን ን10 ዓመታት መነባብሮ እናመርሓ ድሕሪ ምፅናሐን ዘጠራቐመአን 600 ብር ሒዘን ናብ ንግዲ እኽሊ ተዋፊረን። ድሕሪ እዚ ኣብ ዝተዋፈራሉ ስራሕቲ ንግዲ ሓጋዚ እንተኾነኒ ኢለን ሓዳር መስሪተን። ሓቢረን ንምንባር ዝሓረየኦ ሰብኣይ ግን ከምልበን ክኾነለን ኣይከኣለን። ንሰን መፅለሊ ገዛ ንምስራሕ ኢለን ላሕ እንትብላ እውን ሰብኣይ ካብ ማዕልታዊ ሸቕሊ ዝረኸቦ ኣታዊ ሰትዩ ዘባኽኖ ከይኣኽሎ ንዐአንን ንደቀንን ሰትዩ ብምርባሽ ሓዳረን ናብዘይ ቕፅላሉ ብርኪ ኣብፂሕወን። “ዓገብ በሉለይ” እንተበላን ተደጋጋሚ ብዘመድ ሽማግለ ንክሰማምዑ እንተተፀዓረ እውን ኣይሰመረን። ስለዚ እውን ኣብ 2002 ዓ/ም ተፋቲሐን ሓሙሽተ ቆልዑ ሒዘን ኣብ ጥራሕ ኢደን ናብ ትውልዲ ዓደን ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ ልምዓት ተመሊሰን።

ኣብ ትውልዲ ከባቢአን ተሓራሲ መሬት ስለዘይነበረን ካብ ሓደ ሃፍታም ንሓደ ወርሒ ካብ ሓደ ሚኢቲ ሓሙሽተ ብር ወለድ ዝኸፍላሉ 600 ብር ተለቂሐን እታ ዝለመደኣ ንግዲ እኽሊ ቀፂለን። ምስኡ ጎና ጎኒ መሸጣ ስዋ እውን ጀመራ ካብአን ንቖልዑ መምሃሪን ንምግቢን እናኸፈላ ምንባር ሓርቢቱወን ከም ዝነበረ ንድሕሪት ምልስ ኢለን ይዝክራ። “ፀድፊ እንትፈጥር መደያይቦ ይፈጥር” ከም ዝበሃል እታ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ረሃፀን ኣንጠብጢበን መፅለሊት እንተኾነትኒ ኢለን ዝሰርሐኣ ገዛ ሸይጠን ኣብ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ ልምዓት መፅለሊ ክዕድገላ እንተበላ እውን ምስ ኣቦደቀን ዝነበረ ዘይምቅድዳው ክሰልጠን ኣይከኣለን። ድሕሪ ብዙሕ ምምልላስ እቲ ገዛ ተሸይጡ ብፅሒተን 16 ሽሕ ብር ተመቒለን። በተን 13 ሽሕ ብር ኣብ ጣብያ ልምዓት መሬት ዓዲገን ካብትን ካብዚን ወሳሲኸን መፅለሊት ብዕንፀይቲ ገዛ ምስ ደብሩ ይሰርሓ።

ጐና ጐኒ ምሻጥ ስዋ ካብቲ ስዋ ዝርከብ ሓተላ ንእንስሳ ክጥቀማሉ ብምሕሳብ ብተን ዝተረፈአን ሰለስተ ሽሕ ብር 300 ብር ወሲኸን ብ3300 ብር ላሕሚ ዓዲ ይዕድጋ። ድሕሪ እዚ ናታ ላሕሚ ሓተላ እናመገባ ኣብ ክልተ ወርሓ ምስ ሃጠረት ስራ ተምፅእ። ቀፂሉ ድማ ከስርረኣ ናብ ዕዳጋ ከፍቲ እናወሰደኣ “ትሸጣኣዶ” ዝብል ሓታቲ ይበዝሐን። ከም ዘይትሽየጥ እናገለፃ እንትኸዳ ኣሕዋተን “ሸይጥኪ ኣትሪፍኪ ካሊእ ዘይትገዝኢ” ምስ በልወን ብሓሙሽተ ሽሕ ብር ሸይጠን ካብቲ ዕዳጋ ከይወፃ ብ2300 ብር ላሕሚ ምስ ምራኻ ይዕድጋ። ካብዚ ምራኽን 2700 ብርን ድሕሪ ምትራፍ እንስሳ ዓዲክካ ምሻጥ ስለዝመቸወን በዚ መንገዲ እዚ እናሸጣን እናለወጣን ካብዚ ብዝረኸብኦ እቶት ዘይተመለአ ገዘአን ሰሪሐን ዝሓሸ መነባብሮ ክመርሓ ጀሚረን። 

ፃዕሪ እተን ኣደ ዝተረድኡ ኣካላት ኣመራርሓ እታ ጣብያ ንድሕሪት ንኸይምለሳ ተሓራሲ መሬት እውን ስለ ዘይብለን ኣብ 2008 ዓ/ም ኣብ ሓዱሽ ራብዓይ ዙር ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ብኣርባዕተ ስድራ ተፀኒዐን ተረባሒት ክኾና ይገብሩ። ድሕሪ እዚ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢአን እናልመዓ ካብዚ ዝረኽብኦ ክፍሊት ንምግበን እናውዓላ ጐና ጐኒ ስዋ እናሸጣ ብተወሳኺ እቶት ቆልዑ የምህራ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እናሃለዋ መድሕን ህፃናት (ሴቭ ዘ ችልድረን) ዝተብሃለ ትካል ደቀን ንዘምህራ መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ ብመሰረት ዝሓዞ ኣንፈት ኣብ ፀባ ላሕሚ ተዋፊረን ንምስራሕ 26 ሽሕ ብር የለቅሐን። ድሕሪ እዚ ናይ ባዕለን ዘዋህለለኦ ኣርባዕተ ሽሕ ብር ወሲኸን ብ30 ሽሕ ብር ናይ ወፃኢ ዓሌት ፀባ ላሕሚ ምስ ምራኻ ይዕድጋ።

እዛ ላሕሚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰለስተ ርእሳ ኮይና ብማዕልቲ 12 ሌትሮ ፀባ እናሓለባ ንዕዳጋ የቕርባ። ንሓደ ሌትሮ ብ15 ብር እናሸጣ ወርሓዊ እቶት ስለዝረኽባ ድማ ብር 5400 ካብ ፀባ ሽይጣት ጥራሕ ይረኽባ። ብቐፃሊ እውን ንመራብሒ ከፍቲ ዝኸውን መሬት እንተረኺበን ሓገዝቲ ቆልዑ እውን ስለ ዘለውወን ናብተን ዘለዋ ሰለስተ ኣላሕም ክልተ ምሩፃት ዓሌት ፀባ ከፍቲ ንምትእትታው ትልሚ ከም ዘለወን የረድኣ። ብምዃኑ ድማ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት መሰጋገሪ እንበር መጠወሪ ከም ዘይኮነ ስለዝፈልጣን ኣብ ናብረአን እውን ዝሓሸ ለውጢ ስለ ዘምፀኣን ተመሪቐን ንምውፃእ ድልውቲ ከም ዝኾና እየን ዘውገዓና። 

ካልአይቲ ዘዘራረብናየን ነባሪት ወረዳ ደጉዓ ተንቤን ጣብያ መልፋ ዝኾና ወ/ሮ ሙሉ ወልደማርያም እየን። እዘን ኣዶ መዓል ክልተ ፅምዲ ተሓራሲ መሬት ኣለወን። ይኹን እምበር ከምዚ ሐዚ ብሰብ ሞያ ሕርሻ ዝተደገፈ ዘበናዊ ድኹዒ ኣብ ምጥቃም፣ ብመስመር ምዝራእ ዝብል ኣምር ስለ ዘይተረድኣ ዓመት ዘየብልዕ እቶት እናረኸባ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ክነብራ ተገዲደን እየን። ሓልሓሊፉ ሕፅረት ዝናብ እንተጋጢሙ ድማ እታ ዝርካባ እውን እትሳኣነሉ ኩነታት ስለ ዝነበረ ብምግቢ ዓርሰን ዘይከኣላ ተባሂለን ኣብ 1997 ዓ/ም ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ተሓቚፈን። ቀፂለን እውን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢአን እናልምዓ ካብቲ መደብ ዝረኽብኦ ክፍሊት ክፍተት ምግበን እናዓበሳ 12 ደርሁት ዓዲገን ከራብሓ ጀሚረን። ካብ ሸይጣት እንቋቑሖ ኣብ ወርሒ ክሳብ ሰለስተ ሚኢቲ ብር እናረኸባ ጣጣ ጉጀን የማልኣ። በዚ መንገዲ እዚ ኣብ መነባብሮአን ምምሕያሽ ስለ ዘምፀኣ ካብቲ ፕሮግራም ብዓርሰ ድሌተን ተመሪቐን ከምዝወፃ ይገልፃ። 

ካብዚ ፕሮግራም ተመሪቐን ምስ ወፃ ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ብምውሳድ ንመዓል ክልተ ፅማድ መሬተን ብዝግባእ ሓሪሰን ኣለሳሊሰን ሓደ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ፣ 50 ኪሎ ግራም ምሩፅ ዘርኢ ስርናይ ብመስመር ይዘርኣ። ቅድሚ 10 ዓመት ካብ ሓሙሽተ ኩንታል ዘይዛይድ ዝነበረ እቶተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ብዓቐን መሬተን ዘበናዊ ድኹዒ ተጠቒመን፣ ብዝግባእ ፃህየን ካብ ተመሳሳሊ ስፍሓት መሬት 26 ኩንታል ስርናይ ሓፊሰን እየን። ሎሚ ዓመት እውን ቑሩብ ሕፅረት ዝናብ ስለ ዘሎ ክንኪ እዩ ዝብል ግምት እንተሃለወን እውን ዘድሊ እታዎታት ሕርሻ ተጠቒመን ስለ ዝዘርኣ 20 ኩንታል ከም ዘይስእና እየን ዝገለፃ። እዘን መራሒት ስድራ ብቐፃሊ እታ ናይ ዓዲ ላሕሚ ጨገሬታ ንምቕያርን 50 ደርሁ ዝኾና ንምርባሕን ትልሚ ሒዘን ከም ዘለዋ የረድኣ።

ከም መርኣዪ ነዘን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ወሲደና እምበር ኣብ ፕሮገራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ዝረኸብዎ ክፍሊት ከም መሰጋገሪ ተጠቒሞም ጥሪት ኣብ ምጥራይ ሃፍቲ ኣብ ምውህላል ዝርከቡ ሓረስቶት ብዙሓት እዮም። ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ኣብ 2009 ዓ/ም በቲ ፕሮግራም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንኣብነት እንተወሲድና 29 ሽሕን 775 ወገናት ተረባሕቲ እናኾኑ እዮም። ካብዚኦም እቶም 6754 ወገናት ሰሪሖም ክበልዑ ዘይኽእሉ ሰብ ፀጋ ዕድመ ኣረጋውያን፣ ፀገም ጥዕና ዘለዎም፣ ጉድኣት ኣካልን ደኻትም ህፃናትን ኮይኖም ዓመት ምሉእ ብቐጥታ ሓገዝ ተጠቐምቲ እናኾኑ ይርከቡ። እቶም ዝተረፉ 23 ሽሕን 21 ወገናት ድማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኦም እናልምዑ ሓበራዊ ረብሓ ኣብ ዝህቡ ስራሕቲ መፋስስ፣ ሓበራዊ ሆረየን ዔላን ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ፣ መንገዲን ካልኦት ስራሕትን ተዋፊሮም ብምስራሕ ተረባሕቲ ይኾኑ ኣለዉ። 

ኣብ ስራሕቲ መፋስስ ዝለዓለ ትኹረት ብምሃብ 428 ሄክታር መሬት ዝተፈላለዩ መደባዊ ዛላታት፣ ኩጀታዊ ዛላታትን ፍርቂ ወርሕን ተሰሪሖም እዮም። ከምኡ እውን ኣብ ልምዓት መስኖ ዝነጥፉ ሓረስቶት ፍርያቶም ንዕዳጋ ንምቕራብ ዘኽእል ሸውዓተ ነጥቢ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትሮ ዝንውሓቱ መንገዲ ገፀር ተፀሪጉ እዩ። ከልምዓ እናኸኣላ ሰኣን ዓቕሚ ጠጠው ንዝበላ 16 ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሸሞንተ ባስካን ሸሞንተ ውልቀ ዔላን ተሰሪሑ ስለዝተውሃበን ናብ ልምዓት ኣትየን እየን።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣርባዕተ ክፍሊ ዘለዎ ሓደ ብሎክ ቤት ትምህርቲ፣ 160 ካሬ ሜትሮ ስፍሓት ሓፁር ኬላ ጥዕና፣ በዓል ክልተ ክፍሊ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሓበራዊ ሽንት ቤት፣ ክልተ ቼክዳምን  ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሜትሮ ዝንውሓቱ መትረብ መስኖ ተሰሪሑ ኣብ ረብሓ ውዒሉ ኣሎ። ነዞም ስራሕቲ ድማ 13 ሚልዮን 099 ሽሕን 460 ብብር፣ ብእኽሊ ድማ 17 ሽሕን 783 ኩንታል ንተጠቀምቲ ከም ዝተኸፋፈለ መተሓባበሪ ውሕስነት ምግቢ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ኣይተ ገ/ስላሴ ገ/እግዚኣብሄር ይገልፁ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ቅድም ኢሎም ዝተመረቑ ወገናት ንድሕሪት ከይመለሱ ዘይተመረቑ ድማ ስልጠናን ልቓሕ ገንዘብን ወሲዶም ውሕስነት ምግቦም ኣረጋጊፆም ንኽምረቑ ኣብዚ ሓዱሽ ራብዓይ ፕሮግረም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ዓርሱ ዝኸኣለ “ምምሕያሽ መነባብሮ ሕብረተሰብ” ዝብል ፕሮግራም ተጣይሹ ይርከብ። ብመሰረት እዚ ኣብ ሕርሻ ኣብ ልምዓት መስኖ፣ ሃፍቲ እንስሳን ዝራእትን ተዋፊሮም ንዝሰርሑ 1204 ወገናት ንመስርሒ ዝኸውን ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ብር ልቓሕ ካብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ትካል ፍትሓዊ ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ወሲዶም ኣብ ምንቅስቃስ ይርከቡ። ከምኡ እውን ካብ ስራሕቲ ሕርሻ ወፃኢ ኣብ ሸኽላ ስራሕቲ ንግድን ሸቐጣ ሸቐጥን ተዋፊሮም ንዝሰርሑ 97 ወገናት ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ብር ብልቓሕ ተዋሂብዎም ኣሎ። ን173 ወገናት ድማ ኣብ ምፅፃይ እምኒ (ክሬቸር) ጥሕኖ እኽልን ካልኦት ስራሕትን ተዋፊሮም ንምስራሕ ስራሕን ሰራሕተኛን ናይ ምርኻብ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ እቶም መተሓባበሪ የረድኡ።

ኣብቲ ወረዳ ዝተመረቑ ሓረስቶት ንድሕሪት ከይምለሱ፣ ዘይተመረቑ ድማ ውሕስነት ምግቦም ኣረጋጊፆም ንኽምረቑ ልቓሕ ገንዘብ ክረኽቡ ብምግባር ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ስራሕቲ ንግድን ክዋፈሩ ዝለዓለ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ። ሐዚ እውን እቲ ፕሮግራም ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ይኹን ካልኦት ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝህቡ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ዝለዓለ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ብምህላዉ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንድሕሪት ንከይምለሱ ኣብ በቢ ከባቢኡ ዘለዉ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን በዓል ዋና ዝኾነ ህዝብን ኣድላዪ ክትትልን ቁፅፅርን ክገብሩ ይግባእ። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010