የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4452375
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1466
2427
65693
4345169
132793
88312
4452375

Your IP: 54.166.203.76
2017-10-21 13:51

ጠምት ንቕድሚትካ !

here we go
selam new

                                                ናብ ሽሻይ ዝቕየሩ ዘለው ጐቦታት

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብፍላይ ድማ ድሕሪ ተሃድሶ ብዝተሓንፀፁ ፖሊስታትን ስትራተጅታትን ህዝቢ ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ከርፋሕ ናብራ ንምንጋፍ ብምንቃሕን ብምልዕዓልን ኣብ ልዕሊ ድኽነት ብዝተወለዐ ቃልሲ መጠን ድኽነት ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ኣብ 1983 ዓ/ም ኣብ ዝነበረ 57 ምኢታዊ ናብ 23 ምኢታዊ ቀኒሱ ኣሎ። ብድምር ቁጠባ ዓቕሙ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝነበሮ ከርፋሕ ናብራ ተናጊፉ መነባብሮኡ ኣብ ምምሕያሽ ይርከብ። ምኽንያት ናይዚ ለውጢ ድማ ነቲ ዘለና ሰፊሕ ሃፍቲ ጉልበት ብምጥቃም ኣብ ስራሕቲ ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣቢሉ ቀንዲ ስልቲ ምስሳን ምህርቲ ሕርሻና ኮይኑ እናተሰርሐሉ ብምምፅኡ እዩ።

ነዚ ለውጢ እዚ ንኽመፅእ መደብ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ሓረስቶት ክልልና ፈለማ ነቲ ግዝያዊ ፀገም ምግቢ እናዓበሱ በዚ ኣቢሎም ድማ ከባቢኦም እናልምዑ ዘላቒ ሃፍቲ ንከዋህልሉ ኣብ ምሕጋዝ የማናይ ኢድ ቃልሲ ፀረ ድኽነት ኮይኑ መፂኡ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ሓረስታይ ትግራይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኡ እናልመዐ ካብዚ ዝረኸቦ ክፍሊት ከም መሰጋገሪ ተጠቒሙ ኣብ ልምዓት መስኖ፣ ሃፍቲ እንስሳ መፍረያይነቱ ከሰስኑ ዝኽእሉ ፓኬጃት ሕርሻ ኣተኣታትዩ መነባብርኡ ኣብ ምምሕያሽ ይርከብ።

ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣብ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ዝተሓቆፉ ሓረስቶት ካብቲ ፕሮግራም ዝረኸብዎ ክፍሊት ከም መሰጋገሪ ተጠቒሞም መነባብሮኦም ኣብ ምምሕያሽ ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ዝድህስስ መደብ ከምዝስዕብ ኣዋዲድና ኣቕሪብና ኣለና።

መራሒት ስድራ ወ/ሮ ኣዝመራ ሓዱሽ ነባሪት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ፀጋዓ ቁሸት ወይናለም እየን። በዓል ገዝአን ኣብ ወራር ሻዕብያ ብ1992 ዓ/ም ሃገሮም ካብ ወራሪ ሻዕብያ ንምክልኻል ተጋዲሎም ስለዝተሰውኡ ሸውዓተ ቆልዑ ሒዘን ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ድኽነት ከም ዝነበራ እየን ዝገልፃ። ነቲ ዝነበረ ፀገም ንምቅላል ኣብ 2001 ዓ/ም ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ሸውዓተ ርእሰን ተሓቊፈን። ካብዚ ፕሮግራም ዝረኸብኦ ክፍሊት ግዝያዊ ፀገምን እናዓበሳ ዘላቒ ለውጢ ከምፅኡ ኣብ ዝኽእሉ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ይነጥፋ። ኣብ ርብዒ ሄክታር መሬት 25 ኪሎ ግራም ዘበናዊ ድኹዒ ተጠቒመን ሽጉርቲ፣ ድንሽን “ጥቕልል ጐመን”ን ብመስኖ ከልምዓ ጀሚረን። ጠንኪረን ብምስርሐን ድማ ብምግቢ ዓርሰን ምኽኣል ጥራሕ እንተይኮነስ ሃፍተ ገነት እናዋህለላ ብምምፀአን ኣብ 2006 ዓ/ም ካብቲ ፕሮግራም ተመሪቐን ወፂአን።

ድሕሪ ካብ መደብ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ተመሪቐን ምውፀአን ሰብ ሙያ ሕርሻ ጣብያ ፀጋዓ ብዝህብወን ምኽርን ሓበሬታን ተግባራዊ ብምግባረን ነታ ዘላ ብዓቐን መሬት ዘበናዊ ድኹዒ ተጠቂመን ሓሪሰን ኣለሳሊሰን ዘሪአን። ካብዛ ፀባብ ተሓራሲት መሬት ቅድም ክብል ካብ ሰለስተ ኩንታል ዘይበልፅ እቶት ጥራሕ ዝረኸባ ዝነበራ ሎሚ 15 ኩንታል ከምዝረኸባላ እየን ዝገልፃ።

እተን መራሒት ስድራ ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ተሓቚፈን ካብታ ዝረኸበኣ ክፍሊት እናዓቖራ ምስዚ ጐድና ጐድኒ ኣብ ምርባሕ ፀባ ላሕሚ ክነጥፋ ጀሚረን። ካብዛ ፀባ ላሕሚ ብመዓልቲ ሸሞንተ ሊትሮ ፀባ ይረኽባ። ካብ ሽይጣት ፀባ ንሓደ ሌትሮ ብ18 ብር እናሸጣ ወርሓዊ እቶተን 5,400 ብር ከምዝበፅሕ ይገልፃ።

ወይዘሮ ኣዝመራ ኣብቶም ዝሓለፉ 10 ዓመታት ድራር ቆልዑ ብምስኣነን ኢድ ሰብ ዝተቋመታሉ እዋን ንድሕሪት ምልስ ኢለን ይዝክራ። ኣብዚ ሐዚ እዋን በሊዕኻ ንምሕዳር ጋዶ ዝነበረት ገዛ እንዳ ወ/ሮ አዝመራ ዓርሰንን ስድረአንን ብልዖኦም ፍሉጥ አካዳድነኦም እውን በታ ዘላ ዓቕሚ ፅሬቶም ዝተሓለወ እዩ። ኣብ መንበሪ ገዝአን እውን ካብ ብዕንፀይቲ ዝተሰረሐት ጐጆ ወፂአን ኣብ ጣብያ ፀጋዓ ክልተ ክፍሊ ቆርቆሮ ሃኒፀን እየን። ካብዚ ብተወሳኺ ጨና ከፍቲ ሓሪምዎ ዝነበረ ደንበአን ኣብዚ ሐዚ ወናኒት ፅምዲ ብዕራይ፣ ክልተ ኣድጊን ሓንቲ ላሕሚ ምስ ምራኻን ክኾና ክኢለን እየን። ሳላ ድጋፍ ሴፍትኔትን ብዋናነት ድማ ካብ መስመር ድኽነት ክወፅእ ኣለኒ ኢለን ጠንኪረን ብምስርሐን ኣብዚ ሐዚ ልዕሊ 100 ሽሕ ብር ዘግመት ሃፍተ ገነት ከምዝወነና ብአንደበተን ይገልፃ።

ካሊእ ሓረስታይ ካሕሳይ በርሀ ነባሪ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ፅጋዓ ቁሸት ወጀባ እዮም። ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ከምዝነበሩ ዓርሶም ይገልፁ። ተሓራሲት መሬቶም ፀባብ እንተኾነት እውን መፍረያይነት ዘሰስኑ እታዎት ሕርሻ ኣብ ምጥቃም ፀገማት ነይሮምዎም እዮም። ኣብዚ ሐዚ ካብታ ዝወነንዋ መዓል ርብዒ ፅማድ መሬት ካብ ሰለስተ ኩንታል ንላዕሊ ረኺቦም ኣይፈልጡን ነይሮም። ኣብዚ ሐዚ ነታ ዘላ ርብዒ ሄክታር ተሓራሲት መሬቶም ፍርቂ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ፣ 20 ኪሎ ግራም ምሩፅ ዘርኢ ተጠቒሞም ሓሪሶም አለሳሊሶም ብምዝራኦም ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2009/2010 ዓ/ም 15 ኩንታል ንምርካብ ትልሚ ሒዞም ይሰርሑ ከምዘለዉ እዮም ዝገልፁ።

ኣይተ ካሕሳይ ቅድሚ ናብ ፕሮግራም ሴፍትኔት ምእታዎም እዚ ዝበሃል ጥሪትን ንብረትን ኣይነበሮምን። ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓረስታይ ካሕሳይ በርሀ ሳላ ፃዕሮም ብምግቢ ዓርሶም ክኢሎም ኣብ 2006 ዓ/ም ካብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ተመሪቖም ወፂኦም። ብምግቢ ዓርሶም ምኽኣል ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕሊ 320 ሽሕ ብር ዕቋር ምዕቋር ከምዘለዎም ብኣንደበቶም የረድኡ። ከምኡ እውን ክልተ ፍሊ ገዛ ብቆርቆሮ፣ ኣርባዕተ ኣግማል፣ ክልተ ፅምዲ ብዕራይን ኣርባዕተ ኣላሕምን ወኒኖም ኣብ ፓኬጃት ልምዓት ሕርሻ ንምዕሳል ዘኽእሎም ዓቕሚ ረኺቦም እዮም። ካብዘን ኣላሕም ብመዕልቲ 16 ሊትሮ ፀባ ይሓልቡ። ካብዚ ንሓደ ሌትሮ ብሒሳብ 18 ብር እናሸጡ ኣብ ወርሒ ልዕሊ ትሽዓተ ሽሕ ብር ኣታዊ ኣለዎም።

ዝሓለፉ ቅድሚ 30 ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢሎም እንትዝክሩ ሰኣን ብምዕሩይ ሕርሻ ዝመርሕ ስርዓት ዘይምንባሩ ሓንቲ ክረምቲ ደርቂ እንተነይራ ዓመት ዘብልዕ ቀለብ ስለዘይነበሮም ንስደትን ጥምየትን ዝቃልዑ ምንባሮም ይገልፁ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ሕፅረት ዝናብ እንተጋጢሙ እውን ሳላ ውሕሉል ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን ኣብ ህይወቶምን እንስሳትን ዝበፅሕ ሓደጋ ሞት ከምዘየለ ይገልፁ።

ከም መርኣዪ ነዞም ክልተ መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ወሲድና እምበር ኣብ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት እታ ጣብያ ብምግቢ ዓርሶም ንምኽኣል ዘካየድዎ ዘለዉ ፃዕሪ ዝበረታታዕ እዩ። ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት ካብ ብሳዕሪ ዝተሰርሐ ገዛ ወፂኦም ናብ ቆርቆሮ ገዛ፣ ከፍቲ ዘይነበረኦም ወነንቲ ፅምዲ ብዕራይ ፀባ ከፍትን ጠለበጊዕን ክኾኑ ክኢሎም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ልምዓት መስኖን ዘፈራት ንግዲን ተዋፊሮም ጥሪትን ኣብ ምውናን ዝርከቡ ሓረስቶት ቁፅሮም እናሰሰነ ይርከብ። እዚ ለውጢ እዚ ድማ ናይቲ ብሓገዝ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ከም መሰጋገሪ ድልድል ኮይኑ ኣብ ሓረስቶት ክልልና ዝተፈጠረ ድምፂ ዓቕሚ ውፅኢት እዩ።

ኣብታ ወረዳ ኣብ ራብዓይ ዙር ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት 89 ሽሕን 848 ወገናት ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ተሓቚፎም ተረባሕቲ እናኾኑ እዮም። ካብዚኦም እቶም 7987 ወገናት ሰሪሖም ክበልዑ ዘይኽእሉ ኣረጋውያን ሰብ ፀጋ ዕድመ ጉዱኣት ኣካልን ዘኻትም ህፃናትን እዮም። እቶም ዝተረፉ 51 ሽሕን 861 ወገናት ድማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኦም እናልምዑ ብምግቢ ንስራሕ ተጠቀምቲ ዝኾኑ እዮም።

ኣብታ ወረዳ ኣብ 2008/2009 ዓ/ም ብፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ኣብ ምሕዋይ መፋስስ 1503 ሄክታር ንምስራሕ ተሓሲቡ 1478 ሄክታር ተፈፂሙ እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ልምዓት ደኒ 950 ሄክታር ንምልማዕ ትልሚ ተታሒዙ ብመሰረት ዝተትሓዘ ትልሚ ዝተፈፀመ እንትኾን ኣብ ምእላይ ማይ እውን 602 ሄክታር ንምስራሕ ተሓሲቡ ምሉአ ንምሉእ ከም ዝተፈፀመ መተሓባበሪት ውሕስና ምግቢ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ወ/ሮ ኣዳኑ ወንድማገኝ ይገልፃ።

ካብዚ ብተወሳኺ ጣብያ ምስ ጣብያን ምስ ማእኸል ወረዳን ብምርኻብ ሓረስቶት ወፅኢት ሕርሻኦም ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ስሉጥ ግልጋሎት ንምርካብ ዝሕግዝ 21 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መንገዲ ገፀር ተሰሪሑ ንግልጋሎት በቒዑ። ነዞም ዝተሰርሑ ስራሕቲ 36 ሚልዮን 275 ሽሕን 336ን ብር ዝተኸፋፈለ እንትኾን ሰሪሖም ክበልዑ ንዘይኽእሉ ነፃ ተሓገዝቲ ድማ 16 ሚልዮን 222 ሽሕን 544 ብር ተዋሂቦም እዮም።

ኣብቲ ፕሮግራም ተሓቚፎም ውሕስነት ምግቦም አረጋጊፆም ዝተመረቑ ሓረስቶት ንድሕሪት ከይምለሱ፣ ዘይተመረቑ ድማ ውሕስነት ምግቦም ኣረጋጊፆም ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንኽሰጋገሩ “ምምሕያሽ መነባብሮ ሕብረተሰብ” ዝብል ፕሮግራም ተጣይሹ መጨበጢ ግንዛበ ስልጠናን ልቓሕ ገንዘብን እናተውሃበ እዩ። ብመሰረት እዚ ን1,881 ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ዝተዋፈሩ ወገናት ልዕሊ ሓሙሽተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚልዮን፣ ብር ብልቓሕ ዝተውሃበ እንትኾን ኣብ ስራሕቲ ንግድን ሸቐጣ ሸቐጥን ዝተዋፈሩ 496 ወገናት ድማ ንመስርሒ ዝኸውን ልዕሊ 9 ሚልዮንን 400 ሽሕ ብር ካብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ትካል ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ልቓሕ ብምሃብ ናብ ስራሕ ክኣትው ተገይሩ።

ብድምር ሓረስቶት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ብፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ዝግበረሎም ደገፍ መጠወሪ እንተይኮነ ከም መሰጋገሪ ተጠቒሞም ውሕስነት ምግቦም ኣብ ምርግጋፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቅድሚቶም ዘሎ ሽሻይ ብምርኣይ ኣብ ልምዓት መስኖ፣ ሃፍቲ እንስሳን መፍረያየነት ኣብ ዘሰስኑ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ስራሕቲ ንግድን ተዋፊሮም መነባብረኦም ኣብ ምምሕያሽ ርኡይ ለውጢ እናምፅኡ ይርከቡ። ነዚ ኣጠናኺርካ ብምቕፃል ልዕሊ ኩሉ ፀላኢና ዝኾነ ድኽነት ብምጥፋእ ንዝሓሸ ለውጢ መነባብሮ ህዝብና ፃዕርና ክነሐይል ይግባእ።   


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010