የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595491
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1852
2526
6978
4567652
33456
77308
4595491

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:55

ትማሊ ብጥርጣረ ሎሚ ብመርኣያ

here we go
selam new

ህዘቢ ኣብ ጎድኒ ብምስላፍ መደባት ኣርባዕተ ዕፅፊ ተዓፂፎም

“ኣታዊና ብምትሓቱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕትና ከቢድ ፋይናንሳዊ ሕፅረት የጋጥም ኣሎ። ልምዓታውን ዲሞክራስያውን መንግስትና ዝተቐመጠሉ ልኡኽ ክፍፅም እንተኾይኑ ገንዘብ የድልዮ። ገንዘብ ድማ ፍልፍሉ ልምዓትና ካብ ዝፈጠሮ ብኡ ልክዕ ተወሲኑ ዝእከብ ግብሪ እዩ። ስለዚ ልምዓትና ዝያዳ ክስጉም እንተኾይኑ ግብሪ ናይ ምእካብ ዓቕምና ክመሓየሽ ኣለዎ።” ይብል ኣብ መበል 11 ጉባኤ ዝቐረበ ፀብፃብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት (2005፡ 41)

እማን ጉዕዞ ህዳሰና ተጠናኺሩ ክቕፅልን ድርቂ ዝፃወር ዘተኣማምን ቁጠባ ክህነፅን ንዕኡ ዘድሊ ዓቕሚ ምፍጣር ግድን ይኸውን። ትካላት ጥዕና ካብ ምህናፅ ሓሊፉ እኹል ናውትን ሓይሊ ሰብን ብምምዳብ ጥዕና ሕብረተሰብ ክሕሎ እውን ገንዘብ ይጠልብ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ትምህርትን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ዝተትሓዙ መደባት ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ንኽዕወቱ ብበጀት ይውሰን። በጀት ዝርከብ ድማ ካብ ግብሪ እዩ።

ስለ ዝኾነ እኹል በጀት ሒዝና ልምዓትና ክነቀላጥፍ ዝኽእል ካብ ደገ ብዝርከብ ልቓሕን ሓገዝን ዘይኮነስ ካብቲ ልምዓትና ዝፈጥሮ ገንዘብ ብኡ ልክዕ ግብሪ እንትእከብ እዩ። ይኹን ዝምበር ኣብቲ ምሕንፃፅ መርሃ ግብሪ ሓደ ፈተና ነይሩ። ንሱ እውን እቲ እቲ ግብሪ ዝእከቦ ቤት ዕዮ ብለበዳ ኣካብነት ክራይ ዝተጠቕዐ ምንባሩ እዩ። ብምኽንያት እዚ ኣብ ኣወሳስናን ኣተኣኻኽባን ግብሪ ብዝሳዕረረ ኣካብነት ክራይ “ኣይንድፈርን” ዝብሉ ነጋዶ ክፍጠሩ ክኢሎም ነይሮም። ስለ ዝኾነ ነዚ መስመር ኣትሒዝካ ካብ ፅግዕተኛ በዓል ሃፍቲ ነፃ ዝኾነ ፖለቲካዊ ቁጠባ ምፍጣር ድማ ካሊእ ፈተና ነይሩ። ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን ነቲ “ሪፎርም” ዝትግብር ካብ ኣካብነት ክራይ ዝፀረየ ሓይሊ ሰብ ኣብ ርእሲ ዘይምንባሩ ንፁር ዝኾነ “ታክስ ሪፎርም” እውን ኣይነበረን። እዚ ዝፈጠሮ እውን ካብቶም ተመሪፆም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ኣካላት ጀሚሩ በቢ ዓመቱ ውዙፍ ዕዳ ግብሪ ብምሓዝ ክሳብ 60 ሚልዮን ብር ግብሪ መንግስቲ ዘይከፈሉ ኣካላት ክፍጠሩ ምኽንያት ኮይኑ።

ስለ ዝኾነ ነቲ ፈተና ኣወጊድካ መደባት እቲ መርሃ ግብሪ ንምዕዋት ኣብቲ ቤት ዕዮ ምምዕርራይ ተገይሩ። ልምዓት እቶት ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ተፈልዩ ዓርሱ ክኽእል ካብ ምግባር ብተወሳኺ ካብቲ ዝነበረ 560 ሰራሕተኛ እቲ 28 ምኢታዊ ነቲ መደብ ክሽከም ኣይኽእልን ተባሂሉ ተገምጊሙ ክሸጋሸግ ክኢሉ እዩ። ሓይሊ ሰብ እቲ ቤት ዕዮ ንምምላእ ድማ ብስነ ምግባሮም ዝተመስገኑን ፅቡቕ ውፅኢት ዘለዎምን ምሩቓት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብቐጥታ ክቑፀሩ ተገይሩ። ብርኪ መሃያ እቲ ሰራሕተኛ እውን ክመሓየሽ ካብ ምግባር ሓሊፉ ፍሉይ መመሓዳደሪ ደንቢ ክወፆ ከምዝተገበረ ዋና ዳሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልልና ኣይተ ብርሃነ ፅጋብ ይገልፁ።

እዚ ካብ መሰረቱ ምምዕርራይ ዝተገበረሉ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ካብቲ ዘሎ 1,200 ሰራሕተኛ እቲ 74 ምኢታዊ ዲግርን ልዕሊኡን 85 ምኢታዊ ድማ ትሕቲ 35 ዕድመ ዝኾነ ትኩስ ሓይሊ መንእሰይ ክቁፀር ተገይሩ። ብተወሳኺ 40 ምኢታዊ  ኣንስትዮ ዘለወኦ እቲ ቤት ዕዮ ውዳበታት ተጠቒሙ ናብ ገምጋም፣ ምትሕግጋዝ፣ ዓርሰ ምምህሃርን ስልጠናን ምስ ኣተወ ሰፋሕቲ ለውጥታት ክምዝገብ ጀሚሩ። ድሕሪ እዚ ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዘለዉ መሓውራት ኣብያተ ዕዮ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ሕድሕድ መደብ በተን 59 ዋህዮታትን 173 ኔትዎርክታትን ዝምራሕ መደብ ክኸውን ተገይሩ። ብተግባር ፅቡቕ ስራሕ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ድማ በቢወርሑ ሽሞም ኣብ ግድግዳ እናተለጠፈ ኣፍልጦ ክወሃቦም ምስ ጀመረ ሰራዊት እቶት ቀስ ብቐስ እናተፈጠረ መፂኡ።

መደባት ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ንምፍፃምን እቶት ንምእካብን ሕድሪ ተሓንጊጡ ዝተበገሰ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ካብ 1998 ክሳብ 2002 ዓ/ም ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተኣከበ ብር ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢልዮን ኣብ ቀዳማይ ዙር ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ብኣርባዕተ ዕፅፊ ኣዕቢዩ ብር ሸሞንተ ነጥቢ ሰለስተ ቢልዮን ንምእካብ ተሊሙ ተንቀሳቒሱ። ይኹን እምበር ኣብ ምፅዳቕ እቲ ትልሚ “ኩሎም መደባት ንምዕፃፍ ኣብ ዝተፀገምናሉ እዋን ብኣርባዕተ ዕፅፊ ኣራቢሕኻ ትልሚ ምሓዝ ካብ ሓሳባዊ ትልሚ ሓሊፉ ዝዕወት ኣይኮነን” ዝብሉ ኣካላት ኣይተሰኣኑን። “ፀገም የለን ክነዐውቶ ኢና” ኢሎም ዝተልዓሉ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ዕዮ ካብ ምብቃዕ ሓይሊ ሰብ ቀፂሉ ፍሉይ ትኹረት ዝሃብዎ ንምትካል ስርዓት መረዳእታ እዩ። ብምዃኑ እውን ቅድሚ 2003 ዓ/ም ኣብ ክልልና 903 ዝነበሩ “ቫት” ተመዝገብቲ ሕዚ ናብ 10 ሽሕ ክዓብዪ ክኢሎም ኣለው። ብተመሳሳሊ 625 ዝነበሩ ሒሳብ መዝገብ ዝሓዙ ነጋዶ ሕዚ ናብ 14 ሽሕ ክዓብዩ ክኢሎም እዮም።

ቅድሚ 2003 ዓ/ም መን ካብ መን ዓዲጉ? ሓደ ነጋዳይ ክንደይ ንብረት ሸይጡ? ዝብሉ መረዳእታታት ብትኹረት ኣብ ዘይስረሐሉ ዝነበረ እዋን 825 ሚልዮን ምንቅስቓስ ንግዲ ዘርኢ መረዳእታ እንትእከብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን 14 ነጥቢ 7 ቢልዮን ክእከብ ክኢሉ እዩ። ከምኡ ድማ ዘበናዊ መሳርሒ መሸጣ ሕልሚ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ 2004 ዓ/ም ጀሚሩ 5,000 ማሽናት ተኣታትዩ ኣብ ስራሕ ውዒሉ እዩ። ብብርኪ ክልል ሓንቲ መለለዪ ቁፅሪ (ቲን) ዝወሃበሉ ማእኸል ዝነበረ ሎሚ ናብ 32 ማእኸላት ብምዕባይ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ኣብ ከባቢኡ ግልጋሎት ክረክብ ከምዝተገበረ ኣይተ ብርሃነ የረድኡ።

ኩለን ኣብያተ ዕዮ ልምዓት እቶት ክልልና ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስ ኣብ ዝወሃብ ተመን ግብሪ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ክኸውን ብምግባር ዝተጠቐማሉ ሜላ ኣሎ። ቅድሚ 2003 ዓ/ም ንሓደ ነጋዳይ ሓደ ግዜ መዓልታዊ መፅናዕቲ ኣካይድካ ንሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ተመን ግብሪ ዝውሰኖ ዝነበረ ኣካይዳ ተቐይሩ። እቲ ምንታይ እቲ ነጋዳይ ካብ ሓደ ግዜ ዝተተመኖ ግብሪ ይኽሰር ይኽሰብ ብዘየገድስ በቢ ዓመቱ ግብሪ ክኸፍል ካብ ዝገብር ኣሰራርሓ ብመጠን ዝሰርሖ ግብሪ ንኽትመኖ በቢ ዓመቱ ልዕሊ ክልተ ግዜ መዓልታዊ መፅናዕቲ ንኽካየድ ተገይሩ። ብተወሳኺ ኣብቲ ከፋሊ ግብሪ ዝበለፀ ምትእምማን ንኽፍጠር ሕድሕድ ተመን ግብሪ ብጉጅለ ልምዓት፣ ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግዲ ከምኡ እውን ኣብ መድረኽ ነጋዶ እናተገምገመ እቲ ዝበዝሖ ክቕነሶ እቲ ዝወሓዶ ድማ ክውስኾ እናተገበረ መፂኡ።

ህዝብና ምኽፋል ግብሪ ትሕቲ መስዋእቲ እዩ ዝሪኦ። ህዝቢ ትግራይ ብፍትሓውነት ግብሪ ክኸፍል እንተተገይሩን ዘበናዊ ኣሰራርሓ ኣታኣታቲኻ እንተደጊፍካዮን “ግብሪ በዚሑኒ” ኢሉ ካብ ባዶ ተበጊሱ ዘማርር ኣይኮነን። ብምዃኑ ኣብ ስርዓት ግብሪ ህዝቢ ንኽርዳእ ንሒሳብ መዝገብ ዝሓዙ ስሩዕ ስልጠናን ንብርኪ “ሐ” ከፈልቲ ግብሪ ድማ ብጉጅለ ልምዓትን መድረኽ ነጋዶን እናተፈጠረ ብዛዕባ ግብሪ ክዛተዩ ስለዝተገበረ ግንዛበ እናተትሓዘ መፂኡ። ግንዛበ ዝፈጠረ ከፋሊ ግብሪ ንተግባራት ኣካብነት ክራይ ጠዊቑ ብምሓዝ እቲ ባይታ ክፀብብ ገይሩዎ። ነዚ ሓጋዛይ ዝኾነ ከፋሊ ግብሪ ንምሕጓስ ድማ በተን ኣብያተ ዕዮ ኣብ ፍልጠትን ክእለትን ዝተመስረተ ስሉጥ ግልጋሎት ክወሃብ ተገይሩ።

ሕድሕድ ነጋዳይ ግብሪ ንምኽፋል እንትመፅእ ተሓጕሱ ንኽምለስ ሰራሕተኛታት ልምዓት እቶት ካብ ጅባኦም ገንዘብ ብምውፃእ ንኽብረቱ መዕረፊ ፅላል ተዳልዩ፣ ሰቲ ተነስኒሱ፣ ቡን፣ ዕምበባ፣ ሻሂ፣ ሕብሽቲ እናተዳለወ ኣቀባብላ ክግበረሉ ጀሚሩ። ነቶም ፅፉፍ መረዳእታ ዘለዎም ከፈልቲ ግብሪ ድማ “የቐንየልና” ዝብል ልምዓታውያን ከፈልቲ ግብሪ ምዃኖም ዝገልፅ ምስክር ወረቐት ክወሃቦም ተገይሩ። ኣብ ገፀር ወረዳታት ዝርከቡ ከፈልቲ ግብሪ ንዘይምንግልታዕ ናብቲ ዝነብርሉ ዕሸል ከተማ ብምጉዓዝ ኣብ ከባቢኦም ግብሪ ዝኸፍልሉ ኩነታት ተመዓራርዩ። እቲ ነጋዳይ ክፍሊት ቤት መዛጋጃ፣ ኣብ ውዕልን መርትዖን ክራይ ገዛ ኣብ ንግዲ ድማ ንግዲ ፍቓድ ንምሕዳስ እናበለ ከርተት ንኸይብል ክረምታዊ መደብ ብዝብል ኩሎም ግልጋሎት ተጠርኒፎም ኣብ ሓደ ግልጋሎት ዝረኽብሉ ዕድል ተፈጢሩ። እዚ እውን ንግዲ፣ ልምዓት እቶት፣ ውዕልን መርትዖን፣ ቤት መዘጋጃ፣ ትልምን ፋይናንስ (ምስ ቅብሊት ዝትትሓሓዘ መረዳእታ ንምሃብ)፣ ዋና ኦዲተር (ንሒሳብ መዝገብ ዝሕዙ ኣካላት ንምህናፅ)፣ ሲቪል ስርቪስ  (ዕግበት ሰናይ ምምሕዳር ንምዕቃን) ሓቢሮም ግልጋሎት ዝህብሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ።

እዚኦምን ካልኦት ምስ ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅ ዝተኣሳሰሩ መኺርካ ክእረሙ ዘይኽእሉ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ነጋዶ ብምቅላዕን መምሃሪ ስጉምቲ ምውሳድን ዝመሰሉ ስራሕቲ ምስ ተወገኑ ኣታዊ ክልልና ሓፍ ክብል ክኢሉ። ኣብ መርሃ ግብሪ 2002 ክሳብ 2007ዓ/ም ብር ሸሞንተ ነጥቢ ሰለስተ ቢልዮን ንምእካብ ዝተተለመ ኮይኑ ብር ትሽዓተ ነጥቢ ሸውዓተ ቢልዮን ክእከብ ክኢሉ እዩ። እዚ ምስቲ ክፍሊት ቤት መዘጋጃ ሓዊስካ 11 ቢልዮን እዩ ዝኾን። ብምዃኑ ካብ 1998 ክሳብ 2002 ዓ/ም ኣብ ዝነበረ መርሃ ግብሪ 28 ምኢታዊ በጀት ክልልና ብውሽጣዊ ዓቕምና ዝሽፈን ዝነበረ ሕዚ ናብ 40 ምኢታዊ ክዓቢ ክኢሉ እዩ። እዚ ድማ ትግራይ ንድጎማ ፌደራል መንግስቲ እንተይተፀበየት መደበኛ በጀታ ብዓርሳ ትሽፍነሉ ብርኪ ተፈጢሩ ኣሎ ይብሉ ኣይተ ብርሃነ።

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ሓደ ዛዕባ ኣሎ ይብሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር። “’ኣብ ትግራይ ዝእከብ ገንዘብ ንፌደራል እዩ ዝኸድ። ትግራይ ብዝኣከበቶ ገንዘብ ካልኦት ክልላት እንተይኣከባ ብገንዘብና ተረባሕቲ ይኾና ኣለዋ’ ዝብሉ ወረታት ኣለዉ። እዚ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ክኸውን ኣይኽእልን። እቲ ዝእከብ ገንዘብ ከምዘለዎ ኣብ ልምዓት እዛ ክልል እዩ ዝውዕል። እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ እንተዘይተጠቒምናሉ እውን በጀት ተቓፂሉ ተባሂሉ ናብ ዝኸዶ የብሉን። ኣብዚ ክልል እዩ ዝተርፍ። ንሕና ብዙሕ ገንዘብ ብምእካብና ካብ ፌደራል ዝመፅእ ድጎማ እውን ኣይቕነሰልናን። ምኽንያቱ ሕድሕድ ክልል ክትእክቦ ዝግባእ እቶት ብብርኪ ፌደራል መንግስቲ ይፍለጥ እዩ። ስለዚ ድጎማ ገንዘብ ፌደራል ብዙሕ ገንዘብ ብምእካብ ኣይቕንሰልካን። ውሑድ ብምእካብካ ድማ ኣይውሰኸልካን። በቲ ቀመር መሰረት እዩ ዝኸድ። ስለዚ ዝበለፀ ምእካብና ብዝበለፀ ተረባሕቲ ይገብረና እምበር ተጎዳእቲ ኣይኮንናን” ብምባል ይገልፁ።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ መደባት ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ዘመዝገቦ ዓወት ተኣምራዊ እዩ። እቲ ብለበዳ ኣካብነት ክራይ ተጠቒዑ ብጥርጣረ ዝረአ ዝነበረ ሴክተር ንኣካብነት ክራይ ብምሕግሓግ ሎሚ መርኣያ ኩለን ኣብያተ ዕዮ ዝኾነ ሰራዊት ክሃንፅ ዝኸኣለ ቀንዲ ምኽንያት ምስ ሕብረተሰብ ጥምረት ብምፍጣሩ እዩ። ስለ ዝኾነ ወይኖም ዘወይኑ ሰራሕተኛታት ዝተፈጠሮ ቤት ዕዮ ጭቃ ኣካብነት ክራይ መሊኡ ብዘይምድራቑ ሸታሕ ዝበሉ ኣካላት እንተጋጥም ብዘይወዓል ሕደር ዝመምየሉ ዓቕሚ ፈጢሩ ኣሎ። ብምዃኑ እውን 32 ሰራሕተኛታት ብጉድለት ስነ ምግባር እንትባረሩ ካብዚኦም ሽዱሽተ ድማ ቤት ህንፀት ወሪዶም ኣለዉ።

ስለዚ ኣብ ስርዓት መረዳእታን ውሳነ ግብርን ዝረኣዩ ክፍተታት ነቶም 42 ኣዋጃትን መምርሒታትን መሊእኻ ዘይምምላኽ ዘሎ ጉድለት ኣብቲ ቀፃሊ መርሃ ግብሪ መሊኡ ክቕረፍ ይግባእ። ኣብቲ ነጋዳይ ቅብሊት ኣብ ምቑራፅ ዝረኣዩ ክፍተታት ብምውጋድ ኣብ ቀፃላይ መርሃ ግብሪ 20 ነጥቢ 75 ቢልዮን ብር ብምእካብ ጉዕዞ ዕብየት እዛ ሃገር ብሩህ ንምግባር ተተሊሙ ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ። ስለዝኾነ እታ ኣብ ስልጣነ ኣኽሱም ምዕብልቲ ዝነበረት ኢትዮጵያ እቲ ዝነበረ ልዕልና ዳግም ንምምላስ ሕድሕድ ዜጋ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ሃገራዊ ግቡእ ክዋፃእ ኣለዎ ንብል።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010