የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595500
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1861
2526
6987
4567652
33465
77308
4595500

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:57

ክጎሓል ዝፀንሐ ʽፀጋታት ትሕቲ ምድሪʼ

here we go
selam new

ዘይሕጋዊ ተባሂሉ ካብዝተሓድገ ፀፀር፣ እምኒ ምንፃፍን ሓሸዋን እታ ወረዳ ብኽፋል

ምሽጥር ዕብየት ሓንቲ ሃገር ካብ ዝሓዘቶ ንፁርን ዘስርሕ ፖሊስን ስትራተጅን ዝምዘዝ ኮይኑ ነቲ ፖሊስን ስትራተጅን ዓንዲ ሑቈ ኮይኑ ዘገልግል ድማ ካብ ዜጋታት ብመልክዕ ግብሪ ዝእከብ እቶት እዩ። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝእከብ እቶት ዝህልዎ መጠን እንተርኢና ካብ 25 ክሳብ 45 ምኢታዊ ዓመታዊ ሃፍተን ካብ እቶት እንትሽፈን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ድማ ካብ 18 ክሳብ 25 ምኢታዊ ምህርተን ካብ እቶት ይሽፍና። እዚ ከምዚ እናሃለወ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ግን 16 ምኢታዊ ጥራሕ እዩ ዓመታዊ ሃፍተን ካብ እቶት ዝሽፈን። እዚ ናብ ሃገርና እንትነምፅኦ ግን ካብቲ ዝተሓተ እቶት ሃገራት ዓለም ዝተሓተ ሽፋን ዘለዎ ኮይኑ ካብ 12 ነጥቢ 5 ክሳብ 14 ምኢታዊ ጥራሕ ከም ዝሽፍን ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ መቐለ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር፡፡

ኣብዚ ሃገርና ካብቲ ዘለዋ ልምዓታዊ መስመር ዝብገስ ብብርኪ ዓለም ፍሉይ ዝኾነ በዓል ክልተ ኣሃዝ ቁጠባዊ ዕብየት ተመዝግብ ከምዘላ ካብ ትካል ፋይናንስ ዓለም ጀሚሩ ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ይሕብሩ ኣለው። እዚ ቅልጡፍ ዕብየትና ካብ ግብሪ ብዝርከብ እቶት እውን እንተዘይተዓጂቡ ግን ከይዱ ከይዱ ምዕንቃፉ ኣይቐርን። እቲ ምንታይ ብብርኪ ዓለም ብግብሪ ዝተሓተ እቶት እናኣከብና በቲ ሕዚ ዘለናዮ ዝለዓለ ቁጠባዊ ዕብየት ብቐፃልነት ንምምዝጋብ መሓንቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ መፍትሒ ክኾን ዝኽእል ግብሪ ክንዲ ዝካኣል ፀንቂቅካ ምእካብ እዩ። ኣብ ሃገርና ዝግባእ ግብሪ ዘይእከበሉ ቀንዲ ምኽንያት ምንቅስቓስ ንግድን ግልጋሎትን ስለዘየለ ዘይኮነስ ነቲ ምንቅስቓስ ዝገልፅ ቅብሊት ስለዘይቑረፅ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ መንግስትና ድማ ፀጋታት ግብሪ ፀንቂቕካ ዝእከበሉ ኣንፈት ነፂሩ ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምር ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ።

ካብቶም ፀጋታት እዛ ሃገር እናተጠቐሙ ንግዲ ትርፊ ይኹን ብመልክዕ ቲኦትን ተወሳኺ እሴት ታክስ /ቫት/ ተጠቃማይ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ ግብሪ ሓዊሶም ዝድህምፅዎ ዝነበሩ ዘርፊ ስራሕቲ ሓደ ሮያሊቲ እዩ። ሮያሊቲ ካብ መኣድናት፣ ሑፃ፣ እምኒ፣ ምንፃፍ እምኒን (ኮብልስቶን) ፀፀርን ዝእከብ ግብሪ ኮይኑ ካብተን ብፀጋታት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሃፍተማ ወረዳታት ክልልና ድማ ሓንቲ እንደርታ እያ። ወረዳ እንደርታ ንከተማ መቐለ ዙርያ መለሽ ሓቊፉ ዝሓዘት ወረዳ ብምዃና ኣብታ ከተማ ዝረኣዩ ልምዓታዊ ምንቅስቓሳት ብዝበለፀ ዝፀልዋ ወረዳ እያ። ካብዚ ሓሊፉ ብዘለዋ ልዑል ሃፍቲ ምንፃፍ እምኒ ካብ ከተማታት ክልልና ሓሊፉ ክሳብ ከተማታት ዓፋርን ኣምሓራ እውን ፀጋታታ ኣብ ምልኣኽ ትርከብ ዘላ ወረዳ እያ፡፡

ከምኡ ዝበለ ሃፍትን ክንድኡ ዓይነታት ምንቅስቓስን እንተሃለዋ እውን ግን ውልቀ ኣከብቲ ክራይ እንተዘይኮይኖም እታ ወረዳ ፀጋታታ ክትጥቀም ኣይከኣለትን። እቲ ምንታይ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዘሎ ምንፃፍ እምኒ ልዕሊ 80 ምኢታዊ ካብ ወረዳ እንደርታ ብዝኸይድ እምኒ እዩ ዝስራሕ ዘሎ። እቲ 20 ምኢታዊ ድማ ካብ ወረዳታት ሕንጣሎ ወጀራት፣ ደጉዓ ተምቤንን ክልተ ኣውላዕሎን እዩ ዝሽፈን። እንተኾነ ግን እቲ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝመፅእ ገንዘብ እቲ እምኒ ክፀርብ ኢዱ እናተቐርጠመ ዝውዕል ዘሎ መንእሰይ ይኹን ምምሕዳር እታ ወረዳ ዘይኮነስ ደላሎ ክጥቀመሉ እዮም ፀኒሖም። ናይዚ መርኣዪ ኣብ 2009 ዓ/ም ኣመራርሓ እታ ወረዳ ነቲ ጉዳይ ትኹረት ሂቡ ምስ ሰርሐሉ 98 ሚልዮን ብር ዝግመት ፁሩብ እምኒ ብወረዳ ተማእኺሉ ክሽየጥ ክኢሉ እዩ፡፡

ኣብዚ ካብ 100 ብር 3 ብር ግብሪ /ሮያሊቲ/ ንክኸፈል ዝወፀ መምርሒ መሰረት ብምግባር ካብ 98 ሚልዮን ብር መሸጣ እምኒ ምንፃፍ 2 ነጥቢ 94 ሚልዮን ብር ግብሪ ናብታ ወረዳ ኣታዊ ኮይኑ ኣሎ። ካብ እምኒ ምንፃፍ ጥራሕ ክሳብ ክንድዚ እቶት እንትርከብ ካብ ፀፀር፣ ሓመድ፣ ሓሸዋን እምኒ መንደቕን ዝኣመሰሉ ፀጋታት ሃፍቲ ተፈጥሮ እታ ወረዳ ደሚርካ እንትረአ ድማ ክሳብ ክንደይ ግብሪ ክእከብ ከምዝኽእል ንምግማቱ ኣየፀግምን። ኮይኑ ግና ኣብ 2007 ዓ/ም ካብ ድምር ሮያሊቲ ዝተኣከበ እቶት ሓደ ነጥቢ ትሸዓተ ሚልዮን ብር ጥራሕ እዩ። ኣብ 2008 ዓ/ም እውን እንተኾነ ክልተ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ብር ጥራሕ ተኣኪቡ ዝነበረሉ ምኽንያት ደለልትን ኣከብቲ ክራይን ይበልዕዎ ከምዝነበሩ እኹል መርኣዪ እዩ፡፡

ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ብዘይኣግባብ ክጥቀሙ ዝፀንሑ ውልቀ ሰባት ናብ ስርዓት ንምእታው ቆሪፁ ኣብ ዝኣተወሉ ግና ትሕቲ ካብ ምንፃፍ እምኒ ማለት እውን 2 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ዝእከብ ዝነበረ ግብሪ ኣብ 2009 ዓ/ም ግን 8 ነጥቢ 59 ሚልዮን ብር እቶት ክረክብ ክኢሉ እዩ።እዚ እውን ልዕሊ 4 ነጥቢ 28 ሚልዮን ብር ካብ ቀጥታ ግብሪ ሮያሊቲ፣ ልዕሊ 2 ነጥቢ 12 ሚልዮን ቲኦትን ተወሳኺ እሴት ታክስን ልዕሊ 2 ነጥቢ 18 ሚልዮን ድማ ካብ ሽይጣት ዝተወረሰ ዘይሕጋዊ ሃፍቲ ተፈጥሮን ቅፅዓትን ክእከብ ክኢሉ ኣሎ። ብልዑል ፃዕሪ ካብ ሮያሊቲ 8 ነጥቢ 59 ሚልዮን ብር እንትእከብ ከም ወረዳ ተታሒዙ ዝነበረ ትልሚ ግን ሰለስተ ሚልዮን ብር ከምዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት እታ ወረዳ ኣይተ ኤፍሬም ግዛው የረድኡ፡፡

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ እንደርታ ኣብ 2008 ዓ/ም ካብ ዝነበረ እቶት ሮያሊቲ ብ6 ነጥቢ 39 ሚልዮን ብር ወሰኽ ዘለዎ ሸሞንተ ነጥቢ 59 ሚልዮን ብር ክእክቡ ዝኸኣልሉ ምሽጥር ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። እዚ እውን ካብ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ብምሕሳብ 25 መናእሰይ ኣብ ሽዱሽተ ኬላታት መዲቦም ሮያሊቲ ዝቆፃፀርሉ ስርዓት ፈጢሮም እዮም። እቶም መናእሰይ ካብታ ወረዳ እምኒ ምንፃፍ፣ እምኒ መንደቕ፣ ፀፀር፣ ሓሸዋን ሓመድን ፅዒነን ዝሓልፉ መኻይን ቅብሊት ዝቆርፃ ምህላወንን ዘይምህላወንን እናረጋገፁ ክቆርፃ ምግባር እዩ ነይሩ እቲ ልኡኾም፡፡

ኮይኑ ግን እቶም መናእሰይ ደለልቲ ስለዘስድዕዎም እሞ ድማ እቶም ኣከብቲ ክራይ ካብ ሓደ ቢያጆ 200 ብር ሮያሊቲ ከይኸፍሉ ክብሉ ምስቶም መናእሰይ ብምምሽጣር 100 ብር ናብ ጁባ እቶም መናእሰይ እናሸጎጡ ምሕላፍ ይጅምሩ። እቶም መናእሰይ እውን “ካብ ዝቆፃፀርዎ ሮያሊቲ 40 ምኢታዊ እናወሰዱ እቲ 60 ምኢታዊ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኾን” ዝብል ውዕሊ ንጎድኒ ገዲፎም ናብ ኣካብነት ክራይ ይጥሕሉ። ኣብቲ እዋን ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ብዝገበርዎ ክትትል ቅብሊት ዘይብለን ኬላ ዝሓለፉ መኻይን ይበራኸታ ምህላወን ይረጋገፅ። እተን መኻይን እንትተሓዛ እውን እቶም ሰብ ዋና ብላዕ ከምዝኸፍሉ ምዝራብ ስለዝጀመሩ ምስቲ ኢድ ብኢድ ዝተትሓዛ ምዃነን እቶም ኣብ ግዕዝይና ዝጠሓሉ መናእሰይ ብምብራርን “ሞዴላት” ዝኾኑ ምልሻ ብምምዳብን ክሕልው ከምዝተገበረ ኣይተ ኤፍሬም የረድኡ፡፡

ኣብዚ እውን ግን ካሊእ ዓይነት ፈተና ኣጋጢሙ እዩ። ኣብተን ወሰንቲ ዝኾና 8 ክሳዳት ብስርሖም ዝምስገኑ ምልሻታት ብምቑፃር ምንቅስቓስ ኣከብቲ ክራይ ክዕገት እንትፍተን ዝለመደዎ ሽሻይ ከየምልጦም ፀልማት ጉልባብ እናገበሩ ክንቀሳቐሱ ይጅምሩ። ነዚኣ ዝተረድአ ምምሕዳር እታ ወረዳ ድማ ፓትሮል መኻይን ኣዳልዩ ብብርኪ ወረዳ ዘሎ ሓይሊ ፀጥታ ይኹን ካብ ክልል ዝመፁ ሓገዝቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣዋዲዱ እንትወፍር ፀፀር፣ እምኒ ምንፃፍን መንደቕን ሓሸዋን ሓመድን ዝፀዓና 120 መኻይን ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ብሕጊ ሮያሊቲ እቲ ንብረት ብምውራስ ነቶም ሰብ ንብረት ድማ ንሕድ ሕዶም ካብ 5000 ክሳብ 10000 ብር ክቕፅዑ ይግበር።ኣብ 2009 ዓ/ም ካብ ቅፅዓት ይኹን ካብ ሽይጣት እቲ ዝተወረሰ ሮያሊቲ 2 ነጥቢ 18 ሚልዮን ብር ዝተረኸበ ኮይኑ ሕዚ እውን ዘይተሸጠ ልዕሊ 100 ቢያጆ ዝኾን እምኒ ምንፃፍ፣ ፀፀርን ሓሸዋን ከምዘሎ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

መዳርግቲ ኣካላት ከምዚ ጠንኪሮም ስለዝሰርሑ እውን ከም ወረዳ 28 ነጥቢ 3 ሚልዮን ብር ንምእካብ ተሊሞም ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ወሰኽ ዘለዎ 35 ሚልዮን ብር ንምእካብ ክኢሎም እዮም። ኣብዚ እቲ ዝለዓለ ወሰኽ እቶት ዘምፀአ ሮያሊቲ ብምዃኑ ኣብዚ ዓመት ካብ ሮያሊቲ ጥራሕ 10 ሚልዮን ብር ንምእካብ ተሊሞም ይንቀሳቐሱ ኣለው። እዚ ተግባራዊ ዝኸውን እውን እቶም ኣብ 115 ማሕበራት ዝተወደቡ እምኒ ምንፃፍ ዝፀርቡን እምኒ መንደቕ ዝፍንቅሉን ይኹን ሑፃ ዘቕርቡ 2000 መናእሰይ ካብ ኢድ ደለልቲ ወፂኦም ዝሸጥሉ መንገዲ ብምፍጣር እዩ ክኸውን። ስለዝኾነ ሃፍቲ ተፈጥሮ እናጓሕጉሑ ዝውዕሉ ኣብ ምፍራይ ፀፀር ዝንቀሳቐሱ ሰብ ሃፍቲ እቲ ዝግባእ ግብሪ ክኸፍሉ ኣድላዪ ክትትልን ደገፍን ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡፡

ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ኣድላይ ኣብ ዝኾነ እዋን ፍሉይ ሓይሊ ክልል እናተጠቐመ ብዝገበሮ ክትትል ሮያሊቲ እቶም ፀፀር ዘፍርዩ ሰብ ሃፍቲ እቲ ስጉምቲ ምኽባዱ ሪኦም ሐዚ ብስሩዕ ቅብሊት ዝቖርፅሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ምስዚ ተዛሚዱ ከም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ እንደርታ ግብሪ ንከይኸፍሉ ትርፊ ኣልባን /ኒል/ ክሳራን እናበሉ ዝመፁ ፀፀር ዘፍርዩ ሰብ ሃፍቲ ናብ ተሓታትነት ምስጋር ጀሚሩ ኣሎ። ንኣብነት ኣብታ ወረዳ ካብ ዘለው 70 መፍረይቲ ፀፀር ነቶም ክሳራን “ትርፊ ኣልባን” እናበሉ ዝምፁ ሸውዓተ ሰብ ሃፍቲ ሒሳብ መዝገቦም ተመርሚሩ 1,197,112 ብር ግብሪ ክኽፍሉ ተገይሮም ኣለው፡፡

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ነቶም ሰብ ሃፍቲ “ኣጭበርቢርኩም ኢኺም” ኢሉ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ 19 ሚልዮን ብር ግብሪ ክኸፍሉ ዝተገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ንሓንቲ ቢያጆ ፀፀር ክልተ ቢያጆ እምኒ ከምዘድሊ፣ ነቲ ቢያጆ እምኒ ንምፍንቃል ድማ ክንደይ ጉልበት ሰብ ከምዘሳትፍ ስለዝፍለጥ እዩ። ወፃኢ ብምቑላል ካብ ምኽፋል ግብሪ ንከምልጥ ብዙሕ ጉልበት ከምዝተጠቐመ እምሲሉ መረዳእታ ዘየምፅእ ድማ “ሓንቲ ፓድ ቆሪፁ ክልተ ሰለስተ ቢያጆ የብፅሕ ኣሎ ማለት እዩ” ብዝብል ጥርጣረ ብዓሚቕ ኦዲት ዝምርመረሉ ኩነታት ኣሎ። ስለዝኾነ በቶም ልምዓታውያን ኮይኖም ፅቡቕ ወፃእን ኣታውን ዘቕርቡ ሰብ ሃፍቲ ነቶም ሰወርቲ ግብሪ ብምትማን ናብ ስርዓት ንምእታው ቆሪፁ ተላዒሉ ኣሎ። እዚ ብምትግባር እውን ኣብ 2009 ዓ/ም 28 ነጥቢ 3 ሚልዮን ብር ክእከብ ተሊሙ 35 ሚልዮን ብር ዝኣከበ እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣብ 2010 ዓ/ም 39 ነጥቢ 6 ሚልዮን ብር ክእክብ ትልሚ ሒዙ እናተንቀሳቐሰ እዩ፡፡

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ መደባት ልምዓት እቶት ናይ ሓደ ቤት ዕዮ መደባት ዘይኮኑስ ውራይ ኩሉ ዜጋ ብምዃኖም ንዕውትነት እዚ መደብ ኩሉ ዝምልከቶ ክረባረበሉ ይግባእ። እዚ ክኸውን ዝኽእል እውን ሕድሕድ ወገን ናይ ዝተጠቐመሉ ግልጋሎት ቅብሊት ምሕታት ዜግነታዊ ግቡኡ ምዃኑ ኣሚኑ እንትንቀሳቐስ እዩ። እዚ ዝበሃለሉ ቀንዲ ምኽንያት እውን ግብሪ ዝስውር ኣካቢ ክራይ እንኮ መቃልዒቱ መንገዲ ስለዝኾነት እያ።እዚኣ ድማ እታ ዝቐለለት ሃገራዊት ሓላፍነት ምዃና ምፍላጥ የድሊ። እንተዘይኮይኑ ቅብሊት ንከይሓትት እናተሰከፈ ኣብ መድረኻት ሽምጡ ገቲሩ “ናይ ማይ፣ መብራህቲ፣ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ከምኡ ድማ መንገድታት ፀገም ኣለና” ኢሉ እንተሓተተ ድረፋ እሞ ኣይተፅማና እዩ ዝኾን። እቲ ምንታይ ሕድሕድ መሰረተ ልምዓት ዝስራሕን ዝቀላጠፍን ገንዘብ እንትእከብ ጥራሕ ምዃኑ ንኹሉ ግልፂ እዩ። ገንዘብ ዝርከብ ድማ ካብ ቫት፣ ቲኦቲ ይኹን ትርፊ ግብሪ እቶት ክርከብ ዝከኣል ቅብሊት ዝሕተተሉ መስርሕ እንትጠናኸር ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ ሕድሕድ ኢድ ዜጋታት ዘሎ ቁልፊ ጉዳይ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ፡፡

ብመሰረቱ ግን እቶም መንግስቲ ዓዲ ንክትለምዕን ንሶም እውን መነባብሮኦም ከመሓይሹን ሓሲቡ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሰሊዑ ምስሃቦም እናጓሕጉሑ ዝውዕሉ ዘለው ኣካላት ነቲ መነወሪ ተግባሮም ደጋጊሞም ክሓስብሉ ኣለዎም። መንግስቲ “ዜጋታት እዮም ይጠቐምሉ” ኢሉ መሬት ሰሊዑ እንትህቦም ካብ 100 ብር ሰለስተ ብር ግብሪ ከይኸፍሉ ናብ ስወራ ግብሪ ምእታዎም ከሕፍሮም ይግባእ። ኣብዚ እቲ ምምሕዳር ኣጥቢቑ ክሰርሓሉ ዝግባእ ንከምዚኦም ዝበሉ ኣከብቲ ክራይ ማዕዳ ሂብካ ዘይእረሙ እንተኾይኖም ፍቓዶም እናሰረዘ ንልምዓታውያን ሰብ ሃፍቲ ምስግጋር ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ። ስለዚ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ እቲ ኣብ 2009 ዓ/ም ኣመዝጊብዎ ዘሎ ለውጢ ዝነኣድ እዩ። እቲ ብኣከብቲ ክራይ ዝምንዛዕ ዝነበረ ሃፍቲ ህዝቢ ኣብታ ወረዳ ብዝተወለዐ ቃልሲ እዩ ናብ ረብሓ ህዝቢ ክውዕል ተገይሩ እሞ ነቲ ሕሉፍ ዓመታት ዝነበረ ክፍተት እናረአና ኢና  ክጎሓል ዝፀንሐ ወርቂ ንብል ዘለና። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010