የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595482
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1843
2526
6969
4567652
33447
77308
4595482

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:54

ንሓብሓቢኣ እትሕለብ መሬት!

here we go
selam new

ዝሓወየ ከባቢ ፍልፍል ሕርሻዊ ረብሓታት እዩ

 

«… እምባሕ የለን ደሪቑ ኣሳውሕና

መዓል ኣዛብእ ኮይኑ መዋፍርና። …

… ዘመን ከፊኡዶ ሎምስ ጠሊምካኒ…

ኣካሒዳ ኮይኑ በይነይ ገዲፍካኒ

ሰኣን ጠሊ ዶ ኣታ ራሕሲ ናይ በረኻ

ኣንጉዕኻ መኺኹ ምስ ዔምካ ቀሪኻ

… ኩሒለይ ጎምበለይ ኣታ ግርማ ደንበይ

ንዓይ ይስጠሐኒ ተሰጢሕኻ ኣብ ቅድመይ …»

ታሪኽ መስትያት እዩ። ሕሉፍ ፍፃመን ዛንታን ቁልጭ ኣቢሉ ኣብ ሰሌዳ ኣእምሮ የርኢ፤ ራህዋን ፀበባን ትማሊ የዘክር፤ ብሩህ ተስፋ መፃኢ ይጋልህ። ኣብ መእተዊ እዚ ፅሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ዜማ ድምፃዊ ተጋዳላይ እያሱ በርሀ እውን መንፈስ ስጋ ብዙሓት ሰርሲሩ ዝኣቱ ስቓይ ዝሓዘለ ጦብላሕታ ኣለዎ። ካብ ኣእምሮ ሚልዮናት ህዝቢ ዓለም ዘይሕከኽ ዛንታ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ውሽጡ ኣሎ።

ሓረስታይ ትግራይ ኣላትኒ ዝብላ ካብ ተፈጥሮ ዝረኸባ ሰማይ ከደነ ፍርያት ሕርሻ ዝሓረሞ መዋእል 1977 ዓ/ም የዘንቱ። ብነዳድ ፀሓይ ዝረሰነ መቕሎ መሲላ ዝነበረት መሬት ትግራይ ከርሰ ምድራ ፍርያት ምልጋስ ቀርዩዎ ሬሳታት ክውሕጥ ዝጀመረሉ እዋን የዘክር። እቲ ዘጋጠመ ድርቂ መፀውዕን ምልክትን ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ኣብ ሕልና ህዝቢ ዓለም ንቡዙሕ ዓመታት ተምሳሌት ስኡናት ዝገበረና ኩነታት ምንባሩ ድማ ይነግር። እቲ እዋን ናይ ባዕሉ ሰፊሕ ዛንታ ዘለዎ እኳ እንተኾነ ቀንዲ ዛዕባ ፅሑፍና ግና ኣይኮነን። ይኹን እምበር እታ ብ1970 ዓ/ም ካብ ማህፀን ህዝቢ ትግራይ ዝተወለደት ትካል ገባሪት ሰናይ ማረት ካብዚ ሕሱም እዋን ጀሚራ ዝነበራ ህዝባውነትን ስራሕቲ ህንፀት ሓምለዋይ ቁጠባ ንምጥንኻር ዘካየደቶ ፃዕርን ዘመዝገበቶ ውፅኢትን ብዝምልከት ካብ ተግባራት ማረት ንገሊኡ ክንድህስስ።

እዋኑ ኣብ መፋርቕ 1977 ዓ/ም እዩ። እቲ እዋን ገለ ክፋል ዓለም ፀሓያ በሪቑላ ንፋስ ሰላምን ፅጋብን ረኺባ እንትትሕምብጥ ንህዝቢ ትግራይ ግን “ዘመን ኣካሒዳ” ዝበሃል ዓይነት ግዜ እዩ ነይሩ። በዚ ድማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ባሕሪ ዝነፀፎ ዓሳ ከይኸውን ስግኣት ብዙሓት ዝኾነሉ እዋን ምንባሩ ይዝገበሉ። ድሕሪ እዚ ነይሩ። ማረት ነቲ ኣብ ኣፍ ሞትን ሕየትን ዝነበረ ህዝቢ ንምድሓንን መፍትሒ ንምትእልላሽን ላዕልን ታሕትን ክትብል ጀመረት። ድሕሪ 1975 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝነበራ ልዑል ተፈላጥነት እኹል ሓገዝ እናረኸበት ብምምፃኣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መረበቱ እንከሎ ሓገዝ ክትገብር ሓሰበት። እንተኾነ ግና እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ ድርቂ ስርዓት ደርግ ንዝሓሰቦ እኩይ ተግባር ምችው ዕድል ብምፍጣሩ ሓገዝ ክኣቱ ኣይፈቐደን። ስለዝኾነ ስርዓት ደርግ ነቲ ማረት ብዓብይኡ ወፊራትሉ ዝነበረት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምዕፃው ነቲ ፀገም ክጋደድ ገበረ። ህዝቢ ብምዕራብ ትግራይ ኣቢሉ ናብ ሱዳን ክሰግር ዝገበረቶ ፃዕሪ እውን ብሰንኪ ሸርሒ ሻዕቢያ ኣይሰመረን። ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝጐዓዘሉ መንገዲ ቀይራ ኣብ ዕዳጋ ሕብረት፣ ማይ ሓንሰ፣ ቃሌማ ኣፅሊሉ ዝነበረ ህዝቢ ብወልቃይት ፀገዴ ተጓዒዙ ወዲ ከውሊ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ናይ ሱዳን መሬት ክኣቱ ገበረት። ብመሰረት እዚ ድማ ተጋደልቲ ህወሓት ህዝቢ ንምድሓን ብዝገበርዎ ወፍሪ ህዝቦም ናብ ውሑስ ከባቢ ሱዳን ኣብፅሕዎ።  ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሱዳን ዝተዓቖበ ህዝቢ ትግራይ ማረትን ህወሓትን ምስ ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ተላዚበን ዘምፅአኦ ሓገዛት ስለዝነበረ እውን እኹል ቀረብ ምግብን ኣፋውስን ክረክብ ከኣለ።

ኣብ ክረምቲ 1978 ዓ/ም ኣብ ሰማይ ትግራይ ሓዱሽ ጩራ ተስፋ ክረአ ስለዝጀመረ ግና ማረት ሓደ ኣንፈት ሓንፂፃ። ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ትግራይ ብምምላስ፣ ዝባደመ መሬቱ ኣልሚዑ ንክሓርስ ዘኽእሎ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ገበረት። ቀለብ፣ ዘርኢ፣ መትከሊ እግሪ ገንዘብን ክዳንን ናብ ዓዱ ክምለስ ዘድሊ ናውቲ ኣዕጢቓቶ። በዚ ሰናይ ግብራ ድማ ልዕሊ 1400 ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዓለም ሰናይ ግበራ ከም ዝመስከርሉ ዋና ዳይሬክተር ማረት ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ይገልፁ።

ድሕሪ እዚ ማረት “ምግቢ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዘለዎ እምበር ህዝቢ ትግራይ ምግቢ ናብ ዘለዎ ክስደድ የብሉን” ዝብል ፅኑዕ ፖሊሲ ኣውፂኣ። ነዚ ንምጥንኻር ዘኽእል ልዕሊ 500 ሚልዮን ኩንታል ዝረኸበቶ ሓገዝ እኽሊ ናብ ኩሉ ከባቢ ኣብፀሐት። ደሓር ድማ ብመሰረት “ድርቂ ዝፃወር ቁጠባ ክህነፅ ኣለዎ” ዝብል ፖሊሲ፣ ህዝቢ ትግራይ ናብ ኣኽራናት ሓዂሩ ሓምለዋይ ቁጠባ ንምህናፅ ተወዲቡ ናብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ክወፍር ጀሚሩ። ነዚ ዝኸውን ናውቲ ሕርሻ ምዕጣቕ ድማ ዋና ዕማም ማረት ኮይኑ ቀፂሉ።

ብ1978 ዓ/ም ምግቢ ብስራሕ ብዝብል መርሃ ግብሪ ዝተጀመረ ውዑይ ምንቅስቓስ ብብርኪ ዓለም ይኹን ሃገር ተመክሮ ኮይኑ ናብ ነፃ ጉልበት ዕቀባ ሓመድን ማይን ክዓቢ ክኢሉ። በቲ ማረትን ህወሓትን ተዋዲዶም ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሰርሕዎ ክልላዊ ስራሕ ድማ ካብ 1985 ክሳብ 1986 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ 13 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንፀላልዩ ንዝነበረ ድርቂ ብዘይ ሞትን ስደትን ክሰግር ኪኢሉ። ድርቂ ዋላ እኳ እንተተፈጠረ ኣብ እንስሳን ሰብን ዝፍጠር ዝነበረ ሓደጋ ጥምየት እውን ነበረ ምግባሩ መረዳእታ ጋዜጣ ወይን ሕታም ለካቲት 2007 የረጋግፅ።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ እውን ዝለዓለ ትኹረት ማረት ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ እዩ። ምኽንያቱ ንሕርሻ ኣፀጋሚ ግን ድማ ብፀጋታት ዝሃፍተመ ገፀ መሬት ትግራይ ፍልፍል ኩሎም ቁጠባውን ከባብያውን ረብሓታት ክኸውን ዝኽእል ምዃኑ ስለዝእመን።

ማረት ነዚ መሰረታዊ እምነት መንግስትን ውድብን ዓትዒታ ብምሓዝ ብዝገበረቶ ህዝባዊ ማዕበል ዝተሓንገጠ ጉዕዞ ተጠቃምነት ሓረስቶት ኣረጋጊፃ ኣላ። ዛጊድ ድማ ኣብ 15 ወረዳታት ትግራይ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ እናነጠፈት ትርከብ። ብ11 ገበርቲ ሰናይ ዝድገፉ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ኣቢላ ጨናፍራ ብምዝርጋሕ ልዕሊ 2,500 ሄክታር ንምልማዕ ተሊማ ከባቢ 300 ሽሕ ሄክታር መሬት ትግራይ ብዕቀባ ሓመድን ማይን ናብ ንቡር ክምለስ ምጅማሩ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት እዩ። ከም ውፅኢቱ እውን ኣብቲ ክሳብ ሐዚ ማረት ኣልሚዓቶ ዘላ መሬት ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ብምስራሕ ሓረስቶት ኣብ ልምዓት መስኖ፣ ሃፍቲ እንስሳ ተረባሕቲ ክኾኑ ዘኽእልዎም ቴክኖሎጅታት ብምድጋፍ ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ኩነታት ፈጢራ ኣላ። ንኣብነት ኣብ 2007 ዓ/ም ኣብ 143 ኪሎ ሜትር ብዝተሃነፁ 126 ጉህምታት 15 ሽሕን 743 መፋስስ ድሒኑ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ካብ ሃገረ ህንዲ ብዝመፀ ሓዱሽ ተመኩሮ ዝተሃነፁ ስራሕቲ ምድሓን ሃፍቲ ተፈጥሮ እውን ኣለዉ። ንኣብነት ኣስታት 60 ከትርታትን 12 ውሑጅ መእለዪ መትረባትን ምኢቲ ምኢታዊ ህንፀቱ ተፈፂሙ። በዚ ዝተረኸበ ዕቑር ሃፍቲ ማይ ድማ 1,570 ሄክታር መሬት ብመስኖ ምልማዕ ከም ዝተኽኣለ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማረት መምርሒ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ሕርሻን ሓላፊ ዘፈር ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣይተ ሓለፎም ገብረኺዳን የረድኡ።

ካሊእ ድማ ንዕብየት እቶት ሕርሻን ምርግጋፅ ውሕስነት ምግብን ዓለምና ዓብዪ ስግኣት ኣብ ዝኸውን ዘሎ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝስርሑ ስራሕቲ ማረት ብክልተ መንገዲ ክግለፁ ይኽእሉ። እቲ ሓደ ተግባር ነዚ ንምዕጋት ዝስርሑ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይ ልምዓት ደንን እዮም። ማረት ዝተመናመኑ ጎቦታት ብስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ልምዓት ደንን ኣቢልካ ተፈጥሮ ኣብ ምድሓን ናይ ልዕሊ 20 ዓመት ዕቑር ልምዲ ኣለዋ። እዚ ውህሉል ተመክሮ ሕድሕድ ሓረስታይ ትግራይ ወኒንዎ ዝርከብ ዓቕሚ እዩ። 

ኣብዚ መዳይ ዘመዝገበቶም ዓወታት ንምጥንኻር ዘኽእልዋ ልዕሊ 92 ጣብያታት ፈልሲ ወኒና ኣላ። ኣብዘን ማእኸላት ዛጊድ 280 ሚልዮን ዝኣክል ፈልስታት ተተኺሎም እዮም። ኣብዚ ዓመት ድማ 24 ነጥቢ ሸውዓተ ሚልዮን ፈልሲ ንምፍላስ ተተሊሙ ልዕሊ 25 ሚልዮን ፈልስታት ንምፍላስ ተኻኢሉ እዩ። በቢ ዓመቱ ናይ ዝተኻየደ ፃዕሪ ውፅኢት ድማ እቶም ፍሉይ ዓሌት ዘለዎምን ኣብ ግድምታት ክቦቕሉ ዝኽእሉን 13 ነጥቢ ሽዱሽተ ሚልዮን ፈልስታት ፀዲቖም ኣብ ምፍጣር ሓምለዋይ ከባቢ እጃሞም እናበርከቱ ይርከቡ። ህልውናን ዕብየትን እዞም ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ፈልስታት ንኽረጋገፅ ድማ ኣብ 2007 ዓ/ም ጥራሕ 1,233 ሓረስቶት ቴክኒካዊ ስልጠና ብምሃብ እቲ ሕብረተሰብ ግንዛበ ዝረኽበሉ ኩነታት ይፍጠር ምህላዉ ኣይተ ሓለፎም ወሲኾም ይገልፁ።   

እቲ ካልኣይ ዕማም ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ድማ ጉህምታት ብምሕዋይን ጠሊ ዓቀብቲ ስራሕቲ ብምስራሕን መጠን ማይ ከርሰ ምድሪ ብምጉልባት ሓረስታይ ብልምዓት መስኖ ተረባሒ ንምግባር ብሰፊሑ ማረት እትሰርሖም ስራሕቲ እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝዘንብ ዝናብ ብናህሪ ውሑጅ ሓመድ ከይሽርሸር ናብ ከርሰ ምድሪ ክዞርቕ ብምግባር ሕርሻ መሬት ሓረስቶትን ኣብ ዙርያኡ ዝርከብ ከባቢን ሓምለዋይ መልክዕ ክሕዝ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ብተግባር ድማ 3 ሚልዮንን 359 ሽሕን 206 ሜትሮ ኲብ ሆረየ ንምህናፅ ተተሊሙ 3 ሚልዮንን 279 ሽሕን 739 ሜትር ኵብ ተሃኒፁ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ጎቦ መቐሎታት ኣብ 2007 ዓ/ም 335 ነጥቢ 8 ሄክታር መሬት ጠሊ ዓቀብቲ ኬላታትን መትረባትን ንምስራሕ ብዝተትሓዘ ትልሚ እቲ 323 ነጥቢ ሰለስተ ንምፍፃም ተኻኢሎ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እዚ ከባብያዊ ኣየር ዘምፅኦ ሳዕቤን ቀልጢፎም ክባፅሑ ዝኽእሉ ምሩፃት ዓሌታት ዝራእቲ ኣተኣታትያ እያ።

ብድምር ምጥንኻር ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ  ኩሎም ቁጠባዊ ረብሓታት ሓረስቶት ኣብ ምርግጋፅ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ንኩሎም ስራሕቲ መፍረያይነት ንምጉልባት መሰረቱ ማይ ብምዃኑ መጠን ማይ ከርሰ ምድሪ ክጉልብት ኣለዎ። እዚ ክኸውን ዝኸእል ድማ ኣብ ዕቀባ ሃፍቲ ተፈጠሮ ብዝግበር ዘይሕለል ፃዕሪ ይኸውን። ብመሰረት እዚ ኩሎም ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ማረት ውድብ ህወሓትን ኣብ  ዝሓለፉ ጉባኤታት ንዝወሰኖም ውሳነታት ንምጥንኻር ዝሕግዙን ንምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ዝለዓለ እጃም ዘለዎምን ስራሕቲ እዮም። በዚ ሓበራዊ ምንቕስቃስ ዝመፁ ለውጢታት እውን መሬት ከከም ሓብሓቢኣ እትሕለብን ፃዕሪን ፅንዓትን ትጠልብን ልግሳ ዘይውዳእ ፀጋ ተፈጥሮ ምዃና የመላኽቱ። ሰለዚ ንምሕዋይ ከባቢን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝለዓለ ጠመተ ብምሃብ መፍረያይነትና ክነዕቢ ይግባእ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010