የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595520
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1881
2526
7007
4567652
33485
77308
4595520

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 18:00

ስደት ንምንታይ?

here we go
selam new

ብደስታ ተካ

35 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ሃገረ ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም ይነብር፡፡ ስለዝኾነ ቻይና ኣብ   ኣብ ዓለምና ብቑፅሪ ስደተኛታት ፈላማይ ብርኪ ዝሓዘት ሃገር ኮይና ኣላ፡፡

ካብ ቻይና ቀፂላ ካልኣይ ብርኪ ዝሓዘት ህንዲ እንትትከውን ብሳልሳይ ደረጃ ዘላ ድማ ሜክሲኮ እያ፡፡ እዞም ዜጋታት ኣብ ዝሃልው ይሃልው እቶም ኣብዝሓ ሃገሮም ኣብ ዘነፀሮ ፖሊሲ ልምዓት ብቐጥታ ብምስታፍ ንሓደ ዓላማ ከም ዝሰርሑ ይፍለጥ፡፡ እቲ ዓላማ ድማ ንምዕባለ ቁጠባ እዘን ሃገራት ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ይእመን፡፡ ፍልፍል ቴሌቪዥን ሲ ሲ ቲቪ 2014 ዓ/ፈ

ኢትዮጵያውያን ዜጋታት እውን ካብ ሃገሮም ወፂኦም ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝስደዱ ብዙሓት እዮም፡፡ ካብቶም ዜጋታት ገሊኦም ኣብ ዘዝነብሩሉ ከባቢ ዝረኸብዎ ተመክሮን ልምድን ሒዞም ናብ ሃገሮም ብምምፃእ ዕውታት ዝኾኑ እውን ኣለው፡፡ ንኣብነት ብ1997 ዓ/ም ናብ ሃገረ ሱዑዲ ዓረብያ ተሰዲዱ ኣብኡ ዝረኸቦ ተመክሮ ጥራሕ ሒዙ ናብ ዓዱ ብምምፃእ ሐዚ ኣብ መነባብርኡ ለውጢ የምፅእ ብዛዕባ ዘሎ ሓረስታይ ርእሶም በየነ ክንርኢ፡፡

ድሕሪ ስደት ዝፈረየ ሃፍቲድሕሪ ስደት ዝፈረየ ሃፍቲ

ሓረስታይ ርእሶም ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅንብላ ጣብያ ደደቢት እዩ ዝነብር፡፡ ብ1994 ዓ/ም ውልቀ ዒላ ኵዒቱ ብልምዓት መስኖ ይጥቀም ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና "ካብዚ ዝሐሸ እቶት ክረክብ እየ” ብዝብል ሓሳብ ብ1997 ዓ/ም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ባሕሪ ተሳጊሩ ናብ ሱዑዲ ዓረብያ ተጓዒዙ፡፡ ንከባቢ ሰለስተ ዓመት እናሰርሐ ድሕሪ ምፅናሕ ድማ ብ2000 ዓ/ም ናብ ዓዱ ተባሪሩ፡፡

ይኹን እምበር ብ2001 ዓ/ም ዝነበርዎ ክልተ ኣውዑር ሸይጡ ተመሊሱ ናብ ዝነበሮ ሱዑዲ ዓረብያ ከይዱ፡፡ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ሕጋዊ ወረቐት ነባርነት ስለዘይነበሮ ብኣካላት ፀጥታ እቲ ሃገር ተታሒዙ ሓሙሽተ ዓመት ክእሰር ይፍረዶ፡፡ ብኣጋጣሚ መንግስቲ እቲ ሃገር ትሕቲ 35 ዝዕድሚኦም ተሃነፅቲ ብነፃ ክፍትሑ ምሕረት ብምሃቡ ድማ ርእሶም እውን ካብቶም ብነፃ ዝተሰደዱ ሓደ ኮይኑ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቱ ጥራሕ ኢዱ ንዓዱ ዳግማይ ተሰጒጉ፡፡

ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ ሓደ ቤተሰቡ 10 ሽሕ ብር ከምዝሃቦን ነዚአን ሒዙ ናብ ዓዱ ከምዝኣተወን ብኣንደበቱ ይገልፅ፡፡ " ዓደይ ምስ መፃእኹ ናብራይ ኣዐርዩ ተጎሳቒሉ ብምፅንሑ ኩሉ ነገር ፀልሚቱኒ ነይሩ፡፡ እታ ቅድም ኢለ ዝኾዓትኩዋ 6 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዋ ዒላ እውን ጉልበት ስለ ዘይነበራ ክልተ ሜትሮ ክውስኸላ ደልየ ገንዘብ ስኢነ ነይረ፡፡ ደሓር ሓደ ቤተሰብ 4000 ብር ኣለቂሑኒ እቲ ዕምቆት በቲ ዝደለኹዎ ወሲኸሉ፡፡” ክብል ሓረስታይ ርእሶም ይገልፅ፡፡

ብመሰረት እዚ ካብ 2004 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ሱዑዲ ሒዝዎ ብዝመፀ ተመክሮን ልምዲ ስራሕን ተጠቒሙ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክሰርሐላ ጀሚሩ፡፡ ካብታ ዒላ ማይ እናሰሓበ ዘዕቑረሉ ክልተ ባስካ እውን ሰሪሑ፡፡ ናይ ማይ ክሎሪን ስለዝገብረሉ ነቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ንመስተ ማይ ብምሻጥ እቶት ይረክብ፡፡ ብተወሳኺ ነብሱ ንዝሕፀብ /ሻወር ዝገብር/ እውን ንሓደ ሰብ ክልተ ብር የኽፍል፡፡ ክዳን ክሓፅብ ደልዩ ናብቲ ከባቢ ንዝመፀ እውን ንጀሩካን ሓደ ብር የኽፍል፡፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ኣሕምልትን ቀወምቲ ተኽልታትን ኣብታ ዘላቶ ርብዒ ሄክታር መሬት ተኺሉ ብመስኖ ይጥቀም ምህላው ይገልፅ፡፡

ንመስኖ ዝውዕል ማይ ከይባኽን ካብ ዒላ ናብ ሕድሕድ መደብ ተኽሊ ብትሕቲ መሬት ማይ ዝወስድ ትቦ ዘርጊሑ ማይ በቑጠባ ይጥቀም፡፡ ብድምር ካብ ኩሎም ግልጋሎታትን ዝረኽቦም ፍርያት መስኖን ብመዓልቲ ከባቢ 560 ብር ይረክብ ኣሎ፡፡ " ስደት ከይደ ዘምፃእኽዎ ገንዘብ ወይ ንብረት የለን፡፡ ተመክሮን ልምድን ሒዘ ብምምፃእ ብሓቦን ንሒን ስለ ዝሰራሕኹ ግን ሐዚ ተረባሒ ኮይነ ኣለኹ፡፡” ኣጎሳቒለያ ዝነበርኩ ናብራይ እውን ሎሚ ተመሓይሹ ኣሎ፡፡” ክብል ሓረስታይ ርእሶም በየነ የብርህ፡፡

እዚ ተመክሮን ልምድን ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ኣብቲ ጣብያ ናብ ዘለው 20 ሓረስቶት ኣሰጋጊሩዎ እዩ፡፡ ካብዚኦም እቶም 8 ሞዴላት ኮይኖም ኣለው፡፡ ሓረስታይ ርእሶም ዘይብላዕ ሽሻይ ብወረ ስሚዑ ስደት ብምኻድ ዝለዓለ መከራን ሽግርን ሓሊፉ ተመክሮ ጥራሕ ሒዙ ተመሊሱ፡፡ እቲ ተመክሮ ግን ብፃዕሩ ናብ ዝብላዕ ቀይርዎ፡፡ ከም ርእሶም ዝበሉ ወገናት ብወረያ ወረ እናሰምዑ ባሕሪ ክሰግሩ ቀለብ ዓሳ ዝኾኑ ወገናት እውን ኣይንረስዕ፡፡ ስለዚ ኣብ ከባቢኻ ኾይንኻ መንግስቲ ኣብ ዘነፀሮ ፖሊሲ ልምዓት ተረባሒ እትኾነሉ ዕድል ረጊፅካ ካብ ምኻድ "ስደት ንምንታይ?” ዝብል ሕቶ ኣቐዲሙ ክምለስ ዝግበኦ ጉዳይ እዩ፡፡ እዚ እንተዘይተመሊሱ ግን ጉዕዞ ዓይኒ ዕሙተይ መወዳእትኡ ቅዝፈት እዩ፡፡


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010