የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4452379
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1470
2427
65697
4345169
132797
88312
4452379

Your IP: 54.166.203.76
2017-10-21 13:52

ማይ ዝሓዘ ዳኣኾነይ !- - -

here we go
selam new

እንርከበሉ ዘለና ኩነታት ማእኸላይ እቶት ናብ ዘለወን ሃገራት ንምብፃሕ ኣብ ህልኽ ዘወድእ ጉዕዞ ልምዓት እዩ።እዚ ብምዃኑ ነቲ ዓንዲ ሕቖ ቁጠባና ዝኾነ ሕርሻ ዘበን ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንረኽቦ ፍርያት ካብ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ሓሊፉ ንቐፃሊ ኣንፈት ስግግር ኢንዱስትሪ ዝምግብ ምህርቲ ምፍራይ ትፅቢት ይግበር።እዚ ንምዕዋት ወሰንቲ ካብ ዝኾኑ ግምባራት ልምዓት ሓደ ድማ ልምዓት መስኖ እዩ።ስለዝኾነ ኣብ 2009 ዓ/ም ብብርኪ ክልል ዝተፈላለዩ ስትራክቸራት ማይ ብምህናፅ ብስሩዕ መስኖ 45 ሽሕን 739 ሄክታር ብሓጋዚ መስኖ ድማ 10 ሽሕን 885 ሄክታር መሬት ሓዱሽ ዓቕሚ ምልማዕ ንምፍጣር ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ምምፅኡ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቢሮ  ሃፍቲ ማይ ክልል ትግራይ የረድእ።ወረዳታት ክልልና እውን ነዚ መበገሲ ብምግባር ነናይ ባዕለን ትልሚ ኣውፂአን እናተረባረባ ፀኒሐን እየን።በዚ መርኣያ ዝኾና ወረዳታት ትግራይ ብዙሓት እኳ እንተኾና ትሕዝቶ ፅሑፍና ግና ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ 2009 ዓ/ም ወረዳ ኦፍላ ዝድህስስ እዩ።

ጠቕላላ ተሓራሳይ መሬት ወረዳ ኦፍላ 21 ሽሕን 707 ሄክታር እዩ።ካብዚ ውሽጢ 13 ሽሕን 528 ሄክታር ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል እንትኸውን ናብ ልመዓት ዝኣተወ 7,506 ሄክታር መሬት እዩ።በዚ ድማ ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከቡ 31 ሽሕን 539 ተሓራሳይ መሬት ዘለዎም መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት 3,237 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 17 ሽሕን 22 መራሕቲ ስድራ እዋን ሓጋይ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ተዋፊሮም ተጠቀምቲ እናኾኑ እዮም።ካብኣቶም ኣብ ልምዓት መስኖ ተዋፊሮም ዝርከቡ መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት እቶም 26 ሽሕን 761 ሓደ ኣማራፂ ማይ ዝወነኑ እዮም።15 ሽሕን 29 መራሕቲ ስድራ ድማ ወነንቲ ክልተን ልዕሊኡን ኣማራፅታት ማይ ኮይኖም ኣለዉ።እዚ እውን ሓረስቶት በብእዋኑ ኣማራፅታት ማይ እናወነኑ ተረባሕነቶም ዘዕብይሎም ዕድላት ይፍጠሩ ምህላዎም ዘመላኽት ምዃኑ መብርሂ ምክትል ሓላፊ ሃፍቲ ማይ፣ ማዕድንን ኢነርጅን ወረዳ ኦፍላ ኣይተ ሃፍተሚካኤል ኣምባየ ይሕብር።

ነዚ ኣብ 2009 ዓም ንምጥንኻር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ዝተሰርሑ ኮይኖም እቲ ሓደ ቑልፊ መበገሲ ተገይሩ ዝተወሰደ ኣብ 2008 ዓ/ም ዝነበሩ ሕፅረታት ምንፃር እዩ።ብፍላይ ምስ ናይ ሓሶት ፀብፃብን ድልየት ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበሩ ስትራክቸራት ዘይምስርሖም ዝተርኣዩ ክፍተታት ብቐፃልነት ንምፍታሕ ዘኽእል ትልሚ ብምድላው እዩ ናብ ተግባር ምዕራፍ ተኣትዩ።ብመሰረት እዚ ከም ወረዳ ነቲ ናይ ሓሶት ፀብፃብ ንምውጋድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓረስታይ ዘለዋ ኣማራፅታት ማይ ብዝግባእ ክፅንዓ ተገይሩ።ካብዚ ሓሊፉ ብወረዳ ኮነ ብሕብረተሰብ ዝህነፁ ኣማራፅታት ማይ ድልየት ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበሩ ክኾኑ ንምግባር ዝዓለሙ መድረኻት ብምድላው ምስ ህዝቢ ሰፊሕ ምርድዳእ ከም ዝተገበረ ፀብፃብ ዓመታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ መስኖ እታ ወረዳ የመላኽት።

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ 2009 ዓ/ም ብስሩዕ መስኖ 700 ሄክታር ተሓራሳይ መሬት ብሓጋዚ መስኖ ድማ 250 ሄክታር ብድምር 950 ሄክታር መሬት ንምልማዕ ዘኽእሉ 80 ውልቀ ዒላታት፣ ሓደ ሓባር ዒላ፣ ሰለስተ ዳይቨርሽናትን ሽዱሽተ ቸክዳማትን ንምህናፅ ትልሚ ተታሒዙ ነይሩ።ብተወሳኺ ትሸዓተ ኪሎ ሜትሮ ካናል፣ ዓሰርተ ፍልፍል ምጉልባት፣ 22 ባህላዊ ጠለፋታትን 63 ሞተራት ማይን ኣብ ረብሓ ሓረስታይ ክውዕላ ንምግባር ብትኹረት ዝተሰርሐ ኮይኑ ካብዚ እቲ 500 ሄክታር ዝስርሑ ስትራክቸራት ብጉልበት ሕብረተሰብ ክስርሑ እቲ ዝተረፈ 200 ሄክታር ድማ ብካፒታል በጀት እታ ወረዳ ዝፍፀም እዩ ነይሩ።በዚ ኣቢሎም እውን 279 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1,543 መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ልምዓት መስኖ ንምግባር ምንቅስቓሳት ከም ዝተገበሩ ኣይተ ሃፍተሚካኤል ሓቢሮም እዮም፡፡

እዚ ብመንፅር ዝነበሮ ኣፈፃፅማ እንትርኣይ 80 ውልቀ ዒላታት፣ ሓደ ሓባር ዒላ፣ ሰለስተ ዳይቨርሽናት፣ ሓሙሽተ ቸክዳማት፣ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትሮ ካናል፣ ሸውዓተ ፍልፍል ምጉልባት፣ 18 ባህላዊ ጠለፋታትን 17 ሞተራት ማይን ብሓረስቶት ክውነና ክኢለን እየን።በዚ እውን ብሓጋዚ መስኖ ዝተትሓዘ ትልሚ ምሉእ ብምሉእ ዝተፈፀመ ኮይኑ ብስሩዕ ዝተትሓዘ ድማ 547 ሄክታር ብምልማዕ 292 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1,770 መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ልምዓት መስኖ ክኾኑ  ክኢሎም  እዮም።ካብዚ ሓሊፉ ኣብቶም ሓረስቶት ንልምዓት መስኖ ዝወሃብ ጠመተ እናዓበየ እዩ መፂኡ።ብኡ ልክዕ ድማ፣ ˝ልምዓት መስኖ ዝሐሸ  መፍረያይነት የዕቢ˝ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብቲ ሓረስታይ እናተፈጠረ ምምፅኡ እዮም ኣይተ ሃፍተሚካኤል ዘረድኡ።

ኣብ ክሊ እቶም ጥንካረታት ግና ሐዚ እውን ኣብ ውሱናት ሓረስቶት ኣብ ክንዲ ንዘለው መማረፂታት ማይ ክትጥቀም ምፅዓር ካብ መንግስቲ ዓበይቲ ዳይቨርሽናት ክህነፀልካ ምድላይ ኣሎ።ኣብቶም ክኢላታት እውን ነዚ ኣተሓሳስባ ንምስባር ናብ ጣብያታት እናወረድካ ክልተ ሰሙናዊ ደገፍን ክትትልን ኣብ ክንዲ ምግባር ብናይ ተሃድሶ ኣኼባ እናመኽነኻ መደባትካ ዘይምፍፃም ዝበሉ ክፍተታት ነይሮም እዮም።ካብቶም ፀገማት ዝብገስ እውን ኣብ ስሩዕ ዝተትሓዘ ትልሚ ምኢቲ ምኢታዊ ንከይፍፀም ዕንቕፋት ኮይኑ እዩ።እዚ ፀገም ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ብዝግባእ ተገምጊሙ ኣብ ቀፃሊ 2010 ዓ/ም እቲ ጉድለት ከይድገም ካብ ሰናይ ጓሓቱ መተግበሪ ትልሚ ክዳለወሉ ተገይሩ ምህላዉ ካብቲ ፃብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ንምርዳእ ክኢልና ኢና።

ከምቲ ብጋህዲ ርአ ዘሎ ምውናን ኣማራፅታት ማይ ኣብ ስግግር እቶት ሓረስቶት ክልልና እወንታዊ ውፅኢት እናመዝገበ ይመፀእ ምህላዉ ኣብ ብርክት ዝበላ ወረዳታት ትግራይ ዘሎ ተመክሮ የመላኽት።ካብዚ ሓሊፉ ሓረስቶት ኮነ መናእሰይ ኣማራፅታት ማይ ተጠቒምካ ˝ማይ ሒዝካ ብልምዓት መስኖ ምህፍታም ይከኣል እዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ እናዓበየ እዩ።ኣብ ወረዳ ኦፍላ ዘሎ ተመክሮ እውን ነዚ ሓቂ እዩ ዘጠናኽር።ስለዝኾነ ተጠናኸሩ ክቕፅል ኣለዎ።ይኹን እምበር ልምዓት መስኖ ስግግር ኢንዱስትሪ ክልልናን ሃገርናን ኣብ ምቅልጣፍ ዝህልዎ ልዑል ግደ ብምግንዛብ ኣብ ክሊ እቶም ጥንካረታት ዝተርኣዩ ሕፅረታት ብቐፃልነት ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ይግባእ ንብል፡፡


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010