የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595474
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1835
2526
6961
4567652
33439
77308
4595474

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:52

ኣንፈት ኣማራፅታት ቀረብ መንበሪ ኣባይቲ

here we go
selam new

 ህዝቢ ትግራይ ብረት ኣልዒሉ ክቃለስ ካብ ዝገበርዎ ምኽንያታት እቲ ሓደን ቁልፍን ጉዳይ፣ ጉዳይ መሬት ነይሩ፡፡ ብምዃኑ እውን ድሕሪ ዓወት ኣብ ዝተፅሓፈ ሕገመንግስቲ

ኢ.ፌ.ዴ.ሪ ዓንቀፅ 40 ንኡስ ዓንቀፅ ሰለስተ፣ “ዜጋታት ኣብ ልዕሊ መሬት ማዕረ ተጠቃምነት ከም ዘለዎም፣ መሬት ዘይሽየጥ ዘይልወጥ ሓባራዊ ሃፍቲ  ህዝብን መንግስትን ምዃኑን ዝኾነ ዜጋ ኣብ ልዕሊ መሬት ቀዋሚ ንብረት ናይ ምጥራይ መሰል ከም ዘለዎን”ተደንጊጉ እዩ፡፡
ካብዚ ዝፈልፈለ ኣብ መሬት ከተማ ግልፂ፣ ፍትሓውን ተበፃሕን ዝኾነ ኣዋጅ ደንቢን መምርሕን ወፂእሉ እዩ፡፡ መሬት ኣብ ዕብየት እዛ ሃገር ቁልፍን ቀንዲ ፍልፍል ሃፍትን ብምዃኑ ንኢንቨስትመንት፣ ልምዓት ኢንድስትሪ፣ ንግድን መንበርን ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ተጠቃሚ ዝገብር ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ዋና ጉዳይና ዝኾነ መሬት ከተማ ሕሉፍ ኩነታቱ እንትንርኢ ንግዕዝይናን ብኽነትን ተቓሊዑ ዝፀንሐ እዩ፡፡ ኣብ ምፅፋፍ ነባር ትሕዝቶ፣ ቁልጡፍ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ምክታት ትርፊ መሬት፣ መሬት ከም ንብረት ብዘበናዊ ቆፀራ ዘይምዕቃብን ኣብ ኣገባብ ኣፈፃፅማ ብድርድርን  ሽልማትን ዝወሃብ  መሬትን ዝነበሩ ግድፈታት ከም ኣብነት ይጥቀሱ፡፡
ኣብ ሕብረት ስራሕ መንበሪ ኣባይቲ እውን እንተኾነ ገንዘብ ዘይብልካ ምውዳብ፣ ሓደ ሰብ ብሓሶት ኣሽማት ማሕበር ብምጥያሽ ቦታታት ተቐቢልካ ምሻጥን ይረአ ነይሩ፡፡ ቦታ ወሲድካ ከይሰራሕኻ ምሻጥን ኣብቲ ማሕበር ብሕፅረት ገንዘብን ካልኦት ምኽንያታትን ዘለዎም ኣባላት ብዘይኣገባብ ኣውፂእኻ ንካልኦት ምእታው ከም ዝነበረ ተፀኒዑ እዩ፡፡ እዚ ንግዕዝይና ዝተቓልዐ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ንድኻታት ኣዝዩ ዝሃስን መሬት ዝተወሰኑ ክራይ ኣከብቲ ክውንንዎን ዝገብር እዩ፡፡
ስለዝኾነ ነዞም ፀገማት ንምፍታሕ ዓሊሙ ቢሮ ልምዓትን ንግድን ኢድስትሪን ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምሕደራን ምልማዕን መሬት  ካብ ነሓሰ 19 ክሳብ 20 ኣብ ከተማ ውቕሮ ግንዛበ መዕበዪ ስልጠና ኣዳልዩ ነይሩ፡፡ እቲ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሐ ዘተ ፖሊሲ መሬት ከተማን ስትራተጂ ቀረብ ኣባይትን ዝብል ዛዕባ ነይርዎ፡፡ ኣብቲ ዋዕላ ኣካላት ሚድያን ካልኦት ይግበአና በሃልትን ተሳተፍቲ ነይሮም፡፡
ከም ዝፍለጥ መንበሪ ገዛ ቁልፊ መሰረታዊ ድሌት ደቂ ሰባት እዩ፡፡ ብምዃኑ እውን ኣብዝሓ ነበርቲ ከተማታት ትግራይ ብተደጋጋሚ  ካብ ዘልዕልዎ ሕቶታት ሓደ ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ እዩ፡፡ ብፍላይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ  ብሃንቀውታ ዝፅበይዎ ኮርኳሪ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እምነት መንግስቲ እውን ካብዚ ዝረሓቐ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ድሌት ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዘማልእ ኣንፈት ፖሊሲ ልምዓት ኣባይቲ ሓንፂፁ ኣሎ፡፡ ምስ ምኽታም ከተማታት ተታሓሒዙ መንግስቲ ንመንበሪ ኣባይቲ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ሓዱሽ “ማእቀፍ” ቀረብ ኣባይቲ ከተማታት ምስ ኣወዳድባኡን ኣፈፃፅማኡን ኣብቲ ስልጠና ንምይይጥ ቀሪቡ እዩ፡፡ እቲ ማዕቀፍ  ሕፅረት ኣባይቲ ዝፍትሐሎም ዝበሎም ኣርባዕተ ቀንዲ ቀንዲ ኣንፈታት ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡ ንሳቶም እውን ብውልቀ ሴክተር ዝህነፁ (ውልቀ ሪልስቴት፣ ብዜጋታትን ወፃእተኛታትን ዝህነፁ ኣባይቲ፣ኣብ ነባር ትሕዝቶን ብኣብያተ ዕዮ ንሰራሕተኛታት ዝህነፁ ኣባይትን የካትት /፣ ብመንግስቲ፣ዉልቀ ሰብ ሃፍትን  ብሽርክና ዝህነፁ ኣባይቲ ( እዚ ማእቀፍ ዓቕሚ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዝተሓተሉ ኩነታት መንግስቲ ይሕግዝ) ብማሕበራት ተወዲቦም ዜጋታት ዝሃንፅዎም ኣባይቲን ምዃኖም ድማ የነፅር፡፡
ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ንህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ካሕሳ መሬት፣ ተለዋጢ ቦታ፣ ካሕሳ መልዓሊ ንብረትን ንመግዝኢ ናውቲ ህንፀት ዝውዕል ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ተመዲቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ዝለምዐ መጠን ስፍሓት መሬት  ሓዊሱ ፍሉይ ትኹረት ዘድልዮም ተባሂሎም ቅድመ ኩነት ከም ዝተመዓራረየ እቲ ዝወፀ ረቂቕ መምርሒ የረድእ፡፡
ካብዞም ዝቐረቡ ማዕቀፋት ብብርኪ ክልል 10 ሽሕ ኣባይቲ ብማሕበራት ክህነፁ ብምግባር ን50 ሽሕ ዜጋታት ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፍጠረሉ ኩነታት ተመዓራርዩ ምህላዉ ተገሊፁ፡፡ ብተወሳኺ ሕብረት ሰራሕ ማሕበራት መንበሪ ኣባይቲ መስርሒ ቦታ ዝረኽባሉ ኣገባብ ዝተነፀረ እንትኸውን እቲ ኣገባብ ሸውዓተ ሃገራዊ ፓኬጃት ልምዓት ኣባይቲ ዘካተተ እዩ፡፡ ጨረታ፣ ማሕበር ሪልስቴት ብመንግስቲ ሰብ ሃብቲ፣ 40 ብ60፣ 20ብ80፣10ብ90ን  ካብዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቀሱ መማረፅታት ዓቅሚ ዝናኣሶም ዜጋታት ድማ መንግስታዊ ክራይ ኣባይቲ  ዝጥቀሙሉ ኣገባብ ዘካተተ ማእቀፍ እዩ፡፡
 ኣባይቲ ሓባር ብመንፅር ዝተተመነሎም ዋጋ እንትንርኢ ድማ ን100ሜትር ካሬ በዓል ሰለስተ መደቀሲ 368 ሽሕ ብር፣55 ሜትር ካሬ ብዓል ዓደ መደቀሲ /40 ብ60/ 154 ሽሕን 900ን ብር ፣50 ሜትር ካሬ ስፍሓቱ በዓል ሓደ መደቀሲ / 20ብ80/ 88 ሽሕን 367 ብር ፣ ን70 ካሬ ሜትር ስፍሓቱ በዓል ክልተ መደቀሲ 180 ሸሕን 266 ብር ፣ 85ካሬ ሜትር ስፍሓቱ በዓል ሰለስተ መደቀሲ 214 ሽሕን 266 ብር፣ 29 ሜትር ካሬ ዝስፍሓቱ በዓል ሓደ መደቀሲ ድማ38 ሽሕ ብር ዝርዝር ዋጋ ተቀሚጥሎም ኣሎ፡፡  
እዚ ተጠቃምነት ህዝቢ ብፍላይ ድማ ማእኸላይን  ትሑትን ቁጠባዊ ዓቕሚ ንዘለዎም ዜጋታት ኣካቲቱ ዝወፀ ሓዱሽ ማዕቀፍ ኣብቲ ግንዛበ መዕበይ ስልጠና ምስ ቀረበ ብዙሓት ሕቶታትን ሪኢቶታትን  ከም እታወት ተወሲዶም እዮም፡፡ ምስ ባይታ ዝሳነን ተጠቃምነት ኣብዝሓ ዘረጋግፅ ንክኸውን ድማ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ እቲ ዝወፀ ማዕቀፍ እዉን ሕብረተሰብ ብሰፊሑ ተመያይጥሉ ክፀድቕ ትፅቢት ስለ ዝግበር ተሳትፎ ህዝቢ ክዓዝዝ ይግባእ፡

 

 

 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010