የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4533993
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1445
2471
3916
4511961
49266
165145
4533993

Your IP: 54.224.121.67
2017-11-20 13:53

ሓምለዋይ ከባቢ፤ ሳምባ ከተማታት!

here we go
selam new

ተኽልታት ቀበሌ 16 

ዝኾነ ሰብ ብዘይምግብን መስተን ንዝተወሰነ መዓልታት ክፀንሕ  ይኽእል። ብዘይኦክስጅን (ንፁህ ኣየር) ግን ዕድመ ናይ ደቓይቕ ዕድል እያ ትህልዎ። ነዚ ንፁህ ኣየር ዝልግሱልና ድማ ተኽልታት እዮም። ተኽልታት ብተራ ነገር ዘይኮነስ ብጉዳይ ህይወት እዮም ክረኣዩ ዝግበኦም። ንዝበለፀ ግልፅነት     ግን እተን ኣብ ቆላ ዝርከባ ከተማታት ይፅነሓልና እሞ እተን ኣብ ደጉዓን ሓውሲ ደጉዓን ዝርከባ ከተማታት ንነበርተን ብሙቐት ፀርፀር እናበላ እየን። ናይዚ እቲ ሓደ ምኽንያት እውን ተኽልታት ዘይምህላዎም እዩ።

ብመሰረቱ፤ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር እንትበሃል እቲ ኣብ እዋን ክራማት እንረኽቦ መጠን ዝናብ ምዝናፍ ጥራሕ ኣይኮነን። እዚ ማለት ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ብኢሊኖ (ድርቂ) ወይ ላኒና (ዓቐኑ ዝሓለፎ መጠን ዝናብ) ጥራሕ ዝግለፅ ኣይኮነን። እቲ ንምንባር ምችው ዝነበረ ከባቢ ሎሚ ብዋዒ ኣየር ዝልብልብን ኣብ ስርዓት ምትንፋስ ፀገም ዝፈጥርን ዘሎ እውን ሳዕቤን እዚ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከተማታት ድማ ምስቲ በዝሒ ህዝብን ተሽከርከርትን ተደሚሩ ካብ ነዳዲ ይኹን ፍሓም ዝወፅእ ዝተቓፀለ ኣየር ተወሲኽዎ እቲ ዝተቓፀለ ኣየር ነቲ ሙቐት ዓቢጡ ስለ ዝሕዞ መጠን ዋዒ ንኽውስኽን ፀገም ጥዕና ንክፍጠርን ምኽንያት እናኾነ እዩ።

ተኽልታት ነቲ ሙቐት እናዓፈነ ዋዒ ክውስኽ ዝገብርን ኣብ ስርዓተ ምትንፋስ ዝተቓፀለ ኣየር (ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ) እናመጠጡ ንፁህ ኣየር (ኦክስጅን) ዘመንጭው ተፈጥሮ ዝለገሰትልና መሰረት ህይወትና እዮም። ረብሓ ተኽልታት በዚ ጥራሕ ዝሕፀር ኣይኮነን። ከተማታት ንምንባር ምችዋት ብምዃን ውዑይ ምንቅስቓስ ንግዲ ንክህሉ፣ ፅባቐ ከተማታት ንኽረጋገፅ፣ ንነበርታ ተብሃጊት ከተማ ብምዃን በፃሕቲ ዓዲ ንከውሕዙላ፣ እቲ ዝገለፅናዮ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንክስተኻኸልን ከይዲ ስነ ህይወታውያን ንክህሉ ዝገብሩ እዮም።

ረብሓ ተኽልታት ከምዚ ስለ ዝኾነ እውን እዩ ካብ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት ሓንቲ ከተማ እቲ “30 ምኢታዊ ንሓምለዋይ ከባቢ፣ 30 ምኢታዊ ንመንገድን 40 ምኢታዊ ንህንፀት ኣባይትን ክውዕል ኣለዎ” ዝበሃል። እዚ መምርሒ ፕላን ከተማታት ግን ከተማታት ክልልና ዝፈልጠኦ ኣይመስላን። ንኣብነት ከተማ መቐለ እንተወሲድና ብፍላይ ኣብቲ ነባር ካባቢ ንመንገድን ሓምለዋይ ከባብን ዝተውሃቦ ትኹረት ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኮነን። እቲ ኣንፈት ፕላን ከተማታት ዝሓሸ ዝትግበር ዘሎ ኣብታ ሕዚ እትፍጠር ዘላ ክፍለ ከተማ ሚዘር እዩ። ገና ንቐፃሊ ምስ ተዛዘመ መሊእኻ ዘዛርብ እኳ እንተኾነ ኣብ 700 ሄክታር መሬት ሚዘር 268 ቦታታት ንሓምለዋይ ከባቢ ተገዲፉ ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዘለዉ 404 ሓምለዋይ ከባቢታት እቲ ዝበዝሐ ሽፋን ኣብታ እትፍጠር ዘላ ሓዳሽ ክፍለ ከተማ ኮይኑ ኣብተን ሸውዓተ ክፍለ ከተማታት ዘሎ በዝሒ ሓምለዋይ ከባቢ ግን 136 ጥራሕ ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ናይ ትኹረት ፀገም እዩ።

እቲ ዝገደደ ነገር ከዓ እቶም ሓምለዋይ ከባቢ ዝተነፀሩ 136 ቦታታት እውን እንተኾነ ኣብ ኢድ መንግስቲ ማለት እውን ኣብ ዋንነት ፅሬትን ፅባቐን ዝኣተዉ እቶም 98 ጥራሕ ምዃኖም እዮም። እቶም ዝተረፉ 38 ቦታታት ኣባይቲ ዝዓረፎም ኮይኖም ኣብ ቀፃሊ ክሒስካ ዝፈርሱ እዮም ማለት እዩ። እቶም ኣብ ኢድ መንግስቲ ዘለዉ 98 ቦታታት እውን ብዝግባእ እንተዝለምዑ ኣይምሓመቐን። ካብቶም 98 ከባቢታት እቶም 36 ጥራሕ እዮም ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝለምዑ ዘለዉ። ንሶም እውን ምስ ሕፅረት ማይ ተዛሚዱ ክንድቲ ክለምዕዎ ዝግብኦም ከም ዘይለምዑ እዮም መተሓባበሪ ፅሬትን ፅባቐን ከተማ መቐለ ኣይተ ገ/ሄር ካሳ ዘረድኡ። 

ገና እዩ ጉዱ! ዶ ኢልኩም? እዛ ከተማ ካብ ረመፅ ኮይኑ ዝልብልበና ዘሎ ሙቐት ክትድሕን ይኹን ፀገም ጥዕና ክፈጥር ዝኽእል ዝተቓፀለ ኣየር ክተስተኻኽል እትንኽእል ህዝብን ምምሕዳርን እንተተረባሪቦም ጥራሕ እዩ። መንግስቲ በቲ መምርሒ ፕላን ከተማታት መሰረት ንሓምለዋይ ከባቢ ክኾኑ ዝኽእሉ ቦታታት ዝከሓስ ክሒሱ ቀልጢፉ ናብ ረብሓ እንተውዕል እዩ። ብተወሳኺ ከምቲ ንሰብ ሃፍቲ እናተሓባበረ ከባቢ ዘልምዕ ዘሎ እዚ ተግባር ተጠናኺሩ ንቕድሚት እንትቕፅል እውን እዩ።

ኣብዚ መንግስቲ እቲ ካሊእ ክሰርሖ ዝግበኦ ጉዳይ ነቶም መእለዪ ጎሓፍ መሲሎም ዘለዉ ሽንጥሮታት እቲ ሕብረተሰብ እናፅረየ ቀወምቲ ተኽልታት እናተኸለ ናብ ረብሓ እንተውዕሎም እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኣብ መለስ ፓርክ ዝርከብ 22 ሄክታር፣ እንዳሩፋኤል ዘሎ 102 ሄክታር፣ ማይ ዱባ ዘሎ 43 ሄክታር ከምኡ እውን ክሳብ ጮምዓ ዘሎ ግድሚ መቐለ ብዝተዋደደ መልክዑ ክንድቲ ዝግባእ ናብ ሓምለዋይ ከባቢ ብምቕያር ዋዒ ይኹን ብኽለት ኣየር መቐለና ምዕጋት ይከኣለ እዩ። እዚ ንክኾን ካብቲ በቢዓመቱ ዝትከል 800 ሽሕ ፈልሲ ብምትዕፅፃፍ እዩ ክኾን ዘለዎ። ምስ እዚ ጎድና ጎድኒ እቲ ካብ ጉድለት ክንክን ፈልስታት ዘጋጥም ዘሎ 68 ምኢታዊ ምፅዳቕ ፈልሲ እውን ዝግባእ ክንክን ገይርካ ብምሉነት ዝፀድቀሉ ኩነታት ክፍጠር ይግባእ።

ጉዳይ ሓምለዋይ ከባቢ ውራይ ሓደ ኣካል ጥራሕ ብዘይምዃኑ ህዝቢ እውን ኣሰሩ ከዕርፍ ኣለዎ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ፅባቐ ሓደ ገዛ ዝውሰን እቲ ገዛ መጋየፂ ስለዝተገበረሉ ኣይኮነን። ኣብ ሕድሕድ ገዛ ኣብ ውሽጢ ይኹን ደገ ተኽልታት እንድሕር ዘይተተኺሎም እቲ ዋዒ ይኹን ብኽለት ኣየር እናወሰኸ ስለ ዝኸድ እቲ ህንፃ ረመፅ ኮይኑ ንመነባብሮ ኣሸጋሪ እዩ ዝኾን። ስለዚ እዚ ዛዕባ ኩሉ ወገን ክሓስበሉ ይግባእ። ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ ሓሙሽተ ደብሪ ህንፃ ዝሰርሑ ወገናት ስለ ኮንኩሪት ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ መምርሒ ዝእዝዞ ካብ ስፍሓት እቲ ህንፃ 30 ምኢታዊ ንሓምለዋይ ከባቢ ብምውዓል ተብሃጋይ ህንፃ ክሰርሑ ኣለዎም። ከምዚ ንሓምለዋይ ከባቢ ትኹረት እንተሂብና ዋሕዚ ቱሪዝም ይኹን ኢንቨስትመንት ስለ ዝውስኽ ተደማሪ ረብሓ እዩ ዘለዎ። ስለዝኾነ እውን እዩ ሓምለዋይ ከባቢ ሳምባ ከተማታት ንብል ዘለና። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010