ቀ.ሚ. ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣድላይነት ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ እንትገልፁ

ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ ኣብ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ መግለፂ

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

3845075
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
611
1506
4143
3810617
432497
953933
3845075

Your IP: 54.80.18.223
2017-04-25 06:36

ጉዳይ ቅብሊት!

here we go
selam new

ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ንክጉልብት ግብሪ ፍልፍል ዓንዲ ሑቐ እቶት ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብዝተፈላለየ እዋናት ዝማዕበላ ሃገራት ዓለምና ግብሪ ሞተር ፍልፍል እቶት ኮይኑ መሰረት ልምዓት ኣብ ምህናፅን ድምር ምዕባለአን ኣብ ምርግጋፅን    ዝለዓለ ግደ ነይርዎን፣ ኣለዎን። ነዚ ዝተረደአ መንግስቲ ሃገርና እውን ስርዓት ንግዲ ሃገርና ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ተመሪሑ ንክኸድ ንምግባር ቅድም ቀዳድም ካብ ፖሊስን ስትራተጂን ዝተቐድሑ መፅናዕቲ መሰረት ዝገበሩ ንፁራት መምርሒታትን ኣሰራርሓታትን ኣታኣታትዩ ካብ ዝስርሓሉ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ምትግባር እቶም ኣሰራርሓታት ግና ብርክት ዝበሉ ክፍተታት ነይሮም እዮም። ከም ኣብነት “ደረሰኝ ሳይቀበሉ ገንዘብ ኣይክፈሉ” ዝብል መምርሒ ኣብ መብዛሕቶኦም ትካላት ንግዲ ወሃብቲ ግልጋሎት ተጠቂዑ ንርኢ ኢና። እዚ ድማ ሰብ ዋና እቶም ትካላት ብናይ እማን ልምዓታውያን ነጋዶ ዘየምስሎም ብርክት ዝበሉ ፍፃመታትን ኣጋጣሚታት ኣሎ እዩ። ገንዘብ ከፊልካ ቅብሊት መሰል ምውሳድ ሕልው ምዃኑ ዝገልፅ ሓበሬታ ተጠቂዑ እኳ እንተሃለወ ቅብሊት ንዝሓትት ዓሚል ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከምዝይህቡ ይርአ እዩ።

መብዛሕቶም ነጋዶ ብፍላይ ቸርቸርቲ “ደረሰኝ ሳይቀበሉ ገንዘብ ኣይክፈሉ” ዝብል ልሙድ መምርሒ ለጢፎም ብዘይ ቅብሊት ግን ንብረት እንትሸጡ ንዕዘብ ኢና። ንምንታይ ከምኡ ከምዝገብሩ ጥብቕ ኢሉ ንዝሓተቶም ሰብ ድማ ምስ ጉዳይ ማእኸል ዕዳጋ መርካቶ (ኣዲስ ኣበባ) ዘሎ ልውውጥ ንግዲ የተኣሳስርዎ እዮም።

 “ኣብ መርካቶ (ኣዲስ ኣበባ) ዘለው ጅምላ መከፋፈልቲ መብዛሕቲኡ ንብረት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስለዘምፅእዎ ብሕጋዊ መንገዲ ኣይሸጥዎን። ግብሪ ንዘይምክፋል ቅብሊት ኣይቖርፁልካን እንተቆሪፆም ድማ ግብሪ ንምቕናስ ካብ ዋግኡ ኣትሒቶም ዝቖርፁልካ ምዃኖም እንተውግዑ ይስማዕ እዩ። ንኣብነት “እዛ ቴፕ እዚኣ ብ800 ብር ገዚኣያ እናሃለኹ ብ500 ብር ከምዝገዛእኹዋ ተገይሩ እዩ ቅብሊት ተቖሪፁለይ። ስለዚ ቫት /ተወሳኺ እሴት ታክስ/ ይኹን “ቲኦቲ” ካብቲ ትርፈይ ዝኾነ 200 ብር ክሕሰበለይ እናተገበኦ ካብ 500 ብር እናተሓሰበ ኣነ ናብ ሓደጋ ይኣቱ ኣለኹ” ዝበለና ሓደ ነጋዳይ ይዝክር እየ።

ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ብምግዋዱ መንግስቲ ልምዓቱ ዘቀላጥፈሉ እቶት ክስእን ኣብ ርእሲ ምግባሩ እቲ ህዝቢ እውን ዝምልከቶ ኣካል ግምሩኽ እንተይፈተሸ ዝኣቱ ንብረት ብምዃኑ ፅሬት ብዝጎደሎም ንብረታት ገንዘቡ ይውረር ምህላው ምግንዛብ የድሊ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ሃገር ዝኾነ ተግባር ኣካብነት ክራይ ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ነጋዶ ብታሕቲ ህዝቢ ቅብሊት እናሓተተ ብላዕሊ ድማ ብላዕለዎት ነጋዶ ቅብሊት ብምትላል ተቐርቂሮም ይሳቐዩ ከም ዘለው ሓድ ሓደ ነጋዶ ቕርታታት እንተቕርቡ ይስምዑ እዮም።

መንግስቲ ነዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ንምፍታሕ ዝገበሮ ቅድመ ምድላው እንታይ ይመስል? ኢልና ንምክትል ሓላፊ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን መተሓባበሪ ምልማዕ ንግድን ክልል ትግራይ ኣይተ ዳኒኤል መኮነን ከምኡ እውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ሚስትራት ዋና ዳይሬክተር ሚኒስተር ንግዲ ዝኾኑ ኣይተ ወንዱ ኣዱኛ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ቃለ መሕትት ኣካይድና ዝሃቡና ሓበሬታ ክነስዕብ።

ኣይተ ዳኒኤል ብዝሃብዎ ሓበሬታ ክንጅምር። “መምፃእትን ለኣኽትን ምህርትታት ዝኾኑ ነጋዶ ንሰንሳቶም እናተመሻጠሩ ነቲ ታሕተዋይን ማእኸላይን ነጋዳይ ኣማራፂ ዝኸልእሉ ኩነታት ኣሎ። ንኣብነት ብ10 ሽሕ ብር ዝሸጥዎ ንብረት ግብሪ ንዘይምኽፋል ቅብሊት ኣይቆርፁን። እንተቆሪፆም እውን ግብሪ ንኽቅንስሎም 2000 ከም ዝሸጥዎ ኣምሲሎም ቅብሊት ከም ዝቆርፁ ይፍለጥ እዩ። ስለዝኾነ እቲ ነጋዳይ 10,000 ብር ኣብ ወፃኢ ክተሓዘሉ ዝነበረ በቲ መምርሒ መሰረት ካብ መግዝእን መሸጥን እናተመሳኸረ ካብቲ ንብረት ዝዓደገሉ 8000 ብር እውን ግብሪ ክኽፈል ስለዝግብር እቲ ታሕተዋይ ነጋዳይ ኣማራፂ እናሰኣነ ናብታ ዘይሕጋዊ መንገዲ ይኣቱ ኣሎ። ስለዝኾነ መንግስቲ ነዚ ንምቕራፍ ነጋዳይ ክልልና ካብ ፅግዕተኛ መርካቶ ንምንጋፍ ናይ ክልልና መምፃእትን ለኣኽትን ፍርያት ንምፍጣር ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ ክብሉ የረድኡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መርካቶ ዝዓረዱ ዘይሕጋውያን መምፃእቲ ሸቐጥ ንምድኻም ብብርኪ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታት ለኣኽትን መምፃእትን ምህርቲ ንምፍጣር ኣንፈት ከም ዝተነፀረ የብርሁ። ነዚ ዝቆፃፀር ዳይሬክተር ከም ዝተጣየሸ እውን ይሕብሩ። በቢክልሉን ምምሕዳር ከተማን ዝተመልመሉ ለኣኽትን መምፃእትን ምህርቲ ምስልጣን ተጀሚሩ ከም ዘሎ ይሕብሩ። እቶም ዝስልጥኑ ዘለው ወገናት ስራሕ እንትጅምሩ እቶም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ብውድድር እናተሸነፉ ዝዳኸምሉን ናብ ሕጋዊ መስርሕ ዝኣትውሉን ኩነታት ንምፍጣር ርብርብ ይግበር ከምዘሎ ዋና ዳይሬክተር ሚኒስተር ንግዲ ኣይተ ወንዱ ኣዱኛ የረድኡ።

ብርግፅ እዚ ተግባር መንግስቲ ጉድለት ፍትሒ ዝምልስ ዘሐጉስ ዜና እዩ። እቲ ምንታይ እዚ ኣንፈት ቀልጢፉ ተግባራዊ እንተኾይኑ ህዝቢ ፅሬት ዘለዎ ፍርያት ክረክብ ይሕግዝ። ካልኣይ መንግስቲ ግቡእ እቶት ብምርካብ እቶም ዝተጀመሩ መሰረተ ልምዓታት ንምቅልጣፍ ክሕግዞ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ንምድኻም “ቅብሊት ዘይቆርፅ 50 ሽሕ ብር ይቅፃዕ” ዝብል መምርሒ እውን ነቲ ሕጋዊ ነጋዳይ ካብ ሕጋዊ ንብረት ዘቕርብ እናምፀአ ብሕጋዊ መንገዲ ስለ ዝሸጥ ፀገሙ ንምቅላል ስራሕ ዘይሕጋዊ ክሰርሕ ዝበፅሖ ቅፅዓት ዝቐርፍ እፎይታ ዝፈጥር እዩ። ብተወሳኺ እቲ በቢክልሉ መምፃእትን ልኣኽትን ንብረት ምፍጣር ዝብል ኣንፈት ምስቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንጁብቲ ልዕሊ 900 ኪ.ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ፤ ካብ መቐለ ንጁቡቲ ድማ 560 ኪ.ሜትሮ ብምዃኑ ካብ ጅቡቲ ብኣዲስ ኣበባ ዘይሩ ናብ መቐለ ንክመፅእ ዝባኽን  ዝነበረ ዋጋ መጓዓዝያ ብምቑጣብ ሕብረተሰብ ክልልና ተረባሒ ዝገብር እዩ። እዙይን ካልኦት ረብሓታት ዘረጋግፅ ምንቅስቓስ ስለ ዝኾነ እውን እዩ ክደርቕ ዝበለ ቁስሊ ንብል ዘለና።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 951
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት የካቲት 2009