እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4812514
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1774
3314
11560
4777565
44775
108196
4812514

Your IP: 107.20.94.6
2018-02-18 05:21

አርካይቭ

ጨጉሪ ዶ ገመድ?

here we go
selam new

 

ሓደ ከቢድ ነገር ካብ ምጉታት ምድፋእ ዶ ይሓይሽ ይኸውን? እዚ ኩልና ንሕሰበሉ እሞ ኣብ ሓደ ነገር ግና ንስማዕማዕ ኢና ኢለ እኣምን። ኣብ ምድፋእ ይኹን ኣብ ምጉታት እቲ ዝበለፀ ሓይሊ ዝህበና ብኢድና ምስ እንጥቀም እዩ።

እዚ ኣብ ስእሊ እትርእይዎ ዘለኹም ማንጂት ሲንግ ዝተብሃለ ህንዳዊ ግና ኣቑሑ ንምጉታት ኢደይ ኣየድልየንን ካብ ዝብል ብዙሓት ክብረ ወሰናት ዓለም ጨቢጡ ኣሎ። ኣብተን ሓፀርቲ ጨጉሩ ብምእሳር ብዙሓት ከበድቲ ነገራት ብምጉታት ዝፍለጥ ማንጂት፣ ከምቲ ኣብ ሰእሊ ዝረአ ዘሎ 12 ቶን (12000 ኪሎ ግራም ወይ 120 ኩንታል) እትምዘን ኣብቶቡስ እናጎተተ እዩ።

ኣቦሓጐ ንምዃን ዝበቕዐ ወዲ 66 ዓመት ማንጂት፤ ዝተፈላለዩ ኣገረምቲ ክእለታት ንዓለም ብምንፅብራቕ 57 ግዜ ክብረ ወሰን ዝጨበጠ እንትኸውን፤ ቅድሚ ሕዚ እውን ዝተፈላለያ ኣውሮፕላናት ሓዊሱ ትሽዓተ ነጥቢ ሓሙሽተ ቶን ዝምዘን ኣውቶብስ ብጨጉሩ ብምጉታት ዝወዳደሮ ከምዘይነበረ እዩ “ሚረር” ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ዘመላኽት።

ኣብ ዓድና በቢዝኸደኦ ባትሪ እናጥፈኣ ኣፀጊመናሎም “ኣዳፍኡና” ዝብሉ ሰብ መኻይንስ ነዚ ህንዳዊ እናሳፈሩ ተዝጎዓዙ ክንደይ ምተረብሑ?    

ብስራትኩም ይጥዓም!!!

ተጋዳላይ ብርሃነ ሳውንቸር  /ፎቶ ካብ መፅሄት ወይን ግንቦት 2006 ዓ/ም

 

እዋኑ 20 ጉንበት 1983 ዓ/ም እዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዳሽ ፀሓይ ዝበረቐትሉ ዕለት፡፡ እታ ፀሓይ ጥራሕ ኣይኮነትን ኔራ ሓዳሽ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኩሉ ምንቅስቓስ ሓዱሽ መልክዕ ዝሓዘሉ ዕለት እዩ ነይሩ፡፡ ናብቲ ከተማ ዝኣትዉ ተጋደልቲ ነቲ ህዝቢ ሓደሽቲ እዮም፡፡ ሓዱሽነቶም እቲ ካብ በረኻ ናብ ከተማ ምምፀኦም ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበሮ ርድኢት እውን ብሓዱሽ መልክዕ ዝተለወጠሉ ዕለት ምንባሩ እዩ፡፡ ከምቲ ደርግ ዝድስኩሮ “ወንበዴዎች” ዘይኮኑስ ብፍቕሪ ህዝቢ ዝነደዱ ደቂ ህዝቢ ምዃኖም ዘረጋገፅሉ  ዕለት፡፡ ነዚ ከዓ ህዝቢ እናዘለለ እንትሓቑፎም ምርኣይ እኹል መረጋገፂ   ነይሩ፡፡

ካብዚኣቶም ሓደ ነይሩ ብርሃነ ላውንቸር፡፡ ብርሃነ ገ/ፃድቕ (ላውንቸር) ኣዲስ ኣበባ እንትትውቃዕ ንኸባቢ ጣብያ ሬድዮ ኢትዮጵያ ዝተቖፃፀረ መራሒ ሓይሊ እዩ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ምቁፅፃር እቲ ጣብያ ሬድዮ እውን ግን ካልእ ተልእኾ ኣለዎ ብርሃነ፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዜና ዓወት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሓዱሽ ኩነታት፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከበስር ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ፡፡

ቀጥ ኢሉ ናብ ስቱዱዮ ሬድዮ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ፡፡ እቲ ስቱዱዮ እውን ኣብዛ ዕለት ሓዱሽ ነገር ከተኣናግድ እዩ፡፡ እቲ ካብ መስከረም ክልተ 1967 ዓ/ም ጀሚሩ ʻዝኾነ ይኹን ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድʼ ገበን ምዃኑ ዝተኣወጀሉ ሬድዮ፣ እቲ በብ መዓልቱ ተጋደልቲ ህወሓት ዘዕረፍሉ፣ ጉራ ደርጊ ዝጎስዐሉ ዝነበረ ሬድዮ፤ ሎሚ ዜና ብስራት ክስመዐሉ እዩ፡፡ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ሓደ ዝኾነ ሃይለ ጥላሁን ነዚ ዜና ፅሒፉ ንብርሃነ ሂብዎ ኣሎ፡፡ ዝተፀሓፈ ዜና ብስራት ከንብብ ከዓ ንላውንቸር፣ ታሪኽ  ሓርያቶ፡፡ “ይህ የኢትዮጰያ ሬድዮ ነው፡፡” ነቲ ዜና ናብ ኣየር በቲንዎ፡፡

“የዘመናት የህዝባችን ብሶት የወለደው ጀግናው የኢህአዴግ ሰራዊት፤ ደርግ ሲጠቀምበት የነበረውን የኣዲስ ኣበባ ሬድዮ ጣብያ ለሰፊው ህዝብ ጥቅም ሲል ተቆጣጥሮታል፡፡ ግንቦት ሀያ፣ ሺ ዘጠኝ መቶ ሰማንያ ሶስት ዓ/ም፡፡”  ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና፡፡


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 970
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010