የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595492
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1853
2526
6979
4567652
33457
77308
4595492

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:56

አርካይቭ

ልግስታት መለስ!

here we go
selam new

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ እናሃለኹ እዩ። ኣዋልድ ከተማ መቐለ በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር ዘድልየን ገይፅታት ንምግዛእ ላዕልን ታሕትን ይብላ፣ ነጋዶ ንባህጊ እተን ሰብ ዕለት ዝኾኑ መጋየፅታት ኣብ ትካላት ንግዶም ዘርጊሖም ዝሸጥሉ ውዑይ ኩነታት ንግዲ ምንባሩ ይዝክር። ኣዋልድ ካብቲ ኣብ ጎዳናታት ዝተዘርገሐ ማርዳ፣ ኣልቦ፣ ፅሩር፣ ኩትሻ ዝዓይነቶም መጋየፅታት ብዝተፈላለየ ሕብሪ ዝወቀበ መቐነት፣ ጨናታትን ካልኦትን ክዕድጋ ምርኣይ ፍሉይ ስምዒት ዝፈጥር ተርእዮ ነይሩ።

ሰማይ መቐለ ኣብ ዝባኑ ሓዚልዎ ዝነበረ ፀሊም ደመና ቅልል ኢልዎ ወጋሕታ ዘበሰራ ኣዕዋፍ እናተቐባበላ ጫው ጫው እንትብላ ግና ብመራኸብቲ ሓፋሽ ሓደ መርድእ ሰሚዐ። ከምዚ ሎሚ ድሮ ኣሸንዳ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እቲ ማእለያ ዘይብሉ መንፈስ ህዝባውነት ዓጢቑ ምእንተ ህዝቢ ዝተጋደለ ጅግና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ምስውኡ እንትሰምዕ ዝነበረኒ ድንጋፀን ድባብ ሓዘንን ቃላት ኣይገልፆን።

ሓይሊ ፍቕሩን ህዝባውነቱን ዝወለዶ ድማ ንበዓል ኣሸንዳ ብሃንቀውታ ዝፅበያ ዝነበራ ኣዋልድ ነቲ ኣብ ጎደናታት መቐለ ለቢሰንኦ ዝዘራ ፍሉይ መልክዕ ዝፈጠረለን በዓል ሰሪዘን ጎይላ ዝተሓሰማሉን ናብ ብኽያትን ሓዘንን ዝኣተዋሉን ኣጋጣሚ ኣይርስዖን። ነዚ ውሱን መርኣያ ወሲደ እንበር፣ መስዋእቲ እቲ ጀግና መላእ ዓለም ዘነቓነቐ ምንባሩ ማእኸናት ዜና ዓለም ዝሃብኡ ሽፋን እውን ንኽብሩ ዝገልፅ እዩ ነይሩ። ምሽጥር ደረት ኣልቦ ፍቕሪ መለስን ዝተውሃቦ ክብርን ድማ ብሳላ ፅኑዕ ገድሊ ወያነናን ጥበብ ኣመራርሕኡን ዝተፈጠረ እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ።

መለስ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ስነ ሓሳብ ፅላል ሚልዮናት ኮይኑ ኣፍሪካዊ መልክዕ ክሕዝ ብምግባር ተግባራዊ ለውጢ ዘርኣየ ብሉፅ መራሒ እዩ ነይሩ። ርእዮተ ዓለማዊ ትንተና መለስ ካብታ ቡቕሊ ቃልሲ ደደቢት ክሳብ መንደር ሊህቃን ዓለም ዝኾነት ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ዓርሓነቱ ዘረጋገፀ በዓል ብዙሕ ተውህቦ መራሒ እዩ። ኣፍሪካ ድሕሪ በዙሓት ዓመታት ሓዱሽ ምንቅስቓስ ወሊዳ ፀለምቲ ኣፍሪካዊያን ኣርዑት ጭቆና በጢሶም ዓለም ከነቃንቕ ዝኽእል ጥሙር ቅልፅምን ብልሕን ከምዘለዎም ሓዱሽ መስመር ዝወለዐ ወዲ ህዝቢ ነይሩ። ነዚኦምን ንኻልኦትን ክብርታቱን ኢና ንመለስ ሞይቱ ከም እነተስኦ ዝሕንዝሕ ዝነባዕናሉ። ሚልዮን ዘሰለፈ መስመሩ ኣብ ሕልናና ስለዘሎ መለስ ብርግፅ ኣይሞተን። ነዚ እዩ ድማ “መለስ ህያው መራሒና እዩ” ንብል።

ዘለኣለማውነት ዝህልዎ ‘ሰብ’ እንተይኮነስ መስመር እዩ። ከም ባዕሉ እውን ዝብሎ ዝነበረ ንመለስ ውድብ እያ ፈጢራቶ፣ መለስ ንውድብ ኣይፈጠራን። መሰረታዊ ክብርታት ሓደ ኣባል ህወሓት ካብ ውድብ መሰረታዊ መትከላት ዝተቐደሑ ብምዃኖም ንህንፀት ፅሩይ መስመር ብዘይምቁራፅ ምቅላስ ከምዘድሊ ኣምሂሩና ሓሊፉ። መለስ እንትሓልፍ እውን ናብራናን ፃዕርናን ምስ ልዕልነትና ዘረጋግፅ ወያናይ ዲሞክራሲ ስብእና ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቡና።

ስለዚ መንእሰይ ወለዶ ይኹን ፖለቲከኛ ካብ ረዚን ወያናይ ስብእና መለስ ክወርሶም ዝግባእ ዓበይቲ ንሓደጋታት ትምክሕትን ፀቢብነትን ንልዕልነት መስመር ወያናይ ዲሞክራሲ ምስ ነባራዊ ኩነታት ዓለምና ኣተኣሳሲሩ ካብ ዝፀሓፎን ዝተንተኖን ሓሳባት ብልሒ ክንውንን ይግባእ። ከም ውልቀይ ካብ ሓሳባት መለስ ንዕላማ ምንባር፣ ኣስፊሕካ ምርኣይ፣ ምንባብን ብትኹረት ምግንዛብን ንላዕሊ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ኣይመስለንን።መለስ መምህር ሓርነትን ሓበን መላእ ውፅዓት ህዝብታትን ዓለም ዝኾነ እውን ነዚ እዩ ዝመስለኒ።

                                          ስምረት ካብ መቐለ


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010