እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5193206
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
659
3331
20569
5145598
97264
128136
5193206

Your IP: 54.158.219.248
2018-05-25 05:01

አርካይቭ

“ሞሂመዳያ ወደንቴና ኢቶጵያ”

here we go
selam new

 

ግዳይ ውሽጣዊ ቅልውላው ሱማልያ ዝኾኑ ዜጋታት እታ በሃገር

ካልኣይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ፅሑፍና ታሪካዊ መበቆል ህዝቢ ሶማልያን ፖለቲካዊ ምዕባልኡን ርኢና። ብፍላይ ድማ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ሶማልያ ንምብሓት ካብ ጥንታውያን ግብፃውያን ክሳብ መግዛእቲ ቱርክን ዛንዚባርን ዝነበረ ኢድ ኣእታውነት፣ ነዚ ስዒቡ ኣብ መንጎ  ዓሌታት ሶማልያ ዝተፈጠረ ፅልእን ቅርሕንትን ዳህሲስና ነይርና። ካልኣይ ክፋሉ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ተዳልዩ ኣሎ።

ስርወ ነገስታት ቱርክን ዛንዚባርን፣ ፀጋታት ሶማልያ ንምብሓት ክብሉ ኣብ መንጎ ዓሌታት እታ ሃገር ዝፈጠርዎ ፅልእን ቅርሕንትን ረመፅ ኮይኑ ንባዕሎም እውን ለኪምዎም እዩ። ስለዝኾነ እውን ኣብታ ሃገር ዝነበሮም ህልውና ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ከብቅዕ ክኢሉ። ድሕሪ እዙይ እንተኾነ እውን ሶማልያ ካብ ቀፃሊ ምትእትታው ሃገራት ባዕዲ ክትላቐቕ ኣይከኣለትን። ኣብ መፋርቕ 18 ክፍለ ዘበን “ሴር ሪቻርድ ብርቶን” ዝተብሃለ ኢንግሊዛዊ ተጓዓዛይ ኣብ ሶማልያ ንዝገበሮ ዳህሳስ ስዒቡ፣ ኣውሮጳውያን ነታ ሃገር ንምቁፅፃር ልዑል ድልየት ኣሕዲሮም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ 1887 ዓ.ም.ፈ እንግሊዝ ንሰሜናዊ ክፋል ሶማልያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ ብምውዓል “ብሪትሽ ሶማሊላንድ” ክትብል ሰይማታ። ደቡባዊ ክፋል ሶማልያ ዝወረረት ጣልያን ብወገና “ኢታልያን ሶማሊላንድ” ብዝብል ክትፅዋዕ ገበረት። ናይ ሎሚ ሃገረ ጁቡቲ በቲ እዋን ምዕራባዊ ገምገም ሶማልያ እናተባህለ ዝፍለጥ ዝነበረ ክፋል ድማ ግዝኣት ፈረንሳይ ኮይኑ “ፍረንች ሶማሊ ላንድ” ብዝብል ተሰየመ።

ባዕዳውያን ገዛእቲ ንመሬት ሶማልያ ብዝጥዕሞም ቆራሪሶም ብዝፈጠርዎ ምሕደራ ኣቢሎም ሃፍቲ እታ ሃገር ተቐራሚቶምዎ እዮም። ብተወሳኺ ድማ ኣብ መንጎ ዓሌታት ሶማልያ ዘይዛሪ ጎንፂ ሱር ክሰድድ ገይሮም። ብተደጋጋሚ ምትእትታው ሃገራት ባዕዲ ሓሳረ መከራ ዝረኣየ ህዝቢ ሶማልያ ግና ኢዱ ክህብ ኣይከኣለን። በብዓሌቱ ተወዲቡ ብቐፃልነት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ጀሚሩ። ኣብ 1899 ዓ.ም.ፈ ብሶማልያዊ መሓመድ ዓብደላ ሓሰን ዝምራሕ “ደርቪሸስ” ዝተብሃለ ዕጡቕ ሓይሊ ንመግዛእቲ እንግሊዝ ብምቁዋም ኲናት ኣወጀ። ይኹን እምበር ብመሓመድ ዓብደላ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ንኣስታት ዕስራ ዓመት ዘካየዶ ድብያ ውግእ ሸትኡ ከየዐወተ ብሓይሊ ኣየር እንግሊዝ ተደምሰሰ። ድሕሪ እዚ እውን ሶማልያውያን ኣንፃር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተጠናኺሩ ዝቐፀለ እኳ እንተኾነ ምእኹልን ዝተወደበን ብዘይምንባሩ ክሰምር ኣይከኣለን።

1960ታት ዓ.ም.ፈ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ባዕዲ ዝነበራ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ነፃነት ዝረኸባሉ እዋን እዩ ነይሩ። ሶማልያ እውን ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 1960 ዓ.ም.ፈ ሓራ ክትወፅእ ኪኢላ እያ። ድሕሪ እዚ “ሰሜንን ደቡብን” ብዝብል ተኸፋፊላ ዝፀንሐት ሶማልያ፣ “ሪፐብሊክ ሶማልያ” ብዝብል ስያመ ሓንቲ ክትኸውን ከኣለት። ንፈለማ እዋን ድማ ዓደን ዓብዱላህ ዑስማን ፕሬዚዳንት፣ ዓብደል ረሺድ ዓሊ ሸርማርክ ቀዳማይ ሚኒስቴር ሓዳሽ ሃገር ሶማልያ ኮይኖም ተሸይሞም። ይኹን እምበር ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ መንጎ ሶማልያውያን ብዝፈጠርዎ ዘይምትእምማን፣ ከይዲ ምሕደራ ሶማልያ ንመንግስቲ አደን ዓብዱላህ ፈተና ኮይንዎ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ሶማልያ መፅናዕቲ ዘካየዱ ሶማልያዊ ፕሮፌሰር መሓመድ ሐጂ ምኹታር፣ “ህዝቢ ሶማልያ ተመሳሳሊ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖትን ልምድን ዘለዎ እዩ። ይኹን እምበር ንኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ዝዘለቐ ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ባዕዲ፣ ኣብ ህዝቢ ሶማልያ ሱር ዝሰደደ ፅልእን ምጉናይን ክፈጥር ክኢሉ እዩ” ይብሉ። ሰሜንን ደቡብን ሶማልያ ናብ ሓደ ኣብ ዝተጠርነፋሉ እዋን እውን እንተኾነ ህዝቢ ሶማልያ ከም ሓደ ህዝቢ እንተይኮነስ ከም ህዝቢ ጎረባብቲ ሃገራት ይሓስብ ነይሩ። “ሓንቲ ሃገር ሶማልያን ሓደ ህዝቢን” ዝብል ኣተሓሳስባ ብሰንኪ መግዛእቲ ባዕዲ ተሸርሺሩ ዘይምኹኑይ ዓሌታውነትን ውልቃውነትን ክሰፍን ክኢሉ። ብምዃኑ እውን ፕሬዚዳንት አደን ዓብዱላህ፣ ንህዝቢ ሶማልያ ኣተሓባቢሮም ልምዓትን ሰላምን ከምዘረጋግፁ ዝኣተውዎ ቃል ክሰምረሎም ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ድማ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ 1967 ዓ/ም/ፈ ካብ መዝነቶም ብምልቃቖም ቀዳማይ ሚኒስቴር ብዝነበሩ ዓብደልረሽድ ዓሊ ሼርማርክ ክትክኡ ክኢሎም እዮም።

ፕሬዚዳንት ዓብደልረሽድ ሰላምን ፍትሓዊ ተጠቃምነት ልምዓትን ህዝቢ ሶማልያ ንምርግጋፅ ዘኽእል ፖሊሲ ሓንፂፆም ነይሮም። እቶም ፕሬዚዳንት፣ ሶማልያ ብፍላይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኬንያን ዝህልዋ ረኽቢ ኣብ ሓበራዊ ተጠቃምነት ዘተኮረ ክኸውን ኣንፈት ኣነፂሮም ምንቅስቓስ ጀሚሮም ነይሮም። ይኹን እምበር ብህዝቢ ሶማልያን ጎረባብቲ ሃገራትን ፅቡቕ ተቐባልነት ከምዝነበሮም ዝዝረበሎም ፕሬዚደንት ዓብደልረሽድ ነዊሕ ኣሚቶም ዝሓንፀፅዎ ልምዓትን ሰላምን ተግባራዊ ክኸውን ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ኣብ 1969 ዓ/ም/ፈ ካብ ዓጃቢኦም ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቐቲሎም። ድሕሪ ሞት እቶም ፕሬዚዳንት፣ ካብ ቀደሙ እውን ፅኑዕ መሰረት ዘይነበሮ መንግስቲ ሶማልያ ዓሌታት ብዝመርሕዎ ዝነበሩ መፈንቅለ መንግስቲ ክናወፅ ክኢሉ።

ብድምር ሶማልያ ብዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃፍትን ገዛኢ መሬትን ቀልቢ ሃገራት ባዕዲ ክትገዝእ ኪኢላ እያ። በዚ ምክንያት  ነታ ሃገር ተኸፋፊለን ክገዝኣ ዝፀንሓ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ መንጎ ዓሌታት ሶማልያን ሱር ዝሰደደ ምትፍናን ንኽፍጠር ገይረን እየን። 


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010