የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595538
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1899
2526
7025
4567652
33503
77308
4595538

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 18:02

አርካይቭ

ሃፍቲ ማለት ኣተሓሳስባ እዩ!

here we go
selam new

ኣብ ሃገርና ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ሰብ ሃፍትን ህዝብን ኣብ ሓደ ዓንኬል ልምዓት ዝንቀሳቐስሉን ተጠቀምቲ ዝኾንሉን ዕድል ኣይነበረን። ብሰንኪ ውልቀ መለኽቲ ዝሓለፉ ስርዓታት ውልቀ መለኽቲ ሰብ ሃፍቲ እናተፈጠሩ ብኡኡ ልክዕ ድማ ውልቃዊ ድልየታቶም  ንምምላእ ነቲ ድኻ ህዝቢ ዝምዝምዙ እምበር ንማሕበራውን ኢኮኖምያውን ረብሓ ህዝቢ ዝረብሑ ልምዓታዊ ትካላት ምህናፅ ከም ነውሪ ዝቑፀረሉ እዋን ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ።ይኹን እምበር እቶም ስርዓታት ብሓበራዊ ቅልፅም ህዝብታት ተደርዒሞም ልምዓታዊ መንግስቲ ካብ ዝትከል ናብዚ ንኹሎም ዜጋታት ማዕረ ዝገብር ሕገ መንግስቲ ፀዲቑ።ካብዚ ዝምንጭው እውን ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ ዘተባብዕ ፖሊሲ ተሓንፂፁ ናብ ተግባር ብምስግጋሩ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ብኢንቨስትመንት ኣቢሎም ውልቃውን ሃገራውን ረብሓታት ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ኣብ ልምዓታዊ ትካላት ተወዲቦም ፀገም ሕብረተሰብ ዝፈትሑ ትካላት ልምዓት እናሃነፁ ይርከቡ።እዚ ዛዕባ ክነልዕሎ ዝደለና ብዘይገለ ነገር ኣይኮነን።ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ፅጌረዳ ብኣባል ማልት ዝኾኑ በዓል ሃፍቲ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምህናፅ ዝተቐመጠ እምነ ኩርናዕ ክንድህስስ ስለዝደለና እዩ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብልዕሊ 42 ሚልዮን ብር ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ካልኣይ ብርኪ ሓወልቲ፣ ገርሁ ስርናይን ማይ ቅነጣልን ህንፀተን ምሉእ ብምሉእ ዛዚማ ናብ ሕብረተሰብ ኣረኪባ እያ።ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከባ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ወረዳታት ሓውዜን ዓድ ጉደምን ድማ ቤተ ፈተነ፣ ማእኸል ኮምፒዩተርን ካልኦት ናውቲ ትምህርትን ብምምላእ ኣብ 2010 ዓ/ም ናብ ተግባር ክኣትዋ ትፅቢት ይግበር።ኣካል ናይቶም ከምዚ ዝበሉ ዝተቐደሱ ስራሕቲ ድማ ብምትሕብባር በዓል ሃፍቲ ኣይተ ቢንያም ብርሃነን ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎን ኣብ ጣብያ ፅጌረዳ ብልዕሊ ሸሞንተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምህናፅ 16 ሓምለ 2009 ዓ/ም እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ ኣሎ።

ኣይተ ቢንያም ኣብ ጎድኒ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምስላፍ ቅድም እንትብል እውን ልምዓታዊ ተግባራት እናሰርሑ መፂኦም እዮም።መርአዪ እዚ ኣብ 2000 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ብልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሸውዓተ ሚልዮን ብር በዓል ሓደ ደብሪ ማእኸል ቤተ ፈተነን ቤተ ንባብን ሃኒፆም ንሕብረተሰብ ከም ዘረከቡ ኣብቲ እዋን ምንባር ስረት እምነ ኩርናዕ ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይሬክቶር ማልት ዶክተር ታደለ ሓጐስ ኣዘኻኺሮም እዮም።

“ዋላ ልዑል ሃፍቲ እንተሃለወካ ብዘይ ፍልጠት ትርጉም የብሉን” ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ዘለዎም በዓል ሃፍቲ ኣይተ ቢንያም ነቲ ሐዚ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምህናፅ ተነቢሩ ዘሎ ሰረት እምነ ኩርናዕ ሽዱሽተ ሚልዮን ብር መዲቦም ከምዘለዉ እዩ ዝተሓበረ። እቲ ዝተረፈ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ብህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝሽፍን እዩ።እዚ ዘርእየና ኣብ ሃገርና ተፈጠሩ ዘሎ ዴሞክራስያዊ ስርዓት መንግስቲ፣ ሰብ ውልቀ ሃፍትን ሕብረተሰብን ኣብ ሓደ ዓንኬል ልምዓታዊ አተሓሳስባ ዓሲሎም እናተደጋገፉ የሳልጥዎ ምህላዎም እዩ።

ነበርቲ ጣብያ ፅጌረዳ ንህንፀት ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብዝተነበረ ሰረት እምነ ኩርናዕ ሓጎሶም ገሊፆም እዮም።ነባሪት ጣብያ ፅጌረዳ ወ/ሮ ኣስኳል በላይ፣ ተምሃሮ ጣብያ ፅጌረዳ ሻምናይ ክፍሊ ምስ ወድኡ ናብ ከተማ ውቕሮ እናኸዱ ይምሃሩ ምንባሮም ይዛረባ።እዚ ድማ ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ሕብረተሰብ ብምዃኑ ብጣዕሚ ፀገም ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን።ስለዝኾነ መንግስቲ እዚ ፀገም ብምግንዛብ ኣብቲ ከባቢ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብምህናፅ ክፍታሕ ገይሩ እዩ። ሐዚ ድማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ  ምስ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ቢንያም ብምትሕብባር ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምህናፅ ተነቢሩ ዘሎ ሰረት እምነ ኩርናዕ ተምሃሮ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዘለዎም ፍልጠት ኣብ ምጉልባት ልዑል ግደ ከም ዘለዎ እየን ሓቢረናልና።

እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ ማልት ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፃ እያ።ንኣብነት ኣብታ ወረዳ ንምምሃር ምስትምሃር ዝሕግዛ 61 ቀዳማይን ሰለስተ ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ።ካብዚኣተን እተን 18 ኣብያተ ትምህርቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኣባላታን ደገፍታን ብምትሕብባር ዝሃነፀተን እየን።በዚ እውን ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 40 ሽሕ ተምሃሮ ነቶም 20 ሽሕ ዝሓሸ ዕድል ትምህርቲ ከም ዝተፈጠረሎም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ መምህር ኣፅበሃ ገብረሃወርያ ይገልፁ።ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ኮነ ሰራሕታኛታት መንግስቲ እታ ወረዳ ንልምዓታዊ ተግባራት ማልት ዘድሊ ደገፍ እናገበሩ እዮም።ንኣብነት ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከቡ 1,255  ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣባላት ማልት እቶም 95 ምኢታዊ ካብ ወርሓዊ መሃየኦም ሓደ ምኢታዊ ዝኸፍሉ እዮም።ከምኡ እውን ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ካብ ዝኸፍሎ ዝነበረ 10 ብር ዓመታዊ ክፍሊት ናብ 20 ብር ከዓብይ ብምግባር ንማሕበሩ ዘለዎ ደገፍ ኣጠናኺሩ እናቐፀለ ከም ዝርከብ መምህር ኣፅበሃ ዝሃቡና ሓበሬታ የረድእ። 

ብድምር ዓዲ ንምልማዕ ፈለማ ልምዓታዊ ኣተሓሳስባ ምፍጣር የድሊ።ምኽንያቱ ድማ ልምዓት ካብ ልምዓታዊ መንግስትን ልምዓታዊ ኣተሓሳስባ ዝወነነ ህዝቢን ዝምንጭው ስለዝኾነ እዩ።ነዚ እዩ ድማ ኣብ ሃገርና ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መንግስቲ ንሰብ ውልቀ ሃፍቲ ብዝፈጠሮ ምችው ባይታ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ንህዝቢ ዝረብሑ ትካላት እናሃነፁ ዝርከቡ።ኣባል ማልት ብዝኾኑ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ቢንያም ብርሃነ ተጀሚሩ ዘሎ ሰናይ ተግባር እውን መርኣያ ናይእዚ ምንቅስቓስ እዩ።ቅድሚ ምዝዛምና እንብሎ እንተሃለወ ካልኦት ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ክልልና ኣብ ዝሃለኹም ሃሊኹም ኣብ ጎድኒ ማልት ብምዕሳል ነዚ ሰናይ ተግባር ክስዕብዎ ይግባእ። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010