እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4812428
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1688
3314
11474
4777565
44689
108196
4812428

Your IP: 107.20.94.6
2018-02-18 05:15

አርካይቭ

ህንፀት ማእኸላት ሳይንስ ህንፀት ልምዓት ሓይሊ ሰብ

here we go
selam new

ኣብዝሓ ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ንሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝለዓለ ትኹረት ብምሃብ ቀንዲ መሳርሒ ዘላቂ ምዕባለአን ገይረን ይጥቀማሉ ምህላወን ይፍለጥ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሃገርናን ክልልናን ዘፈር ኢንዱስትሪ ቅልጡፍ ቁጠባውን ማሕበራውን ልምዓት ምእንታን ከመዝግብ ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምዕጃብ ዘኽእሉ      ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ። እዚ መርሃ ግብሪ ዘተኣማምን ለውጢ ንኸምፃእ ድማ ብስርዓተ ትምህርቲ ተደጊፉ እናተተግበረ እዩ።

ንቐፃሊ ዕብየት እቲ ዘፈር እትድግፍ ዘላ ማልት እውን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክኾና ዓሊማ እናሰረሐት እያ። እታ ማሕበር ብ2002 ዓ/ም ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ዝፈለመቶ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣብ 2006 ዓ/ም ብምጥንኻር ኣብ 24 ገፀር ወረዳታትን 13 ምምሕዳር ከተማታትን ትግራይ ዝርከባ 37 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ልዑል ፃፅሪ እናገበረት ትርከብ። ብመሰረት እዚ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓወልቲ ብልዕሊ ሸሞንተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ዘህነፀቶ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን 27 ጉንበት 2009 ዓ/ም ንተጠቀምቲ ኣረኪባ እያ።

እታ ማሕበር ልምዓታዊ ስራሕታ ንምውጋን ብዋናነት ፍልፍል ኣታዊኣ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚልዮን ኣባላትን ደገፍታን ከምኡ እውን ካብ ዓለም ለኻውን ሃገራውን ትካላት ምግባረ ሰናይ ብእትረኽቦ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ እዩ። በዚ እውን ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝተሃንፀ ዜጋ ብምፍራይ ማሕበረ ቁጠባዊ መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ምፍታሕ ዝጀመረቶም ዝተዋደዱ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ይቕፅሉ ኣለዉ። እቲ ምስ ምግባረ ሰናይ “ገልፈንድ ፋሚሊ” ብምትሕብባር ተሃኒፁ ናብ ተጠቀምቲ ዝተሰጋገረ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓወልቲ እውን ናይዚ መርኣያ እዩ። ስለዝኾነ ነዚ ሰናይ ተግባር ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብ ጎድኒ ማልት ኮይኑ ደገፉ ከሐይል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶክተር ታደለ ሓጎስ ኣብቲ እዋን ርኽክብ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣሕሊፎም እዮም።

ብዘይካ እዚ፣ ማልት ካብ ኣባላት እታ ክፍለ ከተማ ብወርሓዊ ክፍሊት ኣቢሉ ዝርከብ እቶት እቲ 70 ምኢታዊ ኣብታ ክፍለ ከተማ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንምጥንኻር ዝውዕል እዩ። ብምዃኑ እውን ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ልዑል ተራ እናተፃወተ ከምዝርከብ ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ኣይተ ተስፋይ ልኡል ይዛረቡ። ብተወሳኺ እታ ማሕበር ዝተፈላለዩ ሓገዝቲ መፃሕፍቲ፣ ወምበር፣ ፀሊም ሰሌዳን ካልኦት ናውቲ ትምህርትን እናደገፈት ከም እትርከብ እቶም ኣመሓዳሪ ኣብቲ እዋን ርኽክብ ካብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ምርዳእ ይከኣል። እቲ ህንፀቱ ተዛዚሙ ንግልጋሎት ክፍቲ ኮይኑ ዘሎ ደረጅኡ ዝሓለወ በዓል ሓደ ደብሪ ህንፃ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣብ ውሽጡ ንልዕሊ 150 ተምሃሮ ዘገልግል ቤተ ንባብ፣ ቤተ ፈተነን ማእኸል ኮምዩተርን ዘማልአ እዩ። እዚ እውን ኣብቲ ካልኣይ ብርኪ ዝነበረ ፀገም ህንፃ ካብ ምቕራፉ ብተወሳኺ እታ ሃገር እትጥልቦ ክእለት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝወነኑ ተምሃሮ ኣብ ምፍራይ ልዑል ግደ ከም ዘለዎ ንምግማቱ ኣየፀግምን።

ነበርቲ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ እውን ህንፀት ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓወልቲ ዓቕሚ ፍልጠትን ክእለትን ተምሃሮ ኣብ ምዕባይ ልዑል ግደ ከም ዘለዎ ይገልፁ። ነባራይ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ሰላም ኣይተ ኪሮስ ሓበሻ፣ “ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓወልቲ ዘለዉ ህንፃታት ኣብ 1975 ዓ/ም ዝተሃነፁ ብምዃኖም ደረጅኦም ዝሓለዉ ኣይኮኑን። ካብዚ ሓሊፉ እውን እቲ ቤት ትምህርቲ ሕፅረት ቤተ ንባብ፣ ቤተ ፈተነን ማእኸል “ኮምፒዩተር”ን ስለዝነበሮ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ነይርዎ። ስለዝኾነ ማልት ነዚ ደረጅኡ ዝሓለወ ህንፃ ብምስራሓ እቶም ዝነበሩ ፀገማት ካብ ምቕራፎም ብተወሳኺ ብቐፃልነት ኣብ ሃገርና ኮነ ክልልና ተሓንፂፁ ዘሎ ኣንፈት ምዕባለ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምዕዋት ሰፊሕ ዕድል ዝፈጥር እዩ” ይብሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ማልት ኣብ ወረዳታት ኣሕፈሮም፣ ወርዒ ለኸ፣ ሕንጣሎ ወጀራትን ሓውዜንን ኣብ ዝርከባ ሓደሽቲ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ህንፀት ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን እናከየደት እያ። በዚ ድማ ማልት ብናይዚ ዘመን ቴክኖሎጂ ዝተሃነፁ ወይ ዝሰልጠኑ ተምሃሮ ብምፍራይ መፃኢ ህዳሰ ሃገርናን ክልልናን ኣብ ምዕዋት ልዑል ተራ እናተፃወተት ከም እትርከብ ዘመላኽት እዩ።

ብሓፈሻ ማልት፣ ምስ ሕብረተሰብ፣ ትካላት ምግባረ ሰናይ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብምትሕብባር ንትምህርቲ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ኣብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ እናሃነፀት ዕድሚኦም ንትምህርቲ ዝኣኸሉ ህፃናት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝኸተሉ ዕድል እናፈጠረት እያ። ሐዚ ድማ ንፅርየት ትምህርቲ ትኹረት ብምሃብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምግባር ዝዓለመ ሰፋሕቲ መደባት ትዓምም ኣላ። ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓወልቲ ተሃኒፁ ንሕብረተሰብ ዝተረከበ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ናይዚ ዓብዪ መርኣዪ እዩ። እዚ እውን ሃገርና እትኽተሎ ዘላ ኣንፈት ስግግር ኢንዱስትሪ ኣብ ምቅልጣፍ ልዑል ግደ ኣለዎ። ስለዝኾነ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝተትሓዙ ሸቶታት ንኽዕወቱ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክስፋሕፍሑ ግድን እዩ። እዚ ንምግባር ድማ ውህደት መንግስቲ፣ ሰብ ውልቀ ሃፍትን ሕብረተሰብን ወሳኒ ብምዃኑ ኩሉ ደላዪ ልምዓት ኣብ ጎድኒ ማልት ክዓስል ይግባእ።


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 970
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010