የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595485
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1846
2526
6972
4567652
33450
77308
4595485

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:54

አርካይቭ

ካብ ጁባ ህዝቢ ናብ ረብሓ ህዝቢ!

here we go
selam new

ኣይተ ሃይማርያም ሃፍቱ

ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ሕብረተሰብ ኣብ ምፍታሕ እትረባረብ ዘላ ማሕበር ልምዓት ትግራይ በብእዋኑ  ንእትሰርሖም ህንፀታት መሰረተ ልምዓት ብዋናነት እትረኽቦ ፍልፍል እቶት ካብ ወርሓዊ ክፍሊት ውልቀ ኣባላት እዩ። ትሕዝቶ እዚ ፅሑፍ እውን እታ ማሕበር ካብ ውልቀ ኣባላት እትረኽቦም ኣታዊ ንምዕባይ ኣብ 2008 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ዝድህስስ እዩ።

ኣይተ ሃይለማርያም ሃፍቱ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን እዮም። “እታ ማሕበር ኣብ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ቁፅሪ ኣባላታ ንምውሳኽን ብኡ ኣቢላ ድማ እቶታ ንምዕባይን ዘኽእል ስትራቴጂ ሓሙሽተ ዓመት ኣዳልያ እያ፤” ይብሉ። ካብዚ ዝብገስ ድማ እቲ ስትራቴጂ በብ ዓመቱ እናተሸረፈ ናብ ተግባር ተኣትዩ። ብመሰረት እዚ ኣብቲ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ኣባላት መራሕቲ ስድራ ንምፍራይ፣ ኣጠቓላሊ ኣባላታ ድማ ኣብ 2008 ዓ/ም ካብ ሓደ ሚልዮንን 186 ሽሕን 555 ናብ ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚልዮን ንምብፃሕ ትኹረት ሂባ እናተንቀሳቐሰት ፀኒሓ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ናብ በቢ ዞባኡን ወረድኡን ዘሎ ቦርድ ኣመራርሓ መደብ ብምውራድ እኹል ቅድመ ምድላውን ምርድድእን ከም ዝተገበረሉ የረድኡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ 2008 ዓ/ም መሃያ ተኸፋሊ ኣባል 107 ሽሕን 567፣ ሓረስቶት 467 ሽሕን 25፣ ነጋዶ 5,020 ኣባላት ንምፍራይ ትልሚ ብምሓዝ ሰፊሕ ምንቅስቓስ እናተገበረ ፀኒሑ እዩ። እዚ ኣፈፃፅምኡ እንትርአይ መሃያ ተኸፋፈልቲ ኣባላት 101 ሽሕን 200፣ ሓረስቶት 392 ሽሕን 313 ከምኡ እውን ነጋዶ 2,306 ኮይኑ እዩ። እቶም ዝበዝሑ መሃያ ተኸፈልቲ ኣባላት ካብ መሃያኦም ሓደ ምኢታዊ ዝኸፍሉ እንትኾኑ ብፍላይ ኣብ ነጋዶ ዞባ መቐለን ሰራሕተኛታት ክልል ስታፍን ዘለዉ ኣባላት ግና ኣብ ክፍሊት ትሑት ኣፈፃፅማ ኣሎ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣመራርሓ ነቲ መደብ ብውነ ኣብ ምውሳድን ኣብ ኣተሓባበርቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝነበረ ፀገም ደገፍን ክትትልን ምዃኑ ኣይተ ሃይለማርያም ካብ ዝሃብዎ መብርሂ ንምርዳእ ክኢልና ኢና።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ውዳበታትን ተምሃሮን ዝርከቡ ኣባላት ንምፍራይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። ብመሰረት እዚ፣ ኣብ 2008 ዓ/ም ኣብ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ዝርከቡ ኣባላት ናብ 4,000፣ ተምሃሮ ድማ 766 ሽሕን 245 ንምብፃሕ ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን ፍፃምኡ እንተርኢና፣ ውዳበታት 3,646 ኣብ ተምሃሮ ድማ 818 ሽሕን 985 ተፈፂሙ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትካላት ትእምት ዝርከቡ 16 ሽሕ ኣባላት ኣብዚ ዓመት ባዶ ነጥቢ ሓሙሽተ ዝነበረ ወርሓዊ ክፍሊት ናብ ሓደ ምኢታዊ ንምዕባይ ትልሚ ዝተትሓዘ ኮይኑ እዚ እውን ኣብ 15 ሽሕን 600 ኣባላት ክፍፀም ክኢሉ እዩ። 

እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ ብብርኪ ዞባታት ኣባላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝኾኑ መራሕቲ ስድራ እንትንርእይ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ 160 ሽሕን 329 መራሕቲ ስድራ ዝርከቡ ኮይኖም እቶም 138 ሽሕን 162 ኣባላት ማልት እዮም። ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምብራቕ 197 ሽሕን 554 መራሕቲ ስድራ ዘለዉ ኮይኖም ካብዚኣቶም እቶም 91 ሽሕን 113 መራሕቲ ስድራ ኣባላት ማልት እዮም። ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ እውን 141 ሽሕን 900 መራሕቲ ስድራ ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም 45 ሽሕን 480 ኣባላት እታ ማሕበር እዮም። ብተወሳኺ ካብ ጠቕላላ 91 ሽሕን 647 ዞባ ምዕራብ እቶም 32 ሽሕን 450 ኣባላት ማልት እዮም። ኣብ ዞባ ማእኸል እውን 289 ሽሕን 957 መራሕቲ ስድራ ዘለዉ ከይኖም እቶም 47 ሽሕን 446 መራሕቲ ስድራ ኣባላት እታ ማሕበር እዮም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዞባ መቐለ 85 ሽሕን 116 መራሕቲ ስድራ ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም ኣባል ዝኾኑ 5,010 ጥራሕ እዮም። ብኣጠቓላሊ እንትንርኢ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ዘለዋ ዞባታት ደቡብ፣ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን እንትኾና ትካላት ትእምት እውን ምስዚአን ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ እየን። ኣብ ዞባታት ማእኸላይን መቐለን ዘሎ ኣፈፃፅማ ግና ትሑት ስለ ዝኾነ ብቐፃልነት ትኹረት ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ብዘይካ እዚ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ስራሕቲ ምትእትታው ቴክኖሎጂ ክሳተፉ መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም እዮም።

ድምር ኣቢልካ እንትርአ እታ ማሕበር ኣብ 2008 ዓ/ም ዝሓዘቶ ትልሚ ምፍራይ ጠቕላላ ኣባላት ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚልዮን ንምብፃሕ እንትኸውን ኣፈፃፅምኡ ድማ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ኮይኑ ኣሎ። ብወገን መራሕቲ ስድራ እውን ኣብ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ናብ ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ንምብፃሕ ትልሚ ዝሓዘት ኮይና ዛጊድ 560 ሽሕ ክበፅሕ ክኢሉ እዩ። እዚ ድማ እታ ማሕበር ኣብ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ኣብ ምፍራይ መራሕቲ ስድራ ክትበፅሖ ዝሓዘቶ ትልሚ ንምዕዋት ኣብ ዝሐሸ ብርኪ ከም እትርከብ ዘመላኽት እዩ። ብወገንና ነቲ ካብ ጁባ ህዝቢ ናብ ረብሓ ህዝቢ ዝኾነ ተግባር ማልት እናነኣድና ኩሉ ደላዪ ልምዓት ኣብ ጎድኒ እታ ማሕበር ብምዕሳል ዘድሊ ሓገዝ ክገብር ይግባእ ንብል።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010