እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4812530
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1790
3314
11576
4777565
44791
108196
4812530

Your IP: 107.20.94.6
2018-02-18 05:22

አርካይቭ

ኣባላት ውድብ ኣብ መፍረያይነት መሪሕ ይኾኑ ኣለዉ

here we go
selam new

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2007/08 ዓ/ም ሸሞንተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ዘኽእል ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ይግበር ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣፍሊጡ፡፡

ላዕለዋይ በዓል ሞያ ምስፍሕፋሕ ቴክኖሎጅን ዝራእትን ዞባ ማእኸል ኣይተ ቴድሮስ ሃይለ ንጋዜጣ ወይን  ከምዝገለፅዎ፣ ኣብዚ ዘበነ ምህርቲ ብዝራእቲ ክሽፈን ካብ ዝተተለመ 192 ሽሕን 578 ሄክታር ተሓራሲ መሬት 103 ሽሕ ሄክታር ከም ዝተዘረአ እቲ 89 ሄክታር መሬት ድማ እዋን ዘርኢ ጣፍ ይፅበ ከም ዘሎ ገሊፆም፡፡ 168 ሽሕን 765 ሄክታር መሬት ብመስመር ክዝራእ ተተሊሙ ናይዚ 62 ምኢታዊ ድማ ክፍፀም ከም ዝተኸኣለ ሓቢሮም፡፡

መፍረያይነት ንምምሕያሽ ዘኽእል 148 ሽሕን 462 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ንምትእትታው ተተሊሙ ዛጊድ 76 ሽሕ  ኩንታል እንትጥለብ 53 ሽሕን 362 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ መሪሕ ኣባል ውድብ ክጠልብ ተተሊሙ 91 ምኢታዊ ጠሊቡ መሪሕነቱ እናረጋገፀ ይርከብ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ሸውዓተ ሽሕን 892 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ክጠልብ ተተሊሙ ክሳብ ሰለስተ ሓምለ 2007 ዓ/ም ጥራሕ ሰለስተ ሽሕን 045 ኩንታል ከም ዝተጠለበ ተፈሊጡ፡፡

መፍረያይነት ክረምታዊ ማእቶት 2007/08 ዓ.ም ንምጥንኻር ስራሕቲ ምዕቃብ ጠሊ፣ መትረብ መእለዪ ማይ፣ ምጥቃም ገፊሕ ድጉሪ፣ ምፅጋን ዛላታትን ዓርሞታትን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ብወፍሪ ኣብ ተሓራስን ዘይተሓራሲን መሬት ከም ዝተሰርሑ ኣይተ ቴድሮስ ወሲኾም ገሊፆም፡፡ ብድምር ከም ዞባ ሸሞንተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ዝተዋደደ ዝተመጋጋብን ስራሕቲ ሕርሻ ይሳለጥ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡   

ዋዕላ ሪፎርም ሰናይ ምምሕዳር ተሳሊጡ

ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ውዳበታት ኣመራርሓ ውድብ 19 ሰነ 2007 ዓ/ም ብብርኪ ዞባ ዕውት ዋዕላ ሪፎርም ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ከም ዘሳለጡ ቤት ፅሕፈት ህወሓት እቲ ዞባ ገሊፁ፡፡

ዕላማ እቲ ዋዕላ ምስ ህዝቢ ቀሪቡ ዝመርሕ ኣባል ውድብ ብምህናፅ ሰናይ ምምሕዳር ዝተረጋገፀሉን ምሉእ ዓቕሙ ኣብ ልምዓት ዘውዕልን ህዝቢ ንምፍጣር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ሓላፊ ውዳበታት ህዝቢ እቲ ዞባ ኣይተ ገ/ስላሰ ታረቀ ኣብሪሆም፡፡ ኣብቲ ዋዕላ ኣመራርሓ 80 ጣብያታት፣ 72 መሰረታዊ ውዳበን ሓሙሽተ ሽሕን 758 ዋህዮታትን ኣብ ትሕቲአን ዝተወደቡ 61 ሽሕን 453 ኣባላት ውድብን ከም ዝተሳተፉ እቶም ሓላፊ ገሊፆም፡፡

ሓላፊ መምርሒ ስቪል ሰርቪስ እቲ ዞባ ኣይተ ተስፋይ ፍስሃ ብወገኖም፣ ኣብ 2007 ዓ/ም ምስ መረፃ ተዛሚዶም ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ መድረኻት፣ ህዝቢ ንውድቡ ህወሓት ብምምራፅ ድሕሪ መረፃ ምስ ውድብን መንግስትን ኮይኑ ዘለውዎ ፀገማት ስእነት ሰናይ ምምሕዳር በቢ ጣብዩኡ ክንፅርን መፍትሒ ኣንፈት ከቐምጥን ቃል ከም ዝኣተወ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ተሳታፊ ኣይተ ኣታኽልቲ ታከለ፣ ኣይተ ገዛኢ ኣማረን ወይዘሪት መሰረት ሃይሉን ኣብ ዝሀብዎ ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣብ ምምሕዳር መሬትን ኣብያተ ፍርድን ዝረኣዩ ፀገማት ብምውጋድ ኣብ ፓኬጅ ሰናይ ምምሕዳር ዝተቐመጡ ሸቶታት ልዑልን ዝተዋደደን ፃዕሪ ዝሓትት ብምዃኑ  ግደኦም ከምዘበርክቱ ሓቢሮም፡፡ 

ክላስተራዊ ስራሕቲ ክፍተት ኣፈፃፅማ ከምዘፅብብ ተሓቢሩ

ኣመራርሓ ሽውዓተ ገፀር ወረዳታትን ጣብያታትን ዞባ ምብራቕ ትግራይ “ማይ ቅድሚ ምውሓዙ ምትሓዙ” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ 18 ክሳብ 19 ሰነ 2007 ዓ/ም ኣብ ከተማ ውቅሮ ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዶም፡፡   

ኣብ መዕፀዊ እቲ ገምጋማዊ ስልጠና ዝተረኸቡ ሓላፊ ውዳበታት ህዝቢ ክልል ትግራይ ኣይተ ገብረመስቀል ታረቀ፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉጅለታት ልምዓትን ዋህዮታትን ኣብ ዝካየዱ ልምዓታዊ ስራሕቲ ደም ሱር ኮይነን ዕውት ስራሕ ይሰርሓ ከም ዘለዋ ገሊፆም፡፡ ኣብ መንጐ ጣብያታት ዘሎ ኣፈላላይ ንኽፀብብ ክላስተራዊ ስራሕትን ወፍርን ኣጠናኺርካ ምስራሕ ከም ዘድሊ እውን እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም፡፡ ዞባ ምብራቕ ዘለዋ ውህሉል ተመኩሮ መፍረያይነት ከም ዘለዎ ኮይኑ ካብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ ተሞክሮ ብምውሳድ ናብ ኣብዝሓ ሓረስቶት እታ ዞባ ዝነጠበት ማይ ናብ ረብሓ ብምውዓል ክጋፋሕ ምግባራ ኣይተ ገ/መስቀል ኣመስጊኖም፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ማሞ ገ/ሄር ብግደኦም ዕላማ እቲ ገምጋማዊ ስልጠና ከም ዞባ ዝተቐራረበ ከይዲ ተሞክሮ ምእንታን ክህሉ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ገሊፆም፡፡ በዚ ኣቢሉ ድማ ኩሉ መራሒ ስድራ እታወታት ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ተጠቃሚ ፍርያት ክኸውን ምግባር ቁልፊ ስራሕ ምዃኑ ገሊፆም፡፡ እቲ ብሉፅ ስራሕቲ ሞዴል ጣብያታት ድማ ናብ ኩለን ጣብያታት እታ ዞባ ክተኣታቶ ኣበርቲዕኻ ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ገምጋምን ሽልማትን ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ሕርሻን ገፀር ልምዓትን   ክልል ትግራይ ኣይተ ኪሮስ ቢተው፣ “ዞባ ምብራቕ ትግራይ ማእኸል ተሞክሮ ምስሳን ምህርቲ እያ”ብምባል ንኢዶም፡፡ ብተወሳኺ “እቲ መድረኽ ብብርኪ ክልል ንዝካየድ መድረኽ መበገሲ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ኪሮስ ኣብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ 80 ምኢታዊ ዝበሃል ኣፈፃፅማ ካብ ዘለናዮ ፀገም ስለዘየውፅእ ልዑል ኣፈፃፅማ ክህሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ብኣፈፃፅማ መደባት 2007 ዓ/ም ብብርኪ ዞባ ወረዳታት ጉሎ መኸዳ፣ ጋንታ ኣፈሹምን ሓውዜንን ብቅደም ሰዓብ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ብምውፃእ ብዘርኣየኦ ፀብለልታ ተሸለምቲ ሞተር ሳይክል ተሌቪዥንን ሞተር ማይን ከም ዝኾና ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ 


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 970
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010