እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5193226
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
679
3331
20589
5145598
97284
128136
5193226

Your IP: 54.158.219.248
2018-05-25 05:06

አርካይቭ

ኣብ ሓምሻይ ዙር ሃገራውን ክልላውን መረፃ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተሳትፎ መናእሰይ ልዑል ምንባሩ ተገሊፁ

here we go
selam new

ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካርዲ መረፃ ካብ ዝወሰዱ 201ሽሕን 968 ህዝቢ እቶም 193 ሽሕን 889(96 ምኢታዊ) ኣብ 202 ናቑጣታት መረፃ ንዝኣመንሉ ፓርቲ ድምፆም ብምሃብ ዕዉት ዝኾነ ሓምሻይ ዙር ሃገራውን ክልላውን መረፃ ኣካይዶም።

እቲ ከይዲ መረፃ ዕዉት ክኽውን ዝኻኣለ ተዋዳደርቲ  ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዘለዎም ኣማራፂ ፖሊሲ ሕብረተሰብ ክፈልጦ ብምግባሮም እኹል ግንዛበ ክረክብ ሰለዘኽኣሎ እዩ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ሰቲት ሑመራ ነባር ተጋዳላይ ጉዑሽ ተጠምቀን ኣይተ ዼጥሮስ በዛብህን  ብሓባር  ገሊፆም። ንእስቲ ፋና  ሃ/እየሱስን  መንእሰይ  ደስታ

ገ/ሚካኤልን ብወገኖም እዚ መረፃ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ምንባሩ ድሕሪ ምግላፅ ህዝቢ ብካርዱ ኣቢሉ ንዝኣመኖ ፓርቲ እንትመርፅ ግደ መናእሰይ ልዑል ምንባሩ ሓቢሮም።

ኣብቲ መረፃ ሰብ ፀጋ ዕድመን ኣካል ጉድኣትን ቕድሚያ ብምሃብ ዝተረጋገአ፣ ተኣማንን ደንቢ መረፃ ዘኽበረን መረፃ ምንባሩ ዝሓበሩ ድማ ተዓዘብቲ መድረኽ ዓረና ኣይተ ባንቲ ተሻለን ኣይተ ግርማይ ምስጋናውን እዮም። ኣብ ኩሎም ናቑጣታት መረፃ ሰላማውን ተኣማንን ከም ዝነበረ ድማ መተሓባበሪ ቦርድ መረፃ  እቲ ዞባ መምህር ኣታላይ ተወልደ ገሊፆም።

 

ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ንምዕጋት ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ

ብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሓውዜን ምዕጋት ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይን ኣብ ዓድኻ ተረባሒ ንምዃን ዘክእል ሜላን ዘድሃበ  ምስ ኣመራርሓ ኣካላትን ገለ ካብ ስደት ተመለስቲ መናእሰይን ብሽዱሽተ ጉንበት 2007 ዓ/ም ዘተ ከም ዝተኻየደ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን እቲ ወረዳ ገሊፁ፡፡

ዕላማ እቲ ዘተ መናእሰይ ናይ ስደት ሃንቀውትኦም ብምቕያር ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጥጡሕ ሃዋህው ተጠቒሞም ንባዕሎምን ሃገሮምን ዝቕይርሉ ምርድዳእ ንምብፃሕ ከም ዝኾነ ምክትል ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን እቲ ወረዳ ወ/ሮ ኣዝመራ ወልደማርያም ሓቢረን፡፡ ነዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተደጋጋሚ መድረኽ ምርድዳእ ብምፍጣር መጠኑ ዝቕንስ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት ጠቕሊሉ ጠጠው ንኽብል ፃዕሪ ኩሉ ሕብረተሰብ  ከም ዝሓትት ወሲኸን ኣረዲአን፡፡

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዘተ ዝኾኑ ተመለስቲ ስደት መናእሰይ እውን ትርፊ ዘይሕጋዊ ስደት ሞትን መግረፍትን ጥራሕ ምዃኑ መስኪሮም፡፡ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ዘይሕጋዊ ስደት ንምዕጋት ዝከኣሎም ዘበለ ፃዕሪ ከም ዝገብሩ ብሓበራዊ ቅዋሞም ኣቢሎም ኣብቲ ዕለት ቃል ኣትዮም፡፡

24 ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ልዕሊ ኣርባዕተ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ብር ካፒታል ወኒነን

ብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ዝርከባ 24 ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ልዕሊ ኣርባዕተ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ብር ካፒታል ከም ዝወነና ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገፀርን እታ ወረዳ ገሊፁ፡፡

መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን እታ ወረዳ ኣይተ ወንድየ ግርሙ ከምዝገለፅዎ እተን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ሕብረተሰብ ብቐረብኡ እታወታት ሕርሻ ክረክብ ኣብ ርእሲ ምግባረን ኣብ ምርግጋፅ ዕዳጋን ባህሊ ቁጠባን ዘተባብዕ ውፅኢት እናመዝገባ ከም ዝመፃ ሓቢሮም፡፡

መጠን መበገሲ ካፒታል እተን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት 649 ሽሕ ብር ከም ዝነበረ ዝሓበሩ ኣይተ ወንድየ፣ ሕዚ ዘለወን መጠን ካፒታል ድማ ኣርባዕተ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ብር ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡ ከም ውፅኢቱ እውን ብመሰረት ኣዋጅ ቁፅሪ 147/9 ሕዚ ከም ወረዳ ሓንቲ ኩለ መዳይ ዩኔን ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ክተጣየሽ ከም ዝኸኣለት እቶም መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ኣብሪሆም፡፡

ንምጥንኻር እታ ሓዳሽ ዩኔን ካብ ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ትግራይ 350 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት፣ ጥረ ገንዘብ ከምኡ እውን ካብ ሓደሽቲ ኣባላት ልዕሊ 20 ሽሕ ብር ጥረ ገንዘብ ኣታዊ  ከም ዝተረኸበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

ዜና

ሓምሻይ ዙርያ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ነፃ፣ ፍትሓውን ዴሞክራስያውን ምንባሩ ሕፁያት ተወዳደርቲ ዓረና/መድረኽ ኣረጋጊፆም

16 ግንቦት 2007 ዓ/ም ዝተኻየደ ሓምሻይ ዙር ኣጠቓላሊ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ህዝቢ ብድሌቱ ዝተሳተፈሉ ነፃ፣ ፍትሓውን ዴሞራስያውን ምንባሩ ዓረና መድረኽ ብምውካል ኣብ መረፃ ክልል ውቕሮን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታን ንፌደራልን ቤት ምኽሪ ክልልን ዝነሓንሑ ሕፁያት ተወዳደርቲ ኣረጋጊፆም።

ኣብ መዓልቲ መረፃ ኣብ ክልል መረፃ ውቕሮ ተረኺብና ዘዘራረብናዮም ዓረና መድረኽ ወኪሎም ንፌደራል ተወከልቲ ህዝቢ ዝቐረቡ ኣይተ ቴድሮስ መጐስ ከም ዝገለፅዎ እቲ ዝተኻየደ መረፃ ኣብ ቅድመ ምድላው፣ እዋን መረፃ ይኹን ድሕሪ መረፃ ነፃ፣ ፍትሓውን ዴሞራስያውን ምዃኑን ህዝቢ ዝኣምነሉ ፓርቲ ብነፃነት ዝመረፀሉን ምንባሩ ኣረጋጊፆም። “ቅድሚ እዋን መረፃ በራሪ ወረቐትን ብሮሸርን እናተጠቐምና ዕላማታትና ህዝቢ ክፈልጦ ገይርና ኢና። ተወዳደርቲ ንምልላይ እውን ፎቶታትና ዝሓዘ ፖስተር ኣብ ዝተፈቐዱ ከባቢታት ብምልጣፍ ምስ ህዝቢ ተላሊና። ኣብ እዋን መረፃ ተዓዘብትና ካብ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሮም ኣብ ናቑጣ መረፃ ብምርካብ ከይዲ መረፃ ክዕዘቡን ኣብ’ዚ ንዘጋጥም ክፍተት ከስተኻኽሉን ገይርና ኢና። ድሕሪ መረፃ እውን እንተኾነ ኣብ ቆፀራ ድምፂ እቶም ተዓዘብቲ ተሳቲፎም እዮም። ብድምር ኣብ ኩሎም ከይድታት ዘጋጠመና ዕንቅፋት ይኹን ዝተፈጠረ  ቅሬታ የለን” ክብሉ ኣይተ ቴድሮስ ገሊፆም።

ዓረና መድረኽ ብምውካል ኣብ ክልል መረፃ ኣፅቢ ወንበርታ ንኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ዝተነሓንሑ ተወዳዳሪ ሃለቃ ገብረ መድህን ገብረየሱስ ብወገኖም ኣብ ቅድመን እዋን መረፃን ዝኾነ ዓይነት ዕንቅፋት ከም ዘይኣጋጠሞም ብምሕባር ኣብዚ መረፃ ህዝቢ ብድሌቱ ንዝኣመነሉ ፓርቲ ድምፁ ከም ዝሃበ  ኣብሪሆም። ብመሰረት እዚ ነፃ፣ ፍትሓውን ዴሞክራስያውን መረፃ ከም ዝተኻየደ ሓቢሮም።

ኣብ ሸሞንተ ክልላት መረፃ ዞባ ምብራቕ ትግራይ 409 ሽሕን 688 ሰብ መረፃ ካርድ ዝወሰደ እንትኾን ካብዚ እቲ 99 ምኢታዊ ኣድሚፁ እዩ። ኣብ እዋን ምዝገባ ይኹን ምሃብ ድምፂ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ 53 ምኢታዊ ዝተረጋገፀሉ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ዞባ ምብራቕ ህዝቢ ብነፃነት ንዝደለዮ ፓርቲ ድምፁ ዝሃበሉ ከምዝነበረ ኣብ ዞባ ምብራቕ መተሓባበሪ ቦርድ መረፃ ኣይተ መኮነን ረዳ ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ እዞም መተሓባበሪ ቅድሚ መረፃ ናውቲ መረፃ ፅፈቶምን እዋናውነቶምን ሓልዮም ነናብ ናቑጥኡ ኣብ ምእታው ይኹን ነቲ መረፃ ዘድልዮ ኣጠቓላሊ ቅድመ ምድላዋት ኣብ ምግባር ምንም ክፍተት ኣይነበረን። ስለዝኾነ ኣብ ቅድመ፣ እዋን መረፃን ድሕሪ መረፃን ዘጋጠመ ዕንቅፋት ኣይነበረን። ብወገን ተወዳደርቲ እውን ኣብ ኩሎም ከይድታት ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ቅሬታ ወይ ጥርዓን ከምዘየለ እቶም መተሓባበሪ ቦርድ መረፃ ገሊፆም።

ብወገንና እውን  ካብ ድሮ እቲ መረፃ ጀሚርና ኣብ ዝተፈላለዩ መረፃ ክልላትን ናቑጣታትን ተዘዋዊርና ከም ዝተዓዘብናዮ ምንም ዓይነት ክፍተት ኣየጋጠመናን። ተወከልቲ ተቓወምቲ፣ ገዛኢ ፓርቲ ይኹን ተዓዘብቲ ህዝብን ኣዘራሪብና ዝረኸብናዮ መልሲ እውን እቲ መረፃ ነፃ፣ ፍትሓውን ዴሞክራስያውን ምንባሩ ዘረጋግፅ እዩ።  


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010