የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595475
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1836
2526
6962
4567652
33440
77308
4595475

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:53

አርካይቭ

ብስም ምግባረ ሰናይ ድምፂ ህዝቢ ዝተመነዩ በዓል ፀጋ!

here we go
selam new

 እዛ ሃገር ካብ ዘፍረየቶም ሰብ ፀጋታት ሓደ ምዃኖም እዩ ዝዝረብ፡፡ ኣይተ ዳዊት ገብረእግዚኣብሄር ፡፡ኣይተ ዳዊት ኣብዚ ሰሙን ንህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ትግራይን /ብኣፀዋውዓ ኣይተ ዳዊት ወያነ/

ኣመልኪቶም ብርክት ዝበሉ ርኢቶታት ንዝተፈላለዩ ውልቀ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምሃቦም ስዒቡ ትኹረት እዚ ሰሙን ካብ ዝረኸቡ ጉዳያት ነይሮም እንተበልና ምግናን ኣይከውንን፡፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ትግራዋይ ብዛዕባ ትግራይ ካብ ዝበሃል ነገር ምስማዕ ዝዓቢ ውራይ ስለዘይብሉ ብትኹረት እዩ ተኸታቲልዎ፡፡

ኣይተ ዳዊት ቅድም ክብል ንጋዜጣ ሪፖርተር፣ ንመፅሄት ውራይናን ዝሃብዎም ርኢቶታት ኣንቢበ ነይረ፡፡ ኣብቲ እዋን ክንድቲ ናይ ሕዚ መደቡ ዘፍለጠ ሓሳብ ስለዘይሃቡ መደምደምታ ንምሃቡ ምችው ኣይነበረን፡፡ ብፍላይ ምስ ኣብ ዙርያ ሕቶ ኢንቨስትመንት ዘቕረብዎ ሓሳብ ከምቲ ንገለገለኤና በብደረጅኡ ዘጋጥሙና ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ኣጋጢምዎም ክኸውን ስለዝኽእልን ምስቲ ንብርክት ዝበለ እዋን ኣብ ዝሓሸ ግልጋሎት ዝወሃበሉ ወፃኢ ሃገር ምፅንሖምን ተኣሳሲሩ ብውልቀይ እዞም ሰብ እዚኦም ከማርሩ ሓቆም እዮም ዝብል እምነት እዩ ነይሩኒ፡፡

እቲ ብስም ምግባረ ሰናይ “ሃፍተይ ንህዝቢ ከፍስስ ደልየስ ተኸልኪለ” ወዘተ ዝበልዎ እኳ ካብ ብጒሓቱ ንምእማኑ ተፀጊመ እየ ነይረ፡፡ ሕዚ ግን "ካብ እኽልስ ሰብ ይስፈር” ከምዝብልዎ ወለድና ኣይተ ዳዊት ብዙሕ ምስተዛረቡስ እቲ ባህጎም እንታይ ምዃኑ ንምርድኡ ኣይተፀገምኩን፡፡ እስኪ ዘረባ ኣይተ ዳዊት ሓደ ብሓደ ንረኣዮ እሞ፣ ነናይ ባዕልና መደምደምታ ነቐምጥ፡፡

በቲ ኣይተ ዳዊት ግብረ ሰናይ እናበሉ ዝፅውዕዎ ስራሕ ንጀምር፡፡ ብግብረ ሰናይ ንዝስራሕ ስራሕ ዝኾነ ገንዘብ ወይ ከዓ ምስጋና ከይተፀበኻ ብነፃ ኣገልግሎት ምሃብ ማለት እዩ፡፡ ብዝሃብናዮ መጠን እቲ ተቐባሊ ካባይ እንታይ ይደሊ ኢልና ብምሕሳብ፣ እንደገና ተመሊሱ ናባና ዝመፀሉ መንገዲ ኣመቻቺና እንተሂብናዮ ኣብ ውሽጥና ነዚ ግለ ሰብ /ህዝቢ/ ኣብ ቁፅፅርና ናይ ምውዓል ባህጊ ኣለና ማለት እዩ፡፡ "ዓሳ በብእዋኑ ንዝልምነካ ሰብ፣ ዓሳ ካብ ምሃብ ዓሳ ከመይ ከምዝፅመድ ኣምህሮ” እንድዩ ዝብሃል፡፡ ስለዚ ውህብቶ እንትንህብ ባዕሉ ክኢሉ ምእንታን ክነብር ኢና ክንህብ ዝግበኣና፡፡ ኣብ ዘዝፀገመካ እናተመላለስካ ናባይ ንዓ እንብሎ እንተኾይንና ግን እዚ ሰናይ ተግባር እንተይኮነስ መፃወድያ ይበሃል፡፡

ኣይተ ዳዊት ኣብ ትግራይ ናይ ትግራይ ታሪኽ፣ ባህልን ቋንቋን ዝፅነዐሉ ማእኸል ንምኽፋት ምሕሳቦም ባዕሉ ዓብይ ነገር እዩ፡፡ ኣነ ብወገነይ እዚ ምስ ሰማዕኹ ኣዝየ ተሓጕሰ ነይረ፡፡ ይኹን እምበር መልክዕ ኣየትሓዝዎን፡፡ ካብ ኩሎም ምስ ኣይተ ዳዊት ዝተገበሩ ቃለ መሕትት ከምዝተዓዘብክዎ ኣብ ከተማ መቐለ ብስም ግብረ ሰናይ ዋንነቱ ንህዝቢ ዝኸውን ናይ መናእሰይ መዘናግዒ ማእኸል ክኸፍቱ ሓቲቶም፡፡ ነዚ ዝውዕል መሬት  ድማ ኣብ ዝመረፅዎ ተዋሂብዎም፡፡ ኣብዚ ሞንጎ እዚ እዩ ኣይተ ዳዊት ብሃፍተይ ዝስራሕ ማእኸል ዋንነቱ ብሽመይ እዩ ዝኸውን ዝብሉ ዘለው፡፡ ዋንነቱ ብሽም ኣይተ ዳዊት ዝመሓደር ማእኸል ግብረ ሰናይ፡፡ እንተደልዮም ዝህቡና፣ እንተደልዮም ድማ ዝኸልኡና፡፡

ኣይተ ዳዊት ነዚ ማእኸል ባዕሎም ድኣ ማእኸል ግብረ ሰናይ ዝብል ሽም ይሃብዎ እምበር እቲ ሓቂ ግን ኣብዚ ሰሙን ምስ ዓይጋ ፎሮም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ- መሕትት ተጋሂዱ እዩ፡፡ 80 ሚልዮን ዘፍሰስኩሉ ሃፍቲ ዋንነቱ ንኻልእ ክኸውን ኣይፈቅድን፡፡ ክሳብ ዘለኹ ባዕለይ ይጥቀመሉ፣ ደሓር ድማ ህዝቢ ትግራይ ይወርሶ” ኢሎምና እዮም፡፡ እሞ ዝኸውን እባ ኣይተ ዳዊት፣ ከምዚ ዝበሃል ግብረ ሰናይ ምናልባት ንስኹም ኣብ ካልእ ሃገር እትፈልጥዎ እንተሃልዩ እምበር ኣነ ብወገነይ ኣይፈልጥን፡፡

 ኣይተ ዳዊት ሕቶ ኢንቨስትመንት ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣቕሪቦም፣ መሬት ተዋሂብዎም፣  እቲ ዝብልዎ ማእኸል መዘናግዒ መናእሰይ እኮ ዋንነቱ ብስሞም ጌሮም ምስራሕ ይኽእሉ እዮም፡፡ እዚ ተግባር እውን ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ኣይተ ዳዊት ብመልክዕ ግብረ ሰናይ እንተሰሪሖም ጥራሕ ኣይኮነን ህዝቢ ትግራይ ዝርባሕ፡፡ ይኹን እምበር  ኣብ መንጎ ክልቲአን ደው ኢሎም ህዝብን መንግስትን ንምቅሕሓር ዝተልዓሉ እዮም ዝመስሉ፡፡ ሰበብ ፈጢርካ “ህዝቢ ክጠቅም እንተበልኩ መራሕቲ ወያነ ከሊሎምኒ” ንምባል፡፡ ስውር ዕላማ ምዃኑ እዩ፡፡ኣብ ከተማ ኣክሱም ፣ ሕቶ ምግባረ ሰናይ ይኹን ሕቶ ኢንቨስትመንት ከምዘይ ኣቕረብኩም ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ እንትወሃብ ሰሚዕና ኣለና፡፡ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዘሎ ጉዳይ እውን ኣፍፃፅምኡ ካብ ስርዓት ወፃኢ ምኻኑ እዩ ዝፍለጥ፡፡ ስለዚ ኩሉ ስራሕኩም ካበ ቅንዕና ዝብገስ ኣይኮነን፡፡

  መራሕቲ ህወሓት እንታይ ስለዝኾነ እዮም ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ተግባር ሒዙ ንዝመፀ ሰብ ምቕባል ዝኣብይዎ? ኣሸንባይ ዶ ንኣይተ ዳዊት ውላድ እቲ ህዝብን በዓል ዋና እቲ ስርዓትንስ፣ መራሕትና ፈቐዶ ኣውሮፓ እናለመኑ ዶ ኣይኮኑን ስርናይ ዘምፅኡ ዝነበሩ፡፡ ሕዝስ እንተኾነ ናብ ዝትፈላለዩ ሃገራት እናኸዱ፣ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት እናዓደሙ ሰብ ሃፍቲ ንክስሕቡ ላዕልን ታሕትን እንትብሉ እንዶ ንርኢ ኣየለናን፡፡ ብስሩኸ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘተ መዓልቲ ድያስፖራ /ኣብ ኣዲስ ኣበባ/ መራሕቲ ህወሓት ዶ ኣይኮኑን ንኽብሮምን ሓላፍነቶምን ከይተጨነቑ፣ ምእንተ ሃገር ክብሉ ኣብ መድረኽ ደው ኢሎም ግጥሚ ዘንብቡ፣ ዝደርፉ ዝነበሩ?ኣይተ ዳዊት፣ ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብዚ ሃገር ኢንቨስት ዝገበርኩም ፈላማይ ሰብ ንስኹም ኣይኮንኩምን፡፡  ዘረባኹም መትሓዝን መጨበጥን የብሉን፡፡ ስቕ ኢሉ ነበረያ ነበረ ኮይኑ፡፡

  ስራሕቲ ኢንቨስትመንትኹም እንትንርኢ ድማ ቅድሚያ ዝጥቀስ ራያ ቢራ እዩ፡፡ እዚ ፋብሪካ ኣብ ናይ ህዝብን መንግስትን ቦታ ዶ ኣይኮነን ተተኺሉ ዘሎ? ራያ ቢራ እንትትከል መራሕቲ ወያነ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን ኢልኩም ኣለኹም፡፡ መን ድኣ ሂብኩም? ኣነ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ይከታተሎ ከምዝነበርኩ እንተኾይኑ ግን መንግስቲ ዝምልከቶ ሓገዝ እዩ ገይሩ፡፡ ህዝቢ እውን ብተመሳሳሊ፡፡ እዚ ፋብሪካ እንትምረቕ ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኢህወዲግ ተረኺቦም እንትምርቕዎ እየ ዝተዓዘብኩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ድማ ኢንቨስትመንትኹም ኣብ ልምዓትና ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ስለዝተገንዘበ ብባህጊ እዩ ተቐቢልዎ፡፡ ኣይተ ዳዊት ግን ነቲ ህዝቢ ዝግባእ ክብሪ ኣይሃቡን፡፡ ዓሰርተ ግዜ ምእንተ እቲ ፅጉም ህዝቢ ምባል ንምንታይ የድሊ? ህዝቢ ትግራይ ፅጉም ኣይኮነን፡፡ ኣሽምባይ ዶ ሎሚ እንተነኣሰ ፆሙ ዘይሓድረሉ ኩነታት ተፈጢሩስ፣ እቲ ቐደም ብሰንኪ እቶም ኣይተ ዳዊት ዝንኣድዎም ገዛእቲ ደርብታት ብጥምየት እናረገፈ እውን ንኸብዱ ሰርደብደብ ኢሉ ኣይፈልጥን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ኣይተ ዳዊት  ቅድሚ 25 ዓመት ናይ ውልቀይ ጀልባ ነይራትኒ፣ ካብ ኣልማዝን ወርቅን ዝተሰርሐ ሰዓት ነይሩኒወዘተእናበለ እዩ ዘይጅሃር እምበር ብኽብሩ ንዝመፆስ ኣይፈቱን፡፡ ኣብ መሬት ትግራይ ህይወት ዝተኸፈለሎም ዓውደ ውግኣት ዳርጋ ኩሎም እኮ ምእንተ ክብሪ ሃገርን ህዝብን እዮም፡፡ ስለዚ ነዚ ክብሩ ዝትንክፍ ኣዘራርባ ዝቕበል ዓቕሊ ክህልዎ ኣይኽእልን፡፡ ካብ ድኽነትን ፀገምን ነፃ ንምውፃእ ዝተሓነፀፀ መስመርና ኣንፀባረቕቲ ዓወታት እናመዝገበ እዩ፡፡ ቀፃሊ ጉዕዞና ድማ ካብዚ ንላዕሊ ኣንፀባራቒ ምዃኑ ብልቢ ምስትብሃል የድሊ፡፡   

ካብዚ ብተወሳኺ ግን ኣይተ ዳዊት፣ ምስ ዝመሰልኹም ሰባት ብምዃን ንኩባንያ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ሕቶ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ኣቕሪብኩም ኣብ ጎልጎል ራያ 900 ሄክታር መሬት ኣብ 2006 ዓ.ም ከም ዝተወሃበኩም እውን ኣፍልጦ ኣለኒ፡፡ እዚኸ መን ድኣ ሂብኩም? እዚ እናፈለጥኩም ክትርድእዎ ዘይትደልዩ ኮይንኩም እምበር መንግስቲ ትግራይ እዩ ሂብኩም፡፡ እዚ ድማ ንኣይተ ዳዊት ሓልዩ ዘይኮነስ እዚ ኩባንያ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ለውጢ ከምፅእ ይኽእል እዩ ኢሉ ስለዝሓሰበ ጥራሕ እዩ፡፡

ይኹን እምበር ኣይተ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ክትዛረቡ ኣይደለኹምን፡፡ መሬትኩም ምስ ሓዝኩም ስራሕ እውን ኣይጀመርኩምን፡፡ ሕዚ ኩሉ ኣጀንዳኹም ናብ ዘረባ ዝቐየርኩም ትመስሉ፡፡ ከምዚ ምግባርኩም ሓጥያት የብሉን፡፡ ዕግበት ብገንዘብ ጥራሕ ስለዘይርከብ ኣብ ፖለቲካ መዳይ እውን ክትሳተፉ መሰልኩም እዩ፡፡ ግን ከዓ ብሰበብ ኣስባብ ክኸውን የብሉን፡፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝረብሕ ኣማራፂ ኣለኒ ዝበለ ሰብ ብግልፂ ኣማራፂኡ ሒዙ ክቐርብ ሕገ-መንግስቲ ፈቒድሉ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ድማ ዝሓሸ እዩ ዝደሊ፡፡ ከም እምነት ኣይተ ዳዊት ወያነን ህዝቢ ትግራይን  ሓደ ስለዝኾኑ ወያነ ንህዝቢ ትግራይ እንተዘይረቢሑ ኣብ ቆርበት ወያነ ተጣቢቑ ክነብር ኣይደልን፡፡ ሕዚ ወያነን ህዝቢ ትግራይን ሓደ ዝኾኑ ዘለዉ ፣ ወያነ ንህዝቢ ትግራይ ስለ ዝረብሕ ጥራሕ እዩ፡፡

ኣይተ ዳዊት፣ ምናልባት ንስኹምን ውሕዳት ከማኹም ዝበሉን ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለስላሴ እናተምሃርኩም ፀባ ይወሃበኩም ይነብር ይኸውን፡፡ እቲ ዝበዝሕ ገባርን ወዲ ገባርን ትግራዋይን ግን ኣሽምባይ ዶ ቤት-ትምህርቲ ከይዱ ፀባ ክሰትስ መገዛ እቲ ረሃፁ እናፈሰሰ ዝሰርሖ ነታ ዕለታዊ ምግቡ እውን ካብ ኢድ መሳፍንትን ጭቃ ዓድን እዩ ዝሕርጎት ነይሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋን ሃይለስላሴ ይሕሾ ነይሩ ምባል ሕንከት ዘይብሉ ፍፁም ድፍረት እዩ፡፡ ክሕደት ቃልሲ ህዝቢ የመላኽት፡፡

ቤንጃሚን ፍራንክሊን ዝተብሃለ በዓል ሞያ ስነ ልቦና ነገራት ብትኽክለኛ መንገዲ ንምስትውዓል ክትምሃር ፍቓደኛ  ዘይምዃን ካብ መሃይምነት ንላዕሊ የሕፍር ይብል፡፡ ትኽክል እዩ፡፡ መሃይምነት ባዕሉ ስሕተት ኣይኮነን፣ ዕድመኻ ምሉእ ዘይምብሳልን ህልዊ ኩነታት ክትግንዘብ ዘይምፍታንን ግን ድንቁርና እዩ፡፡

ንህወሓት ክግምግም መልሓሱ ዝሰሓለ ሰብ ንደርጊ ከመይ ይንእድ ስርዓት ደርጊ ሰብ ዝቐትል ፋሽሽታዊ ባህሪ ኣይነበሮን፡፡ ደርጊ ንህዝቢ ትግራይ ዝጨፍጨፎ ስለ ዝተቓወሞ እዩ ምባል ካብ ድንቁርና ሓሊፉ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል? እቶም ኩሎም ሰበ ሰልጣን ሃይለስላሴ ብደርጊ ኣብ ሓንቲ ለይቲ እንትርሸኑ ስለ ዝተቓወሙ ድዩ? እዚ ኩሉ መንእሰይ ትግራይ ፈቖዶ ፅርግያ እንትቕንፀል፣ ህዝቢ ትግራይ ብጅምላ እንትጭፍጨፍ ተቓውሞ ስለዘልዓለ ድዩ? ንመንግስቲ ክትቃወም ትሓስብ ኣለኻ እናተብሃለ ሰብ ኣይቕተልን ነይሩ? ህዝቢ ትግራይ ምስ መረሮ ዶ ኣይኮነን ኣንፃር ደርጊ ዝተሰለፈ፡፡ ናይዚ ምስክር እኮ እዩ ምሉእ ስድራ ኣይተ ዳዊት ገብረእግዚኣብሄር እውን ኣካል እቲ ቃልሲ ህዝቢ ኮይኑ ታሪኽ ዝሰርሐ፡፡

ኣይተ ዳዊት፣“ ምግዳል ማለት ብረት ምሻካም ጥራሕ ኣይኮነን” እንትብሉ ድፍረት ዶ ኣይኮነን እዩ? እቶም ብእግሮም ፈንጂ እናፀረጉ ቅያ ዝሰርሑ ጃጋኑ ተጋደልቲ ብተሸከምቲ ብረት ድዮም ዝግለፁ? ተጋዳላይ ህወሓት ማለት ብረትን ጋምባለን እዩ፡፡ ግን ድማ ብረትን ገምባለን ጥራሕ ዘይምዃኑ ይትረፍ ኣይተ ዳዊት ካልእ እውን ይፈልጦ፡፡ እቲ ካልእ ዘይንቡር ዘረባ ኣይተ ዳዊት  ኣብ እዋን ሃይለስላሴ ንሕና እንትንመሃር፣ ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ብእንግሊዝኛ ኮምፖዚሽን ንፅሕፍ ነይርና፣ ሐዚ ግን ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝተምሃሩ እዚ ክገብሩ ኣይኽእሉን ምባል ንዕቐት ዶ ኣይኮነን እዩ? ታሪኽ ይሰርሕ ንዘሎ ወለዶ ምቑንፃብ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ ካብ ምዃን ወፃኢ ካልእ ትርፊ የብሉን፡፡

ብኣይተ ዳዊት ምስ ዕቤት ትግራይ ተተሓሒዙ ዝቐረበ ሓሳብ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንዘየሎ ወይ እውን ብዛዕባ ትግራይ ፈፂሙ ሓበሬታ ንዘይብሉ ሰብ ከደናግር ይኽእል ይኸውን፡፡ኣነ ከምዘለኒ ኣፍልጦ እንትኾይኑ ግን ከምቲ ንሶም ዘፀልመትዎ ኣይኮነን¿ ብርግፅ ኣብ ትግራይ ዝተሰርሐ ስራሕ እኹል ኣይኮነን ክበሃል ይኽእል፣ ጉድለታት ኣለዉ፣ ብዝብል ይስማዕማዕ እየ፡፡ ንኣብነት ኣብ ትግራይ ዝበለፀ በዝሒ ናይ መናእሰይ ደኣንት  ውዳበ ኣሎ፡፡ ነዚ ውዳበ ደኣንት ብዝግባእ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እናቐረበ ትግራይ ካብ ዝኾነ ክልል ንላዕሊ ማእኸል ኢንቨስትመንት ምግባር ምተኽኣለ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ዝተሰርሐ ስራሕ ውሑድ እዩ፡፡ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር እውን ፀገም ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ናይ ቀፃሊ ቁልፊ ተገባር ተገይሩ መፍትሒ እንተዘይ ተቐሚጥሉ ነቲ ዘሎ ልምዓት እውን ሓደጋ ካብ ምፍጣር ዓዲ ስለዘይውዕል ብዝግባእ ተገምጊሙ ኣንፈት ተነፂርሉ እዩ፡፡

ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ንምሕዋይ ዝተሰርሐ ስራሕ ኣይተ ዳዊት ኣፍልጦ የብሎሙን እምበር ህዝብን መንግስትን ትግራይ ክኾርዐሎም ካብ ዝግባእ ስራሕ ብቕድሚት ዝጥቀስ እዩ፡፡ ብጭቡጥ ምድረ በዳ ኮይና ዝነበረት ትግራይ ናብ ሓምለዋይ ትቕየር ኣላ እያ፡፡ ናይዚ ውፅኢት ድማ መስከረም ማይ ሓሊፍዎም ዘይፈልጥ ዝነበሩ ብዙሓት ሩባታትና ምሉእ ዓመት ይውሕዙ ኣለዉ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ቁፅሮም ዘይንዓቕ ሓረስቶት ክልልና ኣብ ዓመት ክልተ ሰለስተ ግዜ ምህርቲ ይሓፍሱ ኣለዉ፡፡

 ኣብዚ መንግስቲ ትግራይ ዘይሰርሖ ኢለ ዝሓስብ ዋላ እኳ እቶት ምህርቲ ክልልና እንተዓበየ ስርዓት ሕርሻና ግን ሐዚ እውን ካብ ተፈጥሮ ዝናብ ብምሉእነት ዘይተናገፈ እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ዘሎ ናይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ስራሕቲ ዝያዳ ብምጥንኻር ማይ ከርሰ ምድሪ ክበዝሕ ምግባር የድሊ፡፡ከም መማረፂ ድማ  ዓበይቲ ግድባት እናተገደቡ ድርቂ ዝፃወር ስርዓት ሕርሻ ክፍጠር ኣለዎ በሃላይ እየ፡፡ ትግራይ ዓዲ እምኒ እያ፤ ንሕርሻ ኣይትኸውንን ዝብል እምነት ኣይተ ዳዊት ግን ካብቶም ዝንእድዎም ትምክሕተኛ ስርዓታት ዝወርስዎ ኣገላልፃ ኮይኑ እዩ እምበር፣ ትግራይስ ዓዲ ጣፍ፣ ስርናይ፣ ምሸላ፣ ሰሊጥ ወዘተ እያ፡፡ እዚ ስለዝኾነ እዩ ድማ ልዕሊ 38 ሚልዮን ኩንታል ዓመታዊ እቶት ብምርካብ ከም ክልል ብምግቢ ዓርስና ክኢልና ዘለና፡፡

ኣብ ምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት ኣይተ ዳዊት ዝሃብዎ ርኢቶ ምስ ኣድጊያ ዝወዓለ ዝራብዕስ ከምዝበሃል ምንም ከም ዘይፈልጡ ኩሉ ክሒደምዎ፡፡  ንሶም እውን ከም መሰተኦም ኣብ ትካላት ትእምት ዓይኖም ደም መሊኡ እምበር እዘን ትካላትናስ ፅላል ኢንቨስትመንት ትግራይ እየን፡፡ ብመሰረቱ ግና ኣብ ትግራይ ናይ ትእምት ትካላት ጥራሕ ኣይኮናን ዘለዋ፡፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እኳ እንተርኢናስ፣ ሽዱሽተ ናይ ወፃኢ ዓበይቲ ፋብሪካታት ኣብ ቀረባ እዋን ምህርቲ ምፍራይ ከምዝጅምሩ ይፍለጥ እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ካብ 250 ሚልዮን ክሳብ 800 ሚልዮን ካፒታል ዘለዎም ልዕሊ ሽዱሽተ ናይ ውሽጢ ዓዲ ኢንቨስተራት እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ቀረባ እዋን ምህርቲ ምፍራይ ከምዝጅምሩ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ እንትግለፅ ተኸታቲልና ኢና፡፡ እዚኦም ኩሎም ተደማሚሮም ኣብ ክልልና ክፈጥርዎ ዝኽእሉ ዓቕምን ናይ ስራሕ ዕድልን ምግማት ይከኣል እዩ፡፡ እዚ ኣብ ካልኦት ክልላት ካብ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝበለፀ ምዃኑ ኣይተ ዳዊት ኣይጠፍአኩምን፡፡

ኣይተ ዳዊት ኣብ መወዳእታ ግን ሓንቲ ነገር ከማኽረኩም፡፡እቲ “ህዝቢ ትግራይ ጅግና ኣይኮነን ዝዓይነቱ ሓሳብኩምን ንመናእሰይ ትግራይ ድማ “ወይ ክብ ወይ ግብ” ብምባል ዝፈነኹምዎ ናይ ዕንወት ፃዊዕትኩም ንኩነታት ጥዕናኹም እውን ኣብ ሕቶ ኣእትዩ እዩ፡፡ ይኹን እምበር፣ ሕዚ እውን ክልተ ኣማራፂ ዘለኩም ይመስለኒ ፡፡ ብመጀመርያ ካብቲ ኣንፀላልይኩም ዘሎ ኳኲቶ ኣተሓሳስባ ተላቒቕኩም፣ ልምዓታዊ ኣተሓሳስባ ሒዝኩም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ፀረ ድኽነት ቃልሲ ብቕንዕና እጃምኩም ምፅዋት፡፡ እንተዘይ ኮይኑ ድማ እቲ ዝጀመርክምዎ ሰበብ ብስም ምግባረ ሰናይ ፣ ናይ ወፃኢ ኒዮ ሊብራል ሓይልታት እውን እዚ ክንህበኩምስ እዚ ግበሩ ኢሎምና ኣይኮነሎምን፡፡ እቲ ዘሎን ዘየሎን እናፈሓርካ ንህወሓት ፀለሎ ናይ ምልካይ ፍልስፍና እውን ካብ ናሃትኩም ዝበልሕ መልሓስ ዝወነኑ ፀረ ሰላምን ልምዓትን ውድባት ፖለቲካ ሃገርና  ቅድሜኹም ፈቲኖምዎስ ኣይተሳኸዐሎምን፡፡ ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ካልእ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተሃልይኩም ብግልፂ ኣማራፂኻ ሒዝካ ናብ ውድድር ምቕራብ ይክኣል እዩ፡፡ ሃፍትኹም ብስም ምግባረ ሰናይ ኣብ ቅኑዕ ተግባር ንምውዓል ድልየት እንተሃልዩ ድማ ቅድሚ ኩሉ ሕጊ እዛ ሃገር ኣኽቢርካ ስለዝኽይድ ዝኾነ ቅሬታ ክሓድረኩም ኣይግባእን፡፡ ካብዚ ወፃኢ ኣደናጊርካን ንቓልሲ ህዝቢ ትገራይ ጠቐር ከዲንካን ድምፂ ህዝቢ ክትረክብ ምምናይ ግን ዕሽነት እዩ በሃላይ እየ፡፡

                  ዓወት ንመበል 12 ጉባኤ ህወሓት!!  


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010