የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595506
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1867
2526
6993
4567652
33471
77308
4595506

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:58

አርካይቭ

ፀጋታት ድሕሪ ገዛ

here we go
selam new

                                  ፃዕርን ድኻምን ዘይሓትት ተጠቃምነት የለን

መሰረታዊ ሃፍቲ ሓደ ሃገር ተባሂሎም ካብ ዝፅውዑ ተፈጥራዊ ፀጋታት መሬት፣ ጉልበት ሰብን ካፒታልን ተባሂሎም ኣብ ቅድሚት ይስርዑ። ኣብተን ዝማዕበላ ዓድታት እቲ ዝለዓለ ሃፍቲ ካፒታል ብምዃኑ ውሱን ጉልበት ሰብን መሬትን ዝሓትት ቴክኖሎጂ ተጠቒመን ኣብ ምህዋር ቁጠባ ብምሕምባስ ብብርኪ ዓለም ልዕልነአን እናረጋገፃ ይርከባ። ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ግን እቲ ኩነታት ብግልባጡ እዩ። ውሒድ ካፒታል ስለዝውንና ነቲ ዝርካበን ጉልበት ሰብን መሬትን ኣብ ረብሓ እንተውዕላ እዩ ዝርአ። ስለ ዝኾነ እውን ንፀጋታተን መሰረት ገይረን (ውሑድ ካፒታል፣ ልዑል ጉልበትን ሰፊሕ መሬትን ዘጥቅም ኣሰራርሓ ተኸቲለን) ከም ዝንቀሳቐሳ ወይ እውን ክንቀሳቐሳ ከምዝግደዳ ክልስ ሓሳብ መፅሄት ኢህወዴግ ኣዲስ ራእይ ቅፅ ሓሙሽተ ቁፅሪ ሸሞንተ ሒዝዎ ዝወፀ ትሕዝቶ የረድእ።  

እዚ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነስ ገዛኢ ምኽንያት ስለዝኾነ እውን እዩ። ዝነኣሰ ካፒታል ዘለወን ሃገራት ፈተዋ ፀልኣ ኣብቲ ልዑል ዓቕሚ ዝኾነ መሬትን ጉልበት ሰብን መሰረት ገይረን ክንቀሳቐሳ ግድን እዩ። ብፍላይ ከም ሃገርና ዝበላ መፍረያይ ሓይሊ ዝኾነ በዝሒ መንእሰይ ዘለወን ሃገራት ነቲ ጉልበት መንእሰይ ናብ ረብሓ ዝልውጥ ፖሊሲ ሓንፂፀን ክንቀሳቐሳ ኣማራፂ ዘይብሉ ልምዓታዊ ኣንፈት እዩ። እቲ ምንታይ ጉልበት መንእሰይ ብኣግባቡ እንተተጠቒምካሉ ዓወት ዝሕፈሰሉ እንተዘይኮይኑ ድማ ዕንወት ምዃኑ ስለ ዝፍለጥ። ስለ ዝኾነ እውን  መንግስቲ ነቲ መዘውር ቁጠባ ዝኾነ ጉልበት መንእሰይ ኣብ ልምዓት ንምውዓል ተጠቃምነት መናእሰይ ዘረጋግፅ ንፁር ፖሊስን ስትራተጅን ብምድላው እዛ ሃገር ካብቲ ዝነበረቶ ዓሚይቕ ድኽነት ንኽትወፅእ እናፀዓረ ዝርከብ። ከምውፅኢቱ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ንፁር ፖሊስን ስትራተጅን እናተበገሱ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ብዙሓት ኣብነታውያን መናእሰይ ይበራኸቱ ኣለዉ። ካብዚኦም ሓደ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን ዝርከቡ ወነንቲ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፃባን ውፅኢት ፀባን ኣስመላሽን ተክኤንን  ተጠቀስቲ እዮም።

መንእሰይ ኣስመላሽ ሓጐስ ኣብ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ጣብያ አምበሰተ ፍቓዳ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። መንእሰይ   ተክኤን ገብረመድህን ድማ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማይ መኽደን ተወሊዳ ዓብያ። እዞም መናእሰይ ክልቲኦም ኣብ ወለዶም ብዝነበሮም ፀገም ናብራ ንትምህርቶም እኹል ግዜ ሂቦም ከምዘይተምሃሩ እዮም ዝገልፁ። ካብ ንትምህርቲ ዝህብዎ ግዜ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስራሕቲ እናሰርሑ ንወለዶም ዝህብዎ ዝነበሩ ሓገዝ ከምዝዛይድ እዮም ዝዛረቡ። ብምዃኑ እውን ኣስመላሽ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ትምህርቱ ቀፂሉ ኣብ መወዳእታ ትሑት ነጥቢ እንትመፀሉ ተኪኤን ድማ ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ትምህርታ ኣቋሪፃ ወለዳ ናብ ምሕጋዝ ተዋፊራ። ኣስመላሽ እውን ናብ ከተማ መቐለ መፂኡ ኣብ ሓደ እንዳ ጋራጅ ተቖፂሩ ስራሕ ጀሚሩ። ኢዱ ክሳብ ዘፅሪ ውልቃዊ ናይ ቀለብ ወፃኢታቱ እናተሸፈነሉ ስራሕ ዝጀመረ ኣስመላሽ ነቲ ስራሕ ምስ ለመዶ ግን ከምቲ ዝሓሰቦ ብዝሰርሖ መሰረት ብመዓልቲ ካብ 150 ክሳብ 200 ብር እናተኸፈሎ ስራሕ ጀሚሩ። በዚ ኣቢሉ ድማ ካብ ንባዕሉ ሓሊፉ ንወለዱ እውን ምሕጋዝ ጀሚሩ።

መንእሰይ ተኪኤን ገብረመድህን እውን ዕድመአ እናወሰኸ ብኡ ልክዕ እውን ኣማራፅታት ስራሕ እናተገንዘበት ስለዝመፀት ዝሐሸ ስራሕ ንምርካብ ኣብ 2000 ዓ/ም ካብ ማይ መኽደን ናብ ከተማ መቐለ ኣትያ።  ኣብ ማይ መኽደን ኮይና ደርሁን እንቋቁሖን እናሸጠት ብዘዋህለለተን ከባቢ 2000 ብር ገይራ ድማ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ከባቢ “ኤስ ኦ ኤስ” ኣብ ሓደ ፀግዒ ገዛ ዳስ ተኺላ እንዳ ሸሂ ከፊታ። ኣብዚ ኩነታት እዮም እምበአር እቶም ህይወት ንምሽናፍ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ መናእሰይ ኣስመላሽን ተኪኤንን ዝተፋለጡ።

ኣስመላሽ ኣብቲ እዋን ካባቢ 8000 ብር ዓቝሩ ነይሩ። መንእሰይ ተኪኤን ብወገና 4000 ብር ነይረንኣ። እዚአን ኣጋጢሞም ብሓባር ክሰርሑ ወሲኖም።  ድሕሪ እዚ ድማ ኣብ 2002 ዓ/ም ኣብ ፀባን ውፅኢት ፀባን እትነጥፍ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ክትህልዎም ወሲኖም። እዚ ንምግባር በተን ዝነበረኦም ናይ ክልቲኦም ገንዘብ ብ12 ሽሕ ብር ሓንቲ ላሕሚ ምስ ምራኻ ዓዲጎም። ካብታ ላሕሚ  ብመዓልቲ ከባቢ 15 ሊትሮ እናሓለቡ ድማ ፍርቁ ኣብቲ እናዳ ሻሂ እናፍልሑ ናብ ተጠቀምቶም እንተቕርቡ ካብዚ ዝተርፍ ድማ ንሊትሮ ከከም እዋኑ ካብ 15 ብር ካሳብ 20 ብር እናሸጡ ስርሖም ብትግሃት ቀፂሎምሉ። ከምዚ እናበሉ ረብሓ እቲ ስራሕ ብዝግባእ ስለዝተገነዘብዎ ኣብ 2003 ዓ/ም 20 ሽሕ ብር መዲቦም ሰለስተ በጋይት እንትውስኹ እቲ ለውጢ ብዝበለፀ ንክዓቢ ገይሩዎ። ነዚ ዝረኣየ መንግስቲ ድማ ስራሕቶም ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንክኾን 500 ካሬ ሜትር ንእንስሳት  መንበሪ ዝውዕልን ሓደ ፅማድ ድማ ንቐለብ እተን  እንስሳት ዝኸውን ኣልፋ ኣልፋ ዝዝራእ መሬት ብግዝያውነት ስለ ዝሃቦም ነቲ ኣብ ምዕንባብ ዝነበረ ፃዕሮም ናብ ኣዝዩ ተስፋ ዘለዎ ውፅኢት ኣሰጋጊርዎም።

እኒ ኣስመላሽ ሕዚ ገሊአን ፀባ ዝሕለባ፣ ገሊአን ድማ መላአትን ምራኹትን ሓዊስካ 15 እንስሳት ኣለወኦም። እቲ ኣብ ሓደ ገዛ ተፀጊዖም ዳስ ተኺሎም ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እንዳሸሂ እውን ደረጀኡ ዝሓለወ እንዳ ፀባን ውፅኢት ፀባን ተኻርዮም ምህርቶም ናብ ተጠቀምቶም የብፅሑ ኣለዉ። በዚ ድማ ድምር ካፒታሎም ልዕሊ 800 ሽሐ ብር በፂሑ ኣሎ።

እዞም ወገናት ነቲ ዝፈታተኖም ዝነበረ ሕፅረት ካፒታል ንምፍታሕ ዝጀመርዎ ውዳበ ካልእ መልክዕ እናሓዘ ስለዝመፀን ፍቕርን ምትሕልላይን ስለዝተወሰኾን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰብ ሓዳር ብምዃን ወሊዶም ዘሚዶም ኣለዉ። ቅድሚ ሕብረት ሽርኽና ማሕበር ምጅማሮም ስኡናት ስራሕ ኮይኖም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ መነባብሮ ዝመርሑ ዝነበሩ እቶም መፃምድን ናይ ስራሕ መሻርኽትን ኣብዚ እዋን እዚ መነባብሮኦም ካብ ምምሕያሽ ሓሊፎም መንበሪ ገዛ እውን ናብ ምስራሕ በቒዖም እዮም። ናይዚ ምሽጥር ለውጢ ድማ መሰረቱ ውዳበ እዩ። መንእሰይ ኣስመላሽ ምስ ናይ ሎሚ በዓለቲ ቤቱ  ተክኤን ገ/መድህን ሽርክና ማሕበር ፈጢሩ እንተዘይሰርሕ እቲ ሕዚ ዘለዎ ብርኪ መነባብሮ ክረኽቦ ከም ዘይኽእል እዩ ዝገልፅ። ምኽንያቱ   12 ሽሕ ብር ተለቂሑ ነታ ላሕሚ ንምዕዳግ እንተዝፍትን ቀለብ ስለ ዝሓፅሮ ናብ ሓደጋ ክወድቕ ከምዝነበረ እዩ ዘረድእ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ሓሳብን እቲ ዝሰርሕ ጉልበትን ናይ ክልተ ሰብ ክኾን ከሎ ንምሽፋን ስለዝሕግዝ ብቐሊሉ ከዐውቶም ከምዝኸኣለ እዩ ዘረጋግፅ። መንአሰይ ተኪአን እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ እያ ሂባትና።

እዞም መናእሰይ ጎድና ጎድኒ ምቕራብ ፀባን ውፅኢት ፀባን 200 ሄክታር ብመሬት ተኻርዮም ብመስኖ እውን የልምዑ እዮም። እቲ መሬት ብቐንዱ ንቐለብ እንስሳት ዝውዕል ኣልፋ ኣልፋ ዝዘርእዎ ኮይኖም ሽጉርቲ፣ ድንችን ኮሚደረን እናልምዑ እውን ናብ ዕዳጋ የቕርቡ  እዮም። ካብኡ ሓሊፉ እቲ መስኖ ሰለስተ ሞተራት ብምቅብባል ዝለምዕ ብምዃኑ ኣብ ሓፂር ግዜ ዝበቕሉ ሳዕርታት እናዘርአ እተን ኣላሕም ግቡእ ፀባ ንክህባ ኣኽኢልዎን እዩ።

“ሃፍቲ እንስሳ ይኹን መስኖ ምህርቲ እንሓፍሰሎም ፀጋታት ድሕሪ ገዛ እዮም” ዝብል መንእሰይ ኣስመላሽ፣ ነዚ ሽሻይ ብዝግባእ ዘቋመተ ሰብ ብልዑል ፃዕርን ጥበብን እንተተንቀሳቒሱ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ካብ ድኽነት ኣናጊፉ በዓል ሃፍቲ ዝገብር ኣማራፂ ስራሕ ምዃኑ እዮም እቶም መናእሰይ ዝገልፁ።

“ሳእንኻስ ማዕረ እግርካ” ዝበሃል ምስላ ንኸምዚ ዝበለ ኩነታት እዩ ዝያዳ ዝገልፅ። ዘይማዕበላ ሃገራት ኣብቲ ዝለዓለ ሃፍተን ዝኾነ ጉልበት ሰብን መሬትን ተመስሪተን ቁጠባዊ ለውጢ ከምፅኣ ይግባእ እንትበሃል ብኸምቲ ልዕል ክብል ተገሊፁ ዘሎ መንገዲ ክኽየድ እንተኽኢሉ እዩ። ኣብ ሕድሕድ ምንቅስቓስ ዘጋጥም ሕፅረት ገንዘብ ብውዳበ ክደጋገፉ ብምግባር ከም ዝሰገር እውን ካብቶም ኣብ ላዕሊ እናረኣናዮም ዝመፃና ወገናት እኹል ትምህርቲ ምውሳድ ይከኣል እዩ። እቲ ምንታይ ፀጋታት ሓንቲ ዓዲ ካብ ዝበሃሉ እቶም ቀንዲ ጉልበት ሰብ፣ መሬትን ካፒታልን ብምዃኖም ናብቲ ዘለካ ውሱን ሃፍቲ ኣወሃሂድካ ምስራሕ ግድን ኣድላዪ እዩ። ከም ሃገር ዝለዓለ ሃፍትና መሬትን ጉልበት ሰብን ስለ ዝኾነ ነዚ ብዝግባእ እናተጠቐምና ዝተርፈና ካፒታል ድማ ብልቓሕን ዝተወደቡ ወገናት ነንሕድሕዶም ክደጋገፉ ብምግባርን ዝፍታሕ እዩ።

ናይዚ መርኣዪ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደኣንትን ውሕስነት ምግብን በቢዓመቱ 70 ምኢታዊ ንመናእሰይ ትኹረት ብምሃብ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዝግበር ፃዕርታት ኣሎ። ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣብ 2009 ዓ/ም ንሓሙሽተ ሽሕን 338 ወገናት ቀዋሚ ን2000 ድማ ግዝያዊ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተሓሲቡ ንክልተ ሽሕን 36 ቀዋሚ ንክልተ ሽሕን 437 ድማ ግዝያዊ ዕድል ተፈጢሩ እዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ሓደ ሽሕን 385 ሓደሽቲ ኢንተርፕራይዛት እውን ተጣይሸን እየን። እዚ እንትድመር እቶም ዕድል ስራሕ ዝረከቡ ሓሙሽተ ሽሕን 338 ወገናት እዮም ዝኾኑ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሸውዓተ ሽሕን 338 ወገናት ግዝያውን ቀዋምን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተሓሲቡ ትሕቲ ትልሚ ንሓሙሽተ ሽሕን 858 ወገናት ክፍጠር ዝኸኣለ ኣብ ዘርፊ መፍረያይነት (ማኑፋክቸሪንግ) ዝተሓተ ምንቅሰቓስ ብምህላዉ እዩ።  መንግስቲ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዝፍጠር ምንቕቓሕ ኣብ ግምት ኣእትዩ ሕድሕድ ዝፍጠር ዕድል ስራሕ 35 ምኢታዊ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ፣ 25 ምኢታዊ ኣብ ሕርሻ ከተማ፣ 20 ምኢታዊ ኣብ ኮንስትራክሽን፣ 10 ምኢታዊ ድማ ኣብ ንግድን ግልጋሎትን ንክኸውን ኣንፈት ነፂሩ እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኮንስትራክሽን ማኑፋክቸሪንግን እንትንርኢ ሰፊሕ ክፍተት እዩ ዘለዎ። ብመሰረት እቲ ኣንፈት ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ክዛይድ እናተገብኦ ኮንስትራክሽን 385 ብምምዝጋብ ኣብ ማፋክቸሪንግ ግን 159 እዩ ኮይኑ ዘሎ።

እቲ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ዝተርኣየ ክፍተት ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ ዝተርኣየ ኣይኮነን። መንግስቲ ብደኣንት ዝፍጠር ዕድል ስራሕ ልዕሊ 35 ምኢታዊ ክኾን ኣንፈት ዋላ እንተነፀረ ኣብታ ክፍለ ከተማ ካብ ዘለዋ ኣርባዕተ ሽሕን 868 ኢንተርፕራይዛት ሽፋን ማፋክቸሪንግ 14 ምኢታዊ እዩ ዝሕዝ። እዚ ዝኾነሉ እውን ናይ ኣረኣእያ ክፍተት ከም ዝኾነ እዮም ኣይተ ተክለሃይማኖት ዘረድኡ። ብመሰረቱ መንግስቲ ዜጋታቱ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ክነጥፉ ዝደልየሉ ቀንዲ ምኽንያት ዜጋታት ኣብ ሓፂር እዋን ክልወጥሉ ዘኽእል ዘርፊ ስራሕ ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብ ሓፂር እዋን ለውጢ መነባብሮ ዘመዝግብ እንተኾይኑ ድማ እቲ ዜጋ ካፒታሉ እናዕበየ ንካልኦት ወገናት ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ኣብ ዕብየት ሃገር ናይ ባዕሉ ብፅሒት ስለ ዝዋፃእ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ማኑፋክቸሪንግ ካብ ወፃኢ ዝኣትው ናውትታት ብውሽጢ ዓዲ ብምትካእ ብኽነት ሸርፊ ወፃኢ ዝወሓሰ ኮይኑ ብመልክዕ ዕዳጋ ንብረት ንወፃኢ ዝኸድ ዝነበረ ሃፍቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንክውዕል ዝገብር ስለዝኾነ እዩ።

ረብሓታት ማኑፋክቸሪንግ ክሳብ ክንድኡ ዝዛይዱ እንተኾይኖም ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ ኣብኦም ዘይዓስለሉ ኩነታት እንትንርኢ ድማ ፃዕርን ድኻምን ስለዝሓትት እዩ።  ብፅሬትን ተመጣጣኒ ዋጋን ዕዳጋ እናሰበርካን ሰንሰለት ዕዳጋን ፈጢርካ ዝስራሕ ስራሕ ስለ ዝኾነ ገንዘባዊ ዓቕምን ክእለትን ዝሓትት እዩ። ስለ ዝኾነ ህዝብና ናብቲ ብቐሊሉ ገንዘብ ዝረኽበሉ ንግድን ግልጋሎትን የድህብ ምህላዉ ይፍለጥ። ሃገርና ቅልጡፍ ዕብየት ክተመዝግብ እንተኾይና ግና ኣብዚ ዘርፊ ስራሕ ሰፊሕ ርብርብ የድልየና። ኣብዚ  ለውጢ ንኽነምፅእ ድማ እቲ ኣብ መስርሒ ቦታታት ዘሎ ፀገም መሰረት ልምዓት ብቅልጡፍ ምፍታሕ ይድሊ።     


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010