እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5193322
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
775
3331
20685
5145598
97380
128136
5193322

Your IP: 54.158.219.248
2018-05-25 05:23

አርካይቭ

ትግራይ ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ 469 ሚልዮን ብር ኣወፍያ

here we go
selam new

ወርሒ መጋቢት 2003 ዓ.ም እምነ ሰረት ንዝተቐመጠሉን ኣብ ከይዲ ህንፀት ንዘሎን ዓብይ ግድብ ህዳሰ፣ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ከወፍዮ ቃል ካብ ዝኣተወሉ 543 ሚልዮን ብር ዛጊድ እቲ 469 ሚልዮን ተግባራዊ ዝተገበረ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ተሳትፎ ህዝቢ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣተሓባባሪ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ተሳትፎ ህዝቢ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ክልል ትግራይ ኣይተ ሃይለኪሮስ ጠዓመ ብፍሉይ ንጋዜጣ ወይን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ህዝቢ ትግራይ ንህንፀት እቲ ግድብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ግቡእ ተሳትፎ እናገበረ ከም ዝርከብ ኣረዲኦም። እቲ ተሳትፎ ብፖለቲካዊ መዳዩ ንህንፀት እቲ ግድብ እናገበሮም ዝመፀን ዝገብሮም ዘሎን ሰልፍታት ደገፍ፣ ብዕድጊት ቦንድን ወፈያ ጥረ ገንዘብን ብዓብይኡ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምሕዋይ ዝግለፁ ምዃኖም ኣይተ ሃይለኪሮስ ገሊፆም።

ኣብ 2010 ዓ.ም እውን ንህንፀት ዓብይ ግድብ ብፋይናንስ ንምጥንኻር ማእኸል ብምግባር ካብ ባሕቲ ክሳብ 30 ለካቲት ሽግ ዓብይ ህዳሰ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ፣ 12 ዓበይቲ ከተማታት ከምኡ እውን 18 ማእኸለዎትን ኣናኣሽተይን ከተማታት ክትዘውር ብምግባር 38 ሚልዮን ብር ኣታዊ ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ ምንባሩ እቶም ኣተሓባባሪ ኣመልኪቶም። ኮይኑ ግና ህዝቢ ብዝገበሮ ልዑል ርብርብን ነቲ ግድብ ዘለዎ ድልውነትን ዝወለዶ ልዕሊ ትልሚ 47 ሚልዮን ብር ቃል ተኣትዩ ናብ ባንኪ ኣታዊ እናተገበረ ከም ዝርከብ ገሊፆም። እቲ ቃል ምእታው ብመንፅር ዞባታት እንትርአ፣ ዞባ መቐለ 22 ሚልዮን ብር፣ ዞባ ማእኸል ሸውዓተ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ብር፣ ዞባ ደቡብ ሽዱሽተ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚልዮን ብር፣ ዞባ ምብራቕ ሓሙሽተ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ብር፣ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ሓሙሽተ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ብር፣ ዞባ ምዕራብ ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ብር ከምኡ እውን ዞባ ሰሜን ምዕራብ 165 ሽሕ ብር ምዃኑ መብርሂ እቶም ኣተሓባባሪ የረድእ።

ከምዚ ዝበሉ ስራሕቲ ምትእኽኻብ እቶትን ካልኦት ሜላታትን ብምጥቃም ድማ ከም ክልል ኣብ 2010 ዓ.ም 83 ሚልዮን ብር ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ካብ ህዝቢ ትግራይ ወፈያ ገንዘብን ዕድጊት ቦንድን ኣስተዋፅኦ ንምግባር ሰፊሕ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ኣይተ ሃይለኪሮስ ወሲኾም ገሊፆም። ምስ እዚ ብዝተዛመደ ካብ 10 ክሳብ 17 መጋቢት 2010 ዓ.ም “ቅነ ዕድጊት ቦንድ” ተባሂሉ ብዝተዋደደ ኣገባብ እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ክሳብ ሕዚ ከባቢ 64 ነጥቢ 5 ምኢታዊ በፂሑ ምህላዉን ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህንፀት እቲ ግድብ ብዝሓበረ ቀላፅሙ ካብኡ ዝድለ ኹሉ ይፍፅም ከም ዘሎን ካብ ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገርና ንምግንዛብ ክኢልና ኣለና።  

መድረኻት ብዕምቆት ምህዳስ ውዑይ ቃልሲ ዝፈጠረ ብምንባሩብሩህ መንገዲ ዝሓበረ ምዃኑ ተገሊፁ

ነቲ ከም ውድብ ዝተገምገመ ገምጋም መሰረት ገይሮም ካብ ላዕለዋይ ክሳብ ታሕተዋይ ኣመራርሓ ዝተሳለጡ መድረኻት ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዋዕይ ቃልሲ ዝፈጠሩን መፃኢ ብሩህ መንገዲ ዝሓበሩን ምዃኖም ቤት ፅሕፈት ህወሓት እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካ ከተማታት ዞባ ምብራቕ ኣይተ ኣማኒኤል ገብረእግዚኣብሄር፣ መድረኻት ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ ብመሰረት ብርኪ መሪሕነት ካብ ዞባ ክሳብ ታሕተዋይ ኣመራርሓ ብዝተቐመጠሎም ሰሌዳ ግዘን ኣንፈትን ከም ዝተሳለጡ ገሊፆም። ኣብቶም መድረኻት ዝነበረ ተሳትፎ ዴሞክራስያውነት ዝነበሮ፣ ተሳታፊ ዝመስሎን ዝረኣዮን ነፃ ኮይኑ ሓሳባቱ ዝገለፀሎም ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ኣይተ ኣማኒኤል ኣብ መግለፂኦም፣ “ብኣፈፃፅማ ስርሖምን ጥበብ መሪሕነቶምን ጉድለት ዝነበሮም ኣካላት ኣብ በብ መድረኹ ብዕምቆት እናተገምገሙ መምስ ጉድለቶም ዝምጥን ቅፅዓትን ርኢቶን ክወሃበሎም ተገይሮም እዮም” ኢሎም። ካብዚ ዝብገስ እቶም በብመድረኹ ዝተውሃቡ ቅፅዓታትን ርኢቶታትን ንቐፃሊ መድረኽ መሰረት ብዝኾንሉ ኣንፈት ምንባሮም እውን ኣመልኪቶም።

ከም መርአዪ ካብ ዘቕመጥዎም ቅፅዓታት ሓደ ኣብ ጀማርን ማእኸላይን ኣመራርሓ ዝተወሰደ ስጉምትን ዝተውሃበ ርኢቶን እዩ። ብመሰረት እዚ ቅድሚ ምክያድ መድረኻት ብዕምቆት ምህዳስ ብዝተፈላለዩ ፀገማት ጉድለት መሪሕነት ዝነበሮም 136 ብመጠንቀቕታ፣ 48 ካብ ሓላፍነት ብምሽግሻግ፣ ሰለስተ ካብ ኣባልነት ብምስንባት እንትቕፅዑ ሓደ ድማ ብሕጊ ዘሕትት ጉድለት ዝተረኸቦ ምዃኑ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም። ምስ እዚ ብዝተዛመደ 1,533 ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝርከብኦም 4,983 ታሕተዎት ኣመራርሓ ዞባ ምብራቕ እቶም 763 ብመጠንቀቕታ፣ 288 ካብ ሓላፍነት ብምሽግሻግ ከምኡ እውን ሸሞንተ ካብ ኣባልነት ብምስንባት ዝተቐፅዑን ርኢቶ ዝተውሃበሎምን ምዃኖም እውን ኣመልኪቶም።  

“መድረኽ ጀማርን ማእኸላይን ኣመራርሓ ንመድረኽ ታሕተዎት ኣመራርሓ መሰረት ውዑይ ቃልስን ብሩህ መንገድን ክኸውን ክኢሉ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ኣማኒኤል፣ ነብሲ ወከፍ ኣመራርሓ ዝተሓበርሉ ጉድለታት ብምሉእነት እናወሰደ ህዝቢ ክኽሕስ ድልውነቱ ዘረጋግፀሎም ዘለዉ መድረኻት ከም ዝኾኑ ሓቢሮም።

ነቶም ክሳብ ሕዚ ዝተሳለጡ መድረኻት ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ መሰረት ገይርና ዘዘራረብናዮም ነባሪ ከተማ ዓዲ ግራት መምህር ኣለም ዘርኡ፣ “እቶም መድረኻት ዴሞክራስያውያን፣ ውድብ ንውሽጡ ብዝርዝር ዝርኣየሎምን ሕዚ እውን ብዝተጠናኸረ ኣገባብ ዋዕይ ቃልሲ ዝፈጥሩ ዘለዉን ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ መፃኢ ብሩህ መንገዲ ዝሕብሩ እዮም” ኢሎም። ሲስተር ሰለማዊት ግደይ ብወገነን፣ በብብርኩ ዝነበረ ኣመራርሓ ካብ ህዝባውነት ወፂኡ ምፅንሑ ዝተሳለጡ መድረኻት ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ ከርእዩ ምኽኣሎም ገሊፀን።


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010