እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4812502
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1762
3314
11548
4777565
44763
108196
4812502

Your IP: 107.20.94.6
2018-02-18 05:20

አርካይቭ

ግድብ ምሕፃብ ኣዝማቲ መሊኡ ናብ ተጠቃምነት ኣብ ምስግጋር ከም ዝተደናጎየ ተገሊፁ

here we go
selam new

ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ብቢሮ ሃፍቲ ማይ ክልል ትግራይ ልዕሊ 536 ሚልዮን ብር ወፃኢ ተገይርሉ 2000 ሄክታር መሬት ከልምዕ ብ 2006 ዓ.ም ህንፀቱ ዝተዛዘመ ግድብ ምሕፃብ ኣዝማቲ ናብ ተጠቃምነት ኣብ ምስግጋር ምድንጓዩ ሓረስቶት እቲ ወረዳ ገሊፆም።

ንህንፀት እቲ ግድብ መሬቶም ዝተልዓሎም ሓረስቶት፣ እቲ ግድብ ክሳብ ዝህነፅ ዝግብኦም ካሕሳ ክወስዱ ህንፀቱ ምስ ተዛዘመ

 

ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ግድብ ብመስኖ ዝለምዕ መሬት ክወሃቦም ምርድዳእ ተገይሩ ምንባሩ  ዘዘራረብናዮም ሓረስቶት ሓቢሮም። ይኹን እምበር ኣብ 2006 ዓ.ም ህንፀቱ ዝተዛዘመ ግድብ ምሕፃብ ኣዝማቲ ክሳብ ሕዚ ናብ ተጠቃምነት ከም ዘይተሰጋገረን ቅያር መሬት ዝፅበዩ ሓረስቶት ዛጊድ ናብ ልምዓት ከም ዘይኣተውን ገሊፆም። ናብ ልምዓት ዘይምስግጋሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ካሕሳ ገንዘብ ኣቋሪፁ ብዝብል ምኽንያት ኣብቶም ሓረስቶት ቅርታ ፈጢሩ ከም ዘሎ እውን እቶም ሓረስቶት ኣብሪሆም። ናይቶም ፀገማት መበገሲ ዝተብሃሉ ድማ ሓደ ብኣመራርሓን ሰብ ሞያን እቲ ወረዳ ዝወሃብ ትኹረት ካብ ምንኣስ እንትኸውን ካልኣይ ንልምዓት ወሰንቲ ዝኾኑ መትረባት በቲ ዝድለ ብርክን ፅርየትን ዘይምስርሖም ከም ዝኾነ ተሓቢሩ ኣሎ። ስለ ዝኾነ ምምሕዳር ወረዳ መረብ ለኸ ነቶም ፀገማት ግቡእ ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ከም ዝግባእ እቶም ሓረስቶት ገሊፆም።

 

ነቶም ብሓረስቶት እቲ ከባቢ ዝተልዓሉ ሕቶታትን ሓሳባትን መሰረት ገይርና መብርሂ ንምርካብ ካብ ዘዘራረብናዮም ኣካላት ኣመራርሓ ሓደ ሓላፊ ሓለዋ ስነ-ከባብን ምምሕዳር መሬትን እታ ወረዳ ኣይተ ኣይተ ዘነበ ብርሃነ ከም ዝገለፅዎ፣ ነቲ ግድብ ንምህናፅ ኣብ 2004 ዓ.ም ከባቢ 64 ሄክታር ተሓራሲ መሬት ዝነበሮም 334 ሓረስቶት መሬቶም ተላዒሉ እዩ። “ነዚኣቶም ካሕሳ ገንዘብ እናተውሃበ መፂኡ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ዘነበ፣ ሕዚ እቲ ግድብ ህንፀቱ ተዛዚሙ ስለ ዘሎ ንልምዓት መስኖ ዝኸውን መሬት ኣብ ትሕቲ እቲ ግድብ ክወሃቦም ይስራሕ ምህላው ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ናብ ኢድ ሓረስታይ ዝተውሃበ መሬት ክሳብ ዘይሃለወ ሓረስቶት ዝሓትዎ ዘለዉ ሕቶ ትኽክለኛ ምዃኑ ኣይተ ዘነበ ኣረዲኦም።  እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ? ንዝብል ሕቶ ኣይተ ዘነበ እንትምልሱ፣ ምኽንያት ዝበልዎ ቅድሚ ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ታሕተዋይ መፋስስ ዝተሰርሑ ሓባርን ውልቀን ዒላታት ከምኡ  እውን ዝለምዑ ቀወምቲ ተኽልታት ስለ ዘለው ሽግሽግ ንምክያድ ኣፀገምቲ ኮይኖም ምፅንሖም እዩ።  እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንህንፀት እቲ ግድብ ዝተወሰደ ሓመድ ኣብ ምሕዋይ እውን ምድንጓይ ዝፈጠረ ምዃኑን ብእዋኑ ክፍፀም ዝግባእ ሽግሽግ መሬት ብሰንኪ ብሱል ምሕደራ ዘይምህላው ተዘናጊዑ ምፅንሑን እቶም ሓላፊ ወሲኾም ኣብሪሆም።

ኣብ ትሕቲ እቲ ግድብ መሬት ዝተልዓሎም ሓረስቶት “ማዕረ እቲ ዝተወሰና ስፍሓት መሬት ይወሃበና” ንዝብል ሕቶ ሓረስቶት መብርሂ ዝሃቡ ኣይተ ዘነበ፣ እቲ ሓሳብ ትኽክል ከም ዘይኮነነ ንኹሉ መሬት ዝተልዓለሉ ሓረስታይ ሓደ ፅማድ ስፍሓት ክወሃብ ከም ዝግባእን ኣረዲኦም።

“ግድብ ምሕፃብ ኣዝማቲ ህንፀቱ ኣብ 2006 ዓ.ም ምስ ተዛዘመ ከልምዖ ካብ ዝግባእ 2000 ሄክታር ክሳብ ሕዚ 800 ሄክታር ጥራሕ እዩ ዘልምዕ ዘሎ” ዝበሉ ድማ ኣብታ ወረዳ ኣተሓባባሪ ልምዓታዊ ትልሚ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይ ዝኾኑ ኣይተ ተኽለብርሃን ግደይ እዮም። ንሶም ከም ምኽንያት ዘቕመጥዎ እውን ንልምዓት መስኖ  ወሰንቲ ዝኾኑ መትረባት በቲ ዝድለ ፅርየትን ደረጃን ካብ ዘይምስርሖም ዝነቅል ምዃኑ እዩ። ሕዚ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ መትረባት እናተሰርሑ ምዃኖም ኣይተ ተኽለብርሃን ኣብሪሆም።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ መረብ ለኸ ኣይተ ፅገ ተስፋይ ብወገኖም፣ ሓረስቶት ዝሓትዎ ዘለዉ ሕቶ ትኽክለኛ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብኣግባቡ ካብ ዘይምስራሕን ግቡእ ትኹረት ሂብካ ካብ ዘይምምራሕን ዝብገስ ምዃኑ ተዛሪቦም። “ብሰንኪ እዚ እቲ ግድብ ልምዓት ከይሃበ ከባቢ ኣርባዕተ ዓመት ተጓቲቱ እዩ” ዝበሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ኣብ ትሕቲ እቲ ግድብ መሬት ንህንፀት እቲ ግድብ ንዝተልዓሎም ሓረስቶት ብምሽግሻግ ሕቶ ሓረስቶት ንምምላስ እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ገሊፆም። ንልምዓት መስኖ ኣገደስቲ ዝኾኑ መትረባት ምስ ምህናፅ ተዛሚዱ ኣብ 2009 ዓ.ም 60 ሚልዮን ብር ተመዲቡ እናተሰርሐ ከም ዝርከብን እዚ ዛጊድ ዘለዎ ኣፈፃፅማ 70 ምኢታዊ ምዃኑን ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።     


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 970
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010