የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4452358
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1449
2427
65676
4345169
132776
88312
4452358

Your IP: 54.166.203.76
2017-10-21 13:49

እንተዘይተሓኪምካሉ ትሕግዘሉ!

here we go
selam new

ኣብ 2000 ዓ/ም ብሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ሃገርና ዕላዊ ዝኾነ ሓደ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ ኣብ አትዮጵያ ንግልጋሎት ጥዕና ዝወፅእ ወፃኢ ብነብሲ ወከፍ ዜጋ 16 ነጥቢ ሓደ ደላር እዩ። እዚ ምስ መለክዒ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነ 34 ዶላር እንትነፃፀር ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ የርኢ። ንዘፈር ጥዕና ዝውዕል ገንዘብ እቲ 33 ነጥቢ ሸውዓተ ምኢታዊ ዝሽፈን ብቐጥታ ካብ ጁባ ሕብረተሰብ እዩ። እዚ ማለት ድማ ዳርጋ ንመብዛሕቲኡ  ኣብ ማእኸላይን ትሑትን ብርኪ መነባብሮ ዝርከብ ክፋል ሕብረተሰብ ሃንደበታዊ ምህዋኽ ፀገም ጥዕና እንተጋጥሞ ካብ ጅባኡ ከፊሉ ክሕከም ዘኽእል ዓቕሚ ዘይብሉን ንፀገም ጥዕናን ዝቃላዕን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እቲ 50 ምኢታዊ ወፃእታት ግልጋሎት ጥዕና ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝርከብ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ። ሽፋን ዘይመንግስታዊ ሓገዝ ዘላቒ ስለዘይኮነ ኣብ ሃገርና ምጅማር ፕሮግራም መድሕን ጥዕና ኣማራፂ ዘይብሉ ፍቱን ኣማራፂ እዩ።

ብፍላይ ድማ እቲ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ኣከፋፍላ ግልጋሎት ሕክምና ብቐጥታ ክፍሊት ስለዝሓትት ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ  ብርኪ መነባብሮ ዘሎ ሕብረተሰብ ብማዕረ ዝርኢ እዩ። ስለዝኾነ ዓቕሚ ምኽፋል ዘለዎም ሕክምና ክረኽቡ፣ ዓቕሚ ምኽፋል ዘይበሎም  ድማ ሰኣን ቅርሺ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ፀገም ጥዕና ክሳጥሑ ዝገብር እዩ። ስለዚ እዚ ስርዓት ኣከፋፍላ ገንዝብ ንኩሉ ሕብረተሰብ ተጠቃምነት ግልጋሎት ጥዕን ዘረጋግፅ ኣይኮነን። እዚ እንትኾን ድማ ኣብ መንጎ ሃፍታምን ድኻን ብዝፍጠር ኣፈላላይ ቁጠባ ግልጋሎት ጥዕና ንኩሉ ከይባፃሕ ይገብሮ። ስለዚ ምትእትታው ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና  እዋናውን ግድንን እዩ። ብመሰረት እዚ ፕሮግራም መድሕን ጥዕና ብብርኪ ሃገር ብኣዋጅ ቁፅሪ 690/2002 ተጣይሹ። ኣብ 2003 ዓ/ም ድማ ኣብ ክልላት ትግራይ ኣብ ዝተመረፃ ወረዳታት፣ ኣምሓራ፣ ኦሮምያን ደቡብን ብብርኪ ፈተነ ተጀሚሩ።

ኣጀማምራ ፕሮግራም ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ብብርኪ ክልልና ኣብ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ኣሕፈሮምን ክልተ ኣውላዕሎን ብፈተነ ዝተጀመረለን ወረዳታት እየን።  እቲ ፕሮግራም ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ክልል ኣብ ኩለን ገጠር ወረዳታት ትግራይን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ተኣታትዩ ኣብ ምትግባር ይርከብ። ማእኸል እዚ ፅሑፍ እውን ካብተን ኣብ ካልኣይ ዙር (2007 ዓ/ም) ዝተኣታተወለን ወረዳታት ሓንቲ ዝኾነት ወረዳ እምባ ኣላጀ ዘሎ ምንቅስቓስ ፕሮግራም መድሕን ጥዕና መሰረት ገይሩ ዝድህስስ እዩ።

ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ ኣብ ስሩዕ ዘይኮነ ዘፈር ቁጠባ ዝተወፈሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝሓቁፍ ፕሮግራም እዩ። እቶም ዝተሓቖፉ ኣባላት እቲ ፕሮግራም ድማ ኣቐዲሞም ብዝኸፍልዎ ውሑድ ዓመታዊ  ክፍሊት(240ብር) ንባዕሎምን ስድርኦምን ፀገም ጥዕና እንተጋጥሞም ካብ ከጋጥሞም ዝኽእል ልዑል ሕክምና ወፃኢ ዘናግፍ ሜላ እዩ። እቲ ዝእከብ ወፈያ ኣብ ሓደ ቦኽራ ክእከብ ብምግባር ልዑል ዝኾነ ዓቕሚ ገንዘብ ብምፍጣር ንሕብረተሰብ ግልጋሎት ጥዕና ናይ ምርካብ ውሕስና የረጋግፅ። ስለዝኾነ ሰኣን ገንዘብ ክኹለፍ ዝነበረ ግልጋሎት ሕክምና ውሑስ ዝገብር እዩ። ብምዃኑ ኣባል መድሕን ጥዕና ክኾኑ ዝኽእሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ መመዝገብን ስሩዕ ክፍሊትን ክኸፍሉ ዝኽእሉ መራሕቲ ስድራ ክኾኑ ኣለዎም። ነዚ ምኽፋል ዘይኽእሉ እንተኾይኖም ድማ መንግስቲ ብሳልሳይ ወገን ወፃእታቶም ይሽፈነሎም። እዚ እውን እቶም ዓቕሚ ምኽፋል ዘይብሎም ወገናት ብሕብረተሰብ ተመልሚሎም መንግስቲ ብሽሞም ስሩዕ ዝኾነ ክፍሊት ዝኸፍለሎም እዮም። ከምኡ እውን ልዕሊ ዕድመ  ዝኾኑ በዝሖም ብዘየገድስ ሕድሕዶም 55 ብር ብምኽፋል ኣብ ትሕቲ ስድርኦም ተመዝጊቦም ክግልገሉ ይኽእሉ።

ኣባላት ሓደ ስድራ መድሕን ጥዕና ስዒቦም ዝተገለፁ ዓይነታት ግልጋሎት ሕክምና ውዕሊ ኣብ ዝተኣሰረሎም ትካላት ክረኽቡ ይኽእሉ። ንሳቶም እውን ተመላሊስካ ዝወሃብ ሕክምና፣ ኣደቂስካ ዝወሃብ (ንምግብን ዓራትን ሓዊሱ) ቀሊልን ከቢድን መጥባሕቲ፣ ብሰብ ሞያ ዝእዘዙ ግልጋሎታት ምርመራ ላቦራቶሪ፣ ኢሜጂንግ (ዲያጎኖስቲክ፣ ራጅ፣ ኣልትራሳውንድን ካልኦትን) እዮም። ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 10 ሽሕ ዝኾኑ ወገናት ወረዳ ኣምባ ኣላጀ ኣባል ፕሮግራም መድሕን ጥዕና ብምዃን ብቀሊል ክፍሊት ዝለዓለ ወፃእታት ሕክምና ዝሓቱ ግልጋሎታት እንከይተረፈ ክሳብ   ሆስፒታል ሪፈራል ዓይደር ብምኻድ ምጥቃም ክኢሎም እዮም።

ኣይተ ከበደ ገ/ህይወት ነባሪ ወረዳ እምባ ኣላጀ ጣቢያ ዓፀላ እዮም። ኣብ ፕሮግራም ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ቐዲሞም ኣብ 2008 ዓ/ም ኣባል ካብ ዝኾኑ መራሕቲ ስድራ እታ ጣብያ ሓደ እዮም:: እቶም ወገን ብሕማም ተጠቒዖም ኣብ ዓራት ይሳቐዩ ዋላ እንተነበሩ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ስለዝነብሩ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ናብ ዝሓሸ ሆስፒታል ከይዶም ክሕከሙ ኣይከኣሉን። ኣብ ጣቢያኦም ብዛዕባ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ክዝረብ ምስ ሰምዑ ግና ብዘይ ሰጋእመጋእ ዓመታዊ ክፍሊት ኣባልነት ብር 240 ብምኽፋል ኣባል መድሕን ጥዕና ኮይኖም። ድሕሪ ኣባል ምዃኖም ካብ ጣብያኦም ናብ ዓይደር ሪፋራል ሆስፒታል “ሪፈር” ተባሂሎም ሙሉእ ሕክምናዊ ምርመራን ኣፋውስን ተኣዚዝሎም። ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ብር እንትግበጥ ብር 11 ሽሕን 850 ወፃኢ ጥዕናኦም ናብ ንቡር ኩነታት ክምለስ ክኢሉ እዩ።

እቶም ወገን ሕዚ ኣባል ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዓና ብምዃኖም ዝረኸብዎ ረብሓ ስለዝረኣይዎ “መድሕን ጥዕና ናይ እማን ዋሕስ ሂወት’’ ከም ዝኾነት እዮም ዝገልፁ:: ብፍላይ  ይብሉ ኣይተ ከበደ ገ/ህይወት “ከማይ ዝኣመሰሉ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ  ዝርከቡ  ዜጋታት፣ ኣብ ዝሓምሉ  እዋን ካብ  ጅባኦም ኣዉፂኦም ክሕከሙ ስለዘይኽእሉ ዋሕስ ክኾኖም ዝኽእል ፕሮግራም እዩ” ይብሉ።

ካልኣይቲ ነባሪት እቲ ጣብያ ዝኾና ወይዘሮ ብሃፍታ ሓዱሽ ብወገነን ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ነታ ኣብ ሕሉፍ ስርዓት ድርብ ወፅዓ ዝበፅሓ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ዝህቦ ረብሓ ኣዝዩ ዕዙዝ ከም ዝኾነ ብምግላፅ ንሰን እውን ንረብሐአንን ረብሓ ሙሉእ ስድረአንን ምዃኑ ብምርዳእ ኣብ 2008 ዓ/ም ኣባል ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ  መድሕን ጥዕና ክኾና ክኢለን እየን። ብርግፅ ክሳብ ሕዚ ኣብ ጥዕንአን ይኹን ኣብ ጥዕና ስድርአን ዘጋጠመን ፀገም የለን። ይኹን ድኣ እምበር እታ ናይ ኣባልነት መለለዪት ካርዲ ፕሮግራም መድሕን ጥዕና “ዓሚ ስለ ዘይተሓከምኩላስ፣ ሎሚ ኣየሐድሳን” እንከይበላ እቲ ዘዋፅአኦ ገንዘብ ንዓርሰን እንተዘይተጠቀማሉ ወገናተን ከምዝጥቀምሉ ብምርዳእ ካብ ወርሒ ጥሪ 2009 ጀሚረን ግቡእ ዓመታዊ ክፍሊት ከፊለን ናይ ኣባልነት መለለይ ካርደን  ከሐድሳ ክኢለን እየን። ኣብዚ ግን ኣመራርሓ እታ ወረዳ ትኩረት ሂቡ ክሰርሓሉ ዝግባእ ሓደ ጉዳይ ኣሎ። ብዛዕባ ኣድላይነትን ረብሓን እቲ ፕሮግራም ቀልጢፎም ዝተረድኡ ወገናት ዋላ እኳ እንተሃለዉ፤ ሕዚ እውን ኣባል ዘይኮኑ ንመነባብርኦም ክድጉም ዝኽእል ገንዝብ ንዘየድሊ ወፃእታት ግልጋሎት ሕክምና ዘውፅኡ ብዙሓት ወገናት ከምዘለዉ ክዝንጋዕ የብሉን።

ወይዘሮ  ማሙ ደበሳይ ነባሪት ወረዳ እምባ ኣላጀ ጣብያ መባል እየን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2009 ብዘጋጠመን ሃንደበታዊ ምህዋኽ ጥዕና ኣብ ጥዕና ጣብያ መባል ክከታተላ ከምዝፀንሓ ይገልፃ። ይኹን እምበር እቲ ዘጋጠመን ፀገም ጥዕና ብዓቕሚ ግልጋሎት እታ ጥዕና ጣብያ ክሓውያ ስለዘይከኣለ ናብ ሆስፒታል ሪፈራል ዓይደር ሪፈር ከምዝተብሃላ ነጊረናና።  ኣብቲ ሆስፒታል ንተኸታተልቲ ዓሰርተ መዓልታት ፃንሒት ገይረን እየን። ንኣፋውስን ንምግብን እሞ ይፅናሕ ንዓራት ጥራሕ ንሓደ ለይቲ 150 ቅርሺ ከምዝኸፈላ ይገልፃ። ጠቕላላ ኣብ ውሸጢ 10 መዓልቲ ንዓራት ጥራሕ 1,500 ሚኢትን ድማ ከፊለን። እዘን ወገን ኩነታት ጥዕናአን ናብ ንቡር ኩነታት ንምምላስ ንምርመራን መድሓኒትን ሓዊሱ ልዕሊ 15 ሽሕ ወፃኢ ከም ዝገበራ እየን ዝገልፃ።

ንወይዘሮ ማሙ ደበሳይ ክሳብ ሕዚ ንምንታይ ኣባል መድሕን ጥዕና ከም ዘይኮና እንትንሓተን እውን ሕፅረት ግንዛበ ከምዘለወን ተዓዚብና። እዚ እውን ብዛዕባ እቲ ፕሮግራም ካብ ወረዳ ብዝመፁ ኣመራርሓን ክኢላታት ጥዕናን ኣስተምህሮ እንተተውሃበ ኣባል ኮይነን ዓመታዊ ክፍሊት /240 ብር/ ምስ ከፈላ ኣፋውስ ይኹን ካልኦት ግልጋሎት ካብ ጅቧኻ ከምዝኽፈል እየን ዝኣምና ነይረን። ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን እቲ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ጥርጣረ ከወግዳ ከምዝኸኣላ ነጊረናና። ምኽንያቱ ድማ ክሳብ ሕዚ ዘውፅእኦ ገንዘብ ኩነታት ጥዕነአን ናብ ንቡር ኩነታት ንምምላስ ዋላ እኳ እንተኾነ እውን “ብዘይ ኣገባብ ከምዝወፀ ገይረ እየ ዝሓስቦ” ዝበላ ወይዘሮ ማሙ ኣብ ቀፃሊ ግን ኣባል ፕሮግራም ብምዃን ተረባሕነተን ዝያዳ ከም ዘጎልብትኦ እየን ዝዛረባ።

ኣብ ወረዳ እምባኣላጀ ፕሮግራም ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ዝተኣታተወ ኣብ 2007 ዓ/ም እዩ። ዝተፈላለዩ መድረኻት ህዝቢ ብምፍጣር ነቲ ነባሪ ማሕበረሰብ ብዛዕባ እንታይነትን ረብሓን መድሕን ጥዕና ኣስተምህሮ ብምሃብ ግልጋሎት ሕክምና ብዕሊ ኣብ ወርሒ መስከረም 2009 ዓ/ም እዩ ተጀሚሩ። ኣብዚ እቶም 24 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ኣባል ንምግባር ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኾን ዛጊድ ድማ  እቶም 10 ሽሕን 999 መራሕቲ ስድራ ኣባል ጥዕና መድሕን ከምዘኾኑ ምክትል ሓለፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ እምባ ኣላጀ ኣይተ ሃፍቱ ገብሩ ይገልፁ። እዚ ድማ  ከባቢ 47 ምኢታዊ ኣፈፃፅማ ከምዘለዎ እዩ። እዚ ምስተን ኣብ 2007 ዓ/ም ጀሚረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 75 ምኢታዊ በፂሐን ዘለዋ ወረዳታት ሓውዜን ክልተ ኣውላዕሎን እንትነፃፀር ብጣዕሚ ትሑት ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። እቲ ኣፈፃፅማ ትሑት ዝኾነሉ ምኽንያት ኣይተ ሃፍቱ እንተረድኡ ኣመራርሓ እታ ወረዳ ንስራሕቲ ፕሮግራም መድሕን ጥዕና ዝሃቦ ትኹረት ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ እዮም ዝገልፁ።

ይኹን እምበር ጉዳይ ጥዕና ሕብረተሰብ ንፅባሕ ኢልካ ዘይግደፍ ጉዳይ ህልውና ስለዝኾነ ኣመራርሓ እታ ወረዳ ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሕሉ ኣለዎም። ፕሮግራም ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ውሑስ ጥዕናን ረብሓን ዜጋታት ዘረጋግፅ ፍሉይ መርሃ ግብሪ እዩ። ኣመራርሓ ነዚ ብዝግባእ ተረዲኡ ህዝቡ ዘየለዓዓለ ካብቲ ሓበሬታ ዝረሓቐ ህዝቢ ከመይ ኢሉ ክርዳእ ዝኽእል ዝብል ኣመራርሓ እታ ወረዳ ክሓስበሉ ዝግባእ እዩ። ካሊእ ይትረፍ እተን 15,000 ብር ወፃኢ ገይረን ዝተሓከማ ነባሪት እታ ወረዳ ዝኾና ወ/ሮ ማሙ ኣባል መድሕን ጥዕና እንተዝኾና ነይረን ብ240 ብር ተሓኪመን እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ኣብ መነባብሮአን ከውዕላኦ እየን ነይረን። ስለዚ እቲ ኣመራርሓ እዚ ተረዲኡ ነቲ ህዝቢ እዩ ከለዓዕል ዘለዎ። ህዝብና እውን ነዚ ተረዲኡ ካርዱ በቢ ዓመቱ እናሓደሰ ዋሕስ ጥዕነና ብምሓዝ ቁጠባኡ ንከይናጋዕ እዩ ሓደ ፍታሕ ከቐምጥ ዘለዎ። ስለዝኾነ ኣመራርሓ ይኹን ህዝቢ መደሕን ጥዕና ዋሕስ ጥዕና፣ ቁጠባን ማሕበራዊ ቁልውላውን ምዃኑ ተረዲኡ ንክትግብር ንዕድም።  


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010