የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595424
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1785
2526
6911
4567652
33389
77308
4595424

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:44

ኢንቨስትመንትን እንቛቕሖ ሰጐንን

here we go
selam new

                                    ፋብሪካ ኢንጅን  (ሞተር) ካብዘፍረዮም ብኽፋል

ሰጐን ዋላ ኣብተን ዓበይቲ ዓሌታት ኣዕዋፍ እንተተመደበት ካብ ዘለዋ ግዙፍ ኣካል ዝብገስ ምንፋር ከምዘይትኽእል እያ መረዳእታታት ዝሕብሩ። ሰጐን እቲ ካልእ ካብ ዓሌት ኣዕዋፍ ዝፈልያ ባህሪ እንትንርኢ ድማ ንእትወልዶም እንቆቕሖ እትጫጭሕ ከም ካልኦት ከይኣጉሉ ብምሕቋፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓይና ብምርኣይ እውን እዩ። ናይ ካልኦት እንቆቕሖ ሓቊፍካ ብሙሟቕ እንትጫጫሕ ናይ ሰጐን ግን ዓይና ተኺላ ብምርኣይ እያ እትጫጭሖም። ብምዃኑ ሰብኣይን ሰበይትን ሰጐናት ኣምሳሎም ጫቊት ዝሪኡ እናተባረዩ ለይቲ ምስ ቀትሪ ኣብቲ እንቖቕሖ ዓይኖም ብምትካል እዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብዚ ግን ሓደ ግዜ ካብ እንቖቕሖኦም ዓይኖም እንትነቕሉ ከም ዝኣጉሉ ስለ ዝፈልጡ ምግቦም እንትእልሹ እኳ ስራሕ መቐሎ ገይሮም እዮም ዝንቀሳቐሱ። እዚ ማለት ሓደ ሰጐን ምግቢ ክልተ የምፀእ ወይ ድማ ቀልጢፉ ብምምላስ እቲ ካሊእ ብተርኡ ምግቡ ክእልሽ ከምዝገብሩ ጥንታውያን ፅሑፋት ግእዝ ይሕብሩ።

ነዚ ሓሳብ ብዘይምኽንያት ኣየምፃእናዮን። ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት፤ ልክዕ ከም እንቆቅሖ ሰጐን ኩሉ ግዜ ዓይንኻ ተኺልካ እንዘይተኸታቲልካዮ ኣጒሉ ዝተርፍ ዘፈር ኢንዳስትሪ ምዃኑ ስለዝተረዳእና እዩ። መንግስቲ ኢንቨስትመንት ንምትብባዕ ብዘውፀኦ ፖሊስን ስትራተጅን ብዙሓት ሰብ ሃፍቲ መዋእለ ንዋዮም ንምፍሳስ ሕቶ ኢንቨስትመንት እናቕረቡ ይርከቡ። እቶም መተባብዒታት ኢንቨስትመንት ዝበሃሉ እንትንርኢ እውን 25 ምኢታዊ መስርሒ ካፒታል ዘለዎ ሓደ በዓል ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ 75 ምኢታዊ ካብ መንግስቲ ልቃሕ ይረክብ። እቲ ዕድል ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዓድታት እውን እንተኾነ 50 ምኢታዊ መስርሒ ካፒታል እንተሒዞም እቲ ዝተረፈ ካብ መንግስቲ ብልቓሕ ክሽፍንዎ ዝሸክልሉ ምችው ኩነታት ዝፈጠረ እዩ።

እቲ ካልእ መንግስቲ ዘዳለዎ መተባብዒ ኢንቨስትመንት ድማ ብዝተሓተ ዋጋ ሊዝ ብዘይጨረታ መሬት ዝቐርብ ምዃኑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ መዋእለ ንዋዮም ዘፍስስሉ ትካል ዘገልግሉ መሳርሒ ናውቲ ብነፃ ቀረፅ ንከእትው እውን ዝፈቅድ ምዃኑ እዩ። እዚ እንትገብር እቶም ሰብ ሃፍቲ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ዘድልዮም እዋን ድማ ብሄራዊ ባንክ ዝተሓባበር ምዃኑ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ዘሎ ካሊእ መተባብዒ ኢንቨስትመንት እንትንርኢ እውን ምስ ካዛ ብምትእስሳር ብሊዝ ማሽን ንክእትው እውን ካሊእ ዕድል ፈጢሩ ኣሎ። ካዛ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ንዝንቀሳቐሱ ወገናት ንምጥንኻር መሽናት ብልቃሕን ከምፅኡ ንምትብባዕ ዝተጣየሸ ትካል እዩ። መንግስቲ ነዞም ኩሎም ዕድላት ክፈጥር ዘገደዶ ቀንዲ ምኽንያት ሰብ ሃፍቲ መዋእለ ንዋዮም ብምፍሳስ ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ንኽፈጥሩ ብምሕሳብ እዩ። ሰብ ሃፍቲ መዋእለ ንዋዮም እንተፍስሱን ዜጋታት ዕድል ስራሕ እንትረኽቡን ድማ ቁጠባ እዛ ሃገር ብምንቕቓሕ ናብተን ማእኸላይ ቁጠባዊ ዕብየት ዘለወን ሃገራት ዓለም ዘሕንክብ መሳልል ምዃኑ ስለዝርዳእ እዩ።

እዚ ልምዓታዊ ፖሊሲ ዘፈር ልምዓት ኢንዳስትሪ ተግባራዊ ዝኸውን ግን ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት በብእዋኑ ዘለዎም ማሕልኻታት ብምፅናዕ ተኸታታሊ ደገፍ እንትግበር ጥራሕ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ነዚ ሓሳብ መርኣዩ ዝኾነና ሓደ ጭብጢ ክነቕርብ። ካብ 1985 ክሳብ 2009 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ነቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ መተባበዕታት ኢንቨስትመንት ተጠቒሞም ሕቶ ኢንቨስትመንት ዘቕረቡ ሰብ ሃፍቲ 3337 እዮም ነይሮም። እዚ ማለት ብልዕሊ 38 ቢልዮን ብር ካፒታል ን193 ሽሕን 354 ወገናት ዕድል ስራሕ ዝፈጥር እዩ ነይሩ። እቲ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት ኣብ ተግባር እንትርአ ግን ካሊእ ኮይኑ ተረኺቡ። እዚ እውን ካብቶም ሕቶ ኢንቨስትመንት ኣቕሪቦም ቦታ ምስ ተረከቡ ናብ መፍረያይነት ዝተሰጋገሩ ሰብ ሃፍቲ 1121 /33 ነጥቢ ሸውዓተ ምኢታዊ/ እንትኾኑ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘለው ድማ ትሸዓተ ነጥቢ ሸሞንተ ምኢታዊ ጥራሕ እዮም። ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘለውን ናብ ፍርያት ዝሰገሩን እንትድመሩ 43 ነጥቢ ሓሙሽተ ምኢታዊ እዩ ዝሽፍን ዘሎ። ስለዚ እቶም ዝተረፉ 56 ነጥቢ ሓሙሽተ ምኢታዊ መሬት ዝተረኸቡ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ተግባር እንትርአ ከምዘየለው ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዳስትርን ከተማ መቐለ ኣይተ ፀጋይ ገ/ኪዳን የረድኡ።

ኣብዚ መንግስቲ ካብ ሕርሻ ናብ ኢንዳስትሪ ዝግበር ጉዕዞ ንምቕልጣፍ ዓሊሙ ኣብ 2008 ዓ/ም ካብ ጠቕላላ ኢንቨስትመንት ዝተመዝገቡ ነቶም ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ዝንቀሳቐሱ 953 ሰብ ሃፍቲ እንትፍትሹ እቶም 169 ብዝግባእ ስርሖም እንተይወገኑ እዮም ተረኺቦም። ንሓደ ዓመት ዕድል ብምሃብ እንትከታተል እውን 28 ሰብ ሃፍቲ ዝተቐበልዎ መሬት ሸይጦም ናብ ሳልሳይ ወገን እንተሕልፉ እቶም 65 ድማ ምንም ዓይነት ምንቅስቓስ እንተይገበሩ ፀኒሖም እዮም። ብድምሩ ካብዞም 169 ሰብ ሃፍቲ እቶም 28 “ሰሪሕና ናብ ፍርያት ክንሰግር ኢና” ዝበልዎ ግዜ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝኾን ዘሕለፉ እንትኾኑ እቶም 131 ድማ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ከስርሕዎ ዝነበረ ግዜ ዘሕለፉ እዮም። ብድምሩ እንትርአ ገሊኦም መሬት ሓፂሮም ገሊኦም ዝተረከብዎ መሬት ሸይጦም ዝተረፉ ድማ ህንፀት ጀሚሮም ዝኸለሉ ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ።

ካብዚ ልዕል ክብል ዝረኣናዮ ኣሃዛዊ መረዳእታ ምርዳእ ከምዝከኣል ፍቓድ ኢንቨስትመንት ዝተውሃቦም ሰብ ሃፍቲ ናብ ተግባር ሰጊሮም ዝድለ ቁጠባዊ ረብሓ ኣብ ምምዝጋብ ሰፊሕ ውድቀት ኣሎ። መንግስቲ ንሰብ ሃፍቲ ንምትብባዕ ክብል ንሓረስቶት ክሒሱ ነቲ ከባቢ መሰረተ ልምዓት እናማልአ ዘቕርበሎም መሬት እቶም ሰብ ሃፍቲ ሓፂሮም እንትቕመጡን ንካሊእ ዘይተዓለመሉ ግልጋሎት እንትውዕሉን ንኢኮኖምያዊ ዕብየት እዛ ሃገር ዓብዪ ጉድኣት እዩ ዘለዎ። እቲ ምንታይ እቲ ዝዕደልዎ መሬት፤ መሬት ናይ ህዝብን መንግስትን ብምዃኑ ንኣብዝሓ ህዝቢ ክትጠቅም ተባሂሉ ነቲ ሓረስታይ ብናይ 10 ዓመት ምህርቲ ተገቢጡ ካሕሳ እንትወሃብ እቶም ሓረስቶት እውን ንልምዓት ዓዶምን ዓቕሚ ሃገርን ኮይኑ ቅቡል ገይሮምዎ እምበር እቲ ካሕሳ ማዕረ እቲ ሓሪሶም ክረኽብዎ ዝነበሩ ምህርትን ረብሓን ዝሽፍን እዩ ምባል ኣየድፍርን። መንግስቲ እቶም ሰብ መሬት ዝኾኑ ሓረስቶት ዘርፊ ስራሕ ንክቕይሩ ክድግፍ ሓሲቡ መሬቶም ንሰብ ውልቀ ሃፍቲ እንትትመሓላለፍ እሞ ድማ ተሓፂሩ እንትነብር ኣብ ስነ ልቦና ሓረስታይ ይኹን ካሊእ ማሕበረሰብ ዝፈጥሮ ስነ ልቦናዊ በሰላ እውን ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን።

እቲ ካሊእ ጉድኣት ዘይለምዕ ኢንቨስትመንት  ድማ መንግስቲ “ኢንቨስትመንት የተባብዕ ኣለኹ” ኢሉ ንሓረስቶት ክኽሕስ ይኹን ነቲ ከባቢ መሰረተ ልምዓት ንምጥንኻር ዘውፅኦ በጀት ብዘይረብሕ ጠጠው የብል። ስለዝኾነ “ክነልምዕ” ኢሎም ንመንግስቲ ንዘይተደለየ ወፃኢ ኣቃሊዖም መሬት ሓፂሮም ዝነብሩ ኣካላት ገንዘብ መንግስቲ ኣብ ካሊእ ንከይውዕል እውን ዕንቅፋት ይኾኑ ምህላዎም ክፈልጡ ይግባእ። እቲ ፀገም ሰብ ሃፍቲ ግን በዚ ጥራሕ ኣይተሓፀረን። መንግስቲ ንኮንስትራክሽን ዝኾን ናውቲ ነፃ ቀረፅ ከእትው እንትፈቅድ እውን ብክልተ መንገዲ በደል ክፍፅሙ ፀኒሖም እዮም። እቲ ሓደ “ትካላት ክንሃንፅ ኢና” ኢሎም መሬት ሓፂሮም ኮፍ ዘበልዎ ከይኣክል “ንኮንስትራክሽን” ኢሎም ዘምፅእዎ ልዕሊ መጠን ቴንዲኖ ዝበዝሕ ናብ ዕዳጋ እናቕረቡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብሃፍቲ ዝድልብሉ ኩነታት ይረአ። ካብዚ ሓሊፉ ቃሎም ብምዕፃፍ ብምሉእ ናብ ፀሊም ዕዳጋ ብምቕራብ እናሸጡ እቶም ንመንግስቲ ግብሪ ክኸፍሉ ዝኽእሉ ሕጋውያን ነጋዶ የልምሱ። ስለዚ በቲ ካሊእ መንገዲ እውን እዞም ሰብ ሃፍቲ መንግስቲ ካብ ትርፊ ንግዲ ክረኽቦ ዝነበረ እቶት ይኾልፉ ኣለው ጥራሕ ከይኮነስ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዜጋታት የዛብዑ ኣለው ማለት እዩ።

ነዚ ዘፅነዐ ዝምልከቶ መንግስታዊ መሓውር ነዞም ስርዓት ዘፍርሱ ኣከብቲ ክራይ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንምሃብ ቈሪፁ ተላዒሉ ኣሎ። ንኣብነት ምስ ነፃ ቀረፅ ተዛሚዱ ኣብ ዘይመዓልኡ ዝወዓለ ቴንዲኖ እቲ ክኽፈል ዝግባእ ቀረፅን ግብርን ንክኸፍሉ ብብርኪ ክልል ኣብ 184 ሰብ ሃፍቲ ፅንዓት ተወዲኡ ኣሎ። ካብዚኦም እቶም 43 ሰብ ሃፍቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ስለዝኾኑ ኩሎም እቲ ውፅኢት መፅናዕቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብምእዋጅ ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ካብ ጉምሩኽን እቶትን ቤት ፅሕፈት ጨንፈር መቐለ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ እቲ ድምር ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት ብቅርበት ንምክትታልን ንምድጋፍን ኣድላይ ኣብዝኾነሉ እዋን ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ዝወስድ ቤት ፅሕፈት ዘርፊ ማኑፋክቸሪንግ ኣጣይሹ ኣሎ። ስለዝተጣየሸ እውን እዩ ኣብ ከተማ መቐለ ብዘርፊ ማኑፋክቸሪንግ ዳህሳስ ብምጅማር ኣብ ስራሕ ዘሎን ዘየሎን በዓል ሃፍቲ ንምፍላይ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ዘሎ። ስለዚ እቶም ዝተረፉ ኣብ ኮንስትራክሽን፣ ከተማ ሕርሻን ግልጋሎትን ዝተመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ እውን ብዝግባእ ብምፅናዕ ስርዓት ክሕዙ ከምዝግበር ኣይተ ፀጋይ ዝዛረቡ።

እቲ ዝፀንሐ ዝርጉፍ ስራሕ ኢንቨስትመንት ብእዋኑ ሓደ ዕልባት እንተተገይሩሉ ሃገርና ምስቲ ዘለዋ ልዑል ጠለብ ኢንቨስትመንት ነቶም ዝመፁ ዘለው ሰብ ሃፍቲ ብዝግባእ ምትእንጋድ ይከኣል እዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ክልልና ምስቲ ዘለዋ ዘተኣማምን ሰላም፣ እሞ ድማ ህዝብና ምስቲ ንትካላት መንግስቲ ይኹን ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ከም ናቱ ንብረት ብምርኣይ ዝሕብሕብን ዝንከባኸብን ምዃኑ ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ወፃእን ውሽጢ ዓድን እናበረኸ እዩ ዝርከብ። ከምኡ ምዃኑ ጎሊሁ ዝተርኣየ እውን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ተራእዩ ዝነበረ ዕግርግር፤ ህዝብና ዋላ እኳ ኣብ ርእሲኡ ዘነፃፀሩ ናዕቢ እንተነበረ ልቢ ኣዕቢዩ ነቲ ጥጅእ ሓደጋ ብትዕግስትን ብብቕዓትን ምስጋሩ እቲ ዝነበሮ ፅቡቕ ምስሊ ብዝበለፀ ንክዘይድ ገይሩዎ ኣሎ። እዚ ዝለዓለ ድሌት ሰላም ህዝብና ኣብ ዘፈር ኢንቨስትመንት ትርጉም ኣለዎ።

ስለዝኾነ እውን ነዚ ለባም ህዝቢ ተረዲኦም ዝምፁ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ፣ ቱርኪ፣ ግብፂ፣ ቻይናን ባንግድልያሽን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኩነታት ዝተገንዘብዎ ተበጊሶም ስራሕቶም ንከስፋሕፍሑን ንካልኦት ምሓዙቶም ሰብ ሃፍቲ ንክስሕቡ እናደፍኦም እዩ ዝረከብ። እዚ ድማ ኣፀቢቕና ክንዕቅቦ ዝግበኣና ፀጋ ህዝቢ ትግራይ እዩ። እቲ ምንታይ ክልልና ምስቲ ዘለዋ ፀቢብ ተሓራሲ መሬትን ልዑል መጠን ምኽታምን ሰላማዊ ኩነታት ፈጢርና ኣብ ኢንቨስትመንት ተረባሪብና ዜጋታትና ዕድል ስራሕ እንተዘይፈጢርና እቲ ዘሎ ስደት መናእሰይ ኣብ ርእሲ ምጥንኻሩ ንሰንሰትና እውን ከባልዐና ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ። ስለዝኾነ ህዝብና እታ ዝፈጠራ ሰላም ብዝግባእ ክሕልዋን ኣብ ኢንዳስትሪ ዘለዎ ባህልን ልምዲን ብኣተሓሳስባ፣ ክእለትን እታወትን እናማዕበለ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ቀልቢ ሰብ ሃፍቲ ክስሕብ ይግባእ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ በዓል ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ እውን እንተኾነ ነዚ ፀጋ እዛ ክልል ብዝግባእ ኣለልዩ ቀልጢፉ ናብ ስራሕ እዩ ክኣቱ ዘለዎ። ምኽንያቱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዑል ጠለብ ኢንቨስትመንት ስለዘሎ ይትረፍ ከም ቀደም ሰሊዕኻ ክወሃብስ እቲ ሕዚ ዝመፅእ ኣወፃኣይነቱ ናብ ምፍታሽ እዩ ተኣትዩ ዘሎ። ስለዚ ዝኾነ ይኹን በዓል ሃፍቲ እቶም ቅድም ኢሉ ዝተቐበሎም መሬታት ቀልጢፉ እንተዘይኣልሚዕዎም ፅባሕ ንጉሆ ብሃበ ተረኽበ ዘይረኽቦም ዕድላት ምዃኖም ብገንኡ ክፈልጥ ይግባእ። እቲ ኣመራርሓን በዓል ሞያን እውን እንተኾነ ነቶም እናተገለፁ ዝመፁ ክፍተታት ሓደጋታቶም ብምግንዛብ ንሕድሕድ ነገር ኣስተውዒሉ ስርሑን ሓላፍነቱን ክዋፃእ እዩ ዘለዎ። ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ካብ ዝተመዝገበ ኢንቨስትመንት 56 ነጥቢ ሓሙሽተ ምኢታዊ ሃላዋቱ ኣይፍለጥን ማለት ዓብዪ ውድቀት ስለዝኾነ እናተኸታተለን እናደገፈን ሕጋዊ ስጉምቲ እዩ ክወስድ ዘለዎ። ነዚ እውን እዩ ኢንቨስትመንት ከም ሰገን ትኽስ እንተይበልካ ብምክትታል ዝዕወት ምዃኑ ንምሕባር “ኢንቨስትመንትን እንቆቕሖ ሰገንን” ንብል ዘለና።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010