የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4533999
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1451
2471
3922
4511961
49272
165145
4533999

Your IP: 54.224.121.67
2017-11-20 13:53

ተመክሮ ንምግባጥ ፅርየት ከተማ ምዝማን

here we go
selam new

ማሕበር ፅርየትን ፅባቐን ድልየት ኣብ ፅርየት ከተማ እንትነጥፉ

 

ብብኽለት ኣየር ካብ ዝጥቅዓ ዓሰርተ ከተማታት ዓለምና እተን ኣርባዕተ ኣብ ህንዲ ከም ዝርከባ ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። ካብ ህንዲ ብተወሳኺ ካልኦት ሃገራት እውን ፀገም ከም ዘለወን እቲ ትካል እኳ  እንተፍለጠ ስርዓት   ቁፅፅር ስለዘይግበረለን ኣብ ብርኪ ስርርዕ ንምእታው ኣይተኽኣለን። ኮይኑ ግና ካብተን ኣብ ብርኪ ስርርዕ ዝኣተዋ ከተማታት “ዘቦል” እትበሃል ከተማ ኢራን ዝለዓለ ብኽለት ኣየር ዘለዋ ከተማ ብምዃና ኣብቲ ስርርዕ ቀዳመይቲ ኮይና ኣላ። ብተመሳሳሊ “ግዋሊየርን ኣልሃባድን” ዝተብሃላ ክልተ ከተማታት ህንዲ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ተቐሚጠን ይርከባ። ቀፀልቲ ብርክታት ዝሓዛ ድማ “ሪያድን አልጃባይን” ዝተብሃላ ክልተ ከተማታት ስዑዲ ዓረብ እንትኾና “ፓንታናን ራይፑረን” ዝተብሃላ ካልኦት ከተማታት ህንዲ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ስርርዕ ኣትየን ኣለዋ።

ብኽለት ኣየር ከተማታት ህንዲ ዝለዓለ ምዃኑ ዘርኣየ ካልእ ተወሳኺ ዛዕባ ድማ ዋና ከተማ ህንዲ “ኒው ደልሂ” ኣብ መበል 11 ብርኪ ስርርዕ ክትምደብ ኣኽኢልዋ እዩ። በዚ ምኽንያት ብኽለት ኣየር ከተማታት ንነዊሕ ግዜ ነበርተን ንሳምባ ካንሰር “ስትሮክ”ን ሕማም ልብን ክቃልዑ ይገብር ኣሎ። በዝሒ መኪና፣ ኩነታት ዋዒ ህንፃታትን ኣተኣላልያ ጓሓፍን ንብኽለት ኣየር ከተማታት ምኽንያት ከም ዝኾነ ድማ ትካል ጥዕና ዓለም ይሕብር። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከባ ከተማታት ኣብ ምንካይ ብኽለት ኣየር ለውጢ እንተመዝገባ እኳ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2008 ክሳብ 2013 ኣብ ዘሎ እዋን ብኽለት ኣየር ከተማታት ሸሞንተ ምኢታዊ ከም ዝወሰኸ ፀብፃባት የረጋግፁ። ከም ኣገላልፃ ውደብ ጥዕና ዓለም እንተኾይኑ በቢዓመቱ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ምስ ብኽለት ኣየር ተዛሚዱ ህይወቶም ይሓልፍ። ብመንፅር እዚ ሃገርና እትርከበሉ ብርኪ ብኽለት እንትንምዝን ሃገርና ትኹን ክልልና ካብዚ ፀገም ተናጊፍ እያ ክንብል ኣይንክእልን። ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ፅሑፍና እውን ኩነታት ፅርየትን ፅባቐን ኣተኣላልያ ጓሓፍን ከተማ መቐለ እንታይ ከም ዝመስል ዝድህስስ ይኸውን።

ቅድሚ 1995 ዓ/ም ፅርየትን ፅባቐን ከተማ መቐለ ብቤት ማዘጋጃ እዩ ይስራሕ ነይሩ። ብምኽንያት እዚ ድማ ዘይስሩዕ ዝኾነ ኣተኣላልያ ጓሓፍ፣ ብመሰረት ዝወፀ ግዜ ሰሌዳ ጓሓፍ ዘይእለየሉ፣ ናይ ትካላት ጓሓፍ ብተመሓዳደርቲ ጎደና ፎቆድኡ ዝድርበየሉ፣ በቢከባቢኡ ዝቕመጡ ጓሓፍ መጠራቐሚ “ባስካታት”  መሊኦም ናብ መሬት ዝፈስሉን ኩነታት ነይሩ። በዚ እውን ነባራይ ህዝቢ በቲ ከባቢ ንክሓልፍ ዝፅየፈሉ፣ ንመንግስትን ምምሕዳር እታ ከተማን ዝወቕሰሉ ተመሓዳደርቲ ጎደና ኣብ ጓሓፍ ዝተደርበየ እንጀራ፣ ዓፅሚ፣ ዝበስበሱ ኣትኽልትታት በሊዖም ኣደዳ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዝቓልዕሉ እዋን ምንባሩ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት የረጋግፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ብኽለት ኣየር እታ ከተማ እውን ኣስተዋፅኦ እናገበረ መፂኡ እዩ። ድሕሪ 1995 ዓ/ም ግና ንምፍጣር ዕድል ስራሕ መናእሰይ ጥራሕ እንተይኮነስ ፅሬት ከተማ መቐለ ብቐፃልነት ንምርግጋፅ ዓሊሙ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ከተማ መቐለ መድረኽ ምይይጥን ስልጠናን ኣካይዱ። በዚ ድማ መንእሰይ ስራሕ ከይነዓቐ ኣብቲ መንግስቲ ዘጠዓዓመሉ ባይታ ክዓስል ብዝገበርዎ ምርድዳእ ማሕበራት እናተወደባን ድልየተን እናነፀራ ከይደን።

ብመሰረት እዚ ድማ ግልጋሎት ፅርየት ድልየት ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር 11 መናእሰይ ኮይኖም ነፍሲ ወከፎም 30 ብር ብምውፃእ 330 ብር ኣጠራቒሞም ስራሕ ጀሚሮም። ኣብ ምጅማር እቲ ስራሕ ብጭረትን ዓሸናን ምእላይ ደረቕ ጓሓፍ ዝጀመሩ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ድማ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ከተማ መቐለ 12 ሽሕን 240 ብር ዝዋግአን ኣርባዕተ ዓረብያን ኣርባዕተ መጋፍያን ኣበርኪቱሎም። በዚ ድማ ተጠናኺሮም ስራሕ ጀሚሮም። ብተመሳሳሊ እታ ማሕበር ድሕሪ ውሱን ስራሕ ምስራሓ ብዝኣከበቶ ገንዘብ ብ27 ሽሕ ብር ወፃኢ ኣርባዕተ ክልተ እግረን ዝድፋኣ ዓርብያን ክልተ ብኣድጊ ዝሰሓባ ጋርን ብምዕዳግ ማእኸል መራኸቢኣ ቀበሌ 16 ገይራ ካብ እዋን ናብ እዋን ኣብ ምእላይ ጓሓፍ ምምሕያሽ  እናርኣየት መፂኣ።

በዚ ኣቢላ ፅርየትን ፅባቐን ብውሕሉል ኣገባብ ንክትዓምም ሓሙሽተ “ኣይሱዚ” መኪና ተኻርያ  ዝተውሃባ ዕማም ምእላይ ጓሓፍ እናወገነት መፂኣ። ቀፂላ እውን ኣብ 2000 ዓ/ም ኣባላት እታ ማሕበር ባዕሎም ንባዕሎም ክወሓሓሱ ብምኽኣሎም 65 ሽሕ ብር ካብ ትካል ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ተለቂሓ። በዚ ድማ ኣብ ምምላስ ልቓሕ ብዘርኣየቶ ኣፈፃፅማ ቤት ፅሕፈት ደኣንት ከተማ መቐለ ብዝሃባ ውሕስነት ካብ ትካል ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት 640 ሽሕ ብር ብምልቃሕ ኣብ 2001 ዓ/ም ኣርባዕተ “ኣይሱዚ” መኪና ክትዕድግ ክኢላ እያ። በዚ ኣቢላ እናተጠናኸረትን ብቑጠባ እናዓበየትን ክትከይድ ብምኽኣላ  ከዓ ኣብ 2004 ዓ/ም ተወሳኺት ሓንቲ ኣይሱዚ ዓዲጋ።

ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ዓቕምን ልምድን ስራሕ እናጥረየት ብምኻዳ ሕድሕድ ኣባል እታ ማሕበር ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ወርሓዊ ክፍሊት ዝረኽበሉ ኩነታት ፈጢራ። ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ብዝፈጠሮ መፍትሒ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንትሸዓተ ኣባላት እታ ማሕበር ንሕድሕዶም 25 ሽሕ ብር ብድምር 225 ሽሕ ብር ብልቓሕ ክትህቦም ክኢላ። ንልዕሊ 70 ወገናት ድማ ዕድል ስራሕ ፈጢራ እያ። እታ ማሕበር ካብ እትረኽቦ ወርሓዊ ኣታዊ ግብሪ ሰራሕተኛታትን ጥሮታን ልዕሊ 80 ሽሕ ብር ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ግብሪ ትግብር ኣላ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ሓሙሽተ ኣይሱዚ መኪና፣ ሓንቲ ባጃጅን ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ዝርከብ ሓደ መዘናግዒ መናእሰይ ወኒና ትርከብ። እዚ ብገንዘብ እንትግመት ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ብር ከም ዝኾነ ክኢላ ሒሳብ እታ ማሕበር ኣይተ ዳኒኤል ተሰማ የረድኡ።

ይኹን እምበር እታ ማሕበር ናብዚ ብርኪ ንክትበፅሕ ብዙሓት ብድሆታት ሓሊፋ እያ። ኣብ ምእላይ ጓሓፍ ዝዋፈር መንእሰይ “ተስፋ ዝቆረፀ ጥራሕ እዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ ምህላው፣ ብቤተሰብ እውን ከምዚ ዓይነት ስራሕ ኣይናይ ወለድናን ዝብሉ ግጉያት ኣረኣእያታት ኣብ ምጅማር እታ ማሕበር ዝተርኣዩ ዕንቅፋታት ከምዝነበሩ ኣይተ ዳንኤል የዘኻኽሩ።

ካብ ቤት ፅሕፈት ፅርየትን ፅባቐን ከተማ መቐለ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣብ 2008 ዓ/ም ንመጋደዲ ብኽለት ኣየር ምኽንያት ዝኾን 173,000 ሜትር ኵብ ደረቕ ጓሓፍ ንምልዓል ትልሚ ተታሒዙ ነይሩ። ኣብ ሕብረተሰብ ሰፊሕ ስራሕቲ መዕበዪ ግንዛበ ብምስራሕን ነባራይ እታ ከተማ ኣብ ፅርየት ከባቢኡ ተሳትፍኡ ንከዕብን ብዝተገበረ ፃዕሪ ልዕሊ ትልሚ 191,448 ሜትር ኵብ ደረቕ ጓሓፍ ክለዓል ክኢሉ እዩ። ይኹን እምበር ጓሓፍ ካብ ገዛኻ ኣውፂእኻ ኣብ ፅርግያ ብካሻ ምሕዳግ፣ ፀልማት ጉልባብ ብምግባር ናብ ክፍቲ ቦታ፣ ሽንጥሮን መእለዪ ውሕጅን ምድርባይ፣ ኣለይቲ ጓሓፍ ዝኾና ማሕበራት ብዝግባእ ርግእ ኢለን  ግልጋሎት ኣብ ምሃብን ካብቶም ኣብቲ ዓመት ዝተርኣዩ ዓበይቲ ፀገማት ገሊኦም እዮም። ስለዝኾነ ነቲ ሎሚ ከም መፍትሒ ተቐሚጡ ዘሎ ደረቕ ጓሓፍ ናብ ረብሓ ዝቕይር ትካል ንክጣየሽ ንሓደ በዓል ሃፍቲ ፍቃድ ተዋሂብዎ ኣሎ። ድሕሪ እዚ ስራሕቲ ምፍላይ ዝብስብስን ዘይብስብስን ጓሓፍ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል መተሓባበሪ ፅርየትን ፅባቐን ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረ እግዚኣብሄር ካሳ ይዛረቡ።

ብተመሳሳሊ ስራሕቲ ፅርየትን ፅባቐን ከተማ መቐለ ብዝሓሸ ንክውገን ኣብ 2009 ዓ/ም 100 ሽሕን 581 ሜትር ኵብ ደረቕ ጓሓፍ ንምልዓል ትልሚ ተታሒዙ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራሕ 136 ሽሕ ሜትር ኵብ ደረቕ ጓሓፍ ክለዓል ክኢሉ ኣሎ። ክንድዚ ዝኣክል ደረቕ ጓሓፍ ምልዓሉ ድማ ኣብታ ከተማ ከጋጥም ዝነበረ ብኽለት ኣየር ብውሱን መልክዑ ክንኪ ከም ዝኽእል ኣየጠራጥርን። ነዚ ቐፃልነት ንክህልዎ ልዕሊ 230 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ወፍሪ ፅርየት ክሳተፍ ትልሚ ተታሒዙ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ልዕሊ 123 ሽሕ ህዝቢ ተሳቲፉ እዩ።

ንመጠራቐሚ ፎኵስ ጓሓፍ ከተማ ዝውዕል 150 መጠራቐሚ ደረቕ ጓሓፍ ተሰሪሑ በቢከባቢኡ ክቕመጥ ትልሚ ተታሒዙ ዛጊድ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ 100 መጠራቐሚ ኣብ ግልጋሎት ክውዕል ተገይሩ። ብተወሳኺ ኣብ ኣተኣላልያ ጓሓፍ ኣመልኪቱ እውን ን225 ሽሕ ህዝቢ መዐበዪ ግንዛበ ስልጠና ክወሃብ ትልሚ ተታሒዙ ዝነበረ እንትኸውን ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ 177 ሽሕን 846 ተፈፂሙ እዩ። ነዚ ንምፍፃም ኣብዚ ዓመት ዝተትሓዘ በጀት 16 ሚልዮን ብር ከም ዝኾነ ድማ እቶም መተሓባበሪ የረድኡ።

ብካልእ ገፅ ብመሰረት ሰነድ “ቢ ፒ ኣር” ወይ ድማ “ቻርተር” ዜጋታት ምልዓል ግልጋሎት ደረቕ ጓሓፍ ንነበርቲ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ፣ ንትካላት ድማ ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ግዜ እዩ ዝብል ነይሩ ። ኮይኑ ግና  ብምኽንያት ሕፅረት በጀት፣ ዋሕዲ ጓሓፍ ዘልዕላ መካይንን ዓቕሚ ኣለይቲ ጓሓፍ ማሕበራት ትሕቲ “ስታንዳርድ” ምዃንን በቲ ዝድለ ግልጋሎት ክወሃብ ከም ዘይከኣለ ድማ ወሲኾም የረድኡ።ብተወሳኺ ብሰንኪ ሕፅረት በጀትን ኣሰራርሓ ፋይናንስን ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ንሕብረተሰብ ግቡእ ግልጋሎት ደረቕ ጓሓፍ ኣብ ምሃብ ምቁርራፅ ኣጋጢሙ እዩ።

ኣብዚ ከም ምኽንያት ዝተቐመጠ ድማ ብፋይናንስ ካብ 2500 ሜትር ኵብ ደረቕ ጓሓፍ እንተሓሊፍኩም ክፍሊት ኣይንፍፅምን ስለዝብሉ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ፅልዋ እናሕደረ ይርከብ። እዚ ድማ እቲ ዝምደብ መጠን በጀትን ዝለዓል መጠን ጓሓፍን ክሳነ ብዘይምኽኣሉ እዩ። ክፍላተ ከተማታት እንተኾና እውን ጨረታ ኣብ ዝወፀሉ እዋን ባይታ ዘየገናዘበ በዝሒ ኣለይቲ ደረቕ ጓሓፍ መኪና፣ በዝሒ ሰራሕተኛታት ፅርየት ጎዳና ዘይምህላው በብመዓልቱ ክፀርዩ ኣይከኣሉን። ብካልእ ገፅ ኣብ ከተማ መቐለ ዘለዋ በዝሒ ማሕበራት ሽውዓተ እንትኾና ዘለወን ሓይሊ ሰብ ድማ 408 እዩ። እዚ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ሃገርና ንምንፅፃር ይከኣል። ከተማ ኣዋሳ ከም ኣብነት እንተወሲድና ልዕሊ 1300 ሰራሕተኛታት ዝሓቖፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ብምህላወን ንፅርየትን ፅባቐን እታ ከተማ ዝለዓለ ግደ እናተፃወታ እየን። በዚ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ዘርእየና እዩ  ክብሉ ኣይተ ገብረ እግዚኣብሄር የረድኡ።

ነባራይ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ጣብያ እንዳባኣነንያ ቀጠና 15 ዝኾኑ ወናኒ መደብር ኣፋውስ ዶክሚያስ ኣይተ ሞገስ ኣብርሃ “ኣብ ፅርየትን ፅባቐን ዝተዋፈሩ መናእሰይ መንግስቲ ብዝፈጠረሎም ዕድል ስራሕ ከይተለገሙ ናብርኦም ንምልዋጥ ይሰርሑ ምህላዎም የገንዝቡ። ብፍላይ ድማ ዝተኣከበ ጓሓፍ ብእዋኑ ኣብ ምእላይ ዘሎ ኩነታት ዝነኣድ ኮይኑ ንቐፃሊ እውን ብትኹረት ተጠናኺሩ ክስረሐሉ ይግባእ” ክብሉ የረድኡ። ይኹን ደኣምበር ቀትሪ ፅሩይ ኮይኑ ዝወዓለ ከባቢ ምሸት ከም ሽንትን ረሳሕ ማይን እናተደፍአሉ ይርከብ። እዚ ድማ ኣብ ጥዕና ዓብዪ ፅልዋ ኣለዎ። እቲ ምንታይ ናብ ትካሎም ኣፋውስ ክዕድጉ ዝመፅኡ ልዕሊ 80 ምኢታዊ ዝኾኑ ሰባት ምስ ርስሓት ተኣሳሲሩ ብዝመፅእ ከም ውፅኣት ብዝበለ ሕማማት ከም ዝጥቅዑ ኣይተ ሞገስ ካብ ዝገለፅዎ ሓሳብ ምርዳእ ይከኣል እዩ።

ብሓፈሻ ሓንቲ ከተማ ዝተማልአ መሰረተ ልምዓት ማይ፣ መብራህቲ፣ መንገድን ካልኦትን እንተሃልይዋ ዝበለፀትን ተባሃጊትን ክትከውን ትኽእል እያ። እዚ ጥራሕ እንተይኮነስ እታ ከተማ ፅርየትን ካብ ብኽለት ኣየር ዝነፀሀትን፣ ንነበርታ ድማ ምችውቲ ክትኸውን ይግባእ። ብመዳይ እዚ ኣብ ሰሜናዊት ኮኾብ ከተማ መቐለ ዝረአ ፅርየትን ምንካይ ብኽለት ኣየርን ክንድቲ ዝድለ ኣይኮነን ።ይኹን እምበር ከምተን ብፅርየትን ጓሓፍ ኣብ ረብሓ ብምውዓልን ኣብ መዝገብ ክብሪ ዝኣተዋ ሃገራት ዓለም ንቕድሚት ከይትስጉም ማሕነቖ ዝኾና ዘሎ ጉዳይ ሕፅረት በጀት እዩ። ነዚ ድማ መፍትሒ ክናደየሉ እንተዘይ ክኢሉ “ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ፀሊእኽን” ዝብል ምስላ ወለዲ ጋህዲ ካብ ምኳኑ ዓዲ ኣይውዕልን። በዚ እውን ፅርይትን ካብ ብኽለት ኣየር ዝተናገፈት ከተማ ንምፍጣር ስለዘይከኣል ክሕሰበሉ ይግባእ። ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ዝተዓፃፀፈ ብሉፃት ስራሕቲ ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑን  ተመኩሮ ዝማዕበላ ዓድታት ምቕማር ከምዘድሊ እናሓበርና ትሕዝቶና ክንዛዝም። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010