እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5052327
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
2424
2909
31441
4998067
84521
110388
5052327

Your IP: 54.198.134.104
2018-04-20 14:36

ምረቓ ወለዲ!

here we go
selam new

“ባህልኹም፣ ቋንቋኹምን ትውፊትኹምን እተኽብሩ ይግበርኩም”፤ “ኣሜን!” ዶ ኢልኩም። ነዚ ዝበልኩ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፤ ብዛዕባ እንታይነት ምረቓ ገለ ቁም ነገር ከሕልፍ ስለ ዝደለኹ እየ። ምረቓ ሓደ ዓይነት ስነ-ቃል እንትኸውን ምስ ባህልን እምነትን ሕብረተሰብ ተኣሳሲሩ ዝግለፅ እዩ። ምረቓ ሰባት ኣብ ውልቃውን ማሕበራውን ህይወቶም ሰናይ ተግባራት ክፍፅሙ ንዝገጠምዎም ሰባት ስሰናዩ ከጓንፎም ብምምናይ መፃኢ ዕድሎም ብሩህ ክኸውን ዘተስፍውሉ እዩ።

 ምረቓ ናይ ባዕሉ ከይዲ ኣቀራርባ   ኣለዎ። ብውሑድ ክልተ ሰባት ዝሳተፍሉ ኮይኑ ገሊኦም መረቕቲ ገሊኦም ድማ ተቐበልቲ ምረቓ ኮይኖም ይዋስኡ። መብዛሕትኡ ግዘ መረቕቲ ኮይኖም ዝዋስኡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ ዓበይቲ ወለዲ እዮም። ኣብዚ ከይዲ መረቕቲ ሰናይ ትምኒት እንትገልፁ ተመረቕቲ ድማ ይግብረለይ ዝዓይነቱ “ኣሜን” እናበሉ ይቕበሉ። እምበኣርከስ ሓደ እዋን ሓንቲ ወላዲት ብዝገበርኩለን ሓገዝ ጉልበት ዘቕረባለይ ምረቓ ከምዚ ዝስዕብ ከቕርበልኩም።  “ኣሜን” ብምባል ድማ ዓጅቡናቲ።

ü ዓብዪ እንጀራ ይሃብኪ

ü ዓባይ ሰብ ኩኒ

ü ሓሳብ ልቦናኺ ይስመረልኪ

ü መሕደሪት ሽሕ ኩኒ

ü ወፂእኺ ኣይትተዓንቀፊ

ü ካብ ክፉእ ጐረቤት፣ ካብ

    ዕሾክ ምድር ቤት  ይሰውርኪ

ü ፅላል ዓዲ ኩኒ

ü ውለዲ ዘምዲ

ü ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ

ü ካብ ኩፉእ ይሰውርኪ

ü ኣብ መርዓኺ የላህየኒ

ü ሓገዝትኺ ውለዲ

ü ለምለም ርገፂ

ü ዝተባረኸ ሓዳር ይሃብኪ

ü ወሊድኺ ሰዓሚ

ü ብርሃን ይኹን ናብራኺ

ü ሹሻይ ተዓደሊ

ü ሰፊሕ ኣእምሮ ይሃብኪ

ü ዓይንኺ ፅቡቕ ይርኣያ

ü ኣእዛንኺ ፅቡቕ ይስማዓ

ü ልብኺ ኣይደንግፅ

ü ሕማቕ ንብዓት ኣየንብዕኺ

ü ኣሜን! ዝበልክዮ ኩሉ

   ይስመረልኪ። 

ሄለን ካብ ዓብዪ ዓዲ


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 971
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010