የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4534310
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1762
2471
4233
4511961
49583
165145
4534310

Your IP: 54.224.164.166
2017-11-20 17:09

ኢትዮጵያ ብሚድያታት ዓለም ትማልን ሎምን

here we go
selam new

ሳልሳይ ክፋል

ሚድያታት ዓለም ቅድሚ 26 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብተምሳሌት ድርቅን ጥሜትን ይገልፀኣ ምንባረን ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ብዛዕባ ፅቡቕነታ እናልዐላ ይፅብፅባ ከምዘለዋ ብኣብነታት ኣደጊፍና ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ሪእና ነይርና። ሕዚ እውን ኢትዮጵያ ብሚድያታት ዓለም እትግለፀሎም

ሳልሳይ ክፋል

ሚድያታት ዓለም ቅድሚ 26 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብተምሳሌት ድርቅን ጥሜትን ይገልፀኣ ምንባረን ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ብዛዕባ ፅቡቕነታ እናልዐላ ይፅብፅባ ከምዘለዋ ብኣብነታት ኣደጊፍና ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ሪእና ነይርና። ሕዚ እውን ኢትዮጵያ ብሚድያታት ዓለም እትግለፀሎም ዘላ ምዕባለታት ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እናቖንጠርና ኢና ክንቅፅል።

ብ24 መጋቢት 2003 ዓ.ም  ካብ ሩባ ኣባይ፣ ፍሉይ ሽሙ ጉባ ካብ ዝተብሃለ ቦታ ዝተሰምዐ ዜና ንመላእ ኢትዮጵያውያን ብታሕጓስ ዘሰራሰረ እዩ ነይሩ። እቲ ንዘመናት ሃገሩ ገዲፉ ናብ ባዕዲ ዝፈስስ ዝነበረ ማይ ሩባ ኣባይ ኣብ መሰረታዊ ረብሓ ንምውዓል ዓብዪ ግድብ ከም ዝህነፅ ዘበስር እዩ እቲ ዝተሰምዐ ዜና። ኣብ ሩባ ኣባይ ግድብ ንኽህነፅ እምነ ሰረት ብምንባር ዘበሰረ ድማ ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝነበረ ብሉፅ መራሒ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ እዩ። ሚድያታት ዓለም እውን ነቲ ዜና ብሰበር ተቐባበለኦ።

ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ኣሽንባይዶ ልዕሊ 80 ቢልዮን ብር ዝውድእ ኣዝዩ ግዙፍ ግድብ ክትሃንፅ ድርቂ ብዝመፅአ ቁፅሪ ንዜጋታታ ካብ ጥሜትን ስደትን ክተድሕን ዘይትኽእል ሃገር እያ ነይራ። እቲ ካሊእ፣ ሩባ ኣባይ እኒ ግብፂ ንብሕተን ክጥቀማሉ ዝደልያን ኢትዮጵያ ክትትንክፎ ዘይፈቕዳን ብምንባረን ኢትዮጵያ “ደፊራ ክትሰርሖ እያ” ዝብል ኣረዳድኣ ኣይነበረንን።

ነዚ ታሪኽ ስለ ዝፈልጡ እዮም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ግድብ ከም ዝሰርሕ ምስኣፍለጠ ኣብቲ እዋን ንዜናታት ሚድያታት ዓለም ሰሚዖም “ኢትዮጵያ ናብ ዘይትኽእሎ ስራሕ ትኣቱ ኣላ” ክብሉ ዝተፈላለዩ ምሁራት ፖለቲካን ኢኮኖምን ዝገለፁ። ግብፂ ሃፍታማትን ምስ ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለወንን ሃገራት ንመስርሒ እቲ ግድብ ዝኸውን ገንዘብ ከየልቅሓኣ ደብዳቤ ምስ ፀሓፈት ድማ “ኢትዮጵያ ኣይትኽእሎን” ዝብል ሓሳብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዓለም ዝጠንከረ ኮይኑ። ይኹን እምበር ከቢድ ፈተና ከም ዘጋጥሞ ኣቐዲሙ ዝተረድአ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ንህዝቡ ኣለዓዒሉ ብውሽጣዊ ዓቕሙ ከም ዝዋፅኦ ቆሪፁ ተልዓለ።

ስለዝኾነ በቲ መሃንዲስ ህዳሰና ዝኾነ ብሉፅ መራሒ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ 24 መጋቢት 2003 ዓ/ም እምነ ሰረት ምስተነቢሩሉ ህንፀቱ ንምጅማር ግዘ ኣይወሰደን። “እቲ ከልቢ ይነብሕ ግመል ጉዕዝኡ ይቕፅል” ከም ዝበሃል ብዙሓት ተቓውሞታትን ምንሻዋትን ዋላ እንተወሓዘ ህዝቢ ኢትዮጵያ “ቦንድ” እናዓደገ ነቲ መንግስቲ ዝወጠኖ ዓብዪ ሃገራዊ ፕሮጀክት ንምህናፅ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምልዕዓል ተፈጠረ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ማዕበል ህዝቢ ዓቂቡ ብምሓዝ፣ ብሱል ዝኾነ ዴፕሎማሲያዊ ርክባት ብምፍጣርን ሃገራዊ እቶቱ ብምዕባይን ነቲ ህንፀት ኣጠናኺሩ ቀፀለሉ። ወዮ “ኣይከኣልን” ተባሂሉ ዝነበረ ህንፀት ብጠንካራ መሪሕነት መንግስትን ብሕራነን ህዝቢ ኢትዮጰያ ተኻኢሉ።

“ዘጋርድያን” The Guardian ዝተብሃለ ፍሉጥ ሚድያ ዓለም ብ2006 ዓ.ም ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ነዚ ዝትንትን እዩ ነይሩ። “ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ግድብ ኣፍሪካ ክኸውን እዩ” ዝብል ርእሲ ኣብ ዝሃቦ ፅሑፉ፣ ካብ ዝለዓሉ ሓለፍቲ ክሳብ ዝተሓቱ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ዝገብርዎ ርብርብ ብኣድናቖት እዩ ገሊፅዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይምንም ሓገዝ ንህዝቡ ኣተሓባቢሩ ይሰርሖ ምህላዉ ካሊእ ዘደንቕ ጉዳይ ከም ዝኾነ እውን እዩ ዝገለፀ።

“ኢንጅነሪንግ ኒውስ” ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ብወገኑ ኣብ 2008 ዓ.ም ከይዲ ህንፀት ግድብ ህዳሰን ዝህልዎ ረብሓን ተንቲኑ ገሊፅዎ እዩ። “6,000 ሽሕ ሜጋ ዋት ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ዘለዎን ካብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ፣ ካብ ዓለም ድማ መበል 11 ዝኾነን ግድብ ህዳሰ ድሕሪ 2010 ዓ.ም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ክጅምር እዩ” ብምባል ንህዝቢ ዓለም ሓቂ ነጊርዎ፤ ነቶም “ኣይከኣልን” ዝብሉን ዘዐንቅፉ ዝነበሩን  እውን ኣፎም  ኣትሒዝዎም። ትማሊ ብዛዕባ ሞት፣ ጥሜት፣ ስደትን ድንቁርናን ኢትዮጵያ ዝፅብፅባ ዝነበራ ሚድያታት ዓለም ሎሚ ካብ ጭቡጥ መርትዖ ተበጊሰን ብዛዕባ ኩለመዳይ ለውጢ ምፅብፃበን ኢትዮጵያ ዘላቶ ብርኪ ዕብየት ብዝበለፀ ክንርዳእ  ይገብር። ክቕፅል እዩ . . .


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010