የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595440
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1801
2526
6927
4567652
33405
77308
4595440

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:47

ማዕበል ህዝቢ ኣብ ልምዓት መንገዲ!

here we go
selam new

ኣብ ከይዲ ምዝዛም ዝርከብ ህንፀት መንገዲ ፃሕዋ

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዓለምና ብኩለመዳይ ሜላታት መጎዓዝያ ናብ ሓንቲ ቁሸት እያ ትቕየር ዘላ። እዞም ንዓለም ናብ ሓንቲ ቁሸት እናቐየርዎ ዝርከቡ ሓደሽቲ ምህዞታት ቴክኖሎጂ ዝተሓወሶም ዘበናዎት መራኸብታት፣ ዝያዳ እናተራቐቑን እናተሓደሱን ክሳብ ናብ ሕድሕድ ገዛውትና እናተዘርግሑን ይርከቡ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብዚ እዋን መጎዓዝያ ማለት ቀንዲ ቁልፍን መራኸቢ ሃገራት ዓለም ተገይሩ ዝውሰድን ኣብ ጉዕዞ ዕብየትን ምዕባለን ሃገራት ቁልፊ ኣበርክቶ ዘለዎን ዘፈር ልምዓት እዩ። 

ዓይነታት መጐዓዝያ ባሕሪ፣ ምድሪ፣ ኣየርን ማያዊ ኣካልን፣ ኣድማስ ሰማይን ጐቦታትን እንተይከወሎም ኣብ ዝተደለየ እዋንን ግዘን ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘባፅሑ ዘፈራት እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ዓለምና ኣብዚ ሐዚ ዘላቶ ብርኪ ዕብየትን ምዕባለን ንኽትበፅሕ ዝነበሮም ኣበርክቶ ቀሊል ኣይነበረን።

ዝሓለፉ ስርዓታት ኣብ ዘፈር መጐዓዝያ ዝነበሮም ጠመተ ኣዝዩ ዝተሓተን ዝደኸመን ብምንባሩ ሃገርና ብመዳይ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን  ክትረኽቦ ዝግባእ ዝነበረ ኩለመዳይ ረብሓ እንተይረኸበት እያ ፀኒሓ። ብፍላይ ኣብ መዳይ ዝርገሐ መስመራት መንገዲ ከም ሃገር ይኹን ክልልና ዳርጋ ኣይነበረን ኣብ ዝበሃለሉ ብርኪ እዩ ነይሩ። ከም ሓበሬታ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን መጐዓዝያን ክልል ትግራይ ኣብ እዋን ስግግር መንግስቲ ማለት እውን ብ1984 ዓ/ም 906 ኪሎ ሜትሮ ጥራሕ ዝነበረ ዝርገሐ መንገዲ ክልልና ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቲ ዘፈር መንግስቲ ልዑል ትኹረት ሂቡ ብምስርሑ ናብ 6439 ነጥቢ 9 ኪሎ ሜትሮ ክዓቢ ክኢሉ እዩ። ካብዚ እቲ 17 ሚእታዊ ብደረጃ ኣስፋልቲ ዝተሰርሐ እንትኸውን ኣብ ኩለመዳይ ዕብየት ክልልና ኢሉ እውን ሃገርና ዝለዓለ ብፅሒት ንኽህሉ ዘኽኣለ ዘፈር ህንፀት መሰረተ ልምዓት እዩ።

እዚ ግን መንግስቲ ንመጎዓዝያ ብዝሃበ ፍሉይ ትኹረት ጥራሕ ዘይኮነስ፤ እቲ ፃዕራም ህዝብና  ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ዓሲሉ ብዘካየዶ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣቢሉ ዝመፀ ውፅኢት እዩ። እቲ ምንታይ ከምቲ ብሓደ ኢድካ ምጥቃዕ ዘይክኣል ብዘይተሳትፎ ሕብረተሰብ ክረጋገፅ ዝኽእል ልምዓት ይኹን ዕብየት ቀፃልነት ክህልዎ ኣይኽእልን። ብምዃኑ ዉን ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት እቶም መንግስቲ ኢዱ ኣእትዩ ዝሰርሖም ዓበይቲ መንገድታት ገዲፍካ ወረዳ ምስ ወረዳ ፣ወረዳ ምስ ጣብያታት ዘራኽቡ ብዙሓት  መስመራት መንገዲ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ጥራሕ ክውገኑ ፀኒሖም ኣለው።

ብዓቕሚ መንግስቲ ክስርሑ ዘይኽእሉ ካብ ማእኸል ጣብያ ምስ ቁሸታት ዘራኽቡ መንገድታት ንምህናፅ ህዝቢ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ተሰሊፉ ኣብ መላእ ከባብታት ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ርብርብ ብጣዕሚ ዝነኣድ እዩ።  ሕዚ እውን ዝግባእ ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐሉ ይርከብ። እቲ ሕብረተሰብ መንፈስ ናተይነት ተሰሚዑዎ ውዳበታት ልምዓት ብምጥያሽ ተወለድቲ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ፈተውትን  ብምትሕብባር ቁሸት ምስ ቁሸት፣ ቁሸት ምስ ጣብያ ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ፀረጋ መንገዲ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ተጠናኺሩ ኣብ ዝቕፅለሉ እዋን ኢና ዘለና። ንሎሚ ኣብዚ መዳይ መርኣያ ካብ ዝኾና ወረዳታት ክልልና ሓንቲ ዝኾነት ወረዳ ጉለመኸዳ ክንድህስስ ኢና።

ወረዳ ጉለመኸዳ ካብተን ኣፀጋምን ኣፃድፍ ዝበዝሖ ኣቀማምጣ መሬት ዘለወን ወረዳታት ገጠር ክልልና ሓንቲ እያ። ክልተ ከተማታት ሓዊሱ 17 ገጠር ጣብያታት  ዝሓቖፈት እታ ወረዳ፣ ቅድሚ 1984 ዓ/ም ብዘይካ መንገዲ መስመር ዛላምበሳ - ዓዲግራት ካሊእ ጣብያታተ እታ ወረዳ ዝራኸባሉ መንገዲ ኣይነበራን።

መንግስቲ፣ መንገዲ ፅርግያ “ደም ሱር” ኩሎም መሰረተ ልምዓታት ምዃኑ ብምእማን ነዚ ኣንፈት ዝለዓለ ትኩረት ሂቡ ገዚፍ በጀት ብምስላዕን ገጠር ጣብያታት ንወረዳታት ንምርኻብ ብዕቱብ እናሰርሐ እንትመፅእ ነቲ ተበግሶ ብናህሪ እናተግበረት መፂኣ እያ። በዚ ድማ ኣብታ ወረዳ ካብ ዘለዋ 17 ገጠር ጣብያታት እተን 14 ብፕሮግራም ኣድማሳዊ ተበፃሕነት መንገዲ ገፀር (URRAP)፣ ኣስፓልት፣ ገጠር መንገዲን ኣቢለን ክራኸባ ብምኽኣለን ብ1984 ዓ/ም 34 ምኢታዊ ዝነበረ ሽፋን ተበፃሕነት መንገዲ እታ ወረዳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ 82 ምኢታዊ ከም ዝዓበየ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን፣ መንገድን መጐዓዝያን እታ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ኣብ ጐድኒ ዕውትነት እዚ መደብ ዘይኹለፍን ደኺሙኒ ዘይፈልጥን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ኣሎ። ኣብዚ ብፍላይ እቶም ኣፀገምቲ ዝበሃሉ ከባብታት ባዕሉ ሕብረተሰብ ማለት እውን ሰብሃፍትን ተወለድቲ ዓድን ብምትሕብባር ገንዘቡ፣ጉልበቱን ንብረቱን መስዋእቲ እናኸፈለ ዘሳለጦም ህንፀት መንገድታት ብርክት ዝበሉ እዮም። ንኣብነት ካብ ማእኸል ጣብያ ሃገረ ሰላም ምስ ቁሸት ሰፍሖ ዘራኽብ ድልድል ብልዕሊ 500 ሽሕ ቅርሺ  ተሃኒፁ ናብ ግልጋሎት ኣትዩ ይርከብ። ብተመሳሳሊ ኣብ ጣብያታት ርግባይ መደባይ፣ ክሳድ ማዕተብ ቁሸታት ምስ ማእኸል ጣብያ ዘራኽብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ዝወደአ 6 ኪሎ ሜትሮ ዝንውሓቱ ፅርግያ ብተሳትፎ ህዝቢ እቲ ከባቢ ተሃኒፁ ይርከብ። 

እዚ ተመክሮ እዚ ኣብ መላእ ጣብያታትን ቁሸታትን እታ ወረዳ ምልዕዓል ፈጢሩ እዩ። ነቲ ቅድም ክብል ዝተሰርሐ ብሉፅ ተመክሮ መበገሲ ብምግባር ናብ ተግባር ካብ መንጐ ዝተሰጋገራ ጣብያታት ሓንቲ ጣብያ ኣዲስኣለም ቁሸት ፃሕዋ እያ። እዛ ካብ ተወለድትን ፈተውትን ዝተወፃእፅኡ 30 ኣባላት ሒዛ ዝተጣየሸት ማሕበር፣ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን፣ መንገድን መጐዓዝያን እታ ወረዳ ብዝረኸበቶ ኣስታት 60 ሽሕ ብር መበገሲ ሒዛ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ብር ብምውሳኽ ብድምሩ 460,000 ብር ሒዛ እያ ስረሓ ጀሚራ።

 ቐሺ ኣብርሃ በየነ ነታ ውዳበ ካብ ዘጣየሹ ኣባላት ሓደ እዮም። ቐሺ ኣብርሃ፣  ነዛ ውዳበ ከጣይሹ ዘለዓዓሎም ዋና ነገር ንዓመታት ብራሕቒ መንገዲ ጣብያ ኣዲስኣለም ቁሸት ፃሕዋ ክሳቐይዎ ዝፀንሑ ፀገም ከብቅዕ ስለዝደለዩ ከም ዝኾነ እዮም ዝዛረቡ። እዚ ተግባር ኣብተን ካልኦት ጣብያታት ዝረኣይዎ ተመክሮ መሰረት ብምግባር ከምዝኾኖም ፣ብቐጥታ ከዓ ህዝቢ ብምልዕዓልን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ውልቀ ሰባት ብምትሕብባር እቲ ዝነበረ ፀገም ንምቕራፍ ከምዝጀመርዎ ይዛረቡ። ኣብዚ ሐዚ እዋን እታ ውዳበ ብዝፈጠረቶ ምንቕናቕ እቲ ምልዕዓል ካብታ ቁሸት ወፅዩ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ተወለድትን ፈተውትን ጣብያ ኣዲስኣለም ቁሸት ፃሕዋ እውን ብተወከልቶም ኣቢሎም ብቅርሽን ናይ ምምኻር ስራሕቲን ናብ ዝሳተፍሉ ብርኪ ተሰጋጊሮም ኣለው። ክሳብ ሐዚ እውን ንመካየዲ ህንፀት መንገዲ ፃሕዋ - ፋፂ ልዕሊ 800,000 ቅርሺ ተዋፂኡ እቲ ፕሮጀክት ብዝተትሓዘሉ ትልሚ መሰረት እናተሳለጠ ከም ዝርከብን እቲ ህዝቢ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብዝለዓለ ኒሕን ሓቦን ብፍልጠቱ፣ ቅርሹን ጉልበቱን ቀትርን ለይትን ተሳትፎኡ ብምሕያል ይቕፅለሉ ከም ዘሎ  ቐሺ ኣብርሃ ሓቢሮምልና።

ኣይተ የማነ ምስግና ነባሪ ቁሸት ፃሕዋ እንትኾኑ ቅድሚ ሐዚ ካብ ማእኸል እታ ቁሸት ናብ ማእኸል ምምሕዳር እታ ወረዳ ከተማ ፋፂ  ንምብፃሕ ዝወፅእ ዝነበረ ግዘን ጉልበትን ኣዐርዩ ከም ዝንኪ የረድኡ።  ብፍላይ እቲ ከባቢ ንመስኖ ምችውን ህዝቢ እውን ብስፍሓት ኣብ ምልማዕ መስኖ ዝሳተፉሉ ዘሎ ብምዃኑ ናብ ከተማ ኣምፂእኻ ፍርያትካ ንምሻጥ ዝጠፍእ ዝነበረ ግዘን ጉልበትን ከምዝቕንስ የረድኡ። ካብዚ ሓሊፉ ነብሰ ፆር ኣዴታት ናብ ማእኸል ሕክምና ንምውሳድ ብጉልበት ሰብ ተሰኪምካ ዝግበር ዝነበረ ብሰንኪ ራሕቒ መንገዲ ህይወተን ዝስእና ኣዴታት፣ ንሞት ዝሳጥሑ ህፃናትን ሕሙማትን ከም ዝነበሩ ፣እዚ ኣዐርዩ ከምዝቀረፈሎም እዮም ዝዛረቡ።  ሐዚ እሞ ምስ ማእኸል ከተማ ፋፂ ዘራኽብ ፅርግያ ብምስርሑ ኣምቡላንስ ኽትኣትዎ ብምሕጋዙ  ስለዝኸኣለት እቲ ዝነበረ ፀገም መሊኡ ከምዝቕረፍ የረድኡ።

ኣይተ ታደሰ ገ/ስላሴ ካሊእ ነባሪ እታ ቁሸት እዮም።  ኣብታ ቁሸት ብሰንኪ ፅርግያ ዝጉድኡ ሓረስቶት ብርክት ዝበሉ ከምዝኾኑ እቶም ነባሪ ሕዚ ግን እቲ ፀገም እናተቐረፈሎም ከም ዘሎ እዮም ዝዛረቡ። ከምቲ ኣይተ ታደሰ ዝበልዎ ኣብታ ማእኸል ቁሸት ከም ኮሚደረ፣ ሽጉርቲ፣ ኣሕምልቲ ዝኣመሰለ ዝለምዐ መስኖ ኣቢሎም ሓረስታይ ንባዕሉ ተረቢሑ ንዕዳጋ ክምግብ እናተገበኦ ብምኽንያት ፀገም ፅርግያ ሓረስታይ ፍርያቱ ሸይጡ ዝርበሐሉ ኩነታት ኣይነበረን። እቲ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ እየ ዝበለ እውን ብጉልበቱ ተሰኪሙ ወይ ድማ ብፅዕነት ኣቢሉ ነዊሕ ሰዓታት ብእግሩ ክጎዓዝ ይግደድ ነይሩ። ብምኽንያት እዚ ድማ እቲ ነዊሕ  ርሕቐት ተጓዒዙ ግዚኡን ጉልበቱን ኣባኺኑ ዝረኽቦ ትርፊ እንትግበጥ ፈፂሙ ዝመጣጠን ከምዘይነበረ ይዛረቡ። ሕዚ ግን እቲ ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ፅርግያ ፋፂ - ፃሕዋ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ግልጋሎት እንተኣቱ ኣብቲ ማእኸል ዘሎ ከም ተፈጥራዊ ሃፍቲ ሑፃ፣ ዝፈርዩ ተኽልታትን ብቐረባ ምስ ዕዳጋ ብምትእስሳር ንመላእ ሕብረተሰብ ቁሸት ፃሕዋ ፅቡቕ ዕድል ከምዝፈጥር ምርዳእ ይከኣል። ኣይተ ታደሰ እውን እዚ እምነቶም ከምዝኾነ እዮም ነጊሮምና። ህንፀት እቲ ኣብቲ ቁሸት ዝስራሕ ዘሎ ፅርግያ ኣብ ዝቕፅል 18 መስከረም 2010 ዓ/ም ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ከምዝምረቕን ንግልጋሎት ክፍቲ ከምዝግበርን እውን ኣብ ዝተትሓዘ ትልሚ የረድእ።

ኣብ ወረዳ ጉለመኸዳ ካብ ዘለዋ 64 ቁሸታት ብዝተወደበ ፃዕሪ ህዝብን መንግስትን ዛጊድ ብዘይካ ሓሙሽተ ቁሸታት እተን 59 ቁሸታት ገሊአን ሓጋይን ክረምትን ገሊኤን ድማ ኣብ እዋን ሓጋይ ጥራሕ ዘራኽብ መኻይን ዝሓልፋኦ ፅርግያ ተሰሪሑለን እዩ። ኣብ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ቁሸት ፃሕዋ ዝተሰርሐ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትሮ ደኣ ከም ኣብነት ኣልዒልና እምበር ብተገዳስነት ተወለድቲ ሕብረተሰብ ዝህነፁ ዘለዉን ዝተሃነፁን ፅርግያታት እታ ወረዳ  ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዛየደ ይመፅእ ኣሎ።

ብተመኩሮ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ቁሸት ፃሕዋ ዝተለዓዓሉ ከም ቅልዓት፣ ሓየሎምን ኣምበሰተፍቓዳን ዝኣመሰላ ከባብታት እታ ወረዳ ፀገም መራኸቢ ፅርግያ ንምፍታሕ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ተግባር ኣትየን ኣለዋ። እዚ ውን መንግስቲ ዝድጉሞ 30 ሚእታዊ ብምጥቃም እቲ ህዝቢ ድማ 70 ሚእታዊ ጉልበቱ፣ ገንዘቡን ንዋቱን እናደመረ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን፣ መንገድን መጐዓዝያን ወረዳ ጉለመኸዳ ኣይተ ደስታኣለም ገ/ህይወት የረድኡ። መንግስቲ ኣብ ዝቕፅል 2017 ዓ/ም ድሕንነቱ ዝሓለወ ግልጋሎት መጐዓዝያ ኣብ መላእ ትግራይ ክርአ ዝሓንፀፆ ትልሚ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ወረዳ ጉለምኻዳ እውን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን መላእ ተሳትፎ ሕብረተሰብን ብምውዳድ ነዚ ትልሚ ንምዕዋት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቶም ሓላፊ ይሕብሩ። ብፍላይ ኣብ ከም ቅልዓት፣ ማይ ፃዕዳ፣ ኣዲስ ኣለምን ዝኣመሰላ ጣብያታት ምስ መንግስቲ ክልል ብምትሕብባር ኣብ ዝቕፅል ዓመት ደረጅኡ ዝሓለወ ፅርግያ ንምህናፅ ትልሚ ተታሒዙ ከምዘሎን 78 ኪሎ ሜትሮ ፅርግያ ድማ ፅገና ከምዝካየደሉን ወሲኾም ገሊፆምልና።

ብሓፈሻ ብውዳበ ህዝቢ ወረዳ ጉለመኸዳ ብፍላይ ድማ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ፀገም ሕፅረት መሰረተ ልምዓት ንምቕራፍ ምስ መንግስትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተዋዲድካ ኣብ ምስራሕ ኣዝዩ ዘተባብዕ ስራሕ እዩ ዝውገን ዘሎ። መንግስቲ እታ ኣብ ትሑት ቁጠባን ሕፅረት መሰረተ ልምዓትን ዝነበራ ዝፀንሐትን ዓዲ ካብ ድኽነት ከውፅእ እንተኾይኑ፣ ህዝቢ ኣብቶም ዝውገኑ መሰረተ ልምዓታት ብፂሒቱ ክዋፃእ ኣለዎ። ህዝቢ ወረዳ ጉለመኸዳ  ‘’ኣብ ከባቢና ዘሎ ፀገም መሰረተ ልምዓት ንሕና ባዕልና እንተደኣ ዘይፈቲሕናዮ ካልኣይ ኣካል ሓጋዚ እምበር ፈታሒ ፀገምና ክኸውን ኣይኽእልን’’ ብዝብል ዝነበረ ፀገም ተበፃሕነት  ፅርግያ ክፍታሕ ዝገብርዎ ፃዕሪ ዝነኣድ እዩ። እዚ ድማ ህዝቢ ኣብ ኩሎም ዓውደ ስራሕትና ኣካል መፍትሒ ፀገምናን ቀዳማይ ተዋሳኢ እንተደኣ ገይረናዮን ዘይረጋገፅ ልምዓት ከምዘየለ እኹል ኣብነት እዩ። ብምዃኑ ዉን ብዝለዓለ ተሳትፎ ህዝቢ ኣቢልካ ፀገም መሰረተ ልምዓት ከባቢኻ ምፍታሕ ከምዝከኣል ካብ ወረዳ ጉለመኸዳ ተሞክሮ ክንወስድ ይግባእ ንብል ዘለና።    


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010