እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5193289
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
742
3331
20652
5145598
97347
128136
5193289

Your IP: 54.158.219.248
2018-05-25 05:17

ሓቀኛ መድሓኒት ንሓቀኛ ሕማም

here we go
selam new

ብዳኒኤል

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሃገርና ቁልፊ ኣጀንዳ ኮይኑ ንቕድሚት ተወጢጡ ዝርከብ ናይ ሰላም ጉዳይ እዩ። እቲ ህውከትን ዕግርግርን ኣድማሱ ኣስፊሑ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ንምስሊ ሃገርና ቀይርዎ ስለዘሎ ወግሐ ፀብሐ ብዛዕባ ሰላምን ሰላምን ይውጋዕ ኣሎ። ሰብ ብፅሒት ኣካላት ብዛዕባ ሰላም ክሰብኩ፣ ክዝምሩ፣ ክፅልዩ፣ ክምህለሉ ንርኢ ኣለና።እሞኸ እዞም እንገብሮም ምንቅስቓሳት ዛጊድ እንታይ ጭቡጥ ለውጢ ኣመዝጊቦም ኣለዉ? ንቐፃሊ ዘለዎም ብፅሒት ከ እንታይ እዩ? ሓፋሽ ህዝቢ ነቶም ንሰላም ጠንቂ ኮይኖም ዝርከቡ ወድዓውያን ምኽንያታት ክንደየናይ ነፂሩ ፈሊጥዎም? ኣብቲ ምንቅስቓስ እንታይ ክፍተት ይረአ ኣሎ? ነቲ ክፍተት ከ ከመይ ገይሩ ክምልኦ ይኽእል? ኣብዚ ብፅሒት ህዝብን መንግስትን እንታይ ክኾን ይግባእ? ዝብሉ ነጥብታት ብምልዓል ምይይጥ ክንገብር ስለዝሓሰብኩ እዛ ሓፃር ፅሕፍቲ ኣበርኪተ ኣለኹ።

ከም ዝፍለጥ ካብ 2008 ክሳብ 2010 ዓ.ም ሃገርና ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ከምዝፀንሐት መርትዖታት ምቕራብ ዝጠልብ ጉዳይ ኣይኮነን። ንምንታይ እንተኢልና? ንብረት ምቅፃል፣ ትካላት ምዕናው፣ መንገድታት ትራንስፖርት ምዕፃውን ተሽከርከርቲ ጠጠው እናበልካ ጎደናታት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ምግባር፣ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ምግባር፣ ኣብያተ ትምህርቲን ትካላት ንግድን ክዕፀዉ ምግባር፤ ብሄር እናፈለኻ ጥቕዓት ምፍፃምን ምፍንቓልን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ህይወት ንፁሃት ሰባት ምጥፋእ ወዘተ ዝተለመደ ተግባር እናኾነ መፂኡ እዩ። ዜጋታት ኣብ ስግኣት ተሸቢሚሞም ምንባር ካብ ዝጅምሩ ኣይቀለሎምን። ብምኽንያት እዚ ዜጋታት ኣብዚ ክልተ ዓመት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከምድልየቶም ተንቀሳቒሶም ስራሕ ክሰርሑ ኣይከኣሉን። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ንህልውና እቲ ሃገር እውን ሓደጋ ኮይኑ።

እዚ ስለዝኾነ ሃገርና በቲ ዝተለመደ ወግዓዊ ናይ መንግስቲ ኣካይዳ ክትምራሕ ኣይከኣለትን። ናይ መንግስቲ መሓውራት ዳርጋ ኩሎም ክበሃል ይከኣል ለሚሶም፣ ዓቕሚ ስኢኖም፣ ስለዝተረኸቡ ሃገር ከም ሃገር ናብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክትኣቱ እትግደደሉ ኩነታት ተፈጢሩ። እቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ንካልኣይ ግዜ እዩ ተኣዊጁ ዘሎ። እቲ ህውከትን ዕግርግርን ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ስለዝኸደን ነዚ ስዒቡ ዜጋታት ናይ ምንባር ውሕስነት ብምስኣኖም ኣብ ከምዚ ዝብለ ዘይህዱእ ኩነታተ ክውሰድ ግቡእ እዩ።ይኹን እምበር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ጊዜያዊ ፍታሕ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘላቂ ሰላም ከምፅእ ትፅቢት ኣይግበረሉን። ኩነታት ንምምችቻው ጥራሕ እዩ ዝጠቅም፡፡

እዚ ምእንታን ክኸውን ነቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዙሕ ሰብ ደጊፍዎ ኣሎ። ዝደገፈሉ ምኽንያት ግን እቲ ህዝቢ ደላይ ሰላም ብምዃኑ እዩ። ኮይኑ ግን ኣብቶም ነቲ ሰላም ዝብህጉ ዘለዉ ሓይለታት ዘሎ ግንዛበ ምዕሟቕን ምስትኽኻልን ዘድሊ ነገር ከምዘሎ እንሪኦ ዘለና ጉዳይ እዩ። እቲ ኣብ ሃገርና ክረአ ዝፀንሐ ህውከትን ዕግርግርን መበገሲኡ እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ምልዓል ትክክለኛ መፍትሒ ንምርካብ ዘኽእል ናይ ኣመራርሓ ጥበብ እዩ ዝኸውን። ቅድም ኢሉ ዝተጀመረ ዋላ ይዅን ግን ከዓ ኣብ ከባቢ 2008 ዓ.ም ኣብ ኩሉ ናይ ሃገርና ከባቢታት ዝተፈላለዩ ናይ ሰናይ ምምሕዳርን ናይ ልምዓትን ሕቶታት በቲ ህዝቢ ናብ መንግስቲ ዝቐረብሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ናይ መሬት ወሰን ሕቶ እውን ነይሩ፤ ንኣብነት ከም ናይ ግጨው ዝበለ ሕቶ ፅንሕ ኢሉ ድማ ንሱ ብዘይ ምፍትሑ ፅግዕተኛ ሓይልታት ተሓዊሰምዎ ናብ ናይ ወልቃይት ሕቶ ዝዓበየ ማለት እዩ። እዞም ሕቶታት ሰላማውን ዴሞክራስያውን ብዝኾነ መንገዲ ምቕራቦም ፀገም ኣይነበሮን፤ ፀገም ኣይነበሮን ጥራሕ እውን ዘይኮነ ክቐርቡ ዝግበኦም ሕቶታት እውን እዮም። ይኹን እምበር እቲ በብኸባቢኡ ዝነበረ መሪሕነትን ነቲ በብኸባቢኡ ተበግሶን ተወፋይነትን ወሲዱ ሕቶ ዘቕርብ ዝነበረ ሓፋሽ ህዝቢ ክሰምዕ ኣይክኣለን፤ በዚ ምኽንያት ድማ ብቑዕ ምላሽ ክህብ ኣይከኣለን። እቲ በብደረጅኡ ዝርከብ ኣመራርሓ ነታ ዝሓዛ ስልጣን ኣብ ክንዲ ነቲ ህዝቢ መገልገሊት ዝገብራን ነቶም ናይ ህዝቢ ሕቶታት ግልፅን ብቑዕን ምላሽ እናሃበ ዝኸድ ካብ ህዝባውነት ርሒቑ ውልቃዊ ድልየታቱ ብምቕዳሙ እቶም ፀገማት እውን እናተጋደዱ ነዚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተቐቢሎም ህውከት ዝቖሳቑሱ ሓይልታት ድማ ብዝለዓለ ደረጃ ሃገር ካብ ምፍራስ ዝጓየይሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡

እዚ ምስ ኮነ እቶም ሕቶታት ኣብ መጀመርታ እኳ ናይ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ጠለባት እንተነበሩ ፀኒሖም ግን ቅርፆምን ትሕዝቶኦምን እናቐየሩ ከይዶም። እቶም ፀረ ሰላም ሓይልታት ነቲ ሕቶ ፍትሒ፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ሒዙ ንመንግስቲ ዝሓትት ዝነበረ ክፋል ሕብረተሰብ ጨውዮም በቲ ዝደልይዎ ኣንፈት ክጓዐዝ ኣገዲዶምዎ እዮም። ብኻሊእ ኣበሃህላ ምስ መንግስቲ ክላተም ገይሮምዎ እዮም። ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት፣ ኢንቨስትመንታት ወፊሩ ዝለዓለ ዕንወት ክፍፅም ገይሮምዎ። ድሕሪ እዚ መንግስቲ ነቶም ናይ ህዝቢ ሕቶታት “መልሲ ክህብ እየ” እንተበለ እውን እቲ ህውከትን ዕግርግርን ጠጠው ዝብል ኮይኑ ኣይተረኸበን። ምኽንያቱ እቲ ወያናይ ሓይሊ ኣቐዲሙ ነቶም ሕቶታት ህዝቢ ክምልስ ስለዘይክኣለ በቲ ሓደ ወገን ቁፅሩ ዘይንዓቕ ህዝቢ ኣብ ኣፍ ደገ ተስፋ ምቑራፅ ደወ ዝበለ እዩ ዝምስለኒ፤ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቶም ፅግዕተኛታትን ኣንፃር እቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝተሰለፉን ሓይልታት ጨውየሞ።

ስለዚ ሕዚ እውን ውድብን መንግስትን መፍትሒ ከነምፅእ ኢና ኢሎም እንትንቀሳቐሱ ነዚ ፀገም ክርድኡ ኣለዎም።“እቲ ኣውራ ፀገምና እንታይ እዩ?” እንተድኣ ተባሂሉ? እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ዘለዉ ሕቶታት ክምለሱ ኣለዎም። እዚ እንተዘይተገይሩ ሽሕ ግዜ ብዛዕባ ሰላም እንተንዝምር እውን ሰላም ክመፅእ ኣይኽእልን። ወይ እውን ከምቲ ገለ ኣካላት “ሽም ኢትዮጵያ ደጋጊምካ ብምፅዋዕ” እውን ሓደ ክንከውን ኣይንኽእልን።ሽም ኢትዮጵያ ደጋጊምካ ብምፅዋዕ ጥራሕ ሰላም ኣይወርድን። ኢትዮጵያውነት ዝፀንዕ ይኹን ሰላም ዝፍጠር ኢትዮጵያውያን እንትለምዑን ኢትዮጵያዊ ኣተሓሳስባ እንተዕብዩን ጥራሕ እዩ።

እስኪ ከም መበገሲ እንተኾነ ካብ ድሕሪት ተበጊስና ገለገለ ሓቅታት ንርአ። ሰነዳት ታሪኽ ሃገርና ከምዘመላኽትዎ ሃገርና አትዮጵያ ከም ሃገር ብሃፀይ ሚኒሊክ ዳግማዊ ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ውስን ኣፈላላያት እንተሃለው እውን ዝገጥማ ዘሎ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ ዳርጋ ተመሳሳሊ ኮይኑ እዩ ዝቕፅል ዘሎ። ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብተኸታታሊ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ፣ ሕቶ ልምዓት፣ ሕቶ ዴሞክራሲ፣ ሕቶ ፍትሕን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ሕዚ እውን ሕቶ ማዕርነት፣ ብሄር ብሄረሰባት ነንርእሶም ምትፍናን እንትህልዉ እቲ ህዝቢ ንስልጣን ዘለዎ ምልከታ እውን ዝተዛበዐ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያውያን ሃገራዊ ምርድዳእ እውን ክፈጥሩ ኣይከኣሉን። እዚ ንምንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ እንተተባሂሉ እቲ መልሲ ሓደን ሓደን ጥራሕ እዩ።ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ካብ ፀገም ክወፅእ ኣይክኣለን።

ብመሰረቱ ካብ ሃፀይ ሚኒሊክ ጀሚሮም ክሳብ ስርዓት ደርግ ዝነበሩ መንግስታት ፀረ ማዕርነት ብሄር ብሄረሰባትን ጨፍጨፍትን ብምንባሮም ጥራሕ ኣይኮኑን ዝውቀሱ። ወይ እውን ሃፀይ ሚኒሊክን ንዐዖም ተኸቲሎም ዝመፁ ነገስታትን ነዛ ሃገር ብኲናት ስለዝፈጠርዋ ኣይኮኑን ዝኽሰሱ። በዚ መንገዲ ኣቢሎም ነታ ሃገር ስለዝፈጠርዋ ጥራሕ ኣይኮነን እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ሓደጋ ምፍራስ እውን ዘጋጠማ። እዚ ጥራሕ እንተዝኸውን እማ ዝኾነት ሃገር ኣውሮፓ እውን ብሕገ መንግስቲ ኣይተመስረተትን፤ ዝኾነ ሃገር ብዂናት እዩ ተመስሪቱ። ግን ኣውሮፓውያን ሃገሮም ብዂናት ምስመስረቱ ቀልጢፎም ናይ ኢኮኖምን ኣታሓሳስባን ለውጢ /Economic and cultural transformation/ ፈጢሮም። ስለዝኾነ ናብቲ ሕዚ ዘለውዎ ብርኪ በፂሖም። በብእዋኑ ኣብ ሃገርና ዝነገሱ ነገስታት ግን እዚ ኣብ ክንዲ ዝገብሩ ሸኽሚ እቲ ህዝቢ ኮይኖም እዮም ተቐሚጦም። እዚ ዝመረሮ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ፈለማ ሕቶ ኣልዒሉ፤ ፀኒሑ ድማ ዓሚፁ።

ሰነዳት ታሪኽ ከምዘርእዩና ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈለማ ናብ ገዛእቱ ዘቕረቦ ቀንዲ ሕቶ፣ ሕቶ ተጠቃምነት እዩ ነይሩ። እቲ እንኮ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ድማ መሬት እዩ። መሬት ድማ ብመሳፍንቲ ስለዝተትሓዘ “መሬት ንሓራሲኡ” ዝብል ሕቶ ተላዒሉ። ይኹን እምበር ነዚ ሕቶ ዝምልስ ኣካል ስለዘይተረኸበ ቀስ ብቐስ እቲ ሕቶ ብሄራዊ መልክዕ እናሓዘ መፂኡ። ምኽንያቱ እቲ መሬት ዝሓትት ዝነበረ ኣካል ናይ ቤተሰቡ መሬት እውን ይሓትት ስለዝነበረ እግረ መንገዱ ጉዳይ መንነቱን ታሪኹን ከምኡ እውን ብዛዕባ ዴሞክራስያዊ ህዝባዊ መንግስቲ ክሓትት ጀሚሩ። ከምዚ ኢሉ እቲ ቃልሲ ተጀሚሩ። ብሕልፊ እቲ ብወያነ ትግራይ ዝተፈጠረ ተጋድሎ ድማ ተዓዊቱ። ነቶም በቲ እዋን ዝልዓሉ ዝነበሩ ሕቶታት ህዝቢ መሊሱ ህዝባዊ መንግስቲ እውን ተኺሉ። እዚ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ዙርያ መለሽ ባህግታት እቲ ህዝቢ እውን ሰፍ ዘይብል ዓወት ኣመዝጊቡ፡፡

ኮይኑ ግን ኣብዚ ምስበፅሐ ንድሕሪት ምምላስን ማዕረ ማዕረ ባህጊ እቲ ህዝቢ ዘይምኻድን ኣጋጢሙ። እዚ ስለዝኾነ እቶም ተመሊሶም ዝሓደሩ ፀገማት ከም ብሓዱሽን መልከዖም ቀይሮም ንኽልዓሉ በሪ ከፊቱ። ኣብቶም በብእዋኑ ኣብ ዝኾነ ከባብታት ሃገርና ዝለዓሉ ዘለዉ ዕግርግራት መበገሲኦም እንተሪእና ሕቶ ተጠቃምነት እዩ። ቀንዲ ሕቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ሕቶ ልምዓት እዩ። ኣብቲ ዕግርግር ዝሳተፍ ዘሎ መንእሰይ ሓይሊ እውን ስራሕ ዘይብሉ እዩ። ድሕሪ ሕቶ ልምዓት ሕቶ ዴሞክራሲ ከምዘሎ እውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ግን ድማ እቲ ፈላማይ ሕቶ፣ ሕቶ ልምዓት እዩ። ህዝቢ ኣይለማዕኹን፤ እናበለ እዩ ፀኒሑ።መንግስቲ ድማ ክፈትሕ ኣይክኣለን፡፡

ብሕልፊ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ድማ ነቲ ሕቶ ህዝቢ ክፈትሑ ካብ ዘይምኽኣሎም ብዝልዓል ነቲ ፀገሞም ንምሽፋን ንኻልእ ኣካል እውን ተሓታቲ እናገበሩ ፀኒሖም። “ከይትለምዕ፣ ሕቶኻ ከይንምልሰልካ እማ ወያነ እንዶ ከልኪሉና” ዝብሉ ፅግዕተኛ ሓይልታት ከምዝተፈጠሩ ብተደጋጋሚ ተገሊፁ ኣሎ። እዚ እንተኾይኑ ሕቶ እቲ ህዝቢ ካብ ሕቶ ወፂኡ ናብ ዓመፅ ክቕየር ግድን እዩ። ብሕልፊ ናብዞም ፅግዕተኛ ሓይልታት ካልኦት ነቲ ሕገ መነግስቲ ንምፍራስ ሃንቀውታ ዘለዎም ሓይልታት ስለዝተሓወስዎ ድማ ብሄራዊ መልክዕ እውን ክሕዝ ምኽንያት ኮይኑ። በዚ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ብሄር ብሄረሰባት ምጥምማት ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ንህልውና እቲ ሃገር እውን ስግኣት ኮይኑ፡፡

ብግልፂ ከም እንሪኦ ዘለና እቶም ፅግዕተኛ ሓይልታት ኮኑ ህዝቢ ንስልጣን ዝሪአሉ ዘሎ መንገዲ እውን ኣዝዩ ዝተዛበዐ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ይኹን እቲ ህዝቢ ስልጣን ኣብ ኢዱ ክኸውን እንትደሊ ንርኢ ኣለና። ናብ ስልጣን ዝተፀገዐ ሃፍቲ ይውንን /axcces to state access to economy/ ዝብል እምነት ካብ ሕልና እቲ ኣመራርሓ ይኹን ህዝቢ ምውራድ ኣብዩ ኣሎ። ሓቂ እዩ፤ ኣብ ዘይማዕበለ ሃገርን ዘይማዕበለ ኣተሓሳስባን ንሓላፍነት ዝተፀገዐ ኣካል ንሃፍቲ እውን ዝቐረበ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ህዝቢ ግን እዚ መተዓሻሸዊ ጥራሕ እዩ። ወዲ ወረደኡ ወይ እውን ወዲ ክልሉ ስልጣን ስለዝሓዘን ዘይሓዘን ዝጥቀምን ዝጉዳእን ህዝቢ ኣይተርአየን፤ ኣብ ሃገርና። ወይ እውን ብምኽንያት እዚ ዝተፈጠረ ስእነት ፍትሒ ኮነ ዴሞክራሲ የለን። ህዝቢ ንምትላል ግን ይውዕል ኣሎ።

ይኹን እምበር ድሕር ሕዚ ነቲ ህዝቢ ንምትላል ዝጥዕም ካልኣይ ሳልሳይ ዕድል ዝርከብ ኣይመስለንን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ነተን ናይ ቀደም ሕቶታቱ ሒዙ ንኹሎም ምኽንያታት ኣገላቢጡ ርኢዎም ኣሎ። ፅባሕ እቶም ሕቶታቱ እንተዘይተመሊሶም፣ “እሞ ሕዚ ኸ ድኣ?” ካብ ምባሉ ዓዲ ኣይውዕልን። ኣብዚ እዋን እቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ሰበብ ምግባር ፈፂሙ ኣይኽእልን። “ቀምሽ ኣደይ ኣሕንኲሉኒ” ምኽንያት ክኸውን ኣይኽእልን። እታ ዘላ ኣማራፂት ወይ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ሕቶ ህዝቢ ምምላስ እያ ወይ ከዓ ቦታኻ ምሓዝ እያ ክትከውን። ኣነ ሕዚ ኢህወዴግ ከም ውድብ ኩሎም ኣብ ፅላሉ ዘለዉ ብሄራዊ ውድባት ናብ ሓደ አምፂኡ እዚኣ ክገብሩ ክገብሮም እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን እቲ ሕማም ካልእ መድሓኒት ክደሊ እዩ።


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010