የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4534415
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1867
2471
4338
4511961
49688
165145
4534415

Your IP: 54.224.164.166
2017-11-20 17:21

በዓል ተራ ህውከትን ዕግርግርን መን ይኾን?

here we go
selam new

ካልኣይን መዛዘምን ክፋል                                         ሕድሪ ካብ መቐለ

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ፅሑፈይ፣ ሃገርና ኢትዮጵያ ድሕሪ መስዋእቲ ተጋዳላይ መለስ እውን እንተኾነ (ዋላኳ ክንዲቲ ዝድለ ስሉጥ ኣይኹን) ካብተን ቅልጡፍ ዕብየት ኣብ ምምዝጋብ ዝርከባ ሓሙሽተ ናይ ዓለምና ሃገራት ሓንቲ ኮይና ትቕፅል ከምዘላ፤ እዚ ተመስገን ዘብል ኮይኑ ብመዳይ ሰላምን ምርግጋዕን ግን ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ዘስርዕ ሪከርድ እናመዝገበት ከምዝመፀአት ሓደሓደ ነጥብታት ኣልዒለ ንምርኣይ ሞኪረ ነይረ። ካብቶም ንጭቡጥ ኩነታት ሃገርና መሰረት ገይረ ዘልዐልኩዎም ነጥብታት፣ ህውከትን ዕግርግርን ከመይ ሃገራዊ ኣጀንዳ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ፣  መልዓሊ ህውከትን ዕግርግርን እንታይ ከምዝኾነ፣  ከመይ እቲ ዕግርግር ይበራኸት ከምዘሎ፣ ወዘተ ዝብሉ ኣርባዕተ ነጥብታት ኣልዒለ ነይረ። መቐፀልትኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

V. እቲ ሕዚ ዝርአ ዘሎ ህውከትን ዕግርግርን ሃደንበታዊ ድዩ?

ዝኾነ ምንቅስቓስ ይሕመቕ ይፀብቕ ብዘይካ መራሒ ኣይፍጠርን። ህውከትን ዘይምርግጋእን እንተሃሊዩ ግድን መራሕትን መንቀሳቐስትን ኣለዉዎ። ነቲ ህውከት መተግበሪ ዝኸውን ውዳበ ኣለዎ። ናይቲ ህውከት ሰራዊት ከይተሃነፀ ህውከት ብሃንደበት ክውላዕ ዘለዎ ዕድል ፀቢብ እዩ። ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብሓደ ፀሓይ ቦግ ኢሉ ዝቀፃፀል ህውከት ስለዘየለ፤ ከምዚ ኢሉ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝወፅእ ህውከት፣ ነዊሕ እዋን እናተሰርሐሉ ዝፀንሐ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ነገር የብሉን።

ነዙይ ብኣብነት ንምርዳእ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምድሪ ኣምሓራ ብፍላይ ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን ዝተልዓለ ንተጋሩ ማእኸል ዝገበረ ህውከት ምርኣይ እኹል እዩ። “ተጋሩ ይውፅኡ!” ብምባል ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ ክልል ኣምሓራ ዝተወለዐ ህውከት መንቀሊኡ እንተርኢናዮ ናብ ኣመፃፅእኡ እዩ ዝወስደና። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ተጋሩ ክቡር  ሂወቶም ስኢኖም እዮም። ሰብኣዊ መሰሎም ዝተግሃሱ፣ ዝተበሳበሱ፣ ንብረቶም ዝተዘረፉ፣ ሂወቶም ከድሕኑ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ጥራሕ ኢዶም ጠልጠል እናበሉ ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ዜጋታት ብዙሓ  እዮም። ናብ ሱዳንን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ዝኣተዉ እውን ውሑዳት ኣይነበሩን።

ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ዝተረአየ ስፍሓት ህውከትን ምንግልታዕን እንትረአ፣ እቲ ፀረ ትግራይ ዝተገበረ ምንቅስቃስ ሃንደበታዊ ከምዘይነበረ ዘረጋግፁ ብዙሓት ምልክታት ምርቋሕ ይከኣል እዩ። እኳ ድኣስ  ንዓመታት ውሽጣ ውሽጢ ብትልሚ እናተሰርሓሉ ዝመፀን እንተስ ብደርፍታት፣ እንተስ ብድራማታት፣ እንተስ ብማሕበራዊ ሚድያ፣ እንተስ ብካልእ ሜላ ብሰፊሑ እናተፀወየሉ ዝፀንሐ ጉዳይ እዩ። እቲ ዘሕዝን ድማ ነዚ ዘቀናብሩን ሕልሚ ዘለዎምን ኣካላት ጥራሕ እኳ ኸይኾነ፤ ነዚ ስርዓት ናይ ምሕላው ተልእኾ ዘለዎም ከም “ኢ.ቢ.ሲ” ዝኣመሳሰሉ ትካላት ህዝቢ ኮኑ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት እውን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብዚ ሓሸውየ ተረግሪጎም መጋበርያ ኮይኖም ምፅነሖም ድማ ልዕሊ ኩሉ ዘገርም እዩ፡፡

ንኣብነት ኣብ ጎንደር ነዚ ፀረ ሕገ መንግስቲ ዝኾነ ሕቶ ዘተኣናግድ ቤት ፅሕፈት ብዕሊ ተኸፊቱ ሰፊሕ ስራሕ ክሰረሓሉ ፀኒሑ እዩ። ከካብ ከባቢኡ ዕጥቅታት ኣብ ጎንደር ክሽየጡ እንትውሕዙ ምልክት ዝህቡ ተርእዮታት ነይሮም እዮም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ይኹን ኣብ ምምሕዳር ሰሜን ጎንደር ዝነበረ ምምሕዳር ከምኡ እውን ውድብ ብኣዴን ኣብ ጎንደርን ከባቢኣን ዕጥቂ ከም ሓመድ ክሽየጥን ክልወጥን እንከሎ፣ ኣንቃዳ “ናይ ወልቃይት ኣስመላሽ” ኮሚቴ ብምጥያሽ ግልፂ ዝኾነ ምሕንካር ክገብር ከሎ ኣይፈልጥን ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብዚ ከባቢ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ቅድሚ ምብፅሑ እውን ሓይሊ ትምክሕቲ ልዕልነት ረኺቡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ ሓደገኛ ትምክሕተኛዊ ስጉምቲ ክወስድ ይርአ ነይሩ እዩ። ስለዚ እቲ ደሓር ዝተወልዐ ህውከትን ዕግርግርን ሃንደበታዊ ከምዘይነበረ ምድምዳም ይከኣል።

ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኦሮሞን ህዝቢ ኢትዮጵያ - ሶማሌን ተላዒሉ ዘሎ ግጭት እውን እንተኾነ ሃንደበታዊ ከምዘይኮነ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣብ ዶባት ክልቲኡ ህዝብታት ዝረአዩ ዝነበሩ ምትንዃያት ተበጊስካ መድምዳም ዝከኣል ሓቂ እዩ። ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ነቲ ህፁፅ ኣዋጅ መንግስቲ የልዕሎ እምበር እንገብሮ ባዕልና ንፈልጥ ክብሉ እንከለው እውን ታይ ማለቶም ከምዝኾነ ክፍተሽ ይግባእ ነይሩ። ከምኡ ግን ኣይተገበረን። ክትገብሮ ዘይግባኣካ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ክግበር ዘይግበኦ ከይግበር ዘይምግባር እውን ካልእ ወንጀል ምዃኑ እንበኣር ኣብዚ ይመፅእ። ካብቶም ዘይግባእ ገይሮም ሰላም ህዝቢ ዘቕህሙ ዘለው ኣካላት ብዘይነኣኣስ፣ እዚ ከይፍጠር ክሕሉ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ዝምልከቶ ኣካል እዚ ዘይምግባሩ እቲ ዓብዪ ሓጥያትና እዩ እየ ዝብል ኣነ።

ናይ ውሽጣ ሰላምን ምርግጋዕን ኣንጊሳ ካብ ባዕላ ሓሊፉ ብዓርሰ ቁመና ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ቅድሚት ተሰሪዓ እትርከብ ሃገርና እዚ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ህውከትን ዕግርግርን እናተሓመሰት እትኸዶ ዘላ ብዓንቀፍቀፍ ዝተኸበበ ህይወት ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን። እዞም ህውከታት ሒዞምዎም ዝመፁ ዘለዉ ሶሽዮ-ፖለቲካል ደውታ እሞ ይትረፍ፤ ንዕብየት ሃገርና ኣብ ልዕሊ ምህሳዩ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ሃገርና ንዘበናት ዝፀንሐ ፍቕርን ሕውነትን ኣብ ምሙሽማሽ ክፃወቶ ዝኽእል ኣሉታዊ ፅልዋ ብዋጋ ዝትመን ኣይኮነን። ስለዚ ናይ ምርሕሓቕን ምፍልላይ ባእታታት እናመዘኑ ንምንታይ ይመፁ ኣለዉ። ዓለማዊ መስሊ ብምህናፅ መዳይ እንተኾነ እውን ብቐሊሉ ዘይሕከም ዋጋ ክንከፍል ዘገድድ እኩይ ፀረ ህዝቢ ምንቅስቃስ ገይርካ ክውሰድ ዘለዎ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እቶም ግዳማዊ ኣጀንዳ ዘለዎም ግዳማውያን ሓይልታት ከምዘለውዎ ኮይኖም ኣብ ውሻጠና ዘሎ ሓይሊ ኸ ክገብሮ ዝግባእ ብዘይምግባሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ክገብሮ ዘይሕለም ነገር ብምግባር እውን ቁፅሪ ሓደ መሳርሒ እቲ ህውከትን ጥፍኣትን ይኸውን ከምዘየሎ ምርግጋፅ ኣገዳሲ ይኸውን።

VI.  መን ከ እዩ ተሓታቲ?

ዘላቕነት ዘለዎ ሰላምን ምርግጋዕን ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ናይ መንግስትን ናይ ሓፋሽ ህዝብን እኳ እንተኾነ፤ ብዋናነት ግን ናይ መንግስትን መንግስትን ተሓታትነት እዩ ዝኸውን። ንህውከትን ረብሻን መንሳኤ ዝኾኑ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ክከላኸልን ከወግድን ዝኽእል እቲ ስልጣን ዝተረከበ ፓርትን ንሱ ዝመርሖ መንግስትን እዮም። ካብ ፌደራል ክልል ጀሚሩ ክሳብ ጣብያ ዝርከብ መንግስታዊ መሓውር ቀዳማይ ተግባሮም  ሰላምን ምርግጋዕን እዛ ሃገር ምንጋስ እዩ ክኽውን ዘለዎ።ካሊእ ውራይ ድሕሪ ሰላምን ምርግጋዕን ዝመፀእ እዩ።

ኣብ ፓርቲ ኮነ መንግስታዊ መሓውር ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ሓድነትን እንተዘይሃሊዩ፣ ወይ እውን ካብ ደባል ኣተሓሳስባ ዘይፀረየ እንተኾይኑ ካብ ተፃብኦታት ህውከትን ዕግርግርን ዝረሓቐ ኣይኸውንን። እቶም መሓውራት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብኻሊእ ኣተሓሳስባታት ዝተጠመቑ እንተኾይኖም ንሰላምን ምርግጋዕን ክጣበቑ ኣይኽእሉን። ኣብቲ ናይ ሰላምን ምርግጋዕን መሓውር ሰሪፆም መገልገልቲ ፀረ ሰላምን ምርግጋዕን ሓይልታት እዮም ዝኾኑ። ሃገርና ኣጋጢምዋ ዘሎ ዓብዪ ፀገም እምበኣር እዚ እዩ። ኢህወዴግን መሓውሩን ኣጋጢምዎም ዘሎ ፈተና እዚ እዩ።

ፀረ ኢህወዴግ ሓይልታት፣ እዛ ብኢህወዴግ እናተመርሐት ሰላም ዓሲሉዋ ተረጋጊኣ እትስጉም ዘላ ምዕብልቲ ኢትዮጵያ ቀደም ናብ ዝነበረቶ ክብርን ብራኸን ተመሊሳ ክርእዩዋ ድልየት ኣይብሎምን። ብድኽነትን ዝተናውሐ ኲናት ሕድሕድን ክትሳቐ ዝገበርዋ ሃገር ብመንገዲ ወያናይ ዲሞክራሲ ማዕቢላን ተለዊጣን ክሪኡ ፍቃደኛታት ኣይኮኑን። ኣብ ኢህወዴግ ተቓውሞ እንተሃልዩዎም እውን ኣብ ክንዲ ዝሓዙዎ ዕላማ ንህዝቢ ብምእማን ብሰላማውን ዲሞክራስያዊ መንገዲ ድጋፍ ዝእክቡ፤ እቲ ናይ ዲሞክራሲ ቀይሕ መስመር ብምሕላፍ “ድሕረይ ዳንዴር ኣይብቆል” ብዝብል ፈሊጥ ፖለቲካዊ ጠላዕ ኣብ መፅዋት ይርከቡ።እዙይ ዝፍፅምሉ ኣንፈት ድማ፣ ኣብ ማሓውር ኢህወደግ ብምስግሳግ እቲ ቀንዲ ስትራቴጅኦም እንትኸውን፤ ብሶሽያል ሚድያ ኮነ ብኻልእ መራኸቢ ሓፋሽ ብዝፈጥርዎ ናይ ምድንጋር ፕሮፖጋንዳ እውን ቀሊል መንገዲ ኣይኮኑን ዝጓዓዙ ዘለዉ። ብኻሊእ ኣዘራርባ “ኢህወዴግ ንምፍራስ ንኢህወዴግ መሲልካ እዩ” ብዝብል ቅኒት ነቲ ህውከትን ዘይምርግጋእን መራሕቲ ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ከዓ ውድብን መንግስትን ስርሖም ብኣግባቡ ክሰርሑ ብዘይምኽኣሎም ዝፍጠር ዘሎ ፀገም እዩ።

ቁመና ኢህወዴግን ኣሓት ውድባቱን ዓቕሚ ኣባላቱ ብምትሓቱ ገሊኡ እውን ግዳይ ፀረ ዲሞክራስን ክራይ ኣካብነትን ብምዃኑ ነቲ ናይ ፀረ ሰላም ሓይልታት ኣጀንዳ ቀንዲ መሳርሒ ብምዃን ቅድሚት ይስራዕ። ነቲ ህውከትን ዘይምርግጋእን ወይ ኮነ ኢሉ ዝመርሕ እዩ ወይ ድማ “እንታይ ገደሸኒ” ኢሉ ናይ በለፅ ካባ ደሪቡ ነገራት እናተበላሸዉ ንደገ እንዳሰንደወ “ኣነ ከም ጲላጦስ ንፁህ እየ” እናበለ ብስብከት ዝነብር እዩ። ከምዚ ኢሉ ዝቕፅል እንተኾይኑ እቶም ሁከታትን ዘይምርግጋዕን ቀፃልነት ክህልዎም እዩ ማለት እዩ። “ፅባሕኸ በዓል ተራ መን ኮን እዩ?”፣ “መነ - መን ኮን ክጋጨው እዮም?” እናበልና ክነብር ኢና። ዝደጋገም እንተኾይኑ ድማ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ። ስለዚ ብመሰረቱ ፍታሕ ክረክብ ዘለዎ ዓቢዪ ፀገም እዩ። 

VII . ከመይ ይፈታሕ?

እቲ ምላሽ፣ ካብ ኩሉ ፈታዊ ዓዲ ዝኾ ዜጋ ክመፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ምላሽ እዩ። ብወገነይ እዚ ዝስዕብ ናይ መፍትሒ ሓሳብ ይረኣየኒ፡፡

1. ቅድሚ ኩሉ ኢህወዴግ ውሽጡ ብቃልሲ ከም ቀደሙ የፅርይ

እቲ ሽግር ኣብ ውሽጡ ዝተሰግሰገ ናይ ክራይ ኣካብነት ሓደጋ ብ“ዕርቂ” ከይኮነስ ብልሒ ብዘለዎ ሓቀኛ ደርባዊ ቃልሲ ይፈትሾ።ካብ ውልቀ ክብርን ምድርራዝን ወፂኡ ብዘይንሕስያ ቆሪፅካ ምድርባይ ወያናይ ልኡኽ ክኸውን ይግባእ።ንህዝባዊነት ክበሃል ክኽፈል ዝግበኦ መስዋእትነት ንምኽፋል ድልው ምዃን ይጠልብ።ናይ ኢህወዴግ መለለዪ ባህሪ ልፍስፍስ ምባል ዘይኮነስ ትረትን ፅንዓትን እዩ።ካብ በዝሒ ኣባላት ኣብ ፅሬት ኣባላት ትኹረት እንተገይሩ ዝበለፀ ይጥቀም።

2. እቲ ቁልፊ ሽግር ምንፃርን ፈሊኻ ምውፃእን

ቁልፊ ሽግር ምንፃርን ፈሊኻ ምውፃእን ናይቲ መፍትሒ ፍርቂ ጉዕዞ ምኻድ ከምዝኾነ ለባማት የዛረቡ።እቲ ሓምሳ ምኢታዊ ኣብ ባዕሉ ኣብቲ መፍትሒ ብምርብራብ ዝውዳእ እዩ።“እቲ ቁልፊ ሽግር ክራይ ኣካብነት እዩ” እንተተባሂሉ እቲ ሕማም ከምዝተነፀረ ዝሕብር እዩ። ክራይ ኣካብነት ዓንቃፋይ ዘይኾነሉ ኩነታት ክፍጠር ግና ካብ ላዕላይ መሓውር ክሳብ እቲ ዝተሓተ መሓውር ኣንፃር ክራይ ኣካብነት ዝበልሐ ቃልሲ ክካይድ ኣለዎ። እቲ ቃልሲ “ፍርቂ ልፃያ” ኮይኑ ክተርፍ ኣይብሉን። ከምቲ ዓሳስ፣ “ግማቱ ከጭንቅላቱ” ዝብልዎ ኣምሓሩ፤ ኣብ ሓደ ስርዓት ሕመቕ እንተሃልዩ እቲ ሕመቕ ናይ ታሕተዋይ መሓውር ጥራሕ ኣይኸውንን። ናይ ሙሉእ መሓውር ሕማም ካብ ታሕቲ ብመቅርዳድ ጥራሕ ፈውሲ ኣይርከቦን። ናይቲ ሕማም ሰራውር ካብ ርእሲ ስለዝጅምር ካብ ስሩ ከይቀርደድካ ወያናይ ልዕልና ኣይነግስን።  እዙይ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልስና ብተግባር እናተረጋገፀ ዝመፀ ጉዳይ እዩ። ብብልሒ ዝተመርሐ ፅርየት ዝላ እንተረጋግፅ፤ በለፅ ኣብ ዝዓብለሎ ከይዲ ፅርየት ድማ ዝላ ከይተመዝገበ እቶም ሕመቓት ጨብጪቦም መሊሶም ዕንቅፋታት ክፍጠሩ ክኢሎም እዮም። ናይዚ ሓደ መግለፂ ክኾን ዝኽእል ኣብ 1985 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝተኻየደ ፍሹል ምንቅስቓስ ተጠቃሲ እዩ። እቲ ኣብ 2009 ዓ.ም ኣብ ኩለን ኣባል ውድባት ኢህወዴግ “ተኻይዱ” ዝበሃል ተሃድሶ እውን ምስቲ ናይ 1985 ዓ.ም ዝተኻየደ ፅሬት ተመሳሳልነት ዘለዎ እዩ ዝመስል በሃሊ አየ። “ንምንታይ?” እንተተባሂሉ እቲ ዓዲ ንምፍራስ ቀሪቡ ዝነበረ ህውከት በዓል ዋንኡ ብግልፂ ፈልዩ ዘየውፅአ ስለዝኾነ። እቲ ናይ ትምክሕተኛታት ዋና ሓይሊ ፈልዩን ኣነፃፂሩን ዝወቐዐ ስለዘይኮነ። ብፍላይ ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ኢህወዴግ ናይቲ ትምክሕቲ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ብበሊሕ ደርባዊ ቃልሲ ክፈልዮም ኣይክኣለን። እዚ ከዓ ኣብቲ መስርሕ ተሃድሶ ተሸፋፊኖም ብምሽምጋል ስለዝሓለፉ እዩ። ንገዛእ ርእሱ ካብ ትምክሕቲ ዘይወፀ መሪሕነት “ንወያናይ ዲሞክራሲ ዋሕስ ኮይኑ ፅሬት ከረጋግፅ እዩ” ኢልካ ምግማት ዝንተምጎታዊ ኣይኮነን። ካብ ደባል ኣተሓሳስባ ሒዞም ዝጓዓዙ ኣመራርሓ ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝላ ከምፅኡ ምፅባይ የዋህነት እዩ። እቲ ኩነታት ከምቲ ዝነበሮ ኮይኑ ዝቕፅል ዘሎ ኮይኑ ስለዝተረኣየንን እቲ መፍትሒ መእመናይ ኮይኑ እረኽቦ ስለዘየለኹን ድማ እየ ከም ኣባል ቀፃሊ በዓል ተራ ህውከትን ዕግርግርን ኮን መን ይኾን? ከበለኒ ዝኸኣለ።ሰናይ ቅንያት።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010